Thursday, November 13, 2014

ፅንዓት ዓድለኒ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ፅንዓት ዓድለኒ
ካብ ባሕሪ ናይ ሓጥያት ብፍጹም ወጺአ
ካብ’ቲ ንዓመታት ንልበይ ዝገዝአ
ብመርከብ ንስሓ ናብ ቤትካ መጺአ።
     ኩሉ ገዲፈዮ ነገራት ናይ ርኽሰት
     ተሓጺበ ኣለኹ ብንስሓ ካብ ሓጢኣት
     ጽንዓት ዓድለኒ ኣምላኽ ኩሉ ፍጥረት።
ካብ ጓይላ ዳንኬራ ናይ ሰይጣን ምርምር
መሪጸ’የ ኣነ ንስምካ ክዝምር
ጽንዓት ዓድለኒ ኣብ ቤትካ ክነብር።
      ኣብ ክንዲ ትዕቢት ክለብስ ትሕትና
      ዘውትር ከብጽሕ ንስምካ ምስጋና
      ጽንዓት ዓድለኒ ዘስተውዕል ልቦና።
ክቡር ደምካ ክሰቲ ስጋኻ ክምገብ
ኣብ ቤትካ ክነብር ብዘይ ገለ መንቅብ
ጽንዓት ዓድለኒ ኣእምሮይ ከይስለብ።
       ውዕሎታት መስቀልካ ዘኪረ ክነብዕ
       ብናይ ዓለም ገይጺ ልበይ ንኸይሰድዕ
       ጽንዓት ዓድለኒ መታን ክብርትዕ።
ኣብ ምድራዊት ቤትካ ክኸውን ኣገልጋሊ
ከየታልለኒ ሰይጣን መታለሊ
ጽንዓት ዓድለኒ ከም ኣባ ጳውሊ
ንኩሉ ሽግራት ክኸውን ከኣሊ።
          30፡ 60፡ 100 ክፈሪ
        ብርሃን ክጐናጸፍ ናይ ሰማያት ክብሪ
        ጽንዓት ዓድለኒ ናይ ኩሉ ፈጣሪ።
ድኹም ሕልና ኣነ ወዲ ኣዳም
ናብ ሓጢኣተይ ከይምለስ ዳግም
ጽንዓት ዓድለኒ መድሓኔ ኣለም።
       ንስምካ ክውድስ ብኣውታር ጸናጽል
       ብናይ ያሬድ ዜማ ኣዕጽምቲ ዘጥልል
       ጽንዓት ዓድለኒ ልበይ ንኸይድህለል።
ብዝማሬ ዳዊት ስማካ ንኽውድስ
ብናይ እዝራ ቅኔ ንልቢ ዘሐጉስ
ብጸሎት ሰዓታት ናይ ኣባ ጊዮርጊስ
ጽንዓት ዓድለኒ ዳግም ንኸይረክስ።
        ክብርኻ ክውድስ ብጣቕዒት ከበሮ
        ከም ሓፍቲ ሙሴ በዓል’ቲ ኣእምሮ
        ጽንዓት ዓድለኒ ጸሎተይ ስመሮ።
ካብ መገዲ ጥፍኣት ሂወት ዘርኣኻኒ
ኣምላከ ቅዱሳን ዘለኣለም ስፋኒ
ከም ፍቁር ልኡኽካ ዘስሙ ዮሃኒ
ከም ካህን ዘካርያስ መቕደስካ ዓጣኒ
መስቀልካ ክጸውር ከም ኣባ ኣንጦኒ
ክርስቶስ ኣምላኸይ ጽንዓት ዓድለኒ።
         ስብሃት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።