ብቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊን ካልኦት ናይ ሶርያውያን ቅዱሳን
ኣበው ብዛዕባ ጾም ፣ጸሎት፣ ምጽዋት ንነፍሲ ብርሃን እዮም እንዳበሉ ይገልጹልና። ዓይኒ ብድጋፍ ብርሃን ከምዝርኢ ነፍሲውን
ብዘይ እዚኣቶም ድጋፍ መንፈሳዊ ዓለም ምርዳእ ኣይትኽእልን እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ናይ ሥጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ
ዀነት ብዘሎ ሥጋኻ ብሩኅ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና ብዘሎ ሥጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እዚ ኣባኻ ዘሎ
ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።>> ማቴ.6፣22። ብርሃን ዝበሎም ነዚኣቶም እዩ። ነዚኣቶም ካብ ከንቱ ውዳሴን ሪሕቕና ብግቡእ ተጠቒምና
ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮም መንፈሳዊ ምስትውዓልና ኣዝዩ ዝዓሞቐ ይኸውን። ኮይኑ ግና ነዚኣቶም ካብ ሰብ ክብርን ሞገስን
ደሊና እንፍጽሞም እንተዀይና፣ ካብ ጥቅሙ ንላዕሊ ጉድኣቱ ኣባና ይዛይድ እሞ
መጻወቲ ጸላኢ ሠናያት ይገብረና ። ብግቡእ እንተዘይተግበርናዮም ኣብ ልዕሊ ሓጥያትና ሓጥያት ክንውስኽ ይገቡሩና እሞ
መንገዲና ንስሕት። ስለዚ ኣባና ዘሎ ብርሃን (ጾም ጸሎትን ምጽዋትን ) ብኸንቱ ውዳሴን ብኻልኦት ሓጥያት ጸልማት እንተዀይኑ፣
ቀዲሙ ምስ ዝፈጸምናዮም ሓጢኣት ተደሚሮም ናብ ዝገደደ ጸልማት የውዱቑና። ስለዚ እዪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ
<< ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ
ዓብዪ ይኸውን።>> ዝበለና። ድንቂ ዝኾነ ኣስተምኅሮ ከነስተውዕሎ፣ ቅዱስ ኤፍሬም ካብ ዝተርጎሞ መጽሓፉ ወንጌል
ትርጓሜ ብዛዕባ ጾም እስከ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንርአ። አምላከ ቅዱሳን በረኸትን ረደኤቱን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም የካፍለና።

