Thursday, July 21, 2011

ብራና

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ብራና ማለት ካብ ቆርበት ጤል፥ በጊዕ፥ ምራኽን ….. ወዘተ ዝዳሎ ከም ወረቐት ዘገልግል ዝነበረ ኮይኑ፥ ንኽትጽሕፈሉ፥ ክትስእለሉን ክትደጕሰሉን (ክትሽፍነሉ) ተባሂሉ ብጥንቃቐን ርእሱ ብዝኽኣለ ብልሓትን ዝዳሎ ንስራሕ ጽሕፈት ዝጠቅም እዩ። ከምዚ ሎሚ ዓለምና ብወረቓቕቲ ከይመልኣት፥ ዘመናዊ ቤት ማሕተማት ከይተመሥረቱ፥ ናይ ጽሕፈት መኪናን ኮምፒተራትን ከይተማህዙ ከለዉ፥ ብሓፈሻ ናይ ወረቐት ስራሕን ዝተፈላለዩ መሣርሒ ሥነ-ጽሑፍን ከይማዕበሉ ከለዉ፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለምና ንነዊሕ ዘመናት ብራና ይጥቀማ ከምዝነበራ ኣብ ማህደር ታሪኽ ተሰኒዱ ንረኽቦ። ኣብ ሃገርና ኤርትራ እንተ ኾነውን ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝኾኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ንማሕበራዊ ናብራን ሕግታት እንዳባን ዝጥቀሙሎም ታሪኻዊ መዛግብቲ ኣብ ብራና ተጻሒፎም ንረኽቦም። ብሓፈሻ ብራና ብድሕሪ ደቂ-ሰባት ካብ ቀጸላ እምኒን ዕንጨይትን ምጽሓፍ ቀጺሎም ዘማዕበልዎ ኣገባብ መጽሓፊ ብራና ምዃኑ ይንገር። እስከ እምበኣር ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ገዳማትን ኣድባራትን ኣብ ሓያሎ ቤተ መዛግብትን ተዓቂቡ ዝርከብ ጥንታዊ ቅርስናን ዕቁር ታሪኽናን ዝሓዘ መጽሓፈ- ብራና ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ዘዳለናዮ ሓጺር ጽሑፍ ንከታተል።

ብራና ክዳሎ ከሎ እቲ ቆርበት ብዕንጨይቲ ተወጢሩ፥ ጸጕሩ ተፋሒቑ፥ ብጨውን ዝተፈላለየ ቀመማትን ተነስኒሱ፥ ዓቐኑን ቅርጹን ተደላዲሉ ብግቡእ ምስ ተጻፈፈ ንዝኾነ ስራሕ ጽሕፈት ድልው ይኸውን። እዚ ከቢድ ድኻምን ረቂቕ ብልሓትን ዝሓትት ኣገባብ ሥነ-ጽሑፍ ብራና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናማዕበለን እናሰፍሐን ንነዊሕ ዘመናት ቀጸለ። እቶም ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ብነዊሕ ጊዜን ኣድካሚ ኩነታትን ዝተዳለዉ መጻሕፍቲ ብራና ድማ ኩሎም ብዙሕ ጥንቃቐን ክንክንን ዘድልዮም እዮም። ምኽንያቱ ጽሑፋት ብራና ብማይ፥ ጠሊ፥ ሓዊ ባልዕን ሰረቕትን ብቐሊሉ ክበላሸዉን ክጠፍኡን ስለዝኽእሉ ብጥንቃቐን ሓላፍነታዊ ክንክንን ክትሓዙ ግድን ይኸውን። ብፍላይ ኣብተን ዓበይቲ ኦርቶዶክሳውያን ገዳማት ኤርትራ ብዝሒ ዓቕሚ ሰብን ነናቱ መደብ ዕዮን ስለ ዝነበረን፥ ብደረጃ ክፍሊ ሥነ-ጽሑፍ ብምቛም፥ ገለ ቆርበት ኣኪቦም ዘልፍዑን፡ ተመሳሳሊ ዓቀንን መስመርን ዘለዎ ጌሮም ዘዳልዉ፥ ገሊኦም ከኣ መጽሓፊ ዝኸውን በብዓይነቱ ቀለም ካብ ኣቝጽልትን ዝተፈላለየ ነገራትን ኣወሃሂዶም ዘቕርቡ፥ ገሊኦምውን እቲ ዘድሊ ኩሉ ጽሑፋት ብጥንቃቐ ጽሒፎም ብስእሊ ኣወቂቦም ገበር ናይቲ መጽሓፍ ደጕሶም (ሸፊኖም)፥ ሥርዓተ-ገዳሞም ከም ዝእዝዞ መደብ ዕዮኦም ፈጺሞም ንማሕበሮም ብትግሃት ዘረክቡ ዝነበሩ ኣበው ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብተወሳኺ እዞም ብራና ናይ ምጽሓፍ ፍሉይ ሞያን ብቕዓትን ዝነበሮም ኣቦታት በቲ ዘለዎም ተውህቦ ንቤት እግዚኣብሔር ከገልግሉን ፍቓድ ማሕበሮም ክፍጽሙን ደኣ እምበር ካብዚ ወጻኢ ዝደልይዎ ዝኾነ ውልቃዊ ረብሓን ዘየድሊ ዝናን ኣብ ሕይወቶም ዘይሕሰብ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ቅዱስ ወንጌል ‘’ወዘኣትሓተ ርእሶ ውእቱ ይከብር’’ ማለት ‘’እቲ ርእሱ ዘትሕት ልዕል ክብል እዩ’’ (ማቴ 23፡12) ክብል ዝገለጾ፥ እዞም እሙናት ኣቦታት ከኣ ብትሕትናን ፍቕርን ዝግለጽ ሕይወት ጥራይ እዩ ቀንዲ ዕላምኦም ዝነበረ። ካብቶም መንፈሳውያን ኣማሓደርቲ ኣቦታትና ድማ ‘’እግዚኣብሔር ዕሴተ ጻድቃን፥ ዓስበ ትሑታን ይኽፈልኩም’’ ተባሂሎም ብጸሎተ-ማሕበር ምርቓን ቡራኬን ይወሃቦም። እቲ ኣብ ብራና ዝተጻሕፈ ቅዱሳት መጻሕፍትን ገድለ-ቅዱሳንን ድማ ከከም ኵነታቱ ናብ ካልኦት ገዳማትን ኣብያተ-ክርስቲያናትን ብምልኣኽ ውሉደ-ክህነት ክረብሕሉን ህዝበ-ክርስቲያን ክባረኽሉን ይነብር። እቶም ዝተረፉ መጻሕፍቲ ብራና ከኣ ብግቡእ ክንክን እናተታሕዙ ንመንእሰያት መምሃርን ኣብ ቤት ንባብን ንመወከስን ተባሂሎም ይዕቀቡ። እዚ ሎሚ ኣሎና እንብሎ ኩሉ ጥንታዊ ቅርስታትን ታሪኻዊ መዛግብትን ከኣ ኣብ ብራና ተዓቂቡ ዝጸንሐ ምዃኑ ክንዝንግዖ  ኣይግባእን።

ንኣብነት ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ብ1492 ዓ.ም.ፈ ብከምዚ ኣገባብ ዝተዳለወ መጽሓፍ ሰማንያ ወኣሃዱ (፹፩) ዝበሃል፥ ጽዕነት ኣድጊ ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ እተን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና እትቕበሎም 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ብራና ተጻሒፎም ከም ሓደ ዓቢይ መጽሓፍ ተጠርኒፉ ክትርእዮ ከሎካ፥ ብጣዕሚ ዘገርምን ዕጹብ ድንቂ ስራሕን ካብ ምባል ሓሊፍካ ካልእ ዝበሃል ነገር የልቦን። ምኽንያቱ እዚ ብሉይ ኪዳን ምስ ሓዲሽ ኪዳን ዝሓዘ መጽሓፍ ሰማንያ ወኣሓዱ ዝበሃል ክሳብ ሎሚ ተወዳዳሪ ዘይተረኽቦ፥ በዓል ሰለስተ ዓምደ ጽሑፍ፥ 48 X 39 ሴንቲ ሜትር ዝመጠኑ፥ 45 መስመር ጽሑፍ ዘለዎ፥ 1152 ገጻት ዝሓዘ፡ ግዙፍ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝርኣየ ሰብ፡ ኣብቶም ቀዳሞት መንፈሳውያን ኣቦታትና ዝነበረ ጽንዓት እምነትን መንፈሳዊ ትግሃትን ብሓቂ ሠናይ ቅንኢ ዘሕድረልካ ግብራዊ ትምህርትን ኣብነትን እዩ። ስለዚ ንዝኾነ መንፈሳዊ ዕዮ ይኽበድ ወይ ይፍኮስ ብዘየገድስ ብእምነትን ሠናይ ድሌትን እንተ ተቐቢልካዮ ብደገፍ ኣምላኽ ዕዮኻ ሰሊጡ ንህዝብኻ ንበረኸትን ንመጻኢ ወለዶታት ድማ ዓቢይ ክብረት ይኸውን። ስለዚ ክቡር ታሪኽን ጥንታዊ ቅርስን ኣሎና ክንብል እንተ ደኣ ኮይንና ዝሓለፈ ብምዕቃብን ንመጻኢ ተጊህካ ብምስራሕን ጥራይ እዩ መጻኢ ወለዶና ካብ ቤተ ክርስቲያኑ ክረብሕ ዝኽእል።

መጽሓፈ--ብራና

ኣብ ጥንታዊ መጻሕፍቲ ብራና እምበኣር ቅዱሳት መጻሕፍቲ፥ ታሪኽ ሕይወት ቅዱሳን፥ መንፈሳዊ ተኣምራት፥ ናይ ደቂ ሰብ ወለዶታት፡ ዘመነ-መንግሥታት፥ ኣገደስቲ ታሪኻዊ ፍጻሜታት፥ መግለጺ ናይ ቦታታት፥ ኣቃውማ ዓድታትን ከተማታትን …….. ወዘተ ሰፊሕ ዓውደ ትምህርትን ምንጪ ሥነ-ፍልጠትን ዝኾኑና ብጽሑፍን ስእልን ተሰኒዶም ንረኽቦም። ኩሎም ጥንታዊ ናይ ብራና ጽሑፋትና ድማ መሠረት ናይዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎ ዘመናዊ ሥነ-ፍልጠትን ደረጃ ምዕባለን ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኩልና ከም ንፈልጦ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ መንፈሳዊ፥ ማሕበራዊ፥ ባህላውን ታሪኻውን ሕይወት ህዝብናን ሃገርናን ዘበርከተቶም ነገራትን ቅርስታትን ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ተገዲሱ ሕሉፍ ታሪኹ ዘይፈለጠ ህዝቢ ድማ፥ መጻኢ ሕይወቱን ክብሪ መንነቱን ብግቡእ ዘይፈልጥ ስለ ዝኸውን፥ ጥንታዊ ቅርስታትናን ብዋጋ ዘይሽነን መንፈሳዊ ንብረትናን ብጥንቃቐ ዓቂብና ብሓላፍነታዊ መገዲ ምጥቃም ናይ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ሞራላውን ማሕበራውን ሕድሪ ምዃኑ ክንፈልጦ የድሊ።

ኣብ መደምደምታ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለዶ ጢሞቴዎስ ወዱ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ‘’ክትመጽእ ከሎኻ እቲ ኣብ ጢሮኣዳ ምስ ቀርጳ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፥ ምናዳ እቲ ብራናታት ተማልኣለይ’’ በሎ (2ጢሞ 4፡13)። ካብዚ ጥቕሲ እዚ ክንርድኦ ከምንኽእል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ቅድም ኣብ ብራናታት ከም ዝተጻሕፉን ብጽቡቕ ስለ ዝተዓቀቡውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶታት እናተሰጋገሩ፥ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተተርጕሞም ብርሃን ወንጌል መገዲ ሕይወትን ክንፈልጥ ይጠቕሙና ኣለዉ። ንሕና ድማ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ዝርከቡ ኩሎም መጻሕፍቲ ብራና ብዘተኣማምን ደረጃ ንምዕቃቦም ዓቕምና ብዝፈቕዶ መጠን ዘድሊ ጻዕርን ወፈያን ክንገብር በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽር ንደሊ። ብተወሳኺ ከኣ ኣብ ኣባይቲ ውሉደ ክህነትን ዓበይቲ ዓድን ዝርከቡ ብራናታት ብግቡእ ተታሒዞም ንመጻኢ ወለዶና ኣብ ምስግጋር እጃምና ከነበርክት ከምዝግብኣና ኣይንዘንግዕ። ስለምንታይሲ ብጽሑፍ ዝተዓቀበ ታሪኽ ፍጹም ዝመውት ኣይኮነን። ብትሕትና ሠናይ ነገር ንኽንሰርሕ ኣምላኽ ልብና የነቓቕሕ።

ምንጪ (tewahdo.org)

No comments:

Post a Comment