Monday, January 28, 2013

ንስሓ 5ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 5ይ ክፋል

2.  ናብ ንስሓ ምቅልጣፍ
+ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከምዚ ይብል፡ ኩሉ ግዜ ንስሓ እቶ፡ ውሱን ግዜ ንንስሓ ኣይትግበር።

+ ቅዱስ በኻምዮስ’ውን፡ “ከርክበሉ እየ ኢልካ ንንስሓ ኣይተጽንሓያ። ምኽንያቱ ከይተዳለኻ ከለኻ፡ ሃንደበት ንነፍስኻ ዝወስዱ  ከይመጹ፡ ኣብ ከቢድ ጸልማትን ዘንደልህጽ ሓውን ነፍስኻ ከይተደርበየት ከላ፡ ጸለምቲ ከይከበቡኻ ከለው፡ ናብ ዘሰንብድ ስፍራ ከይወሰዱኻ ከለው፡ ብዘለካ ኃይሊ ተበራበር። ናብ መንግስቲ ኣምላኽካ ብሰላም ምእንቲ ክትኣቱ፡ ኣብ ንብረት ጐይታኻ እሙን ኩን። 

+ ኣነ ካብቲ ሰናይ ገይሩ ዘታልል፡ ሓጢኡ ዝጠዓስ ይፈቱ።

+ ቅዱስ ባስልዮስ፡ “ዘይምሕጣእ ጽቡቕ እዩ፡ ምስ ሓጣእካ ግና፡ ናብ ንስሓ ጕየ። ምስ ተናሳሕካ ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ ድማ ዝበለጸ እዩ። ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ ግን ብኃይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ነዚ ኩሉ ምስ ፈለጥካ ንኣምላኽ ምምስጋን ይግባእ። ዘውትር ረድኤቱ ምልማን ድማ ሰላም ይህበካ።”    

+ ቅዱስ ኣባ ጢሞቴዎስ፡ “እንተሓጣእካ፡ ሸለል ኣይትበል ኣይትተሃከ ድማ፡ ተቐላጢፍካ ተንስእ። መንገድኻ እንተሰሓትካ ቀኑዕ መንገዲ ክሳብ ትረክብ ንድሕሪት ተመለስ። ምኽንያቱ እታ ቅንዕቲ መንገዲ ጥውይዋይ የብላን። ምንዋሕ ዓመታት’ውን ኣይርከባን። ብቕልጡፍ ናብ ከተማ ሰላም ተብጽሓካ።”


3.  ነፍስኻ ምምርማር
ማር. ይስሓቕ፡ “ጌጋ ምስ ገበርካ፡ ንነፍስኻ እንተ እንተዘይዋረድካያ፡ ንስሓ እንተዘይኣተኻ፡ ነፍስኻ ትምርምረሉ ሰዓት እንተ ዘይሃለወካ፡ ኣበይናይ ነገራት ከም ዝኣበስካ ዘይትፈልጥ እንተኾንካ፡ ነታ መዓልቲ’ቲኣ ኣብ ቁጽሪ ዕድሜኻ ኣይትጸብጽባ።

ንነፍሱ ዘይበኽየላ፡ ዘይፈርኃላ፡ ብጽሩይ ማይ ዘይኃጽባ ወይልኡ። ምኽንያቱ ናይ ንስሓ ዕድል ኣይተጠቕመሉን። ኣብቲ ዝመጽእ ዘመን፡ ብዘይፍቓዱ ክሳዕ’ታ መወዳእታ ርስሓት ብማዕበል እሳት ክሕጸብ ስዝኾነ።

+ ጸላኢ ሠናያት ካባኻ ክሳዕ ዝሃድም ንነፍስኻ ኣጨንቃ ጓሂ ምልኣያ።
+ ምስ ነፍስኻ ተዓረቕ፡ ምስ ሰማይን ምድርን ክትተዓረቕ።
+ ብዘይሸለልትነት ንነፍስኻ መርምር። ብጌጋኻ ምእራም ተማሃር፡ ምሕረት ኣምላኽካ ድማ ለምን።
+ ሸለልትነትን ምስልካይን ከይታልላኻ፡ ኣብ ዝሰራሕካዮ ኩሉ ንነፍስኻ ጥራይ ገነበኛ ቊጸር።
+ ኣብ ግዜ ፈተና ክይትሽገር ምእንቲ፡ መዓልታዊ ድኽመታትካ ኣለሊ።
+ ሥጋዊ ድልየታቱ ብዘይምርካቡ ዝቑጣዕ፡ ብዘይንስሓ ክድሕን ኣይክእልን እዩ።
+ ሕማቕ ብምግባሩ ጓሂ ልቢ ዘይብሉ ሰብ፡ ካብ ፍሕሶ ድያብሎስ ኣይክድሕንን እዩ።
+ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ተዓሪቑ ምስ ነፍሱ ዘይዕረቕ ረብሕኡ ንከንቱ እዩ።
+ “ህይወት ክንረክብ ኩሉ ግዜ ነፍስና ንምርምር፡ ብንስሓ ድማ ንሓጽባ።
+ ቅዱስ ኣባ ነስታርዮን፡ “ባሕታዊ፡ ለይትን መዓልትን ምስ ነፍሱ ኣብ ጸብጻብ ክኣቱ ኣለዎ። ኣምላኽ ዘስመረሉ እንታይ ነይሩ፤ ንኣምላኽ ዘቆጥዕ ስራሕ’ከ እንታይ ፈጺሙ፤ እናበለ መገዲ ቅዱስ ኣርሳንዮስ ክኽተል ይግባእ። ንሕና’ውን ህይወት ክንረክብ ከምዚ ንግበር። ምኽንያቱ እቲ ዘገድስ ብዙሕ ሠናይ ምግባርና ኣይኮነን። ምሳና ሒዝናዮ ንኸይድ ደኣ እምበር። 

+ ቅድስቲ ሰፍርኒካ፡ “ንዓለማውያን መራሕቲ ክንብድል ከሎና፡ ከይፈተና ኣብ ቤተ-ማእሰርቲ ተደርቢና’ዶ ኣይንቕጻዕን ኢና፤ ስለዚ ምእንቲ ድሕነት ነፍስና ካብ ሓጢኣት ክንሃድም ንገዛእ ርእስና ንእሰራ፡ ተድላ ሥጋ ከነወግድ ድማ ንሥጋና ነድክሞ” ። 

+ ኣቡን ኣሙንት፡ “እታ ቀጣን መንገዲ ኣየንተን ከም ምዃና ምስ ተሓቱ ከምዚ ክብሉ መለሱ፡ “እታ ቀጣን መገዲ ነዚ ትመስል፡ ወዲ ሰብ ሓሳብ ልቡ መርሚሩ፡ ብፍቓዱ ድልየታት ሥግኡ ገቲኡ ክነብር ከሎ እዩ። ነዚ እዩ ድማ ዝምስልዎ፡ <<እንሆ ንሕና ኹሉ ሐዲግና ሰዐብናካ>> (ማቴ. 19፡27)  

ሕቶ፡ “ከመይ ገይሩ’ዩ ሓጥእ ሰብ ኩሉ ግዜ ምሕረት ኣምላኽ ዝልምን፤”
መልሲ፡ ንሕቶኻ መልሲ ክዋሀበኒ ንኣምላኽ ለሚነዮ፡ “ልብኻ ካብ ኩሉ ሰብኣዊ ሓሳባት ኣንጽህ፡ ኣነ ድማ መልሲ ሕቶ ልብኻ ክህበካ እየ። ጸጋታተይ ነቶም ንጽሃት ልቢ እዩ። ቂም በቐል ዘለዎ ልቢ ጥበብ ኣይክሰፍሮን እዩ። ውህበታተይ ትብህግ እንተኾንካ ንጸላኢ ሠናያት ካብ ልብኻ ኣውጽኣዮ። ሽዑ ኩሉ ሠናይ ዘበለ ክትረክብ ኢኻ። ንኽልተ ጐይቶት ክትግዛእ ከም ዘይትኽእል ኣይሰማዕካን ዲኻ፤ ስለዚ ናተይ ኣገልጋሊ እንተኾንካ፡ ንድያብሎስ ኣይትገዛእ። እንተተገዛእካዮ ድማ ኣይትድለ። ንውህበታተይ ዝደሊ ኣርኣያ ከም ዝሓደግኩልኩም ኣሰረይ ተኸተሉ፡ መንገደይ ፍሉጥ፡ ገርህታት ከም ርግቢ ክትኮኑ እምዕደኩም ኣለኹ። ፈተና ንኽትሓልፉ፡ <<ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ >> (ኢሳ 50፡11) ። ዝብል ቃል ከይመጸ ከሎ ነፍስኹም ሓልው።
ነዚ ምስ ሰማዕኩ ብምሕረቱ ንኽበጽሓኒ፡ ካብቲ ኰንቱ ሥጋዊ ሓሳባት ከናግፈኒ፡ ኣረጊት ሰበይ ደርብየ ነቲ ሓድሽ ሰውነት ክለብስ፡ ብመሪር ንብዓትን ሓዘንን ለመንኩዎ። ድልየታት ነፍሰይ ገቲአ ንዝተዋህበኒ በረከት ተቐቢለ ብምስጋና ክነብር ወሲነ።” ይብል ሓታቲ። 

+ ኣምላኽ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ብዓቕሊ ይጽመሞ። እንተስ ሓጢኣት ዚመነኑ ኣይጽመሞምን እዩ። እዚ ድልየታት ዓለማውያን ካብ ድልየታት ዓለም ዝመነኑ ይፍለ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ ዓለም ዘለው ብዙሕ ምኽንያት ኣለዎም፡ ንሕና ግን እንታይ ምኽንያት ኣሎና፤ ዓይኒ ሓቂ ዝበኣሰ መቕጻዕቲ፡ ዘይውዳእ እሳት እዩ ዝጽበየና ዘሎ። ቅኑዕ ፈራዲ ስለዝኾነ ድማ ነቲ ትእዛዙ ዘይምስትውዓልና ዘይኮነስ እና ፈለጥና ንጠፍእ ምህላውና እዩ። 

4.  ምድላው   

+ ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ “መዓልታዊ ሓደ ነገር ዘክር፡ እታ መዓልቲ መወዳእታ ዕለት ኣብ ዕድሜኻ ምዃና እዩ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተ ገበርካ ንነፍስኻ ዕረፍቲ ክትረክብ ኢኻ።”
+ ማር. ይስሓቕ፡ “ንግሆ ምስ ተንሳእካ፡ ሓደ ነገር ዘክር። ንሱ ድማ፡ ብዛዕባ እታ መዓልቲ እንታይ ከም ዝሰራሕካ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፍርዲ ከም እትቐውም ፍለጥ። እዚ እንተ ገበርካ ካልኣይ ግዜ ኣይክትሓጥእን ኢኻ።”
+ ሰማያዊ ናፍቖት ምእንቲ ክህልወካ፡ መንግስተ ሰማያት ዘክር። ካብ ግብሪ ሓጢኣት ክትድሕን ድማ ገሃነም እሳት ኣይትረስዓያ።
+ ጎደሎ ሰብ ሞት የሰንብዶ እዩ ከም ዝተባህለ፡ ምስክርነት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ፡ ንሞት ይናፍቓ።

5.  ምንዛዝ  

ቕጽል . . .  ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር።

1 comment:

  1. አሜን በንስሃ ሕይወት ውስጥ ለመኖር የበቃን ያድርገን!

    ReplyDelete