Showing posts with label ኣጽዋማትን በዓላትን. Show all posts
Showing posts with label ኣጽዋማትን በዓላትን. Show all posts

Saturday, March 9, 2013

ጾምናን ምጽዋትናን እንታይ ይምሰል?


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

ብቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ


ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊን ካልኦት ናይ ሶርያውያን ቅዱሳን ኣበው ብዛዕባ ጾም ፣ጸሎት፣ ምጽዋት ንነፍሲ ብርሃን እዮም እንዳበሉ ይገልጹልና። ዓይኒ ብድጋፍ ብርሃን ከምዝርኢ ነፍሲውን ብዘይ እዚኣቶም ድጋፍ መንፈሳዊ ዓለም ምርዳእ ኣይትኽእልን እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ናይ ሥጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ብዘሎ ሥጋኻ ብሩኅ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና ብዘሎ ሥጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እዚ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።>> ማቴ.6፣22። ብርሃን ዝበሎም  ነዚኣቶም እዩ። ነዚኣቶም ካብ ከንቱ ውዳሴን ሪሕቕና ብግቡእ ተጠቒምና ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮም መንፈሳዊ ምስትውዓልና ኣዝዩ ዝዓሞቐ ይኸውን። ኮይኑ ግና ነዚኣቶም ካብ ሰብ ክብርን ሞገስን ደሊና እንፍጽሞም እንተዀይና፣ ካብ ጥቅሙ ንላዕሊ ጉድኣቱ ኣባና ይዛይድ እሞ  መጻወቲ ጸላኢ ሠናያት ይገብረና ። ብግቡእ እንተዘይተግበርናዮም ኣብ ልዕሊ ሓጥያትና ሓጥያት ክንውስኽ ይገቡሩና እሞ መንገዲና ንስሕት። ስለዚ ኣባና ዘሎ ብርሃን (ጾም ጸሎትን ምጽዋትን ) ብኸንቱ ውዳሴን ብኻልኦት ሓጥያት ጸልማት እንተዀይኑ፣ ቀዲሙ ምስ ዝፈጸምናዮም ሓጢኣት ተደሚሮም ናብ ዝገደደ ጸልማት የውዱቑና። ስለዚ እዪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።>> ዝበለና። ድንቂ ዝኾነ ኣስተምኅሮ ከነስተውዕሎ፣ ቅዱስ ኤፍሬም ካብ ዝተርጎሞ መጽሓፉ ወንጌል ትርጓሜ ብዛዕባ ጾም እስከ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንርአ። አምላከ ቅዱሳን በረኸትን ረደኤቱን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም የካፍለና።

Saturday, February 23, 2013

ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥኣን ተስፋነ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥኣን ቤዛነ ኪዳነኪ ኮነ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኪዳነምሕረት ዓመታዊ በዓል አብጸሓና!

ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ዘውጻእናዮ ንኽትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድም። 

(ኣብዚ ጠውቑ ሠናይ ንባብ።)

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

Friday, January 18, 2013

<<ንኣይ ኣባኻ ምጥማቕ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧>> ማቴ 3፡14


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ጥምቀት ብሰላም ኣብጻሓና!
ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር እቲ ንኣዳም ዘተስፈዎ ዘመን ምስ ኣኸለ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ብምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ። ንህላዌኡ ዘመን ዘይቝጸረሉ ወልደ እግዚአብሔር ብተዋሕዶ ዘመን ስለዝተቖጽረሉ ዓመት ምስ መልአ ዘመነ ሉቃስ ዕለተ ሠሉስ ጥሪ ፲፩ ልክዕ ሰዓት ናይ ለይቲ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። አፈ እግዚአብሔር ተባሂሎም ብዝፍለጡ ነቢያት ኣቐዲሙ ብትንቢት፡ ብኢድ መሬታዊ ዮሓንስ ከም ዝጥመቕ፡ እንሆ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፡ ንሱ ቀቅድመይ መገዲ ክጸርግ እዩ ብኡኡ ከኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ክመጽእ እዩ ይብል ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ሚል ፫፥፩ ከምኡውን ነቢይ ኢሳይያስ እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ድምፁ ዓው ኣቢሉ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ ምድረ በዳ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምዕ ከኣ ንኣምላኽና ጽርጊያ ኣቕንዑ፡ ሽንጥሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኵሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን፡ እግዚአብሔር ተዛሪቡ እዩ እሞ ክብሪ እግዚአብሔር ክግለጽ ኵሉ ሰብ ከኣ ኃቢሩ ኺርእዮ እዩ ብምባል ቃል ትንቢት ኣስሚዑ ነበረ። ኢሳ ፵፡፫።