Saturday, July 21, 2012

ንእግዚአብሔር ኣምላኸይ ክርእዮ ይደሊ እየ።


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!


ንእግዚአብሔር ኣምላኸይ ክርእዮ ይደሊ እየ።

ግዚኡ ቀደም እዩ ሓደ መንእሰይ ናብ ሓደ ዝበቅዑ ኣቦ ከይዱ << ንእግዚአብሔር ኣምላኸይ ክርእዮ ደልየ>> ኢሉ እቲ ድሌቱን ባህጉን ነገሮም። እሶም ከኣ << ቅኑዕ ዓይኒ፣ ቅኑዕ እዝኒ፣ ቅኑዕ ኢድ፣ ቅኑዕ እግሪ እንተሃልዩካ ንእግዚአብሔር ምርኣይ፣ ምስማዕ፣ ምድኅሳስ። ናብኡ ምኻድ ትኽእል ኢኻ። >> በልዎ። መዝ.11-3 ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር ሓጥኣን ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዚአብሔር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጊውን ለይትን መዓልትን ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ   እሱ ከኣ ልባዊ ባህጊ ስለዝነበሮ << አቦና እወ ኣሎኒ >> በሎም።


 አቦና ከኣ በል ናዓናይ ከርእየካ ኢሎም ሒዞሞ ጉዕዞ ጀመሩ። ካብ በዓቶም ወጺኦም ከኣ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ምድረበዳ ጀመርዎ።
እቲ መንእሰይ << አቦና እግዚአብሔር ኣበይ እዩ ዝርከብ።>> ኢሉ ሓተቶም
 ኣቦና'ውን << ኣብ ዝኾነ ቦታ >> በልዎ
 << መዓስ መዓስ እዩ ዝርከብ >> ኢሉ። ደጊሙ ሓተቶም።
 << ኩሉ ግዜ>> መለሱ አባ
 << ስለምንታይ ደኣ’ሞ ዘይንርእዮ>> ኢሉ መሊሱ ሓተቶም።
<< ሪኢኻ ዝወደይ እግዚአብሔር ስለዘይረኣይ ዘይኮነ ንሕና ደቂ ሰባት ስለዝይንርእዩ ጥራሕ እዩ። እግዚአብሔር ዘየዛረብ ዘይኮነ ደቂ ሰባት ስለዘይንሰምዖ እዩ። እግዚአብሔር ሪሒቑ ዘይኮነ ደቂ ሰባት ስለዘይቀረብናዮ ኢና።>> እምበር ዝወደይ እግዚአሔር ኩሉ ግዜ እዩ ዝረኣይ። ብምባል በትሮም ብምድጋፍ እንዳሰገሙ መለስሉ።
 ጉዕዝኦም እንዳቀጸሉ እዮም ኣብቲ ጭው ዝበለ ምድረበዳ፡ ሓሊፉ ሓሊፉ ዝረአ ኣግራብ እንተዘይኮይኑ እቲ ቦታ ደረቕ እዩ። ኣሞራታት ካብ ርሑቅ ብላዕሊ ኣብ ሰማይ ክዝንብዩ ይረኣዩ። ጩራ ጸሓይ ኣብቲ ሑጻ ዓሊቡ ዓይንኻ ይደጉሓካ።
 እቲ መንእሰይ ንአቦና ገና ይሓቶም ነበረ።
  << ኣቦና ንስኹም'ከ ንእግዚአብሔር ሪእኹሞ ትፈልጡ’ዶ ?>>
 << እወ ኣጸቢቐ’ ምበር >>
 <<ምስ ረኸብኩሞ ብምንታይ ፈሊጥኩሞ>> 
<< ብስርሑ>>  መለሱ ኣቦና።  መዝ.15፣8፣(16-8) “ ዘልፈ እሬእዮ ለእግዚአብሔር ቅድሜየ ውእቱ በኩሉ ጊዜ። ንእግዚአብሔር ኩሉ ግዜ  ኣብ ቅድመይ ይርእዮ  ። ”
እቲ መንእሰይ ህድእ ክብል ጀመረ።  እቲ  ጉዕዞ ዓቅሙ ስለዝተፈታተኖ። ዋዒ ጸሓይ ተወሲኽዎ ርኽሙሽሙሽ ክብል ደለየ፣ ትንፋሱ ቁርጽ ቁርጽ ክብል ጀመረ።
 << እግዚአብሔር ግና ስለምንታይ እዩ ስጋብ ሕጂ ዘይተገልጸለይ ። >> ኣቦና
 << ኣይረኣኻዮን ኣይፈለጥካዮን እምበር ዘይተገልጸልካ ኮይኑ ኣይኮነን ።>> መለሱ ኣቦና
<< ከመይ >> በሎም እቲ መንእሰይ
<< ሪእኻ ዝወደይ ሰባት እግዚአብሔር እንድሕር ተፈሊዩና ሕይወትና ናብራና ይዘናበል እዩ። ሰብ ምባልና'ውን ይተርፍ፣ ብደውና ንመውት ማለት  እዩ። ውሽጥና ባዶ ይኸውን ። ስለዚ እግዚአብሔር ምሳና እዩ። ኣብ ዝኸድና ንኺድ ኣብ ዘለና ንሃሉ ንሱ ግና ኣይገድፈናን እዩ። ንሕና ግና ስራሕ እግዚአብሔር፡ ሰባት ከምዝሰርሕዎ ጌርና ኣሚና ስለንቅበል፣ እቲ ዝሃበና ውሃቢኡ ስለዘይንፈልጦ እዩ።  ስለዚ ኢና ከኣ ንእግዚአብሔር ዘይንርእዮን ዘይንፈልጦን።>> 
 << ኣይተረደኣንን ኣቦና >> በሎም ብሓይሊ  እንዳተንፈሰ።
 ጺምኢ ማይ በሪቲዕዎ ጎሮርኡ ደሪቁ እንቃዕ እንቃዕ የተንፍስ ነበረ። ጉዕዞ በረኻ ኣይወደኣን ኢልዎ። ኣሞራ ሰማይ ብልዕሊኡ ይመሓላለፉ ነበሩ። 
ኣቦና ርእዮሞ << ህድእ በል ዝወደይ  ከምዚ ዝበል ነገር ብትምህርቲ ኣይረደኣካን እዩ። ብግብሪ እዩ ዝርደኣካ ዝወደይ ኣጆኻ ቀሪብና ኢና በልዎ።>> ኣቦና።
  ኣእጋሩ ክንፍጥፈጥ ጀመረ፣ ማዕረ ማዕረ አቦና ክጉዓዝ ኣይከኣለን፣ ኃይሉ ወዲኡ ብድኻም ሰውነቱ ራዕራዕ በለ።
 ብኽልተ ኣእዳዉ ኣብራኹ ብምድጋፍ ደው ኢሉ ትንፋስ ክመልስ ፈተነ። ግና ኣይከኣለን ኢዱ ሂቡ ወደቀ
ኣቦና በለ ብድኹም ድምጺ << በቃ ንእግዚአብሔር ከይረኣኽዎ ከምውት እየ።>> 

 በል ዝወደይ ሕጂ ኣጸቢቅካ ንእግዚአብሔር ክትሪኦ ኢኻ። መዝ. 23፡1-4 ። “እግዚአብሔር ጓሳየይ እዩ፣ ዚጎድለኒ የብለይን፡ ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡ ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ፡ ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ፡ በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ፡ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ ክፋእ ኣይፈርህን እየ።”     
<< ኣጆኻ ኣብዚ ጽንሓኒ ካብቲ ስግር ዓዲ ዝረአ ዘሎ ማይ ለሚነ ከምጸኣልካ እየ። >> ኢሎም ኣቦና ኣብ ሓደ ገረብ አጸጊዔሞ ከዱ። እሱ ከኣ ደኺምዎ ስለዝነበረ ድቃስ ሲዒርዎ ደቀሰ።

ድምጺ ሰሚዑ ተበራቢሩ እንተረኣየ ኣሞራታት ከቢቦሞ ነበሩ። << መንዩ? ካበይ ዝመጸዩ? ዝብሉ ዘለዉ መሰሎ። ይርእዮም ኣሎ፡ ይሰምዖም'ውን ኣሎ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣንቀሳቀሰ ክከላኸል ግን ኣይከኣለን ኃይሊ እሞ ካበይ ይምጻእ።
ኣቦና ከይመጹ ንእግዚአብሔር ከይረኣኽዎ ክመውት እየ ማለት እዩ፤ ብምባል ኣስተንተነ ንብዓቱ ብክልተ መዓጋጉርቱ ወረር በለ። ናይ ጻዕሪ ንብዓት . . . ።

ሓደ ካብቶም ኣሞራ ንእግሩ ተንከፎ፡ ካልኦት'ውን ጽግዕ ጽግዕ በሉ። ኣኽናፎም ብምዝርጋሕ ኣጸቢቆም ተጸግዕዎ። ክገንዝዎ ተጸዋዊዖም ዝመጹ እዮም ዝመስሉ ዝነበሩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከሎ  ኃያል ሆቦብላ ንፋስ ምድረበዳ ተለዓለ። ክቢ እንዳሰርሐ ናብኡ ገጹ ይመጽእ ነበረ፡ ዓይኑ ከፊቱ ክርኢ ግና ኣይከኣለን።
<< በቃ ኣኺሉኒ ተዓፊነ ክመውት  እየ  ንእግዚአብሔር ከይረኣኽዎ። በለ።>> እቶም ኣሞራታት ብፍርሒ ነፊሮም ናብ ሰማይ ከዱ።
 እቲ ሆቦብላ ንፋስ ምድረበዳ ከም ድርዕቶ ከቦርታ ሑጻ ከዲንዎ ከደ። ርእሱ ግና ቅንዕ ኢሉ ስለዝነበረ ተማሒሩ። ዝተረፈ ኣከላቱ ግና ተቀብረ። ሰለምለም . . . በቃ ዓለም ። ይነቃነቕ . . . ግና ሕማም ይስምዖ፣ ይቁንዞ፣ ድምጺ የስምዕ።
 
  ድሕሪ ክንድይ ጻዕሪ ብሓይሊ ዓይኑ ከፊቱ እንተረኣየ ኣብ ሓደ ገዛ ደቂሱ ሰባት ከቢቦሞ ይርእይዎ ነበሩ። ኣብ ኢድ እቶም ሰባት ከኣ ዝተሳሕለ ካራ ነበረ። ነቲ ካራ ድማ ነንሕድሕዱ እንዳጋጨዉ ዳግማይ የስሕልዎ ነበሩ።
<< በቃ ክሓርዱኒ እዮም።> ኢሉ ብልቡ  ጽምኢ ማይ በርቲዕዎ ማይ . . .  ኢሉ ከድኂ ፈተነ ግና ኣይከኣለን። ካራኦም ምስሓል ወዲኦም ነበሩ። ብፍሽኽታ ናብኡ ገጾም ቀረቡ። ሞቱ ቀረበት . . .

 ብግዳም ድምጺ ተሰምዔ፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ  ኣኻላባት ክነብሑ ጀምሩ፡ ናይ ሰባት ኣውያት’ውን ሰዓበ። እቶም ካራ ዝሓዙ ሰባት ደው በሉ። ንሓድሕዶም ብዘይርድኦ ss ተዘራረቡ። ኣቦና ናብቲ ቤት ኣተዉ፡ እቶም ሰባት ፈርሑ ቆርበት ዝተኽድኑ፡ መቁጸሪያ ዝሓዙ፡ ሰንሰለት ዝተዓጥቁ፡ ቆቢዕ ዝገበሩ፡ በትሪ ዝሓዙ ፈላሲ (መነኩሴ) ርእዮም ሰለዘይፈልጡ ኣምላኽ መሲልዎም ኣዝዮም ፈርሑ። ናብ ጸግዒ ገጾም ክሃድሙ ፍንትት በሉ። አቦና ቅርብ ኢሎም ነቲ መንእስይ ማይ ኣስተይዎ። እቶም ሰባት ዝርእይዎ ኩሉ ነገር ገረሞም።
 ኣቦና ብኢዶም ምልክት ጌሮም ዝብላዕ ሃብዎም ኢሎም ሓበርዎም። በጊዕ ኣምጺኦም ተሓሪዳ ተጠብሰት እቲ መንእሰይ’ውን በልዐ። ናይቶም ሰበኽሳግም ጸባውን ሰተየ። << እክል ያጸንዕ ኃይለ ሰብእ>> ሓይልን ብርትዐን ረኸበ። ምንጻፍ ኣምጺኦምሎም ኣቦና ብርኮም ሰበሩ።    
   እቶም ሰበኽሳግም ብጣዕሚ ፈሪሖም ነበሩ። ኣምላኽ ናይቲ መንእሰይ ነቲ ክፋእ ምግባሮም ርእዩ ክፈርዶም ዝመጸ መሲልዎም። ኣቦና ቢኢዶም ምልክት ጊሮም ኮፍ በሉ ብምባል። ንኹሉም ብዛዕባ ለውሃት እግዚአብሔርን ስርሑን ተኣምሩን ምእንታና ኢሉ ዝኸፈሎ መሥዋእትን ኩሉ ትምህርቲ ኣምሂሮም ካብቲ ዝነብርዎ ክፋእ ምግባር መለስዎም።
እቶም ሰበኽሳግም ከኣ ኣዝዮም ተሓጎሱ  ክፋነውዎም ከለዉ ኣብ ገመል ስንቒ ሰኒቆም ኣብ እግሮም ወዲቆም ኣፋነውዎም። ኣቦናባ'ውን ባረኽዎም።
 ገና ብግስ ምስ በሉ <<ኣቦና>> በሎም እቲ መንእሰይ  ኣቤት በልዎ ኣቦና’ውን 
 << ንእግዚአብሔር ርእየዮ >>
 << ኣበይ ሪእካዮ>>
<< ኣብዚ በረኻ>>
<< ከመይ ጌርካ ዝወደይ>>
 ሆቦብላ ንፋስ ኣምጺኡ ነቶም ኣሞራት ከባርር ከሎ። በዞም ሰበኽ ሳግም ኣቢሉ ካብቲ ዝተቀበርኩሉ ሑጻ ከውጸኣኒ ከሎ። ንዓኹም ኣምላኽ ኣምሲሉ ብምምጻእ ካብ ማሕረድቲ ከድሕነኒ ከሎ። ኣብ ልቢ እቶም ሰበኽሳግም ኣቲዩ ብፍቕሪ ከፋንወኒ ከሎ።

 <<በል ብሓቒ ዝወደይ ንእግዚአብሔር ረኺብካዮ ኢኻ። ኣግማል ኣሰር ኣእጋሮም ክገድፉ ጌሩ እንተዘይፈጥሮም ኔሩ፡ ኣነ ንዓኻ ሲዒበ ኣይምረኸብኩኻን ኔረ። ሪእኻ ዝወደይ እግዚአብሔር ክንበልዕ፡ ክንሰቲ፡ ክንከይድ፡ ክንመጽእ፡ ክንድቅስ፡ ክንትስእ ኣብ ኩሉ ቦታ ይረኣየና እዩ። ንሕና ግና ኣይነስተውዕልን ኢና። ኣይንርእዮን ኢና ይዛረብ እሞ ኣይንሰምዖን ኢና። ካብ ጥቓና ዝረሓቀ መሲሉና ተስፋ ንቆርጽ።>>
<< ኣቦና ኣነ'ውን እኳ ተስፋ ቆሪጸ ኔረ እየ።>>
<< እግዚአብሔር ግና ብኣኻ ተስፋ ኣይቆረጸን።>>
በል ሕጂ ዝወደይ ናብ ዓድኻ ተመለስ እሞ ንእግዚአብሔር ክትርእይዎ ትደልዩ። ክትረኽብዎ ትደልዩ ንስርሑ ኣስተብህሉ፡ ውዕለትኡ ዘክሩ፡ ሕይወትኩም መርምሩ ዳሕራይ ንእግዚአብሔር ክትርእይዎ ኢኹም በሎም።  ኢሎም ባሪኾም ኣፋንውዎ። 

 ንሕናውን ኩላትና ንእግዚአብሔር ምእንቲ ክንርእዮ፣ እግዚአብሔር ከምቲ ዝደልየና ኮንና ክንጸንሖ ይግበኣና። ንነብስና ብንስሓ ሓጺብና፣ ቅዱስ ሥጋኡን ደሙን ወሲድና ተዳሊና ክንጸንሕ ይግበኣና። ስለዚ ኣበይ ኣለኹ ኢልና ንነፍስና ክንምርምር ይግበኣና።
 ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን ሳህሉን ይሃበና። ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት፣ ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ተራዳኢነት ኣይፈለየና።  
 (For those who do not have Geez, please visit this link) NIEGZIABHER AMLAKEY KRIEYO YIDELI EYU
  ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
  ወለወላዲቱ ድንግል፣
  ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment