ሰብ ክንእደኒ፡ ብዛዕባይ ኪዛረብ እምበር………………
(Click to Read in PDF)ከባቢ ሰዓት 3፡00
ናይ ኣጋምሸት ሰንበት መዓልቲ ናይ ዓመተ 2010 እዩ ኔሩ። እቲ ኣብ ሞንጎ መንእሰያት መዛረብን መካትዕን ምንጪ ሸተኽበተኽን ኮይኑ ዝቐነየ ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝካየደሉ
መዓልቲ ብምንባሩ ልበይ እናተፈታተነኒ
ከም ልሙድ ናብ ቤተክርስቲያን
ተበገስኩ። መን ይስዕር?
ክንደይ ብኽንደይ ይውዳእ? መንከ ሸቶ የመዝግብ? በዓል መን እዮምከ ዝስለፉ? ዝብል ሕቶታት እናውረድኩን እናደየብኩን ከይተፈለጠኒ ኣብ ኣፍ ደገ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት በጻሕኩ። ኣብ ኣፍ ደገ ቀጽሪ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣማዕቲበ ድሕሪ ምስላመይ፡
ካብ ቀንዲ ኣፍደገ ንየማን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ትምህርቲ ሰንበት ኣምራሕኩ። ናይ ዕለቱ መርሓ ግብር ድሮ ጀሚሩስ ጸሎት፡ መእተዊ መዝሙር፡ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓሊፉ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ኣብ ምጅማሩ እየ ኣርኪበ። ኣብቲ
ኣደራሽ ምእመናን ተማሀሮ ትምህርቲ ሰንበት ደቂ ተባዕትዮ ብየማናይ ወገን ደቂ
ኣንስትዮ ከኣ ብጸጋማይ ወገን ናይቲ ኣዳራሽ ተቐሚጦም፡ ገለ ኣዴታት
ከኣ ኣብቲ ቀንዲ ኣፍደገ ናይቲ ቀጽሪ ቤተክርስቶያን ብወገን ጸጋም ኮፍ ኢለን ነቲ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ኣብ ምክትታል ነበሩ። እቲ
መምህር “ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም
ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን።” ዝብል ካብ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ
ዝተወስደ ሓይለ ቃል መበገሲ ጌሩ እዩ ዝምህር ኔሩ።
“እስከ ብሓደ ሓሳብ፡ ብሓደ ልቢ ንኩሉ ገዲፍና’ዶ ብመንፈስን ብኣካልን
ኣብዚ ኣለና፡ ወይስ ብኣካል ኣብዚ ቈምና ብሓሳብ ግን ኣብቲ ገዲፍናዮ ዝመጻና ዓለም ኣለና፥” ሰባኺ ስብከቱ ይቕጽል።