እንኳዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም ኣብጽሓና
ወተንሥአ እግዚአብሔር ከምዘንቃህ እምንዋም ወከመ ኃይል ወኅዳገ ወይን ወቀተለ ጸሮ በድህሬሁ መዝ. ፸፯፡፹፭-፹፮ (78፣85-86።)
ዮሓ.20፣1-19። ግ.ሓዋ.2፣22-26። 1ይቆሮ.15-1-20። 1ይጴጥ.1፣1-13።
ቅዳሴ ፣ ዲዮስቆሮስ ( እምቅድመ ዓለም)
ወንጌል ማቴ. 28፣1-ፍጻሜ ማር.16፣1-ፍጻሜ ሉቃ.24፣1-16
በኩረ ትንሣኤ
ይትፌሳህ ሰማይ ወትትሐሰይ ምድር ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሳህ ወትሐሰይ ባቲ
ኦ እግዚኦ ኣድኅንሶ (መዝ.፻፲፯፡፳፬\ (118-24) ።
ዎ እግዚኣብሔር ዝገበራ መዓልቲ
እዚኣ እያ፡ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሔር ኣድሕን ኰታ።
በኩረ ትንሣኤ
ትንሣኤ ዝብል ቃል ካብ ተንሥአ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኽበ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ምትንሣእ ማለት እዩ። ብናይ ቤተክርስቲያና ትምህርቲ ትንሣኤ ናይ ሙታን ምትንሣኣ ፣ ብሞት ተፈላልዮም ዝነብሩ ነፍስን ሥጋን ምርኻብ፣ ምጽኣተ ጎይትና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ካልኦት ትርጉማትን የመልክት። በኩረ ዝብል ቃል ድማ ናይ ግእዝ ቃል ኮይኑ ቦኽሪ ወይ መጀመርያ ቀዳሚ ምዃኑ ዘርእይ እዩ።