Saturday, June 13, 2020

መንክር እግዚኣብሔር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
መንክር እግዚኣብሔር
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ ንርሑቕ ዓዲ መገሻ ስለዝሓሰበ ኣንጊሁ ጉዕዞ እግሪ ጀመረ። ነቂሕ ምስ ተጓዕዘ ኸኣ ኣዝዩ ደኸመ። ብርቱዕ ፀሓይ ስለዝነበረ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዓብይ ገረብ ናይ ዳዕሮ ኣትዩ ነጸላኡ ኣንጺፉ ክድቅስ ወሰነ። ኣብ ትሕቲ እቲ ዳዕሮ ኸኣ ዱባ ዓበይቲ ፍረ ፈርዩ ኣስፊሑ ኣብ መሬት በጥ ኢሉ ነበረ።

ብኃያል ጉዕዞን ብፀሓይን ዝደኸመ ሰብኣይ ነጸላኡ ኣንጺፉ በጥ ኢሉ ደቀሰ። ኣብ መንጎ ድቃሱ ካብ ላዕሊ ካብቲ ገረብ ዳዕሮ ሓንቲ ፍረ ወዲቓ ኣብ ግንባሩ ሃረመቶ። ወዮ ሰብኣይ ብስንባደ ብድድ ኢሉ ተበራበረ። ፍረ ዳዕሮ ንእሽቶ ስለዝኾነ እታ ካብ ላዕሊ ዝወደቐት ፍረ ካብ ድቃሱ ኣበራቢራቶ ደኣ እምበር ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ኣይውረደትሉን።

ሽዑ እቲ ሰብኣይ ካብቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ቦታ ሓፍ ኢሊ ኮፍ በለ። ኣብቲ ከባቢ ደቂሱሉ ዝነበረ ቦታ እንተኣስተብሃለ ኸኣ እቲ ዱባ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኃሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ኪሎ ዝምዘን ፍረታት ፈርዩ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሊ ረኣየ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ብግብሪ እግዚኣብሔር ኣዝዩ እናተደነቐ “መንክር እግዚኣብሔር” በለ።

ዝኸበርኩም ሕጻናት ስለምንታይ እዩ እዚ ሰብኣይ ክሳብ ክንድኡ ተደኒቑ፤
ሽዑ እቲ ሰብኣይ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ ኣዝዩ ዓበይቲ ፍረ ዘለዎ ዱባ ብምድሪ ምድሪ ከምዝኸይድ ገይሩ ነቲ ንእሽቶ ፍረ ዘለዎ ዳዕሮ ከኣ ዓብይ ፍረ እንተዝገብረሉ፡ እዛ ካብ ላዕሊ ወዲቓ ዘበራበረትኒ ፍረ ምቐተለትኒ ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ዱባ ክንድቲ ናይቲ ዳዕሮ ገረብ እንተዝህልዎ እዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኃሙሽተ ክሳብ ዓሠርተ ኪሎ ዝምዘን ፍረ ዱባ ደቂሰ ከለኹ እንተዝወድቀኒ ብሕይወት ኣይምጸናሕኩን። ከምኡ እንተዝኸውን ሰብ ይኹን እንስሳ ኣብ ትሕቲ ዓበይቲ ኣግራብ ኣትዩ ከጽልል ኣይምኸኣለን። ኣቤት ጥበብ እግዚኣብሔር!” እናበለ በቲ ዕፁብ ድንቲ ዝኾነ ግብሪ እግዚኣብሔር እናተገረመ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገነ ጉዕዞኡ ቀጸለ።

ካብዚ ታሪኽ እዚ እንታይ ንመሃር፤

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንምድርን ንሰማይን ኣብኣቶም ንዘለው ፍጥረታትን፡ ንባሕሪ ንውቅያኖሳትን ንቀላያትን ኣብኣቶም ንዘለዉ ፍጥረታትን ንኹሎም ብዘደንቕ ጥበብ ከምዝፈጠሮም ንመሃር።
ብተወሳኺ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና መስተውዓልቲ ክንከውን እሞ ነቲ ዘደንቕ ግብሪ እግዚኣብሔር እናስተብሃልና ኩሉ ጊዜ መመስገንቲ ክንከውን ከምዘሎና ንመሃር።

ኣብ መወዳእታ እቲ ብዓቢዩ ካብዚ ታሪኽ እቲ እንመሃሮ ቁምነገር ከኣ ከምቲ ንክቡር ጋሻ ኣብ ገዛኻ ክትዕድሞ ከሎኻ ኩሉ ንዕኡ ዝበቅዕን ዝፈትዎን ነገራት ቀሪብካ እትጽውዖ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንወዲ ሰብ ክፈጥሮ ከሎ ኩሉ ዘድልዮን ዝሰማምዖን ኩነታት ኣዳልዩ ከም ዝፈጠሮ እሞ ሓደ ካብኡ ድማ ካብ ኣግራብ እንረኽቦ ፍረታትን መጽለሊን እዩ። ክብርን ምስጋናን፡ ኣምልኾን ውዳሴን፡ ሎምን ንኹሉ ሰዓትን ንዘልዓለም ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን! ኣሜን!

ምንጪ፡ ቤ/ት/ሰ/ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ባረንቱ (ማየ ኰኲሕ)
ስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን። PDF

Tuesday, June 9, 2020

ጽላል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!

ጽላል
ኣብ ቤተክርስቲያና ዝርከቡ ንዋያተ ቅዱሳት ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣብነትን ትርጉምን ኣለዎም። ኣብ ቤተክርስቲያን ኩሉ ካብታ ዝነኣሰት ስጋብ ዝዓበየት ዘምሓላልፎ መልእኽትን ትርጉምን ኣለዎ። በዚ ከኣ ሓደ ክርስቲያን ናብ ቤተመቅደስ ክኣቱ ከሎ ብዝርእዮ ኩሉ ነገራት፡ ነገር እግዚኣብሔር ብኣንቃዕድዎ ኅሊና ብንጹሕ መንፈሳዊ ሰማያዊ ምሥጢርን ክሓሰብ ይገብሮ።
ንዋየቅድሳት ማለት ካብ ክልተ ናይ ግዕዝ ቃላት ተናቢቡ ዝቖመ ኮይኑ፦
ንዋይ ማለት፡ ኣቕሓ፡ ንብረት፡ መሳረሒ ማለት ክኸውን ከሎ፡
ቅድሳት ማለት ድማ፡ ቅድስና ዘለዎ ዝተባረኸ፡ ዝተመረጸ፡ ዝተፈልየ ማለት እዩ። ስለዚ ንዋየቅድሳት ማለት ኣብ ቤተክርስቲያን ናይ ኣምልኾ ሥርዓት ንምፍጻም፡ ንምስጋና፡ ንቅዳሴ፡ ንመዝሙር፡ ንኣገልግሎት ዝተመርጹ፡ ዝኸበሩ፡ ዝተቐደሱ ምሥጢር ሓዘል ዝኾኑ መሳርሒታት፡ ንብረታት፡ ኣቕሑ ማለት እዮም።
v 1ይ ዜና 26፡26 <<ኣብ ልዕሊ ኹሉ እቲ እተቀደሰ ነገር መዛግብቲ ግበሩ>>
v 1ይ ዜና 28፡12<<. . . ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሔርን መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ምስሊ ድማ ሀቦ።>>
v 2ይ ዜና 5፡5 <<ነቲ ታቦትን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ኹሉ ንዋየ ቅድሳትን ድማ ኣደየብዎ ነዚ እቶም ካህናት ሌዋውያን ኣደየብዎ።>>
ብሓፈሽኡ ንቤተ እግዚኣብሔር ንኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒታት ንብረታት ኣቕሑ ጥረነገራት ንዋየቅድሳት ይባሃሉ።
ጽላል ከም ስሙ መጽለሊ እዩ። ንቤተክርስቲያን ኣገልግሎት ዝውዕል ጽላል ካብቲ ካልእ ጽላላት ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ካብ ዝኸበረ ጽቡቕ ጨርቅን ካብ ሓጺንን ካብ ዕንጨይቲን ይስራሕ። መብዛሕትኡ ጊዜ እቲ ዝስርሓሉ ጨርቂ ዝብለጭልጭ ነገር እዩ ዝኸውን። እዚ ከኣ ንጌጽን ግርማን ጥራይ ዘይኮነስ ምሥጢር’ውን ኣለዎ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽላል ኣብ ገለገለ ቦታታት ድባብ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ።
ናይ ጽላል ኣጠቓቕማን ምሥጢሩን
v  ጽላል ታቦተ እግዚኣብሔር ብኽብሪ ክወጽእ ከሎን ክኣቱን ከሎን ነጽልለሉ። ከምኡ’ውን ኣብ ደገ ንዓበይቲ ካህናት፡ ሊቃውንት . . . ነጽልለሉ። እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ብጊዜ ቀትሪ ብዓምዲ ደመና እናጽለለ ብኽብሪ ካብ ባርነት ግብጺ ከምዘውጽኦም ይምሰል።

v  እቲ ጽላል ዘብለጭልጭ ምዃኑ፦ እዚ ከኣ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ብጊዜ ለይቲ ብዓምደ እሳት እናብርሀ ይመርሖም ከም ዝነበረ ይመሰል። “መርሆሙ መዓልተ በደመና ወኩሉ በብርሃነ እሳት” ከም ዝበለ ቅዱስ ያሬድ።
v  ተወሳኺ ዘብለጭልጭ ምዃኑ፦ ናይ ብርሃነ መላእክት ምሳሌ ይኸውን።
v  ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ወንጌል ክንበብ እንከሎ ነቲ ወንጌል ዝሓዘ ካህን ምስ ወንጌሉ ጽላል የጽለለሉ። ምሳሌኡ፦ ጐይታ ክጥመቕ እንከሎ፡ አብ ኣብ ደመና ኮይኑ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ኢሉ ከምዝመስከረሉ ይምሰል።
v  ንወንጌል ጽላል ምጽላሉ፦ ከምቲ ጽላል ካብ ጸሓይ ዝከላኸለልና፡ ወንጌል ድማ ንዝኣምንን ንዘተግብሮን ካብ እሳት ናይ ስጋን ነፍስን ከምዝድሕን ይምሰል።
v  ንታቦት ጽላል ምጽላሉ፦ ከምቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝሓዘ ጽላት ታቦት ካብ ዝኾነ ነገር ነጽልለሉ ዘለና ነቲ ሕጊ ኣሚኑ ንዝፍጽም ካብ ዝኾነ ነገር ከምዝድሕን ይምሰል።

v  ንቅዱስ ቁርባን ጽላል ምጽላሉ፦ ጽላል ካብ ንፋስ፡ ካብ ዝናም፡ ካብ ጸሓይ ይከላኸለልና። ኣማናዊ ጽላል ዝኾነና ቅዱስ ቁርባን ከኣ ካብ ንፋስ መዓት፡ ዝናመ መዓት፡ ዋዕየ እሳት፡ ካብ መከራ ስጋን ነፍስን ከምዘጽልለልና ይምሰል።
v  ቅዱስ ቁርባን ወጺኡ (ድርገት ወሪዱ) ክሳዕ ዝዓርግ ጽላል ይግበረሉ። ምሳሌኡ፦ ኣይሁድ ንጐይታ ገጹ ሸፊኖም ይሃርምዎ ከም ዝነበሩ፡ ከምኡ’ውን ምስ ተሰቕለ ጸሓይ ከምዝጸልመተ ወርሒ ደም ከምዝኾነ ከዋኽብቲ’ውን ረጊፈን ናይ ጐይታ ኣካል ከም ዝሸፈና ይምሰል።
v  ጽላል መግለጺ ክብሪ እዩ። ምድራውያን ነገስታት፡ ሓለፍቲ፡ . . . ጽላል ይጽለለሎም ከም ዝነበረ፡ ናይ ሰማያዊ ንጉሥ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሥጋኡን ደሙን ክብሪ፡ ንታቦት ክብሪ . . . ተባሂሉ ጽላል ይጽለለሉ።
v  ዕጣን ክዕጠን ከሎ ጽላል ይግበር። ንኽብሪ እኳ እንተኾነ፡ ትርጉሙ፦
·        ማዕጠንት፦ ናይ ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ።
·        እቲ ጽላል ከኣ ኃይለ ልዑል ከምዝጽለላ ይምሰል። <<መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑል’ውን ኬጽልለኪ እዩ።>> ሉቃ 1፡35 ከም ዝበለ።
v  ቀዳስያን ካህናትን ዲያቆናትን ካብ ቤተልሔም ናብ ቤት መቅደስ ሕብስቲ ኣኰታትን ክቡር ጽዋዕን ሒዞም ክኸዱ ከለው ጽላል ይጽለለሎም። ምስጢሩ፦ ጐይታ ኣብ ቤተልሔም ምስ ተወልደ ብዙሓት መላእክት “ስብሓት ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት ሰላም ንደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ይኹን” እናበሉ ከም ዘመስገኑ ይምሰል።
v  ተወሳኺ ጽላል ምጽላል፦ እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣብ እምባ ሲና ካብ ማእከል እቲ ደመና ኮይኑ ከምዝጸውዖ ይምሰል። ፍጻሜኡ ድማ እግዚኣብሔር ኣብ ማህደሩ (ኣብ ጽላል ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን) ኮይኑ ይጽውዕ ከም ዘሎ ይምሰል።
v  ናይ ጽላል ኣገልግሎት ካብ ጸሓይ፡ ንፋስ፡ ካብ ታህዋስያን ንምክልኻል ንጥቀመሉ።

“ንክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ ሃቡ” ከምዝተብሃልና ጽላል ነቲ ክብሪ ዝግብኦ ነጽለልሉ።
ምንጪ፡ ንዋየቅድሳት ብ ሊቀ መዘመራን ናዊ ጸጋይ
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።