Tuesday, May 8, 2012

ኣብ ናይ ኣዳም ባህርይ ውሽጢ ተብርህ ጻዕዳ ዑንቒ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!



ክልኤቱ አዕሩግ እመ በከዩ ብካየ ረከቡ ወለተ ዘታሥተሰሪ ጌጋየ፣ ለወንጌላውያን ኵልነ ዘኮነተነ ምጉያየ፣ ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ
ምሥራቀ ምሥራቃት ሙፃእ ፀሐይ እግዝእትየ ዘመና ሙዳይ
ተወልደት ዮም ዳግሚት ሰማይ።
መጽሓፈ ዚቅ ወመዝሙር





እንቋዕ ናብ ናይ አዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓለ ልደታ ኣብጽሓና !

<<   ኣብ ናይ ኣዳም ባህርይ ውሽጢ ተብርህ ጻዕዳ ዑንቒ >> ቅዱስ ያሬድ


ቅዱስ ያሬድ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስተ ቅዱስን ድንግል ማርያም  << ማርያም ተሐቱ እምትካት ውስተ ከርሱ ለአዳም ከመ ባሕርይ ጸአዳ። ማርያምስ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ብኣዳም ባሕርይ ከም ጻዕዳ ዕንቂ ተብርህያ።>>  ጀሚሩ ብዝተመርጹን ዝተቅደሱን ኣቦታትን ኣዴታትን ወለዶ ብጥበበ እግዚአብሔር ኣቢላ ድሕሪ ምምጽኣ ካብ ቅድስት ሃናን ቅዱስ ኢያቄምን ምውላዳ ገሊጹ።

ኣዲኣ ካብ ወገን ካህናት ካብ ቤተ ሎዊ ካብ ናይ ነገደ ኣሮን፣ ኣቡኣ ካብ ነገሥታት ወገን ካብ ነገደ ይሁዳ ከምዝዀነ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ይምስክሩ። ናይ ኣቡኣ ወገን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርዝር ካብ ኣዳም ጀሚሩ ስጋብ ኣልኣዛር ዘሎ ምስ ናይ ዮሴፍ ኣቆጻጽራ ሓደ እዩ። ድሕሪኡ ኣልኣዛር ቅስራ፣ ቅስራ ኒኢያቄም፣ ኢያቄም ንድንግል ማርያም ይወልድ። ማቴ.11-15 ሉቃ.3-23-38 ( ወገን ኣዲኣ ኣብ ተኣምረ ማርያም ከምዝተገልጸ ናይ ለውሃት ቤተሰብ ደቂ እዮም። ኣቀዲሞምውን ስጋብ ሸውዓተ ኣዴታታ ራእይ ተራእይዎም ዝተወለዱ እዮም። እሶም'ውን ቴክታም ሄሜን፣ ሄሜን ዴርዴንን፣ ዴርዴን ቶናን፣ ቶናም ሲካርን፣ሲካርን ንሴት፣ ሴት ሄርሜላ፣ ሄርሜላ ቅድስቲ ሃና፣ ቅድስት ሃና ንድንግል ማርያም ወሊዳ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ወለዳኣ ካብ ሰብ ወገን ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ከረድእ << እምበኣርሲ ብሓቒ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን።>> እብ.22-16



ብምዃኑ ኣዴና ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብፍቓደ ኣምላክ ብብሥራተ መልኣክ ኣብ ዝተጸንሰት ጊዜ ድምጸ ሃና፣ ጽላሎተ ሃና፣ ማኅጸነ ሃና ተኣምራት (ፈውስ) ይገብር ኔሩ። ናይ ሃና ሓወቦ ሳምናስ ዝተባህለ ሞይቱ እሳ'ውን ኣብቲ ዓራቱ እንዳዞረት እንዳልቀሰት ከላ ጽላሎታ ምስ ኣዕረፈትሉ ሃንደበት ተሢኡ ንቅድስት ሃና ኣመስጊኑ፣ ካባኣ ትውለድ ህጻን ናይ ዓለም መድኃኒ ክርስቶስ ኣደኡ ከምትኸውን መስኪሩ ተመሊሱ ዓሪፉ። ሓንቲ ዓይና ዝዓወረት ቤርሳቤ ትብሃል ጓል ማህጸነ ሃና ዳሂሲሳ ንዓይና ምስ ተንከፈቶ ዓይና ዲሒና እያ። (ተአምረ ማርያም።)


ኣዴና ቅድሰተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ገና ኣብ ማህጸን ከላ ከምዚ ዝበለ ተኣምራት ድሕሪ ምስራሕ፣ ምስ ተወልደት እንታይ ትገብር ትኸውን ዝበሉ ኣይሁድ ብቅንኢ ክቀትልዎ ተበገሱ። ቅዱስ ገብርኤል ንቅዱስ ኤያቄም << ንሰበይትኻ ሒዝካ ናብ አድባረ ሊባኖስ ኪድ።>> ኢልዎ ሒዝዋ ምስ ከደ ኣብ እምባ ሊባኖስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ግንቦት 1 ተወሊዳ። ኣብዚ መዓልቲ ዓለም ግብሩ ለዊጡ። እቲ መሪር መቂሩ፣ ጸልማት በሪሁ፣ እምኒ ሕብስቲ ኮይኑ፣ መሬቱ ከም መዓር ዝጥዕም ምንጪ ረኺቡ፣ ኣብ ወሓይዝ ኰነ ሩባ ዝብላዕ ተረኺቡ። እዚ ብምዃኑ በብዓመቱ ግንቦት ሓደ (1) ዝተገብረ ተኣምራት ንምዝካር ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክርስቲያን ኩሉ ሓሲቡ ዝብላዕ ዝስተ ኣዳልዩ ካብ ቤቱ ወጻኢ ብሓባር ኰነ በበይኑ እንዳዀነ ብሉዑለይ ሱተዩለይ እንዳበሉ ይምገብ። ኣዴና ቅድሰተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እትፈትዎ በዓላ ምስ ሓተታ << ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝወጻእክሉ ልደተይ እፈትዎ።>> ኢላቶ። (ተኣምረ ማርያም) ስለዚ' ከኣ   ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓል እንዳኽበርናዮ ኣለና። ንሕና'ውን ንበዓሉ ልባዊ ፍቕሪ ኣለና። ምኽንያቱም ብኣማላድነታ ጸሎትና ንኽስማዕ ስለትገብር።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እኳ ንዓና ንክርስቲያን   ብጸሎትና ብዝሓት፣ ብቅድስናና ብቕዓት ዝረኸብናያ ዘይኰነ ስለተድልየና ዝተዋህበትና ኣደ እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኰይኑ ነቲ ዝዝፈትዎ ወዲ መዝሙር ቅዱስ ዮሓንስ <<  እነኌት ኣዴኻ >>  ኢሉ ዝሀበና እያ። ዮሓ.19-19 ስለዚ ንበረከትና ናይ ኣዴና ቅድሰተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከነኽብር ከለና ብዓቢ ክብሪ ከነኽብሮ ይግበኣና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር ምሕረቱን በረከቱን ይሃበና።

ስማ ዝኸበረ ቅድስተ ቅዱሳን፣እመ ብርሃን ሰኣሊተ ምሕረት፣ ድንግል ወእም፣ ወላዴት አምላክ፣ እንዳተባህለት ትጽዋዕ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ረድኤታን በረኸታን ኣይፈለየና።
ወስብሓት ለእግዚ አብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።


ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ 
(For those who do not have Geez, please check this link) BEAL KIDSTE KIDUSAN DINGIL MARIAM

No comments:

Post a Comment