Wednesday, February 6, 2013

ንስሓ 6ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 6ይ ክፋል
5.  ምንዛዝ 
+ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ ሓጢኣቱ ዘኪሩ ዝናዘዝ ብዙሕ ኣይሓጥእን፡ ሓጢኣቱ ክዝክር ዘይክእል ክናዘዝ ኣይክእልን። ጥፍኣቱ ድማ፡ ዓቢ እዩ።
ድኻሙ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተኣሚኑ ንነፍሱ ዘዋርድ፡ ነቲ ዝረኸሰ ክዳኑ ተገዲሱ ዝሓጽብ ዘሎ ሰብ ይመስል። 

+ ንሕማቕ ሓሳባቱ ዘጥፍእ ሰብ ካብ ውሽጢ ልቡ ዝነጽኅ እዩ። ሕማቕ ሓሳባቱ ዘይሓጽብ ግና ንጥፍኣቱ እዩ ዝሓስብ።

+ ቅዱስ ማር. ይስሓቕ፡ ሕማሙ ዝነግር ክሓዊ ቀሊል እዩ፡ ስቓዩ እንታይ ከም ዝኾነ ዝናዘዝ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ንጽህና ይርከብ። ተሪር ዝልቡ ስቓዩ ዓቢ እዩ፡ ካብ ሓኪም ዝሃድም ፈውሲ ቃንዛ ኣይረክብን።
+ ንስሓ ዘይብሉ ሓጢኣት እምበር ምሕረት ዘይርከቦ ሓጢኣት የለን። 


+ ረድኡ ንቅዱስ በርሰንፍዮስ ከምዚ ክብል ሓተቶ፡ “ብዛዕባ ሓደ ሓደ ሰይጣናዊ ውግእ ኣሕዋት ኣብ ጸሎቶም ምእንቲ ክድግፉና ከነካፍሎም ንኽእል’ዶ፤” መልሲ፡ “እቲ ቅኑዕ፡ እንምሕጸኖ ሰብ ንምስማዕ ሓይሊ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። ኑዛዜና ከኣ ንመንእሰይ ጸሎት ንዘየዘውትር ክኸውን የብሉን። ኣብ ጸሎቶም ክዝክሩና ክንምሕጸኖ ዝግበኣና ግን ንኹሉ እዩ።” ቀጺሉ’ውን፡
+ “ንኡስ ዝዕድሚኡ ንንኡስ ዝዕድሚኡ ክጠቕሞ ኣይክእልን፡ ኩሉ መጻሕፍቲ ዋላ እንተ ተመገበ እኹል ኣይኮነን።”

ካልኣይ ጊዜ’ውን ከምዚ ኢሉ ሓተቶ፡ “ስለዚ እሞ ንኹሎም ኣቦታት ብዛዕባ ኩሉ ዝሓሰብኩዎ ርኹስ ሓሳብ ክነግሮም ይኽእል’ዶ፤ ኣብ ጸሎት’ከ ብሕልናይ ጥራይ ክጽሊ ይግባእ ወይስ ዓው ክብል፤”

መልሲ፡ “ንኣቦታት ኩሉ ንኣእምሮ ዝርብሽ ሓሳባት ከተካፍሎም ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ሓሳባት ስለዝኾነ። ንሓደ ሰብ ብዙሓት ሰባት ተንኰል ይኣልሙሉ ምህላዎም እንተሰመዐ፡ እንታይ ይኣልሙ ከም ዘለው ኣየግድሶን እዩ። ብእኦም ድማ ኣይርበሽን እዩ። ሓደ ተንኰል ይኣልመሉ ምህላዉ እንተፈለጠ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከመይ ገይሩ ከም ዝዳሎ ክፈልጥ እዩ። ንሓሳባት ዝምልከት ከምዚ እዩ፡ እንተስ ጉዳይ ጸሎትን መዛሙር መድጋምን፡ ብሕልናና ጥራይ ክንደጋግሞ እኹል ኣይኮነን። ልሳና’ውን ክዓዪ ኣለዎ። ምኽንያቱ ልበ እግዚአብሔር ነቢይ ዳዊት ከምዚ ክብል ይምህረና፡ <<ጐይታየ፡ ኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲ፡ ከናፍረይ ክፈት>> (መዝ 51፡15) ። ከምኡ’ውን <<ንኣምላኽ ኩሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር ነቕርብ።>> (ዕብ 13፡15)  ። ኣብ ንጽልየሉ እዋን ዝኾነ ዓለማዊ ሓሳብ ከነወግድ ኣሎና። ጸሎትና ግቡእ ብዝኾነ ትሕትና ክመልእ ኣለዎ። ምኽንያቱ ቅዱሳን ኣቦታትና ብዘይድኻምን ትሕትናን ኣይሓለፉን።
+ ንኣባ ዘይኑን ክበጽሕ ኢሉ ዝመጸ ኣሐው፡ ሕማቕ ዝሰረሖ ዘበለ ምስ ነገሮ ተገረመ፡ ከምዚ’ውን በለ፡ “ጽቡቕ ምግባርካ ዘይምዝርዛርካ ሰናይ ገበርካ፡ ምኽንያቱ ሰባት ንሕማቕ ግብሮም ሰዊሮም ነቲ ሰናይ ግብሮም እዮም ዘቐድሙ”።

+ ሓደ ባሕታዊ ብሓሳቡ ኣብ ናይ ምንዝርና ፈተና ምስ ወደቐ ናብ ካህን ከይዱ ነዚ ሕማቕ ምስጢር ነገሮ። ክጽልየሉ ድማ ተማሕጸኖ። እቶም ካህን ድማ ትብዓት ኣስኒቑ ኣበርቲዑ ንኽጽሊ መኸሮ። ናብቲ ዝጽልየሉ ስፍራ ምስ ኣተወ እቲ ፈተና ካብቲ ዝነበረ በርተዖ። ናብቶም ካህን ተመሊሱ ዘጋጠሞ ነገሮ። ከምኡ ክብል ብዙሕ ግዜ ተመላለሰ። እቶም ካህን ድማ ተሰፋ የስንቕዎ ነበሩ። ከምዚ እናበሉ ድማ ይምዕድዎ ነበሩ፡ “ኩሉ ግዜ እዚ እከይ ሰይጣን ክዋገኣካ ከሎ ናብዚ መጺእካ ነቲ ሕማቕ ግብሩ ኣጋልጾ። ምኽንያቱ ንሰይጣን ምንዝርና ነቲ ሕማቕ ስርሑ እንተ ኣጋለጽካዮን ሕፍረቱ እንተ ቀላዕካዮን ክሐፍር እዩ። ስቕ ኢልካ እንተዓቆርካዮ ደስ ክብሎ እዩ። ኣብታ ለይቲ እቲ ባሕታዊ፡ ዓሰርተ ሓደ (11) ጊዜ ተመላሊሱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምዚ ክብል ተዛረበ፡ “እዚ ኩሉ ናባኹም ከመላለስ ግን ካብቲ ኣነ ዝፍተኖ ዘለኹ፡ ንስኹም ካባይ ንላዕሊ ትፍተኑ ኣለኹም፡ ከመይ ገይርኩም ትጸሩዎ ኣለኹም፤ ኩሉ ሓሳበይን ኩሉ ክፉእ ምግባረይን ናባኹም እኽዕዎ ኣለኹ”። ከምዚ ኢሉ ብትሕትና ነፍሱ ምስ ኣዋረደ፡ እግዚአብሔር ረድኦ፡ ካብቲ ፈተና’ውን ተናገፈ።

+ ሓደ ካህን ካብ ዝበሉዎ፡ “ሓጢኣትካን ክፉእ ምግባርካን ኣይትሕባእ። ምኽንያቱ ምሕባእካ ተምሳል ሰይጣን ኣባኻ ይርአ። በዚ ድማ የውድቐካ እምበር ሰይጣንስ ከውድቐካ ሓይሊ የብሉን። ንተድላኻ ክትፍጽም ባህጊ ምስ ዝህልወካ እዩ ዝቐርበካ። ኣብ ኩሉ ክፉእ ድማ ኣማኻሪ ይኾነካ። ባርያ ሰይጣን ኴንካ ዝበለካ ድማ ትእዘዞ። መልክዕኻ ስለዝለወጥካ ከኣ ክትቃወም ኣይትኽእልን።”   

+ ብዛዕባ ትሕትና፡ ሓደ ካብ ቀሳውስት ኣቦ እዮም። ንእግዚአብሔር ዝፈርኁ ኣቦ እዮም ነይሮም። በዚ ደስ ዘይብሎ ጸላኢ ሰናያት ኣብ መጻወድያ ከውድቖ ሒዂ ይብል ነበረ። ሓደ እዋን፡ ኣብ መጸለዪ ስፍርኡ ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ሓንቲ ምልክዕቲ መንእሰይ ሓጢኣታ ክትነገሮ ኣተወት። ንሕሉፍ ታሪኻ ከይሓበአት ብመሪር ብኽያትን ትካዘን ዘርዘረትሉ። ገጻ ቀሊዓ ክትዛረቦ እንከላ፡ ፍትወት ተላዕሎ፡ ሰይጣን ድማ፡ ተድልኡ ረኸበ። ጌጋኡ ተረዲኡ ሕማቕ ምግባሩ ፈሊጡ ነፍሱ ከዋርድ ጀመረ። ሓደ ካብ ኣርድእቱ ነዚ ዝረኣየ ተገረመ። በዚ ኣገባብ ንሓደ ሱባኤ (ሸውዓተ መዓልቲ) ብጾምን ጸሎትን ማይን እኽልን ከይለኸፈ ጽኑዕ ገድሊ ኣሕለፈ። ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ወደቐ። ንሱን እቲ ዘገልግሎ ረድኡን ብኸዩ። እዚ ኹሉ ንምንታይ ከምዝኾነ ዝፈልጥ ኣይነበረን። ድሕሪ’ዚ ናይ ቅስና ክዳኑ ኣውጺኡ፡ በዓል ከኣ ስለዝነበረ ህዝቢ ተኣኪቡ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን ኣብ ጸሎትኩም ዘክሩኒ እምበር ኣነስ ንዓኹም ክመርሕ ዝበቅዕ ሰብ ኣይኮንኩን። ነዚ ዝሰምዐ ህዝቢ ካብ ዓቢ ክሳብ ንእሽቶ ብብኽያት ፊቕ ኢሉ በኸየ። ክልምንዎ ድማ ጀመሩ። ከምዚ ድማ በልዎ፡ ኣቦና ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ ኣቦና፡ ስለዚ ኣይተዘኽትመና። ሠናይ ቓል ኣስምዓና። ቀሲስ ድማ፡ “ደቀየ፡ ኣነስ ዘይረብሕ ሓጢኣተኛ ድኹም ሰብ እየ። ንኣርብዓ ዓመታት ዝኣክል ብዙሕ ደኺመን ሓዚነን ንኹሉ ድማ ብሓንቲ ሰዓት ብሰሪ ርኹስ ግብረይ ኣጥፋእክዎ፡ ንመልክዐይ ድማ ሕስረት ወሰኽኩሉ።” ምስ በለ መሪር ብኽያት በኸየ። ኩሉ ህዝቢ ድማ ደድሕሪኡ በኸየ። እቲ ህዝቢ፡ “ኣቦና ሓጢኣትካ ኣባናን ኣብ ደቕናን ይኹን”። ልቡ ዘረስርስ ስለዘይነበረ ክወጽእ ደለየ እቲ ህዝቢ ግና ከልከሎ። ከምዘይገብሩሉ ምስ ፈለጠ ድማ ከምዚ በለ፡ “እንታይ ክገብር ትደልዩኒ ኣለኹም”፤ ህዝቢ፡ “ቅዳሴ ጀምረልና”። ንሱ ግን ኣበዮም። ብሓደ ድምጺ ድማ፡ “ምእንቲ ኣምላኽ ኢልካ ኣይትቃወም  ሕራይ በለና” በሉዎ። “እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ኣነ ‘ውን ሓደ ነገር ክትገብሩለይ ክምሕጸነኩም እየ። ፍቕርን ምእዙዝነትን ተማሃሩ ንህይወተይ ዝጠቅም ነገር ክሓሪ ከይትቃወሙኒ። ቅዳሴ ብሰላም ጀሚሩ ብሰላም ምስ ፈጸመ፡ “ዘይትሰምዑኒ እንተ ዄንኩም ካህንኩም ውጉዝ ይኹን”፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ ኮይኑ፡ ንኹሉ ህዝቢ ከምዚ በሎ፡ “ዝኾነ ካባኹም ክወጽእ ከሎ፡ ሰለስተ ግዜ ብልዕለይ ተሳጊሩ ከምዚ ይበል፡ “መሓሪ ኣምላኽ ምሓሮ”። ነዚ ዝገበረ ከኣ ካብ ኣምላኽ ዓስቡ ኣይክስእንን እዩ። ኣብ ኣፍ ደገ ፍግም ኢሉ እቲ ህዝቢ ዓቢኦም ንእሽቲኦም ተሳገሩዎ። ኣብ’ቲ መወዳእታ ምስ በጽሐ፡ እቲ ህዝቢ ክሳዕ ዝስምብድ ዓቢ ድምጺ ተሰምዐ። ከምዚ ድማ ዝብል ነበረ፡
“ስለ ትሕትናኻን ኣብ ቅድሚ ህዝብኻ ምጥዓስካን ምሒረካ ኣለኹ” ። እዚ ዝሰምዐ ህዝቢ ድማ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስጊኑ ናብ በቤቱ ከደ።

+ ብጻዩ ዝሓመሞ ሓደ ካህን ክበጽሖ ከደ። እቲ ሓሚሙ ዝነበረ፡ “ሞት ቀሪባ እያ እሞ ክናዘዝ” ኢሉ ንብጻዩ ይነግሮ። እቲ ካህን ድማ፡ “ተዛረብ ዝሓወይ፡ ሓጢኣትና ብዙሕ እዩ፡ እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ድያብሎስ ኣብ ሕማቕ ክንወድቕ እዩ ትምኒቱ። ብዝሒ ሓጢኣትና ዘይኮነስ እቲ ንሕና ፍጹም ካብ መንገዲ ሓጢኣት ኣግሊስና ብስቡር ልቢ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከሎና ብምሕረቱን ርህራሀኡን ዝሓቕፈና።” ። ኩሉ ዝገበሮ ጓሕጒሑ ምስ ኣውጸአ፡ መቕርቡ (ቤተ-ሰቡ) ክበጽሑዎ መጹ። ኮፍ ኢልና እና ኣዕለልና ከሎና ይብል እቲ ካህን፡ እቲ ዝሓመመ ብጻየይ፡ ኣንፈቱ ቀይሩ ንበዓል ስልጣን ዘዘራርብ ዘሎ መሲሉ ገጹ ተለወጠ። ነዚ ምስ ራእና ድማ ሰንበድና። ገለ ነገር ከም ዝርኢ ዝነበረ ድማ ተረዳእና። በዚ ድማ ክዛረብ ጀመረ፡ እወ ከምዝን ከምትን ገበርኩ፡ ኩሉ ድማ ንካህን ዘርዚረ ነገረዮ እየ። ቀጺሉ’ውን “ብዛዕባ እቲ ጽሕፈት ትብልዎ ዘለኹም ኣምላኽ ይፈልጥ ክወስዶ ኣይደልን ነይረ። ከምዚ ከማይ ዓያሹ ሰባት እዮም ካብ ወላዲትካ ሰሪቕካ ነቲ ጊልያ ሃቦ እሞ ሓደ ቅርሺ ክንህበካ ኢና፡ ኣምላኽ ከኣ ዓስብኻ ክኸፍለካ እዩ” ኢሎም ዝደፋፍኡኒ። ብዓቢ ፍርሓት መሊሱ፡ “ሕጂ ክትወስደኒ እየ ደልየ፡ ሰለስተ መዓልቲ ክሳቀ ኣይደልን’የ”። ደጊሙ’ውን፡ “ጽቡቕ እምበኣር ከምኡ ክገብር’የ፡ ሰለስተ መዓልቲ ክጽበ እየ” በለ። እዚ ዝሰማዕና በቲ ዘይርአ ራኢ ገሪሙናን ደኒቑናን። ነፍሱ ምስ ፈለጠ፡ ሓተትኩዎ፡ “እንታይ ክትብል ጸኒሕካ ዝሓወይ፤ ምስ መን’ከ ትዘራረብ ነበርካ፤” ከምዚ ክብል ድማ መለሰ፡ “ኣእምሮይ ዝሰሓትኩ ከይምስልኩም። ኣዒንትኹም ኣይርእያን ስለዝኾና እምበር፡ መልኣኽ ምስ ብዙሓት ዓጀብቱን ካልኦት ጸሊም ዝሕብሮም ኣብ ኣፍ ደገ ጠጠው ኢሎም ጸኒሖም።” ንሕና ድማ፡ ኣይናይ መልኣኽ፡ እንታይ ዝኾኑ ጸለምቲ ኢኻ ኣብ ኣፍ ደገ ዝራእኻ፤” ንሱ ከኣ፡ “ክሳዕ ሕጂ ከዘራርበኒ ዝጸነሐ፡ ገጹ ካብ ብርሃን ጸሓይ ይበርህ፡ ክዳኑ ድማ ብምጽዕዳዉ የነጸባርቕ ነበረ። ክፉኣት ጸሊም ዝሕብሮም ነገረይ ዝደለዩ ኣብ ኣፍ ደገ ኮይኖም ዝገብርኩዎን ዘይገበርኩዎን ክኸሱኒ ጸነሑ። እቲ መልኣኽ ድማ ብዛዕባ እቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ከረጋግጽ ይሓተኒ ነበረ፤ እቲ ዝገብርኩዎ ገይረዮ፡ እቲ ዘይገብርኩዎ ድማ ኣይገብርኩዎን ኢለ መሊሰሉ።” ቀጺለ ብዛዕባ እቲ ጽሕፈት ሓተትኩዎ። ከምዚ ክብል ድማ መለሰለይ፡ “ብዙሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣይተራእየንን፡ ስለዚ ኣይነገርኩኻን።” “ሕጂ ደሓን ንገረኒ” በልኩዎ። ንወላዲተይ ጊልያ ነይሩዋ። ጽሕፈት  ጊልያነቱ ድማ ኣብ መጽሓፍ ኣንቢራቶ ነበረት። ሕሱም ጊልያ ስለዝነበረ ምስ ካልኦት ሰባት ተማኺሩ፡ እቶም ሰባት ድማ ሓንቲ ቅርሺ ብምሃብ ኣተዓሻሽዮምኒ። ሰሪቀ ድማ ነቲ ጊልያ ሃብኩዎ። ካብኡ ንነው እቲ ጊልያ ምእዛዝ ኣበየ። ወላዲተይ ድማ ነቲ ውዕል ክትረኽቦ ስለዘይከኣለት፡ ንሰራቂኡ ረገመት። እዚ ኹሉ እና ገበረት ይዕዘባ ነበርኩ። ከም ምስጢር ዓቝረዮ ክሳብ ሕጂ ጸናሕኩ። ብዛዕባ እቲ ጽሕፈት እዮም እቶም ጸለምቲ ፍጥረታት ዝዛረቡ ዝነበሩ። ብዛዕባ ካልእ ዘይገብርኩዎ ነገራት ድማ ከሲሶምኒ እዮም። እቲ መልኣኽ ብዛዕብኡ ምስ ሓተተኒ ሞት ይሕሸኒ ካብዚ ከምዚ ክሲ ተግባራት ዝገብር ኢለ ምስ ገለጽኩሉ፡ ነቶም ጸለምቲ ሰጎጎም። ንዓይ ድማ ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ዕድመይ ክልውጥ’ሞ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ መጺኡ ከምዝወስደኒ ሓበረኒ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ንሞት ከይፈረሐ ብሰላም ዓረፈ። 

ናይ ንስሓ ህይወት

ይቕጽል . . .
ካብ መስዋእቲ ምሕረት ዝፈቱ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር፡ ክሳብ’ዛ ሰዓት’ዚኣ ብሰላም ብጥዕና ስለዘጽንሓና ክብሪ ምስጋና ይኹኖ። ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። ክሳብ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ንራኸብ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትና ይኹን።


ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

1 comment:

  1. አሜን! በንስሃ ሕይወት ውስጥ ለመኖር የበቃን ያድርገን!

    ReplyDelete