Thursday, May 26, 2011

ምስላ ብእንስሳ

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ጎይታናን መድሓኒናን ንሃዋርያት ክልእኾም እንከሎ ማቴ 10፡16-*እንሆ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ እሰኩም ኣኹ፡ለዋሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ በሎም*። ጎይታናን መድሓኒናን ኣብዘን ሓጸርቲ ቃላት ብዙሕ ትምህርቲ ምሂሩና’ዩ፡ ንሎሚ ኽኣ እግዚኣብሔር ብዝፈቐዶ ቁሩብ መብርሂ ክንጽሕፍ፡ እግዚኣብሄር ይሓግዘና!!
 
ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ ፡- በጊዕ ለዋህ እዩ፡ ቶኽላ ኽኣ ጨካን፡ ንሃዋርያት ናብ ዓለም ክልእኮም እንከሎ ኸኣ ዓለም ከም ቶኽላ መሲልዋ። ቶኽላ ኣብ መንጎ ኣባጊዕ ክሃድን እንተ ደልዩ በጊዕ መሲሉ፡ ሳዕሪ ዝበልዕ እናመሰለ ይቐርበን፡ ሳዕሪ ዝበልዕ መሲሉወን ከይፈርሃ ሃዲአን ከለዋ ይሕወሰን፡ ምስደለዎ ኽኣ ሓንቲ ይወስድ’ሞ እተን ካሌኦት ፋሕ ይብላ፡ ዓለም ክኣ ግብራ ነዚ ስለትመስል ጎይታና ብቶኽላ መሲሉዋ (ክሳብ ተውድቐካ ንዓኻ መሲላ ትጽግዒካ’ሞ ብሕማቕ ኣዋድቓ ተውድቐካ)
መብዚሕትኡ ግዜ ኣብ ክሕደት ኣምላኽካ ፣ ኣብ ትዕቢት፣ ኣብ ሃብቲ ፣ ኣብ ስልጣን። በዚ ዝወድቑ ኽኣ ማእለያ የብልምን!!

ቶኽላ ንሃድን ክወጹ እንከለዉ ነታ ግዳይ እናተባራረዩ ኣድኪሞም ከምዘውድቕዋ ዓለምና ኽኣ ዜተፈላለየ ሽግራት እናምጽአት እቲ ወዲአ ኽትብል እቲ ሓደ አና’ስዓበት ፈጣሪኻ ክሳብ እትኽሕድ'ያ ትፈታትነካ ብኹለ እንተሰነፍካያ ኽኣ ንዓኻ ንምውዳቕ ዕረፍቲ የብላን! ክንፈሌጦ ዘለና ግን ዓለም ትብሃል ዘላ እቶም መሳርሒ ሰይጣን ዝኾኑ ደቂ ሰባት ምዃኖም’ዩ!!   

ጎይታና ኽኣ ክፋእ ቶኽላ ክገልጽ እንከሎ ማቴ 7፡15 ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ኽንሶምሲ ክዳን በኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዝመጽኹም ይብለና!! ቶኽላ ሕጺር ብዝበለ ዘይጸዓረሉ ዝበልዕ፡ ክሳብ ዜጥዕሞ ንኣኻ መሲሉ ዜጓዓዝ፡ኢልካ ኽትጠቕሶ ትኽእል። በጊዕ ኽኣ ጓስኣ ብዝመርሓ ትጓዓዝ፡ ንጓስኣ ዘይተሸግር፡ ካብ ድልየት ጓስኣ ወጺኣ በትሪ ጓስኣ እንተ ወረዳውን ዘይተማርር (ተመሊሳ ቦትኣ ትሕዝ’ምበር ክፍ ክጠፍእ ዘይትብል)። ብዓቕሚ ደቂ ሰብ ክትግምቶ እንከለኻ ከቢድን ዘይውጻእን’ዩ!! ኣባጊዕ ኣብ ማእኸል ተዃሉ፧ ዘገርምዩ! ጎይታ ግን እታ መገዲ ኽኣ ሓቢርዎም ለውሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ! ርግቢ ለዋህ’ያ፡ ኣብ ደቅሰብ እተውርዶ ጉድኣት ክኣ የን፡ ርግቢ ዝወረደ እንተ ወረዳ ገዝኣ ሓዲጋ ኣይትኸይድን’ያ፡ ገዜኣ እናጸገነትያ ትነብር! ናትና ቤት ከኣ ቤተክርስትያና’ያ ጎይታና ኽኣ ብዜኾነ ኣጋጣሚታት ክንገድፋ ከም ዘይብልና ንኽሕብረናዩ ርግቢ ብምሳል ኣቕሪብዋ፡ ርግቢ ውሊዳ ካብ ኣፋ ብትህቦም ፍረ ከም’ተዕብይ ፣ መጀመርያ ንሃዋርያት መቐጸልታ ኽኣ ንኹሉ ክርስትያን ካብ ኣፉ ሂወት ዜህብ ቃላት ንኸነውጽእ’ዩ! ብምሳለ ኣቕሪቡሌና!! 

ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ፡ እዚ ኣበሃህላ ክትሰምዖ ከለኻ ተመን ከብሃል ከሎ ነብስኻ ከምገ ይገብረካ፡ ክፉእ ምዃኑ ስለ ንፈልጦ፡ ካብ ክፉእውን ነቲ ጽቡቕ ጎኑ መርሚርካ ክትጥቀመሉ ጽቡቕ ሰለ ዝኾነ ጎይታ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ ኢሉና!! ተመን ማይ ኽሰቲ እንከሎ መርዙ ኣውጺኡ እዩ ዜሰቲ ንዒና ኽኣ ቃል ኣምላኽ ክትሰምዑ እንከለኹም ስጋሁ ወ ደምሁ ክትቅበሉ እንከለኹም ኣብ ሽጥኹም ዘሎ ቂምታ ከፋእ ኣንጺህኩም ተቐበሉ!

እንተ ዘይኮነ ከምቲ እቲ ተመን ምስቲ ዘዳለዎ መርዙ ማይ እንተ ሰተየ ንሞት ዜኾኖ ንዓኹምውን ንሂወት ኣይኮነኩምንዩ ማቱ’ዩ!! ተመን ብጽሓይ (ብ ብርሃን) ይንቀሳቐስ፡ ንሕና ኽኣ ከምቲ ጎይታና ኣነ ብርሃን ዓለም’የ ከምዝበ ብጎይታና ጸኒዕና ክንመላለስ፡ ማት ከምቲ እቶም ከፉኣት ግብሮም ከፉእ ሰለዝኾነ ግብሮም ንኸይፍለጥ ብሕቡእ ብጸላም ክገብርዎ እፈትዉ! እቶም ቂ ብርሃን ግን ግብሮም ቅኑዕ ስ ዝኾነ ብብርሃን’ዮም ዜገብርዎ ዝበለና ብብርሃን፡ ብቕንዕና፡ብፍቕሪ፡ ብሓድሕዳዊ ሓሌዮት ኮታ ኩሉ ጽቡቕ መገድና ጌርና ክንጕጓዝ ከምዝግብኣና ንኽምህረና ’ዩ። ተመን ጸላኢ (ሰብ) ምስዝረኽቦ ቀዲሙ መጸግዒ ሒዙ'ዩ ዝጽበ ጎይታና ኽኣ ጸላኢኹም ንኽትስዕርዎ መጸግዒ ይሃልኹም ይብና፡ እግዙኣብሄር ክኣ ብዙሕ ጸላኢና ክንስዕረሉ እንኽእል መጸግዒ ሂቡናዩ! እታ ቐንዲ ኽኣ አዴና ድንግል ማርያም እያ! ሕጽር ብዝበለ ጽዮን ማለት መጸግዒ ማለት እዩ፡ ካብ ሰብ ክኣ እታ ኣምላኽና ዜሓረያ መዕረፊቱን መጸግዒቱን ኣዴና ድንግሌ ማርያም’ያ!! ጸግዒን ጽላልን የብዝሓልና ኣሜን!!

ተመን መጸግዒ ኣብዘይብሉ ምስ’ትረኽቦ ግን ርእሱ ይሓብእ’ሞ ጸላኢ ወቒዑ ርእሱ ከይረኸቦ ምስዝገድፎ ርእሱ ስለ ዘይተረኽበ ይትንስእ፡ ጎይታና ካብዚ ክምህረና እንከሎ ዝወረደ አንተ ወረደኩም ክርስትናኹም ኣሕሉፍኩም ኣይትሃቡ ማለቱ’ዩ! ሃዋርያ ጳውልስ ኣብ መልእኽቱ ርእሲ ሰበይቲ ሰብኣይ፡ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፡ ርእሲ ኽርስቶስ ኣምላኽ ይብና፡ ስለዚ ርእስኹም ኣይትሃቡ ማቱ ክርስትናኹም ኣይትሃቡ ማለቱ እዩ!!

ኩሉ ኣብ ቅድሜና ዜግበር ዘሎ ክርስትና ነምጥፋእ’ዩ፡ በቲ ዘጋጥም ፈተነታት ወዲቖም ዘለዉ ብዘሓትዮም፡ ድሕነት ይፍጠረሎም!  እዚ ጽሑፍ እዚ ኽኣ እቶም ዘይወደቕና ንኸይንወድቕ እቶም ዚወቑ ኽኣ ናብ ድሕነት ንኽምለሱ ይጽሓፍ አሎ’ሞ ነስተውዕል ካብዚ ንላዕሊ ትምህርቲ ምስ’ንደሊ ኽኣ ኣብ ቀረባና ዘለዉ ኣቦታት ንወከስ!  

ክቡራን ህዝበ ክርስትያን እግዚኣብሄር ንሰብ ብመሌክዑ ክፈጥሮ እንከሎ ካብ ግብሪ ኣምላኽ ተማሂሩ እቲ ዝተመበሉ ሃብቲ መንግስተሰማያት ክወርስ’ዩ ነይሩ፡ ሰብ ግን ናይርእሱ መንገዲ ስሰዘመረጸ ብእንስሳ ክሳብ ዝምሃር ደንቆሮ ኾነ። 
ዘለናዮ ግዜ ምሉእ ኣገልግሎት ክትረኽበሉ’ትኽእል ስለዝኾነ ኣብ ኢንተርነት ወይ ካሌእ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዘሕልፋ ማዕከናት እና ሰማዕና ኣቦታት እናሓተትና ንጠቐመሉ፡ መኽንያቱ ኩሉ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝዛረብ ሃይማኖታዊ ማት ኣይኮነን ኩሉ ብፍሪኡ’ዩ ዝልለ!! ኣቦታትና ብዘዳልዉልና ትርጓሜ መጻሕፍቲ እናተጠቐምና ሚስጥር መንግስቲ ኣምላኽ ፈሊጥና በታ ጸባብ በገዲ እናተጓዓዝና ኣብቲ ጎይታና ዘዳለወልና መንግስተ ሰማያት ዘብጽሓና ፍረ ንግበር። 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል 
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!! 

1 comment:

  1. kale hiwet yesmealna amine hawey, God bless YOu

    ReplyDelete