Saturday, May 26, 2012

ኣባ ይስሓቅ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!

ግንቦት 19
 በዚ መዓልቲ ካብ ገዳም ናይ ኣባ መቃርስ ቅዱስ ኣባ ይስሓቅ ዝዓረፈሉ ዕለት እዩ። ቅዱስ ኣባ ይስሓቅ ካህንን ጽኑዕ ወተሃደር ደብረ-መቃርዮስን እዩ ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ወለዱ ካብ ግብጺ ኮይኖም ብመለክዒ እዛ ዓለም ድኻታት ብሰማያዊ መለክዒ ግና ብጽቡቕ ግብሮም ሃብታማት ዝኾኑ እዮም ዝነብሩ። በዚ ከኣ ፍጻሜኦም ወረስቲ ሃገረ ህያዋን ድማ ኮኑ።


ሓደ እዋን እዩ፡ ኣቦታት መንኮሳት ብኢዶም ዝሰረሑዎ ስርሓት ሸይጦም ካብ ከተማ ግብጺ ናብ በረኻ ገዳሞም ኣስቄጥስ እናተመልሱ ከለው እዚ ቅዱስ ኣቦ ኣባ ይስሓቅ ተኸቲልዎም ብምኻድ ናብቲ ዝኣተውዎ ገዳም ኣተወ። ኣቡኡ ከኣ ምስኦም ኮይኑ ካብኦም ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን እንዳተመሃረ  ከገልግሎም ጀመረ። ትጉህ ኣገልጋሊ ኮይኑ ዓቢ ገድሊ’ውን ተጋደለ።

 እታ ዝኽደና ብጀካ ሓንቲ ክዳን እምበር ካብኣ ሓሊፉ ዝኾነ ዝውንኖ ንብረት ኣይነበሮን። ከምቶም ካልኦት ኣቦታት ቅያር ክዳን ዘይተምጽእ ኢሎም እንተሓቲቶሞ፡ ከምዚ ኢሉ ይምልስ ነበረ  << እስመ አነ ሕዝባዊ እስከ ይእዜ ወአንሰ ሶበ ሀለውኩ ውስተ ዓለም ኢሀለዉኒ ክልኤቱ አልባሰ። >> “ ኣነ ክሳብ ሕጂ ሕዝባዊ እየ ፣ ኣብ ዓለም ከለኹ ክልተ ቅያር ክዳን ዘይነበረኒ ሕጂውን ክልተ ቅያር ክዳን ክህልወኒ ኣይግባእን”። ደጊሙ’ውን ከምዚ ይብል “ኣቦታትና ክዳኖም ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ኣነ ግን ካብ ዓለባ ዝተሰርሕ ክዳን ተኸዲነስ ተወሳኺ ክዳን ክህልወኒ እንታይ የርብሓኒ፤”።

 ንብዓት ድማ ቀጻሊ ይመጾ እሞ ይበኪ። ሰባት ንምንታይ ትበኪ ኢሎም ምስ ዝሓቱዎ፤ “ወለደይ ዘኽታም ገዲፎሙኒ ከይዶም” ኢሉ ይምልሰሎም።


 መግቡ ካብ  (ማዕጠንቲ አመድ) ማዕጠንቲ ሓምኹሽቲ እናሓወሰ ንብዙሕ ዓመታት ይበልዕ ነበረ። ሓደ ካብ መዓልታት ብርቱዕ ሕማም ሓመመ። ኣብ ብጽቡቅ ዝበሰለ መግቢ ምስ ኣምጽኡሉ ምብላዕ ኣበየ። እቲ መግቢ ዘምጽእሉ ኣቦ ኣዝዮም ተማኅጸንዎ ኪበልዕ “እዚ መግቢ ካብ ሕማምካ ከሕውየካ እዩ”። ኢሉ’ውን ደጋጊሞም ነገርዎ። ኣባ ይስሓቅ፡ “ፍቑር ሓወይ፡ ካብ ነዚ መግቢ ምብላዕ ብሕማም ንሰላሳ ዓመት በዚ ደዌ ክነብር ይሓይሽ”። ኢሉ መለሰሉ። ንብዙሕ ዓመታት ከምዚ እናበለ ብሰናይ ተግባሩን ክርስቲያናዊ ኣካይድኡን ተፈልጠ።
ዕድሚኡ ሽምጊሉ ትሩፋቱን ጽድቁን ምስ በዝሐ ኣቦታት አረጋውያን ድማ ኣኼባ ሰሪዖም ንክህነት ክሓጽይዎ እናበሉ ካብኦም ሃዲሙ ንበረኻ ወጸ። እቶም ክደልይዎ ዝኸዱ ሰባት ደኺሞም ከዕርፉ ኮፍ ምስ በሉ፡ ሒዞሞ ዝመጹ ኣድጊ ክበልዕ ኣብቲ ቅዱስ ኣባ ይስሓቅ ዝተሓብኣሉ ስፍራ ደው ይብል። ናብቲ ኣድጊ ገጾም ምስ ከዱ ንኣባ ይስሓቅ ይረኽብዎም። ክኣስርዎም ምስ ደለዩ ኣባ ይስሓቅ፡ “በሉ ካብ ረኸብኩምኒ፡ እዚስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።”  ብምባል ተተሓሒዞም ናብ ቦትኦም ተመልሱ። ቅስናውን ተሸሙ።

ካህን ኮይኑ ድማ ንቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዓቢ ኣብነት ብምዃን ንመንእሰያት ከምዚ ኢሉ ይምህር ነበረ፡ “እቲ ዝዓበየ ጸጋ ምእዙዝ ምዃን እዩ።” ዕድመ ጸጊቡ ክመውት ምስ ቀረበ፡ ደቁ፡ “ናብራ ቅድስና ኣብ በረኻ ሳህራ ከመይ ከምዝነብሩ ሓተቱዎ።” ቅዱስ ኣባ ይስሓቅ፡ “ናብራ በረኻታት ክትላመዱ እንተደሊኹም ከምቲ ዝገብርኩዎ ግበሩ። ቀዳሞት ኣቦታትና ምስ ዝሞቱ ንሐዝን ነበርና። ድሕሪኦም ዝገበሩዎ ምስ ገበርና ነቲ ናብራ ንኽእሎ ነበርና።” እዚ ምስ በለ ዐረፈ። ኣኽሊል ሰማያዊ ክብሪ ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐበለ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። ኣሜን!!!

አርኬ
ሰላም ለይስሐቅ ከም ይሢሞዎ ቀሲሰ፣
ዘአመረ አድግ መንገለ ተግኅሠ፣
ዝንቱ ጻድቅ እምአመ መንኰሰ።
ኢገብረ ለሥጋሁ ክልኤተ አልባሰ፣
ወሐመደ ማዕጠንት ይሴሰይ ብኅብስት።

ወስብሐት ለእግዚ አብሔር ኪያነኒ በጸሎቱ ለጻድቅ ይምሓረነ፣ በረከቱ ትብጽሐነ ለዓለም ዓለም አሜን።
(For those who do not have Geez, please visit this link) ABA ISSHAK

No comments:

Post a Comment