Wednesday, July 6, 2011

ሰብ ክልተ ልቢ



+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመኹም “ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ክቀርበኩም እዩ፡ ኣቱም ሓጥኣን ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢ’ውን ልብኹም ኣንጽሁ” (ያዕ 4፡8) ዝብል ሓይለ ቃል ክንምገብ ብቅዱስ ፍቃዱ ልብናን ኣእምሮናን ይኽፈተልና።
ሰባት ኣብ’ዛ ዓለም ከሎኻ “መገዲ እግዚኣብሔር ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ እንታይ ደኣ፡ ናብ ገዳም ምስ ተሰቀልካ ትእዛዛት ክትሕሉ ትኽእል” ይብሉ። እቲ ዘሰክፍ ከኣ ከም ዕላማ ኣብ ህይወቶም ወሲዶም ግዳይ ፍልስፍና እዛ ዓለም’ዚኣ ይኾኑ። ማለት ትእዛዛት እግዚኣብሔር ንምሕላው ብርቱዕ እዩ ኢሎም ይድምድሙ። ዘማራይ ዳዊት ደስ ዘብል ቃል ብመንፈስ ተመሊኡ ዝዘመሮ መዝሙር ንውሰድ ”ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ ብሕጊ እግዚኣብሔር ደኣ ዚፍሳህ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ” (መዝ 1፡1-2) ይብለና። ስለዚ ሕጊ እግዚኣብሔር መዓር ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ ምሂሩና እዩ። ደስ እና በለና ከኣ ክንምገቦ ኣለና። ዓቀበት ኮይኑ ዝረኣየና ግና ክልተ ነገራት ስለዘፍቀርና ጥራሕ እዩ። በቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንደሊ በቲ ከኣ ዘብለጭልጭ ነገራት’ዛ ዓለም ንፈቱ። ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ወሰን ናይ ጸድፊ ናብቲ ካልኣይ ወሰን ክሰግር፡ ብገመድ ዝተሰርሓ ክልተ መሰጋገሪ (ኳንኳ) ክልተ ኣእጋሩ የቀምጥ። ብገመድ ስለዝተሰርሓ እዘን ክልተ መሰጋገሪ (ኳንኳ) ክልተ ኣእጋሩ ተወጢረን ሓንቲ ናብ የማን እታ ካልአይቲ ከኣ ንጸጋም ኢለን ነዚ ሰብ ጸድፊ (ጸበባ ዓለም ዝመልኦ ሰብ + ድፍረት+ ፈላስፋ ዘመኑ) ይኸውን መፈጸምትኡ። ንምንታይ እንተ ኢልና ዓለም ከም ልማዳ ሰብ ከተውድቅ እምበር ከተጸግን ኣይራእናን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ጠንጢናትካ ትኸይድ። ምኽንያቱ እግዚኣብሔር’ዩ ነባሪ፡ እግዚኣብሔር’ዩ ዘልኣለማዊ፡ እምበር ዓለም’ደኣ ሓላፊት እንድያ። ህዝበ ክርስቲያን ሎሚ ልብና ልቢ ኩላትና ኣበይ ኣሎ፤ ናብ ሓኪም ክንከይድ ከለና ህርመት ልብና ከመይ ኣሎ ኢሉ ይምርምሮ። ንምንታይ፤ ልቢ፡ ደምና ናብ ኩሉ ህዋሳት ኣካላትና ስለ እትጭንጉዕ ጠጠው እንተ ኢላ ንሕና ጠጠው ንብል፡ ንመውት ማለት እዩ። ዕሽር ክንከፍል ከም ዘለና ንኹልና ተነጊሩና እዩ ሓቀይ! እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብኹሉ ኣእምሮኻን ኣፍቕሮ” (ማቴ 22፡37) ዝብል ዓቢ ትእዛዝ ሂቡና። ጽቡቕ! ነዓናን ንኹሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ እግዚኣብሔር ልብና ክንህቦ’ስ እንታይ ይእግመና፤ እዚኣ ካብቲ ንስኻ እትብህጎ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዕሽር ምኽፋል ማለት እያ። ንኣብነት፡ ሃና ከናፍራ ጥራይ ይንቀሳቀስ ምህላው ዝተዓዘበ ካህን ኤሊ ዝሰኸረት ኮይና ተሰመዖ። ንሳ ግና ብምሉእ ልባ ምስ እግዚኣብሔር ኔራ። ሃና ብምስትንታን ኩሉ ገዲፋ ምስ እግዚኣብሔር ጥራይ ኔራ። እቲ ክህብን ክኸልእን ዝኽእል እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም እንኮለኒ ንምንታይ ዝጭነቕ ዝበለት ሃና ጸሎታ ክዕነቀፍ ኣይተራእየን። “እቲ ዝልምን ግና ከይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን ከመይ እቲ ዝጠራጠር ከምቲ ንፋስ ነው ነጀው ዝደፍኦ ማዕበል ባሕሪ’ዩ ዚመስል” (ያዕ 1፡6)። ብሓቂ ግርም እዩ ዝብለካ ኩሉ ክህብ ዝኽእል እግዚኣብሔር እንከሎና ንምንታይ ኢና ካብ ዓለም ንልምን፤ ሓደ ኣቦ እንከሎና ንምንታይ ባዕልና ንዝኽትም፤ ሕስብ እሞ ነብሎ!
“ስለዚ ኣይምውቕ ኣይዝሑል ልብጥ ዝበለ ስለዝኾንካ ካብ ኣፈይ ጡፍ ከብለካ እየ” (ራኢ 3፡16) ሰብ ክልተ ልቢ ንጠንቀቕ። እንትርፎ ንነፍስና ክንብድል እምበር ንእግዚኣብሔር እንታይ ገይርናሉ ንፈልጥ፤ ላንጋ ላንጋ ኣይንኹን። ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምጽኣና ኣምላኽ ነመስግኖ። ስሙ ንምምስጋንን ክብሩ ንምውራስን እዩ ዕላማ ምፍጣርና። ካብ መዓሙቕ ልብና ዝነቐለ ወርትግ ምስጋና “ንስሓ እትበቅዕ ዕድመ ስለዝወሰኽካኒ ክብሪ ንዓኻ ይኹን” ንበል። “ካብ ሽሕ መዓልቲ ኣብ ካልእ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስካ ምውዓል ይሓይሽ” (መዝ 84፡10) ዝብል ናይ ልቢ እግዚኣብሔር ንጉስ ዳዊት መዝሙር ንደጋግሞ። ተስፋና እንታይ ምዃኑ ንተዓዘብ “ሓድሽ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጦም ከሕድረሎም እየ። ካብ ሰብነቶም እምኒ ልቢ ኸውጽእ እየ። ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ።” (ሕዝ 11፡19)። ልብና ተቀይሩ ከውሒ ዝነበረ ናብ እግዚኣብሔር ዝለወጦ ልቢ ክኸውን ከመይ ዓቢ ደስታ ኣለዎ ይመስለኩም! ሳኦል ንቤተ-ክርስትያን ከሳጉግ ከሎ ልቡ ከውሒ ኔራ። ጎይታ ምሕረቱ ዘይውዳእ ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ኮውሒ ልቢ ናብ መንፈስ ዝመልኦ ልስሉስ ልቢ ብርሃን ቤተ-ክርስቲያን ክኸውን በቂዑ (ግሓ. 9)። ሕጂ ውን ወሃቢ ኩሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንለምኖ “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ ጽኑዕ መንፈስውን ኣብ ውሽጠይ ሓድስ” (መዝ 51፡10) ንበሎ። ስለዚ ብጾምን ብጸሎትን ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ክንዓቢ ኣሎና። ብናፍቖት ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ጌርና ንዓለም ንስዓራ። ሰማያዊ ጥበብ እዩ ናይ ቤተ-ክርስቲያና ጥበብ። ክርስትና ይጅመር እምበር ኣይውዳእን። መስቀልና ኣልዒልና ንክርስቶስ ንስዓቦ። ብቅዱስ መንፈሱ ገይሩ ከኣ ይደግፈና።
ወሰላም ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!
      

No comments:

Post a Comment