Wednesday, October 24, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣ (ካልኣይ ክፋል)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣ (ካልኣይ ክፋል)
  ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ.
2.   ታሪኽ
     እስከ መነነቶ ሜልኮል ቅድመ ታቦተ ሕግ ከመ ዘፈነ፣
ንጉሠ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፣ 
     ቅድመ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ፣
  ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐተኪ ቁርባነ፣
  በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ፡፡ 

 
(Click for PDF)ቅዱስ ዳዊት ታቦተ ጽዮን ካብ ቤት ኣቢናዳብ ናብ ከተማ ኪትኣቱ ከላ ብሙሉእ ኃይሉ ኣብ ቅድሚ ታቦተ እግዚአብሔር ክዝምር ከሎ ሚካል ርእያ ብልባ ኒዒቓቶ። በዚ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ስለዝበደለት ውላድ ከይወለደት ሞይታ። 2ሳሙ.6፣12-23። ኣባ ጽጌ ድንግል ነዚ ታሪኽ ምስዘከረ << ቅድሚ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ >> ዳዊት << ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብነት ዝኾነት ታቦተ ጽዮን ኣብ ቅድሚኣ ከም ዝዘመረ ኣነ'ውን ኣብ ቅድሚ ስእልኺ ክዝምር እየ። >>
<< ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐትኪ ቁርባነ በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ >> ሚካል ቅዱስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ዘቅርቦ ዝነበረ ምስጋና ብምንዓቓ ከምዝተረገመት ናትኪ ምስጋናኽን ተኣምርኪን ዝንዕቅ ሰብ ኩሉ ብኣፈ መልኣክትን ሰብን ዝተረግመ ይኹን።>> ዝብል እዩ። ሚካል፣ ነታ ምሳሌ ናይ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝኾነት ታቦተ ጽዮን ምሥጋና ብምንዓቓ ከምዝተረገመት፣ ሎሚ'ውን ንኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስጋናኣን ውዳሴኣን ዝንዕቁ፣ ንዘመስግንዋ ምእመናን ዝነቕፉ ሰባት ዝተረግሙ ይኹኑ። እዚኦም << እተን ንጻድቅ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዓበሳ ደኣ።>> መዝ.31፣18። ብዝበሎ ርጉማን ዝተረገሙ እዮም።
እንበይነ አውሎጊስ ለዳኒኤል አመ አርአዮ ስቅለተ
ከመ እገሪሁ ሰዓምኪ ወሰአልኪዮ ምሕረተ
ለተአምረ ሣህል ወልድኪ በእንተ ፍቅረ ሰብእ ዘሞተ
እንዘ ታዘክሪዮ ድንግል ይምሐረኒ ሊተ
ከናፍሪሁ ጽጌ አንኂ ስዕመተ።

   ኣውሎጊስ ዝበሃል እምኒ ናይ መጥሓን እንዳጸረበ ብምሻጥ በቲ ዝረኽቦ ውሑድ እቶት ዝመሓደር ሓደ ድኻ ነበረ። ካብቲ ዝረኽቦ እቶት ንዕዑ ዝኾኖ ንእሽቶ ንዕለት ድራሩ ምስ ኣትረፈ እቲ ዝተረፈ ካብኡ ንላዕሊ ንዝተሸገሩ እንዳሓገዘ ይነብር ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ስርሑ ከሎ አባ ዳኒኤል ዝበሃል ባሕታዊ ይርእዮ። እዚ ባሕታዊ ኣውሎጊስ << በዚ ናይ ድኽነት ናብርኡ ከምዚ ንድኻታት ዝሕግዝ ካብ ኮነ ብዙሕ ገንዘብ ምስ ዝረክብ ድኣ ክንደይ ብዙሕ ሰብ ምስ ሓገዘ ኔሩ ጽቡቅ ስራሕ'ውን ምስ ሰርሐ ኔሩ። >> ኢሉ እግዚአብሔር ነዚ ሰብ ብዙሕ ሃብቲ ክህቦ ምእንቲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሱባኤ ሓዘ። እግዚአብሔር ሃብቲ ነዚ ሰብ (ንኣውሎጊስ) ከምዘይጥቅሞ እንተነገሮ'ውን አባ ዳኒኤል ብናይ ገዛእ ርእሱ ሓሳብ ጥራሕ ብምጒዓዝ ሃብቲ ክህቦ ኣጥቢቁ ስለዝለምኖ ክገብረሉ ጸሎቱ ተቀበለሉ። ድሕሪ'ኡ ኣውሎጊስ ከምቲ ልማዱ እምኒ ደልዩ ኪዂዕት ከሎ ኣብ ዕትሮ ዝተቀበረ ወርቒ ረኸበ። ነቲ ወርቒ ወስዱ'ውን ንንጉሥ ሃቦ። እቲ ንጉሥ ድማ ወርቒ ረኺቡ ንዕዑ ከይገብረ ንንጉሥ ዘምጽእ ሰብ ማዕረ ክንደይ እሙን እዩ፣ ብምባል ኣብ ቤተመንግሥት ሓላፊ ጌሩ ሾሞ። ኣውሎጊስ ድሕሪ ምሻሙ ክብሩን ሃብቱን ዓጀብቱን ምስ በዝሑ፣ እቲ ዝገብሮ ዝነብረ ትሩፋት ኣብ ክንዲ ምብዝሑ ክገድፍ ጀመረ፣ ፈጺሙ ከኣ እቲ ናይ ቀደም ስርሑ ገደፎ። ኣብቲ እዋን ኣባ ዳንኤል ብሕልሚ እግዚአብሔር ክቁጥዖን ክፈርዶን ረኣየ። ዘይግባእ ልመና ለሚኑ ንኣውሎጊስ እቲ ናይ ቀደም ትሩፋቱ ንኽገድፍን ክብድልን ምኽንያት ስለዝኾነ። ኣባ ዳንኤል በደሉ ተረዲእዎ ኣብ ትሕቲ ስእለ ማርያም ወዲቁ ስለዝለመነ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናብ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ለሚና ይቅሬታ ኣዊሂባቶ።   
ኣባ ዳንኤል ብሕልሚ ዝረኣዮ ነገር ስለ ዝኸበዶ ምናልባት ኣውሎጊስ ንድኻ በዲሉ ፍርዲ ኣዳልዩ ከይከውን ኢሉ ክርእዮ ምስ ከደ ንዕዑ'ውን ንኸዛርቦ ፍቃደኛ ኣይኮነን ። << ስለ ደቂ ሰባት ፍቕሪ ኢሉ ካብ ዝሞተ ወድኺ ንኣባ ዳንኤል ለሚንኪ ዘስመርኪዮ፣ ንዓይ'ውን ይቕረ ክብለለይ ካብ ወድኺ መድኃኒዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ለምንለይ።>> ብምባል፣ ንሕና'ውን ኣብ ዘይንፈልጦ ጥፍኣት እንዳኣተና እንዳፈረድና ካብ ዝመጽኣና መቕጻዕቲ ንኽትስወርና ካብ ወድኺ ምሕረት ለምንልና ክንብል ከምዝግበኣና ዘመልክት እዩ። 
ኦ ረዳኢተ ድኩማን ዘይረድአኪ ኢትሐሥሢ
እመንበረ ላእክኪ በምዕር ከመ ገፍታዕኪዮ ለወራሲ
ለገፍትዖ ፀርየ ድንግል ኃይለ ጽጌኪ ልበሲ
ዘይሳለቅ ተአምረኪ እንዘ ሐሰተ ይሬሲ
መፍትውኑ ከም ይሕየው ከይሲ።
ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተኣምር ኣኪቡ ዝጸሓፈ ቅዱስ ኣቦ ኣባ ድቅስዮስ እዩ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ነዚ ውዕለት'ኡ ሰብ ዘየቅመጦ ሰማያዊ መንበርን ሰብ ዘይለብሶ አጽፍ ሂባቶ እያ።  ቅዱስ ኣቦና ድቅስዮስ ድሕሪ ምዕራፎም ኣብቲ ናቶም ቦታ ዝተሾመ ኤጲስቆጶስ ኣብዚ መንበር ንኽቅመጥን አጽፉ ክለብስን ኢሉ ምስ ፈተነ << ግደፍ እዚ ንድቅስዮስ ዝተዋህበ እዩ፣>> እንተ በልዎ << ኣነ'ውን ከሙኡ ኤጲስቆጶስ እየ ብምንታይ ይንእሶ።>> ኢሉ ብድፍረት ኣብ መንበር ምስ ተቀመጠ ኣብኣ ከሎ ሞይቱ።  ኣብ ላዕሊ ዝተጻሕፈ ድርሰት'ውን ዘረድእ ነዚ እዩ። << ንዝደኸሙን ዝተሸገሩን ትሕግዚ ንስኺ ግና ሓጋዚ ዘይትደልይ ኣብቲ ናይ ፈታውኺ ደቅስዮስ መንበር ብትዕቢትን ድፍረትን ዝተቀመጠ ከምዝቀጻዕክዮ ናተይ ጸላእተይ'ውን ኣጋንንቲ እኩያት፣ ኃጣውእ ንኸተርሕቅለይ ናይ ጽጌኺ ኃይሊ ማለት ናይ ወድኺ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ሒዝኪ ተሥኢ። >> ብምባል ንፈተውታ ኩሉ ግዜ ጸግዒ ዝኾነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ጸላኢና ከተድኅንነና ካብ ታሪኽ ኣንጻር ዝቀረበ ጸሎት እዩ።  
በጌጋየ አዳም ወሔዋን ሱራፊ ዘዐፀዋ
እንበለ ጽጌኪ መኑ ለአንቀጸ ገነት ዘአርኃዋ
ተፈሥሒ ድንግል መያጢተ አዳም እምፄዋ
በተአምርኪ ውስተ ምድረ ጽጌ አቲዋ
ከመ ጣዕዋ አንፈርዓፀት ሔዋ።

ኣዳምን ሄዋንን ብዘጥፍእዎ ጥፍኣት ካብ ገነት ተባሪሮም ናብ ምድረ ፋይዳ ንኽወርዱ ተፈሪድዎም። ገነት ከኣ  ቅዱስ መልአክ እግዚብአሔር ሱራፌል ብዘንበልብል ናይ እሳት ሰይፊ ይሕልዋ ኔሩ። ብኸምዚ ኩነታት ዝተዓጽወት ገነት << እንበለ ጽጌኪ መኑ ለአንቀጸ ገነት ዘአርኃዋ፣ ብዘይ ወድኺ ክርስቶስ ብዘይ ብኣኺ ጽጌ ብሱራፌል ትሕሎ ዝነበረት ገነት ክኸፍታ ዝኸኣለ ማንም የለን።>> ዘፍ.3፣-24  ካባኺ ብዝተወለደ ክርስቶስ ናብ ናይ ቀደም ክብራ ዝተመልሰት ሄዋን ከምቲ ጡብ ኣዲኡ ጠቢዩ ተሓጊሱ ዝዘልል ብተይ ደስ ኢልዋ። ብሓፈሽኡ እዚ ዘረድኣና ብዛዕባ ክርስቶስ ሰብ ምዃኑን ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቂሉ ቤዛ ኩሉ ፍጥረት ምዃኑን ማንም ክኸፍቶ ዘይከኣለ በሪ (ማዕጾ) ገነት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኸፈቶን ፣ደቂ ሰባት ዝሰኣንዎ ናይ ውልድነት ጸጋ ዝመለሰልና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተወልደ ምዃኑ እዩ። እግዚአብሔር ብነብዩ ኢሳይያስ ኣቢሉ << ምድኃነይ ከኣ ኣይድንጕን ምድኃን ኣብ ጽዮን ክብረይ'ውን ንእስራኤል ክህብ እየ።  >> ኢሳ.46-13። ከምዝበለ ዝተዋረደ ወዲ ሰብ ዝኸበረሉን ዝደኃነሉን መድኃኒት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ጽዮን ካብ ዝተባህለት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። ነዚ መድኃኒት ንዓለም ዘበርከተት ንሳ እያ። 

 3. ተግሣጽ.
ኣባ ጽጌ ድንግል ነዚ ማኅሌተ ጽጌ ከብጽሕ ከሎ ንመስቀልን ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ክብሪን ስግደትን ኣይግበኣን እዩ፣ ዝብሃሉ ደቂቀ እስቲፋኖስ ዝበሃሉ መናፍቃን ተሲኦም ነበሩ። ኣብቲ ዘመን ዝነብሩ ንጉሥ አጼ ዘርአ ያዕቆብ ጉባኤ ሰሪዖም  ምስ ኣከራኸርዎም እቶም መናፍቃን ከኣ ተረቲዕም። አባ ጽጌ ድንግል'ውን ኣብ ማኅሌተ ጽጌ ድርሰቱ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተኣምርን ክብርን ንምግላጽ ንመናፍቃን ብምግሳጽ፣ ኣብዚ ናይ ተግሳጽ ድርሰቶም ኣምሂሮም እዮም። ንኣብነት ምስ ንርኢ
ከመ ይትፌሣሕ ጻድቅ ሶበ ይሬኢ በቀለ
በተበቅሎ ፀር ያርኢ ዘተአምርኪ ኃይለ
እፎ የሐዩ እመአምላክ እንተ ኪያከ ፀዓለ
አኮኑ በፍትሐ ጽጌኪ ይሙት ተብህለ
ላዕለ አቡሁ ወእሙ ዘአሕሰመ ቃለ።
ጻድቅ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ሕነ ክፈድየሉ ከሎ ክርኢ ከሎ ደስ ይብሎ እዩ። እዚ ከኣ ናትኪ ኃይልን ተኣምርን  ከርኢ ምእንቲ እዩ። ከምዚ ካብ ኮነ ናትኪ ተኣምር ዝንዕቁን ንዓኺ ዘየኽብሩ ከሓድቲ ከመይ ብሕይወት ክነብሩ ይግብኦም፣ ምኽንያቱ << ብናይ ወድኺ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትእዛዝ << ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት፣>> ዘጻ.21፣17።  ተባሂሉ ተፈሪድዎ እንድዩ። ኣዲኡን ኣቡኡን ዝጸረፈ ሞት ዝግብኦ ካብ ኮነ? ንክርስቶስ ሰማያዊ ኣምላኽ ወሊዳ፣ ጡባ ኣጥቢባ ዘዕበየት። ሓዚላ ዝተሰደት ናይ ዓለም ኩሉ ሕይወት ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደትልና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ልዕሊኣ ሕማቅ ቃል ዝተዛረበ ከመይ ዝበለ መከራ ይጽበዮ ይኸውን?    

4. ምሥጢር። 

 ኣብዚ ኣርእስቲ ንርእዮ ኣብ ብሉይን ሓዲሽ ኪዳንን ዝተነግረ እንዳማሳሣጠረ፣ ብብዙሕ ምሳሌን ትንቢትን ዝንገር ዝነበረ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ምውላድ ትንቢት ምስ ፍጻሜኡ እንዳዛመደ ዝነግር እዩ።

ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አሕዛብ
ትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዑ ለአብርሃም አብ
ጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ውሁብ
ማርያም ዕፀ ሳቤቅ ወምሥራቅ ዘያዕቆብ
ወላዲቱ ለሥርግው (ለሥግው) ኮከብ።
 ይቕጽል……  ብሰላም የጽንሓና።


ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለና።
               
                                                          
                                                                 ወስብሓት ለእግዚአብሔር
                                                            ወለወላዲቱ ድንግል
                                                           ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment