በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ምሳሌ መንግሰተ ሰማያት
ማቴ 22፡1-14
1.
ብነጸላ ትርጉም፡ ንኣብነት ኣበ ብዙሃን ኣቦና ኣብርሃም፡ ካብ ካራን ናብ ከንኣን ዝገበሮ ጉዕዞ ወይ ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት፡ <<ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ>> ይብል። ነዚ ቃል ብቀጥታ ኣንቢብና ክንርድኦ
ንኽእል። ምኽንያቱ ትርኻዊ መልክዕ ስለዘለዎ።
2.
ምሳሌያዊ ትርጉም፡ ንኣብነት፡ ዘልኣለማዊ ድንግልና ናይ ኣዴና ቅድስቲ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ <<ኣቲ ሓብተይ መርዓተየ እጽውት ገነት ዕጽኢ ዔላ ሕቱም ዐይኒ ማይ ኢኺ>> (መሃ 4፡12)፡ ነዚ ሓይለ ቃል ብነጸላ ትርጉም ክንወስዶ እንተ በልና ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ
ዓይኒ ማይ = ከመይ ገይራ ትሕተም፤
ዒላ = ከመይ ገይራ ትዕጾ