Friday, August 10, 2012

ናይ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ፊሊጶስ ዓመታዊ ክብረበዓል



አበው ቅዱሳን ዘደብረ ቢዘን

እንቋዕ ናብ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ፊሊጶስ ዓመታዊ ክብረበዓል ብሰላም ኣብጸሓና።


ኣቡነ ፊሊጶስ አንዳዴ ባሕር
ኣቡነ ዮሓንስ ለጓሜ ደመና


v ሰላም ለፀአተ ነፍስከ አመ ኃሙሱ ለነሐሴ
ወለድነ ሥጋከ ሰላም እንተ ይደልዎ ቅዳሴ
ፊልጶስ ሰማዕት ዘኅቱም በስመ ሥላሴ
ነፍስየ ማርያም እህተ ነቢይ ሙሴ
ነዋ ለክብርከ ታቄርብ ውዳሴ።


v ሰላም ለልደትከ አንተ ኮኖም ሕይወት
ለይርድኣነ እግዚእ አቡከ ወለእምከ መግደላዊት
ሐዋርያ ኣምላክ ፊልጶስ ወልደ እስጢፋኖስ ሰማዕት
ከመ እወድስከ በልሳንየ ትሑት
ለሐውጾትየ ነዓ በኩሉ ሰዓት።

v ሰላም ለሕልናከ ዘኢይሔሊ እከየ
ወለአማዑትከ ሰላም በእሳተ ሐፂን ዘውዕየ
ገባሬ መንክራት ፊልጶስ ኣንተ እንደድከ ማየ
ዮሐንስኒ ወልድከ ዘተሰምየ
ከመ ኤልያስ በጸሎቱ ለጐመ ሰማየ።
                                    መልክዐ አቡነ ፊልጶስ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ሌላ ምስ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ፊሊጶስን ገዳሞ ደብረቢዘንን
ነሓሰ

ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብወገን ምብራቕ ከተማ ኣስመራ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ትርከብ። ካብ ኣስመራ ዘለዋ ርሕቀት ኣስታት  25 ኪሎ ሜተር  እዩ።  ኣብ ከተማ  ነፍሲት  ምስ  በጻሕካ  ነዊሕ  ዓቀበት  መገዲ  ሓደ  ሰዓት  ከድካ  ትርከብ።  እዚ ገዳም ዝተመስረተሉ ዘመን 1335 . እዩ።

ኣቡነ ፊሊጶስ ዝተወለዱ ካብ መኳንንቲ ስድራቤት እዮም ተወሊዶም። ኣብኦም ይርደኣነ እግዚኦ፡ ኣዲኦም ከኣ መግደላዊት ይበሃሉ። ወለዶም ይርድኣነ እግዚእን መግደላዊትን ከኣ ውሉድ ብምስኣን ንብዙሕ ዘመናት ብሓዘንን ብብኽያትን ይነብሩ ነበሩ። ርህሩህ ኣምላኽ ከኣ ዝነገርዎ ዘይርስዖ፡ ዝለምንዎ  ዘይኸልእ  ብምዃኑ  ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ጸሎቶምን ብኽያቶምን ሰሚዑ  ከም ዝወልዱ  ንቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ  ብስራት ልኢኹ ኣበስሮም። ኣቡነ ፊሊጶስ ከኣ 9 ጥቅምቲ 1297 . ተወልዱ። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኮኑ። ደብረ ጸራቢ ከይዶም ካብ ኣቡነ ብኪሞስ ወዲ ኤዎስጣቴዎስ  መዓርግ ምንኩስና ተቀበሉ። ብድሕሪኡ ኣብ  ስብከተ ወንጌል ተዋፊዎም ንኣስታት 30 ዓመታት ዝኣክል ኣስተምሀሩ። ብድሕሪዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳ ቆላ ብብሕትውና እንዳተቀመጡ ከለዉ፡ ምስ በዓል ኣቡነ መርቆሬዎስን ኣቡነ ኣብሳዲን ኣብ ሮራ ዝተባህለ ቦታ ትንቢታዊ ትምኒት ተመንዩ። ናይ ሰለስቲኦም ኣቦታት ትምኒት ከኣ ከምዚ ነበረ፦

 ኣቡነ መርቆሬዎስ፡ መቃብረይ ጻዕዳ ኮይኑ ድውያንን ሕሙማምን ዝፍውስ ክኸውን።
 ኣቡነ ኣብሳዲ ከኣ፡ መንፈሳውያን ደቀይ ብዙሓት ክኾኑለይ።
 ኣቡነ ፊሊጶስ ከኣ፡ ገዳመይ ብደቂ ኣንስትዮ ከይግኃስ ዝብል ነበረ።
ሰለስቲኦም ኣቦታት ዝተመንይዎ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በጺሑ ተፈጻምነት ረኺቡ ከም ትምኒቶም ተግባራዊ ኮይኑ ክሰርሕ ይርከብ።

ኣቡነ ፊሊጶስ ካብ ወረዳ ቆላ ናብ ወረዳ ደምበላስ ብምኻድ  ኣብ ከባቢ ዓዲ ጸጸር ብብሕትውና ተቀመጡ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን ከኣ  ካብኡ ተበጊሶም ንታሕታይ ደምበላስ ግምበሪ ዝተባህለ ኣተዉ። ኣብዚ'ውን ብጽኑዕ ተባሕትዎን ገድልን ድሕሪ ምጽናሕ እግሪ ኣቢሎም ንምድሪ ሓበለ ኣትዮም ብብሕትውና ተቀመጡ። ኣብዚ ቦታ እዚ ብኣፍ ኣቦታት ከምዝትረኽ ንመፋቅዶም ዝኸውን ካብ ኣርድእቶም ንኣቡነ ፊሊጶስ ጫኺሮም መሸላ ዘርእሎም እታ ዝዘርእዋ መሸላ ከኣ ጽቡቅ ቦቒላ ኣብ ፍረ ክትበጽሕ ምስ ቀረበት ሓደ ሃብታም ከንቲባ ሰብኣይ ከብቶም ሰዲዶም ብለይቲ ኣብልዕዎ። ካብቲ ፍረ ዝበጽሐ መሸላ ኩሉ ብጀካ ሓንቲ መሸላ ኣብ እሾኽ ጋባ ተሓቢኣ ዝተረፈት እንተዘይኮይና ብሙሉኡ ተበልዐ። ሽዑ እቶም ኣርድእቶም ንኣቡነ ፊሊጶስ እዚ ነገርዎም። ኣቡነ ፊሊጶስ ከኣ ደሓን እታ ዝተረፈት መሸላ ኣብ ዓውዲ ዝበጥዋ እሞ እግዚአብሔር ከበርክታ እዩ በልዎም እታ ሓንቲ ግምቦ መሸላ ኣብ ዓውዲ ምስ ዘበጥዋ ከኣ ካብቲ ሙሉእ ግራት ዝገመትዎ  ኮይኑ ነቲ  ዓውዲ መልኣቶ ሓፊሶም ከኣ መፋቅዶም መሊኦም ከዱ።  ብድሕር' ድማ መፋቅዶም ጺዒኖም ካብ ገርገር ብመግዲ ጋባታት ተበገሱ ኣብ ምድሪ ደቂ ዳሽም ክበጽሑ ከለዉ እቲ መገዲ ብሓደ ዓቢ እምኒ ተዓጽዩ ጸንሖም። ነታ መፋቅድ ተጻዒና ዝነበረት እንስሳ ከኣ ከምዚ በልዋ ስሎኺ በልዋሞ ብትሕቲ እቲ ዓቢ እምኒ ሶሊኻ ወጸት። ንሶምን ኣርድእቶምን ከኣ ብኡኡ ሓለፉ እታ ቦታ ክሳብ ሕጂ ሶሊኾም እንዳተባህለት ትጽዋዕ ኣላ። ናይ ኣጋር መገዲ ስጋብ ሕጂውን ይኽየዳ እዩ

ሽዑ ንገረሚ ወረዳ ካርነሽም ኣትዮም ተቀመጡ። ኣብ ከባቢኡ እንዳተዛዋረሩ ከኣ ትምህርቲ ክህቡ ጀመሩ። ካብኡውን ብዙሕ ከይጸንሑ ንእንባ ጸለሎ መሬት ጸሎት ኣትዮም ብሕትውና ጀመሩ። ኣብዚ'ውን ብዙሕ ከይጸንሑ ካብኡ ተበጊሶም ምስ ዓሰርተ ሽዱሽተ  (16) ኣርድእቶም ናብ ገዳም ደብረቢዘን ኣትዮም መስረትዋ። ኣብ መበል   ኣርብዓን ክልተን (42) ዕድሚኦም 1365 . ሓድነትን ማሕበራዊ ናብራን መስሪቶም ሕግን ሥርዓትን  መምርሕን  እንዳሃቡ  ኣጸናንዕዎ።  ከምዚ  ጌሮም  ሕጊ  አበው  እንዳምሃርዎም  ከለዉ  ዝተፈላለዩ  ኣላውያን  ኣህዛብ    የጭንቅዎምን ይርብሽዎም ከም ዝነበሩን ግና ብናይ ኣቦና ኣቡነ ፊሊጵስ ጸሎት ኩሉ ይሰግሩ ከምዝነብሩ ገድሎም ይነግረና።  ኣቡነ ፊሊጵስ ከኣ በቲ ኣብ ቅድሚ ኣላውያን ክፍርሑን ግርማ ዝሀቦም ዘኽበዎም ኣምላኽ ኩሉ ግዜ የመስግንዎ ነበሩ።

ስለዚ ገዳም ደብረ ቢዘን ብኣቡነ ፊሊጶስ ዝተመሥረተት ኮይና ዋላ እኳ ኣብ እዋኖምን ብድሕሪኦም ብዙሕ ፈተናታት እንተኣጋጣማ እግዚአብሔር ናይ ቅዱሳኑ ዓጽሚ ዝዓረፈሉን ዝጸለየሉን ክሕሉን ከኸብርን ካቡኡ ሓሊፉ'ውን ናብኡ ዝመጹ ሰባት ክባርኽን ክቅድስን ምዃኑ ቃልኪዳን ስለዝኣተወሎም እንሆ ገዳም ደብረቢዘን ነቲ ኩሉ መከራ ኣሕሊፋ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ በጺሓ ትርከብ።

ናይ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ፊሊጶስ በረከቶምን ረዲኤቶም ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን።
(For those who do not have Geez, please visit this link) TSADIK ABONA ABUNE FILIPOS


ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ  ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!

5 comments:

  1. ዝኸበርኩም ገሊላውያን ወትሩ እተቅርብዎ መንፈሳዊ መግቢ ቃል ኣምላክ ዓስብኹም ካብ ገዛኢ ኩሉ ዓለም እዩሞ ብዘይ ምቅራጽ ክትምግቡና አንዳተላበኹ ከም ተወሳኺ ርእይቶ ብዛዕባ ናይ ኣቡነ ፊልጶስ መልከዕ ሓሓደ መስመር ጎደሎ ኣለዋሞ ፤ ምሉእ ከሎስ ከም ጎደሎ ከይቁጸር ሓሳባት ውን ከይቁረጽ ኣስዕብ አቡሉልና።

    ReplyDelete
    Replies
    1. አዘክሪ ድንግልAugust 15, 2012 at 2:03 AM

      ክቡር ሓውና ወይ ክብርቲ ሓፍትና ስለእቲ ዝኃብኩምና ርእይቶ ብስም ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣዚና ኢና ነመስግነካ። ምስ ሙሉእ ይቕረታ፣ ከም አምላኽ ፍቓድ ከኣ እታ ዝጎደለት ተመሊኣ ኣላ። ኣብቲ ቀጻሊውን መንፈሳዊ ምዕዶኹምን ሓገዝኩም ከምዘይፊለየና እሙንቶና እዩ። ኣብ ጸሎትኩም ደጉፉና።

      ይትባረክ አምላክ አበዊነ።

      Delete
  2. ብናይ ማዕበል ስራሕ ኣቢሉ ቅዱስ ቃሉ ንክትምግቡ ጥበብ ዝዓደለኩም ልዑል ፈጣሪ ከምቶም ጀሚሮም ናይ ዓወት አኽሊል ዝተዓወቱ ዓወትኩም እንዳተተምነኹ ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ቅድሚ ሎሚ ዘይሰማዕናዮ ካብ አቦታትውን ዘይወረስናዮ ብሂል "ጥንተ ኣብሶ" ዝመንቀሊኡ ን ቤተክርስትያንና ዝፈታተን ጽልዋኡ ድማ ንግዚኡ እኳ ሓደገኛ እንተመሰለ ከምቶም ናይ ጥንቲ መናፍቃውያን ናይ ጥፍኣት መርከቦም ዝጠሓለቶም ከምዝኾኑ ታሪኽ ቤተክርስትያን ዝነግረና ኢዩ። ስለዚ ገሊላውያን እቲ ሓቂ ተቀቢሩ ከይተርፍ ዘይኮነስ ከም ወዮ ኤርሚያስ ዝበሎ አብ ትንቢቱ "ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ነበረ፡፤ ጓሰተን አጋገይወን ናብ ኣኽራን አኾብለልወን ንሳተን ድማ ነፈጻ፡ ስፍራ መሕደሪአኤን ድማ ረሰዓ። ዝረኸብወን ዘበሉ ኩሎም በልዕወን ። ኤር 50 ፡ 6 ስለዚ ከም መሸፈንን መመኽነይታን ዝጥቀምሉ ብዛዕባ ጉዳይ አቡነ እንጠንዮስውን ስለዘሎ በጃኹም ንሰብ ወይ ድማ ንበዓል ስልጣን ፈሪህኩም ዘይኮነስ ንስለ ቅኑዕ ሓበሬታ እቶም እከያት ጓሶትውን ክሓፍሩ ንሕናውን ካብ ምጥርጣር ክንድሕን መኽፈልትኹም ለኣኹልና። ጸጋ አብ ልዕሊ ጸጋ የብዘሓልኩም። ወልደ እንበረም ኣሃዱ ዘእምዲያቆናተ ገሊላ

    ReplyDelete
  3. የአባቶቻችን የጸሎታቸው ረድኤት በረከት ለህዝበ ክርስቲያኑ ሁሉ ይሁን!

    ReplyDelete
  4. This comment has been removed by a blog administrator.

    ReplyDelete