Tuesday, June 19, 2012

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

እንቋዕ ናብ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብጸሓና!
ምስባክ
ይትዐየን መልአከ እግዚአብሔር ዐውዶሙ ለእለ ይፈርህዎ ወያድኅኖም
ጣዕሙ ወታእምሩ ከመኄር እግዚ አብሔር። መዝ. 33 (34)7-8
ኤፊ.113-ፍጻሜ።  ይሁዳ.19-14 .ሓዋ.110-12 ማቴ. 2514-31




ቅዱስ ሚካኤል

ቅዱስ ሚካኤል << መን ከም እግዚአብሔር ከም እግዚአብሔር ማንም የለን። >> ማለት እዩ።  ከም እግዚአብሔር ዝኣመሰለ ቅዱስ፣ ንጹሕ፣ ርኅሩህ፣ ኃያል፣ ረቂቅ መን ኣሎ መልሱ ማንም እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ናይ ስሙ መግለጺ ዝዀኑ ተወሰኽቲ  ኣስማት ኣለው። እዚኦም ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህብዎ ንኽብሩ ዝገልጹ እዮም።

እዚኦም ከኣ መልአከ ኃይል፣ መልኣከ ምክሩ ለልዑል መጋቤ ብሉይ እዮም።

መልኣከ ኃይል ዝተባህለ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብኡኡ ጌሩ ብዙሕ ዓበይቲን ኣደነቕቲ ስራሕ ብምስራሑ፣ ኃይሉ ስለዝገለጸን ንዲያብሎስ ምስ ሠራዊቱ ስለዝስሰዓረ እዩ።

መጋቤ ብሉይ ዝተሃለሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ካብ እግዚአብሔር እንዳተላእኸ ብዙሕ ዓበይቲ ድንቒ ተግባራት ስለ ዝገብረ እዩ።

መልአከ ምክሩ ወይ ድማ ናይ እግዚአብሔር ኣማኻሪኡ ዝተባህለሉ ዝተባህለሉ ምኽንያት፣

ንእግዚአብሔር ብምኽሪ ይሕግዞ ማለት ዘይኮነ፣ እግዚአብሔር ዝሰርሖ ኩሉ ስራሕ ንፈተውቱ ብፍታዉ ይገልጸሎም እዩ ንፈታዊኡ ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ይገልጸሉ ብእኡ ጌሩ ከኣ ስርሑ ይሰርሕ ንምባል እዩ። እግዚአብሔር ሙሉእ በኩሉኄ፣ ይሕግዝ እምበር ሓግዙኒ ዝብል ኣምላኽ ኣይኮነን። ፍጥረታቱ ብዘይ ዋላ ሓደ ሓገዝ ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ።

ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱስ ሚካኤል ምስ እዚ ኩሉ ልዕልና ትሕትና ደሪቡ ዝሓዘ ብጸሎት ተማኅጽኖ ብተራዳኢነት ኣሚኑ ዝልምን ኩሉ ፈጢኑ ብምብጻሕ ካብ ጸብኣ፣ ተንኮል ሠራዊተ ኣጋንንቲ ዘድሕን ቅዱስ መልኣኽ እዩ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ እንርኢ  ቅዱስ ሚካኤል ብዝተዋህቦ ክብርን ሞጎስን ዝገበሮም ኣደነቅቲ ተኣምራት ይነግረና እያ.513-15 ከምዚ ይብል። << ኮነ ኸኣ እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ ረኣየ እንሆ ድማ እተመልሔ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። እያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ ንስኻ ናትናዶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ሕጂ መጺኤ ኣለኹ በለ። እያሱ ከኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተድፊኡ ሰጊዱ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ በለ። እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚአብሔር ድማ ንእያሱ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ በሎ። እያሱ ድማ ከምኡ ገበረ። >> ነዚ ጥቅሲ ምስ እንርእዮ

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንእያሱ << …..እግዚአብሔር ኣምላኽካ  ኣብ  እትኸዱ ኩሉ ምሳኻ እዩ እሞ ኣይትፍራሕ ኣይተሸበር ከኣ። >> እያ.11-9 ብምባል ማዕረ ክንደይ ከምዘኽበሮ ንርዳእ።

እስራኤላውያን ንኣሞራውያን ኣብ ዝወግእዎም ግዜ እቲ መዓልቲ ስለዝመሰዮም ካብቲ ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ወጻኢ ጸሓይ ከይትዓርብ መዓልቲ ክነውሕ እያሱ ንፈጣሪኡ እግዚአብሔር ብጸሎት ምስ ለመነ። እግዚአብሔር ድማ ጸሎቱ ሰሚዑ ንመዓልቲ ኣንዊሑ ካብ ሰማይ ኣእማን በረድ ኣዝኒሙ ንጸላእቱ ብምጥፋእ ዝፈጸሞ ኣደናቒ ተኣምር ከምዚ ክብል ጺሒፍዎ።

<< ሽዑ በታ እግዚ አብሔር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ እያሱ ንእግዚአብሔር ተዛረቦ: ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ ኣቲ ጸሓይ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ ኣቲ ወርሒውን ኣብ ለሰኣሎን። ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጸላእቱ ሕነ ክሳዕ ዚፈዲ ጸሓይ ቈመት ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻር ዶክ ተጻሒፉ ኣይኮነን እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ሙሉእ መዓልቲ ቘመት ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን እግዚአብሔር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ እግዚአብሔር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን። >> እያሱ 10-12-14 ብምባል ተገሊጹ።

ብሓፈሻ ካብ ያሪኮ ጀሚሩ ዓበይቲ ናይ ኣሕዛብ ዕርዲ ኣፍሪሱ   ንኣህዛብ ኣጥፊኡ፣ እግዚአብሔር ንኣብርሃም፣ ይስሓቅ፣ ያዕቆብ ዝኣተወሎም ቃልኪዳን ዝመሓለሎም ምድረ ተስፋ ንደቆም ዘውረሰ እያሱ እዩ።

እዚ ናይ እስራኤል መራሒ እያሱ፣ ኣብ ኢዱ ሰይፊ ሒዙ ዝተገልጸሉ ቅዱስ መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ኣይፈለጠን። ካብ ቃሉ ከምንርዳእ ካብ ወገኑ ወይ ድማ ካብ ናይ ጸላእቱ ወገን ዝኾነ ሠራዊት መሲልዎ ኔሩ። ቅዱስ ሚካኤል ብሰብ ኣምሳል ስለዝተገልጸሉ ኣይፈለጦን ኔሩ። ዘዛራረቡ ዝነብረ̕ውን ብዘይ ፍርሕትን ጭንቀትን ራዕድን ንሠራዊቱ ከም ዘዛራርብ ኮይኑ እዩ ዝነበረ ጸኒሑ ግና ካብ ቅዱስ መልኣክ ዝተዋህቦ መልሲ ንዓቢይ ነቢይን መራሒን እያሱ ኣተሓሳስቡ ለዊጥዎ። << ኣይፋለይ ኣነስ ሓለቓ ሠራዊት እግዚአብሔር ኮይነ ሕጂ መጺኤ ኣለኹ በለ። >> ዝብል ቃል ምስ ሰምዐ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝበለ ተራ ሠራዊት ዘይኮነ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ሓለቓ ምስ ሙሴ ከይተፈለየ ንህዝበ እስራኤል ዝሕሉ ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ምስ ተረድአ ንመልኣከ እግዚአብሔር ክብሪ ምሃብ ስለዝግባእ ናይ ኣኽብሮት ስግደት ሰገደሉ። << ብገጹ ኣብ ምድሪ ተድፊኡ ሰጊዱ ጐይታይ ንባርያኡ ዚብሎ እንታይ እዩ በለ። .>> ብምባል ብትሕትና ሓተተ። ጐይታይ .. ቅዱስ ሚካኤል ንባርያኻ እያሱ ትነግረኒ ነገር እንታይ እዩ? ብምባሉ ናይ እግዚአብሔር ክብሪ ንፍጡራቱ ምሃብ ኣይኮነን ንዝብል ቃል መብርሂኡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ቅዱሳን መልኣኽቲ ጐይቶት ይብሃሉ እዮም ጐይትነቶም ግና ናይ ጸጋ ጐይትነት እዩ። ካብ እግዚአብሔር ዝረኸብዎ።

እያሱ ንመልኣከ እግዚአብሔር ጐይታይ ኢሉ ካብ ጸውዖ ንሕና ሓጥያተኛታት ጐይታይ ቅዱስ ሚካኤል ንዓይ ንባርያኻ ጸልየለይ መጺኻ ኣድኅነኒ ብምባል ናይ ኣክብሮት (ናይ ጸጋ) ስግደት ብምስጋድ እንተለመናዮ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣይወጻናን ናይ ፈጣሪ ክብሪ ንፍጡር ኣይሃብናን። እዚ ከኣ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ኣብነት አበው ብምኽታል እዩ።  ንፈታዊ እግዚአብሔር እያሱ ኣብነት ንገብሮ። ቅዱስ ሚካኤል እያሱ ዘቅረበሎ ናይ ኣኽብሮት ስግደት ብምቅባል ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦ መልእኽቲ ነጊርዎ። እያሱ̕ውን ትእዛዙ ፈጸመ።

እግዚአብሔር ናይ ሠራዊት ጐይታ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዚ ማለት ንመልኣኽቲ ፈጢሩ ዝገዝእ ዝእዝዞም፣ ዝቅድሶም ማለት እዩ። ናይ እግዚአብሔር ሓለቃ ሰራዊት ዝብሃል ትሕቲ ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ መልኣኽቲ ብእግዚአብሔር ዝተሽመ ማለት እዩ።

ቅዱስ ሚካኤል ንህዝበ እስራኤል ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ዘውጸኣ፣ ኣብ ምድረ በዳ በረኻ̕ውን ንኣርብዓ (40) ዓመት ዝመርሖምን ምድረ ርስቲ ከንኣን  ዘውረሶም እዩ። <<…. እቲ ብቕድሚ ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ እግዚአብሔር ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ እቲ ዓንዲ ደመና ከኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ። ኣብ መንጎ ሰፈር ግብጽን እስራኤልን ኣተወ። ኣቡኡ ከኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ ፣ነታ ለይቲ ከኣ ኣብርሃ። ለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን። >> ዘጻ.1415-20 በዚ መሠረት ንእስራኤል ዝመርሖም ዝነበረ ናይ እግዚአብሔር መልኣክ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ከምእ̕ውን ኣብ እምባ ሆሬብ እግዚአብሔር ንሙሴ ኣብ ሐምልማላዊት ዕፅ ብተዋህዶ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን መልኣክ ቅዱስ ሚካኤል ኣይተፈለዮን ኔሩ። ዘጻ.31-6 .ሓዋ.7-30-34   ኣብ ኦሪት ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ እንዳተባህለ ዝጥቐስ መብዛሕትኡ ቅዱስ ሚካኤል ምዃኑ ሊቃውንቲ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና የምህሩ። ኣብ ድርሳነ ሚካኤልውን ተጻሒፉ ንረኽቦ። መዝ. 347 << መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ። >>

ኢሳ.3736 <<መልኣኽ እግዚአብሔር መጺኡ……..   >> ብሓፈሻኡ ቅዱስ ሚካኤል ዘይሓገዞ ማንም የለን እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ኣብ ዳኒ.1013 ናይ ቅዱስ ሚካኤል ተራዳኢነት ገሊጹ እዩ።
ዳኒ.1021 << ብጀካ ሚካኤል መስፍንኩም ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን። >> ብምባል ክገልጽ ከሎ ንርእዮ። ብተወሳኺ  ትን.ዳኒ121 << በቲ ዘመን̕ ሚካኤል እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዚቐውም… .>> ንደቂ ሰባት ኩሎም ብኣማላድነትን ተራዳኒነትን ዝቀውም ምዃኑ ተገሊጹ ንረኽቦ።

ካልእ̕ውን ዲያብሎስ ምስ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ እግዚአብሔር ምስ ዓመጹ ካብ ክብሮም ዘዋረዶም ናብ ምድር̕ውን ዝደርበዮም ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ንቅዱሳን መልኣኽቲ ብምምራሕ ምስ ዲያብሎስን ሰራዊቱን ብዝገበሮ ኩናትን ዝረኸቦ ዓወትን ቅዱስ ዮሓንስ ክገልጾ ከሎ። ራእ. 127-9 << ኣብ ሰማይ ውግእ ኮነ ሚካኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበል ምስ መላእኽቱ ተዋግእዎም፣ ኣይሰዐርዎንም ከኣ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። >>

ሎሚ̕ውን ቅዱስ ሚካኤል ሰዳዴ ኣጋንንቲ ንኣጋንንቲ ዘሳጉግ ብምዃኑ ካብ ሰይጣንን ሠራዊቱን ከምዘድኅነና፣ ብጸሎት ተጊሆምን ብቃልኪዳን ኣሚኖም ዝልምኑ ኩሎም ፈጢኑ ይራድኦም እዩ። ካብ ኩሉ ክፋእ ነገር የድኅኖም። መዝ.347

ኣብ መልእኽቲ ይሁዳ .9 << ሚካኤል ሊቐ መላእኽቲ ግና ብዛዕባ ሥጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኸራኸረ ምስ ተማጎተ እግዚአብሔር ይግናሕካ ደኣ በሎ እምበር ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረቦ ኣይደፈረን። …>> ምባሉ ትዕግስተኛ ምዃኑ የረድኣና።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብሪ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ንማንም ዘይተዋህቦ ዓቢ ክብሪ ከምዝተዋህቦ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚውን ኣብ ዕለተ ምጽ ኣት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን መልኣኽቲ ኣስዒቡ ብክበበ ትሥብእት ብግርማ መለኮት ኣብ ዝመጻሉ እዋን ካብ እግዚ አብሔር ኣብ ልዕሊ ሙታን ሥልጣን ዝተዋህቦ ነዚ ሓያል መላኣኽ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ነዚ̕ውን ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ እዩ። 1 ቆረ.1551-52። ካብዚ ብተወሳኺ <<   ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታት ብድምጺ ሊቐ መልኣኽቲን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ >> 1ይተሰ.416-16 ብምባል ኣብ ዳግማይ ምጽኣት ከመይ ዝበለ ክብርን ጎይትነትን ከምዝተወሃቦ ይገልጸልና።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብረ በዓል፣

ናይ ቤተክርስቲያን ቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ወወርሑ 12 መዘከርትኡ ክንገብር ኣዚዞምና። እዚ ዘይከኣለ ኣርባዕተ ዓበይቲ በዓላት ዋላ ብዝሑል ማይ ብዝተኻእለ መጠን ከንኽብሮ ይግብኣና። እዚኦምውን ሕዳር 12 ሰኔ 12 ነሓሰን ታሕሳስን 12 እዮም። ካብ ኩሉ ዝበልጽ በዓሉ ሕዳር 12  ዕለተ ሢመቱ እዩ ኣብዚ ዕለት እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ካብ ኩሎም ንላዕሊ ጌሩ ሽሞ። ስለ ትሕትንኡን ተኣዛዝነቱን ፣ ንኹሉ ጽቡቅ ስራሕ ተጻባኢ ዝኾነ ንጐይቱኡን ፈጣሪኡን ኣምላኹን ዝኸሓደ ንጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ንኽስዕሮ ሥልጣን ተዋሂብዎ። ኣብዚ ዕለት ቅዱስ ሚካኤል ብተወሳኺ ብዓቢ ክብሪ ኰይኑ ብኣምሳል ንጉሥ ምስ ሰዓብቱ ንወዲ ነዌ ንእያሱ ዝተራእየሉ ዕለት እዩ።

ኣብ ቅዳሴውን << ተውህቦ ምሕረት ለሚካኤል ንሚካኤለ ምሕረት (ርኅራኄ) ተዋሂብዎ።>> ንብል። ነብዩ ሄኖክ'ውን ንቅዱስ ሚካኤል ምሕረት ከምዝተዋህቦ ገሊጹ እዩ። ትሕትንኡን ተኣዛዝነቱን ኣረዲኡ እዩ። ሄኖክ.65 10-12

ናይ ሰማያውያን ሠራዊት ሓለቃ ንደቂ ሰብ ኩሉ ዝርኅርህኅን ንደቂ ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ናብ ፈጣሪኡ ዝልምን ርኅሩኅ ትሑት ዝኾነ ኃያል ቅዱስ ሚካኤል ዝስርሖ ሥራሕ ተኣምሩን ክብሩን ተጻሒፉ ክውዳእ ዝከኣል ኣይኮነን

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣማላድነት ኣይፈለና።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸሎቱን በረኸቱን ረዲኤቱን ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

(For those who do not have Geez, please visit this link) LIKE MELAEKT KIDUS MIKAEL

2 comments:

  1. የቅዱስ ሚካኤል አማላጅነቱ ተራዳኢነቱ ለሚያከብሩት ለሚያወድሱት ለሚዘከሩት ሁሉ ይሁን!

    ReplyDelete
  2. ኣሜን ጸጋ የብዝሃልኩም ብሩካት ይህዋት

    ReplyDelete