Tuesday, May 29, 2012

“ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ” (ሩት 1፡16)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!


ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን -- ብዓቢ ኃይል ወሥልጣን
 አሰሮ ለሰይጣን -- አግኣዞ ለአዳም
ሰላም -- እምዘእሴ
ኰነ -- ፍስኃ ወሰላም።
ኣሜንፍስሃ ኮይኑ፡ ሰላምውን ንኹሉ ህዝበ ክርስቲያን ኮነ።

ብሓቂ ነፍሱ ኣዋሪዱ ንዓና ኣኽቢሩና። ኣምላኽ ኣማልኽቲ ንጉሠ ነገሥታት ጐይታ ጐይቶት ኣልፋን ኦሜጋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ይኹኖ።


ብፍሉይ ጥበቡ ንፍጥረታቱ ዝፈጠረ፡ ኩሉ ኣዳልዩ ብዕለት ዓርቢ ብቕዱሳን ኣእዳዉ ብመልክዕናን ከም ምስልና ሰብ ንግበር ኢሉ ንዓና ዝፈጠረና ዘይውዳእ ፍቕሩ ዝገለጸልና። ኣዳም ምስ በደለውን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ዝፋን ክብሩ ገዲፉ ንድኅነትና መከራ ጸጊቡ ኣብ መስቀል ውዒሉ ንሞትውን ስዒሩ። ብትንሣኤኡ ድማ ትንሣኤ ዘርኣየና። ነዚ ፍቕሪ ዝመገበና፡ ኣፍና ልዕሊ ክገልጾ ዝኽእል ምስጋና ንዕኡ ይኹኖ። ምስጋና ንአብ ምስጋና ንወልድ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ። ኣሜን!!!

ሰናይ ፍቓዱ ኮይኑ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ ዝብል ቅዱስ ሓይለ ቃል ካብ መጽሓፍ ሩት ክንምገብ ጥበቡን ምሥጢሩን ይግለጸልና። እቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከኣ ንኹልና መንፈሱ ሰዲዱ ቅዱስ ቃሉ ብግቡእ ክንምገብን ናቱ ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።

መጽሓፍ ሩት ኣርባዕተ ምዕራፋት ዘለዋ  ኣብ ብሉይ ኪዳን ትርከብ መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ ህዝቢ እግዚኣብሔር ጥሜት ከምዘጥቀዖም ንዕዘብ። ሓንቲ ስድራ ካብ ኣርባዕተ ኣባላት ዝቆመት ካብ ቤት-ልሄም ናብ ምድሪ ሞኣብ ትኸይድ። ኣቦ እታ ስድራ ኤሊሜሌክ ኮይኑ በዓልቲ ቤቱ ድማ ናእሚ ትበሃል ነበረት። ክልተ ደቂ ድማ ነበሮም። እቲ ሓደ ማሕሎን ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኪልዮን ይብሃሉ ነበሩ። ብቛንቛ እብራይስጥ ናይዞም ክልተ ውሉድ እዛ ንእሽቶ ስድራ ትርጉም ኣስማቶም ነቲ ዘጋጥሞም ሕማም ዝገልጽ እዩ ዝነበረ። ማሕሎን ካብ ማሕላ ዝወጸ ቃል ኮይኑ ሕማም ይትርጐም። ኪልዮን ድማ ካብ ከልያ ዝመጸ ኮይኑ ሞት ወይ ምህላቕ (ህልቂት) ይትርጎም። ከምቲ ቅዱሳን ኣቦታትና ዝብሉዎ ጥዋፍ ይበርህ ሽም ይመርሕ፡ ድሕሪ ሞት ኣብኦም ክልቲኦም ክሞቱ ንርኢ።

ምናልባት ከምቲ ኣቐዲምና ዝራእናዮ ብሰንኪ ጥሜት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክነብሩ ከለው ክርሳዕ ዘይግብኦ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ካብ እግዚአብሔር ዝተረከቡዎ ሓደራ እምነቶም ወይ ሃይማኖቶም እዩ። ምኽንያቱ ሃይማኖት ኣምላኻዊ ህያብ እዩ። ንሕና ህዝበ እግዚኣብሔር ሓደራ ቅዱሳን
ኣቦታትና ብግቡእ ተሰኪምናዶ፤ ሃይማኖትና ሓሊናዶ? ብተግባር ከም ቅዱሳን ኣቦታትና ኣብ ሃይማኖትና ንነብር ኣለናዶ? ነብስና ንሕተታ።


እስከ ንመጽሓፍ ሩት ንወከስ! እዛ ስድራ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ምድሪ ሞኣባያን ብስደት ክትነብር ከላ ምስኦም ዝነብራ ዝነበራ ሞኣባውያን ኣንስቲ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣፍሊጦመን። ብከመይ?

ናእሚ ሰብኣያን ክልተ ደቃን ስኢና ምስ ክልተ ኣንስቲ ደቃ ተረፈት። እቲ ቅዱስ ቃል፡ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ከም ዝበጽሖም እንጌራውን ከም ዝሀቦም ሰምዔት (ሩት 16) ይብል። ስለዚ ናእሚ ናብ ቅድስት ሃገራ ክትምለስ ተላዕለት። ናእሚ፡ ኩሉ ብነጻ-ፍቓድ ከምዝኸውን ክትምህረን ነተን ኣንስቲ ደቃ፡ ኪዳ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገብርክናኦ፡ እግዚአብሔር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበር። ነፍሲ ወከፍክን ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ኽትረኽባ እግዚአብሔር ይሀብክን በለተን (ሩት 18-9) ብሓቂ እዚ ነገር እዚ ዓቢ ነገር እዩ። እግዚአብሔር ንዓና ንደቂ ሰባት ክፈጥረና ከሎ ብነጻ-ፍቓድ እዩ ፈጢሩና። ከምዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና ነጻ ፍቓድ (ዲሞክራሲ ) ተባሂሉ ዝንገር ኣበይ ሃገር ተጀሚሩ ኢልካ ካብ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኣልዒልካ ካብዚ ወይ ካብቲ ዝበሃል ሓቕነት የብሉን። ነጻ-ፍቓድ ንደቂ ሰባት ካብ መጀመርያ ብእግዚአብሔር ዝተዋህበ ህያብ ኢዩ። ገና ሰባት ሕማቕን ጽቡቕን ከይፈለጥና ከሎና ማለት እዩ። እዚ ሓዊ እዩ እቲ ከኣ ማይ እዩ ካብ ዝደለኻዮ ውሰድ እና በለ እዩ ፍቕሩ መጊቡና። ሕጂውን ናይ ናእሚ ግብሪ ህያብ ኣምላኽ እምበር ካብ ባዶ ዝመጸ ኣይኮነን።

ኣብነት ናይ ሓደ ኣብነታዊ መምህር ተግባር ንርአ። ሓደ መምህር እዩ፡ ኣብቲ ክምህረሉ ዝሓሰበ ትምህርቲ ስም ኣምላኽና ክጽዋዕ ዘይፈትዉ ዝነበሩ ሰባት እዮም ዝነበሩ። ስለዚ ክምህር እንተደኣ ኮይኑ ስም ክርስቶስ ክትጽውዕ የብልካን ኢሎም ቃል ኣእተውዎ። በዚ መሰረት ከኣ ክምህር ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ዓመት እንተመጹ ዘምህሮም ዝነበሩ ኩሎም ተማሃሮ ብክርቲያናዊ ሥነምግባር ተረቲዖም ክርስቲያን ኰይኖም ጸነሑ። ኣማሓደርቲ እታ ቤት ትምህርቲ ምስ ሓተቱዎኣነ ከምቲ ዝበልኩምኒ ገይረ ስም ክርስቶስ ኣይጸዋዕኩንኢሉ መለሰሎም። ነቶም ተማሃሮ እንተጠመቱዎም፡ልክዕ ኣይተጋገየን። ንሕና በቲ ክርስቲያናዊ ሥነምግባሩ ኢና ፈቲናዮ። ስለዚ ኢና ሃይማኖቱ ሃይማኖትና ክኸውን ዝመረጽናኢሎም መለሱሎም። ብሓቂ ዘደንቕ ስራሕ ናይ እግዚኣብሔር እዩ። ምስጋና ውዳሴ ይኹኖ።

ሓንሳብ ኣብ ልብኻ ጽኑዕ ፍቕሪ እግዚአብሔር እንተሃልዩካ ሰላም ትረክብ። እዚ ሰላም እዚ ከኣ ኣብ ውሽጥኻ ከቓጽለካ ይጅምር። ብድሕሪኡ ናብቶም ኣብ ከባቢኻ ንዘለው ሰባት ተካፍሎ።

ናእሚ፡ ንሩትን ዖርጳን ናብ ቤትክን ተመለሳ ምስ በለተን፡ ሩት ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሓማታ ከምዘይትፍለ፡ ሐዲገኪ ንድሕሪት ክምለስ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዩናስ፡ እግዚአብሔር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወስኸኒ በለት። (ሩት 116-17) እዚ ውሳኔ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንድሕሪት ምምላስ ኣሸጋሪ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ሩት ንድሕሪት ሰላም ዘይብሉ ህይወት ክትምለስ ኣይደለየትን። ንሕናውን ከምኡ። ኣብዛ ጸልማት ዓለም ቀንዴል ተዋሂቡና እንከሎ ነታ ቀንዴል ኣጥፊእና ብገዛእ ፍቓድና ሰንከልከል ክንብል ከመይ ሕማቕ ነገር ይመስለኩም። ቃልካ ንእግረይ መንራህቲ፡ ንመንገደይ ብርሃን እዩ (መዝ 119105) ዝበለ ዘማራይ ዳዊት ቃል እግዚኣብሔር ጣዕሙ ኣመና ምቑር ስለዝኾነ እዩ። ልክዕ ሥጋ ለበስ ኢና ግና
ውሳኔ ክንውስን ክንክእል ኣሎና። ምኽንያቱ ብነጻ-ፍቓድ ስለዝተፈጠርና። ብርሃናተ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ (2 ቆሮ 62) ከምዝበለና ውሳኔ ናትና ምርጫ እዩ።

እዚ መንገዲ እዚ ምምራጻ ሩት ተባሪኻስ ካብ መቕርብ ናእሚ፡ ቦኤዝ፡ ንእዮቤድ ወሊዳ። እዮቤድ ድማ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት ይኸውን። (ሩት 417) እዮቤድ ብእብራይስጥ ኮይኑ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ወይ ሰዓቢ እግዚአብሔር ማለት እዩ። ከመይ ደስ ዘብል ስም   እዩ ብኹሉ ምሥጢረ ትርጉሙ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ክትከውን።

ኣብዚ ዘመና ከምዚ ናይ ሩት ውሳኔ ክንውስን ዝጸገመና ንመስል። ኩሉ ብሓንሳብ ክመጽእ ኢልካ ምሕሳብ ይብርትዓና ይኸውን። ክንገብሮ ንኽእል ግና ብዙሕ እዩ። መጀመርያ መጀመርያ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም (ዮሓ 155)  ስለዝብል ናይ እግዚአብሔር ረድኤት ንሕተት። ትዕቢትና ንድሕሪት ኣወጊድና ብርክና ሴርና ተጊህና ንኣምላኽና ንለምኖ። ካብ ውሽጢ ልብና ንቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ኣብ ቅድሚ ስእላ ቖይምና ንርህሩህ ወልዳ ለምንልና ንበላ። ብዝገብርናዮ ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ ኣዒንተ እግዚአብሔር ካህናት ንናሳሕ። ሽግርና ኩሉ ተቐንጢጡ ክጠፍእ እዩ። ዕብየት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ክዓዪ ሥጋ ወደሙ ክንቕበል ነፍስና ነዳሉ። ከምቲ ኣቦታት ዝብሉዎ ድማ ክርስትና ይጅመር እምበር ኣይውዳእን። ንድሕሪት ክንምለስ ግዲ ኣይትበለና ኢልና ንፍሕሶ ሰይጣን ተቓዊምና ንጀምሮ እቲ ጉዕዞና። ብትሕትና ተቐኒትና ኣሰር  ኣቦታትና ክንስዕብ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ይዓድለና። ብርግጽ ድማ ክሳዕ እታ መወዳእታ ትንፋስ እግዚአብሔር ጓሳየይ እዩ ዝጐድለኒ የብለይን እናዘየምና ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ኩሉ ሰናይ ከምንረክብ ኣይንጠራጠርን። ጥራሕ ንበገስ። ዕጥቒ መንፈሳዊ ተዓጢቅና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና። አሜን።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር
(For those who do not have Geez, please visit this link) NDIHRIT KIMLES GDI AYTIBELINI

No comments:

Post a Comment