Monday, July 16, 2012

ጸሎት 1ይ ክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡
ጸሎት እንታይ ማለት እዩ፤
ማርቆስ ኤፍሬም፡ “ወዲ ሰብ ካብ ነፍስን ሥጋን እዩ ተፈጢሩ። ሥጋ እንጀራ እንዘይረኸበት ትመውት፡ ከምኡ’ውን ነፍሲ ጸሎትን መንፈሳዊ ሥነምግባር ትሩፋትን እንተዘይረኺባ ትመውት።”
ጸሎት እንታይ ማለት ምዃና ምስ ተሓተ ማር ይስሓቅ፡ “ጸሎት፡ ንሓንጐልና ካብ ኩሉ ዓለማዊ ሓሳብ ተውጽኦ፡ ናብቲ ተዳሊዩልና ዘሎ ተስፋ ሰማያት ድማ ከም ዝጥምት ትገብሮ።”


ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ በረኸት ጸሎት፡ “ጥንቁቅ፡ ዓቓል፡ ተጻዋሪ፡ ጽኑዕ፡ ኅዱእ ትገብረካ።

ልብኻ ብብርሃን ኣምላኽ ምእንቲ ክመልእ፡ ኩሉ ሳዕ ንጸሎት ኣፍቕራ።

ሕስረተይ ብጸሎት ይቕንጠጥ፡ ካልእ በሪ ናይ ንስሓ ከምዘሎ ድማ ይነግረኒ፡ ካብ ፈተና ሰይጣን ከኣ  የናግፈኒ።

ጸሎት ዘይየዘውትር ሰብ፡ ካብቲ ዕውር ብርሃን ክርኢ ዘይክእል፡ ኣይፍለን እዩ።
ሕይወት ጸሎት
1.     ምምዕታብ (አአትብ ገጽየ ውኲልንታየ ብትእምርተ መስቀል)
ሓደ ቅዱስ አበው  ዘጋነፎም ከምዚ ብምባል ኢሎም የዘነትዉልና፡ “ኣብ በረኻ ምስ ሓደ እስማኤላዊ እናተጓዓዝኩ ከለኹ መሬት ይመስየና። ኣብቲ ከባቢና ድማ ክሳዕ ንግሆ ንዕቖበሉ ገዛ ሰኣንና። ጸልማት ስለዘርከበና ፈራኅና። ኣብ መወዳእትኡ ግና ንእሽቶ በዓቲ ረኺብና። ኣብኡ ድማ ኣቶና። ንኹሉ ኣካላተይ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲበ ድማ ተገምሰስኩ። ፍርቒ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ ብርቱዕ ናይ ኣፍራስ ድምጽን ካልእ ዘርዕድ ራእይ ክንርኢ ጀመርና። ኣብቲ ራእይ፡ ሓደ ኣብ መንበሩ ኮፍ ዝበለ ነቲ ደቂስናሉ ዝነበርና ከጽርይዎ ነቶም ሰዓብቱ ክእዝዝ ከሎ ሰማዕኩ። ድሕሪ ቅሩብ፡ ነቲ ምሳይ ዝነበረ እስማኤላዊ  ካብ ጐነይ ክወሲዱዎ ከለው ድማ ረኣኹ። ቀጥቒጦም፡ “እቲ ምሳኻ ዝነበረ ኣበይ ኣሎ፤” ክብልዎ ጀመሩ። ንሱ ከኣ፡ “ኣብቲ ደቂሰሉ ዝነበርኩ።” ኢሉ ይምልሰሎም ነበረ። ናብቲ ዝነበርኩዎ ክኣትዉ እንተደለዩ ግና ምልክት ቅዱስ መስቀል ርእዮም ንድሕሪት ተመሊሶም ብገጾም ይወድቁ ነበሩ። ናብቲ በዓል መንበር ምስ ዝምለሱ ሕንሕነ ኣብቲ እስማኤላዊ ይወድቑ  ነበሩ። እናቀጥቐጡ፡ “እቲ ምሳኻ ዝኣተወ ኣበይ ኣሎ፤” ኢሎም ይሓቱዎ ነበሩ። ንሱ ግና “ኣብ ውሽጢ ደቂሱ ኣሎ”። ይብሎም ነበረ።

ብክቱር ራዕዲ ንሞት ከምዝተወፈኹ ይስመዓኒ ነበረ። ናባይ ክቐርቡ ምስ ዝደልዩ ድማ ምልክት መስቀል ርእዮም፡ እንደገና ንድሕሪት ተመሊሶም፡ ቁልቁል ኣፎም ይወድቑ ነበሩ። እቲ በዓል መንበር ግና፡ “ንምንታይ ዘይተምጽእዎ፤” ኢሉ የጒባዕብዓሎም ነበረ። ንሶም ድማ፡ “ናብኡ ክንቀርብ ከሎና፡ ምልክት መስቀል ርኢና ጠጠው ክንብል ኣይንኽእልን። ንድሕሪት ተመሊስና ንወድቕ። “እሞ፡ ብላዕሊ ደይብኩም ብርእሱ ሒዝኩም ኣውጽእዎ” ኢሉ ይመኽሮም እሞ፡ ከምኡ ክገብሩ ምልክት ቅዱስ መስቀል ኣብ ርእሰይ ርእዮም ንድሕሪት ተመሊሶም ጻሕ ይብሉ ነበሩ። ከምዚ እናገበሩ ጸልማት ሓሊፉ ጸሐይ ብርሃና ሰደደት እሞ መዓልቲ ኮነ። ንሶም ግና ከይተዓወቱ ነቲ መስኪናይ ኣብ ምድሪ ኣይምውት ኣይህሉው ገዲፎሞ ከዱ። ነዚ ኩሉ ምስ ተዓዘብኩ፡ “ስብሓት ይኹኖ፡ ንኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዋና እዚ ቅዱስ መስቀል” እናበልኩ ንኣምላኸይ ኣመስጊነ። ናብቲ እስማኤላዊ ዓርከይ ገጸይ ምስ ከድኩ፡ ብምግራም፡ “ንምንታይ ንዓይ ጥራይ ወሲዶም ሃሪሞሙኒ። ንዓኻ ግና ሓንቲ ክገብሩኻ ዘይከኣሉ፤” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ ብዛዕባ ምልክት መስቀል ክርስቶስ ኣምላኽና ነገርኩዎ” ። እዚ ምስ ፈለጠ ድማ ብኡ ንብኡ ከይዱ ኣሚኑ ተጠምቀ። ዓቢ ኣብነት ንምእመናን ኮይኑ ድማ የገልግል ነበረ። ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣጽዋር ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ድማ መስቀል ክርስቶስ መድኃኔዓለም ዓጢቑ ይነብር ነበረ። በረኸቶም ምስ ኩልና ይኹን። 

ንጉሥ ባሮክ ነጊሱሉ ዝነበረ እዋን ኣማኻሪ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓደ ጠንቋሊ ነበረ። ብጥንቃልኡ ድማ ንብዙሓት የስሕት ነበረ። ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝነበሮ ሓደ ዓርኪ ነበሮ። ናይቲ ዓርኩ ስራሕ ድማ  ጸሓፊ ነበረ። እቲ ጠንቋሊ ነቲ ዓርኩ ናይ ጥንቁልና ስርሑ ከርእዮ ብለይቲ ኣፍራስ ተወጢሖም ንበረኻ ንክኸዱ መደቡ። ካብታ ከተማ ወጺኦም፡ ኣብ ጭው ዝበለ በረኻ በጽሑ። ኣብቲ በረኻ ኣሰር ናይ ከተማ ዘይኮነስ ሓንቲ ኣጉዶ’ውን ዘይትረኽበሉ እዩ። ዓቢ ማዕጾ ናይ ንጉስ ዝመስል ግና ኣጓነፎም። እቲ ጠንቋሊ ምስ ኳሕኮሐ፡ ማዕጾ ተኸፍተ። ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት ድማ ጸለምቲ ዝሕብሮም ፍሉያት ነበሩ። ነቲ ጠንቋሊ (ኣማኻሪ ንጉሥ) ድማ ሰላም በሉዎ። ናብ ጽቡቕ መቐበሊ ኣጋይሽ ብብርሃን ዘጌጸ፡ ብዙሕ መናብር ዘለዎ መርሑና። ኣብቲ ቅድሚት ድማ ሓደ ዓቢ ኮፍ መበሊ ነበሮ። ኣብቲ ኮፍ መበሊ ድማ ሓደ ጸሊም ኮፍ ኢሉ ኣዛዚ ሓላፊ ዝመስል ነበረ። ብየማኑን ጸጋሙን ጸለምቲ ደው ዝበሉ ነበሩ። እቲ ጠንቋሊ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ መንበር ኮፍ ዝበለ ሰገደ። እቲ ጸሊም ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረቦ፡ “ኩሉ ዝደለኻዮ ረኺብካ’ዶ፤ “እወ ክቡር ንጉሥ፡ ንኸመስግነካ ኢለ ድማ መጻእኩ” ኢሉ ይምልሰሉ። ከይዱ ድማ ብየማን እቲ ጸሊም ኮፍ በለ። እቲ ጸሓፊ ግና በቲ ዝረኣዮ ተናዲዱ ብድሕሪ እቲ ጠንቋሊ ገለ ከይበለ ኮፍ በለ። እቲ ጸሊም ግና፡ “መን’ዩ እዚ ምሳኻ ዝመጸ” ኢሉ ሓተቶ። “እዚ ደኣ ባርያኻ እዩ ንጉሥ” በለ። እቲ ጸሊም ግልጽ ኢሉ፡ “ንስኻ ናተይ ባርያ ዲኻ፤” ኢሉ ነቲ ጸሓፊ ሓተቶ። እቲ ጸሓፊ ግና ብትብዓት፡ ነፍሱ ብመስቀል ኣማዕቲቡ፡ “ኣነ ባርያ ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እየ”። እዚ ምስ በለ እቲ ጽኑዕ ዝመስል ዝነበረ ህንጻ ብርሃኑ ጠፊኡ፡ መናድቑ ተጨዲዱ ናብ ምድሪ ሰጠመ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክኃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ እቲ ህንጻ ንታሕቲ ሒዙዎም ስለዝኸደ ክድኅኑ ኣይከኣሉን። ብጀካ እቲ ጸሓፍን እቶም ክልተ ኣፍራስን ዝደኃነ ኣይነበረን።  እቲ ጸሓፊ ከኣ ሓደ ካብቶም ኣፍራስ ወሲዱ ናብ ዝነብረላ ከተማኡ ተመልሰ። እቲ ዘጋጠሞ ኩሉ ከኣ ነቶም ደቂ ዓዱ ኣዘንተወሎም።
2.   መቕድም ጸሎት
ይቕጽል….. ብሰላም የጽንሓና።
(For those who do not have Geez, please visit this link in PDF) TSELOT 1ST PART
                                                            ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
                             ወለወላዲቱ ድንግል፣
                             ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment