Wednesday, November 7, 2012

ጸሎት 7ይ ክፋል



በስመ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሃዱ ምላክ ሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡

ኣብ ጸሎት ክንገብሮም ዝግባእ
1.     ምምስጋን  
(Click for PDF)ማርቆስ ይስሓቕ፡
ዕብየት ጸጋ ብዘይምስጋና ኣይርከብን። 

ብውሑድ ዘይምስግን ኣብ ብዙሕ እየ ዘመስግን እንተበለ ይሕሱ ኣሎ። ውሑድ እዩ ጻማይ ዝብል ዓሻ እዩ።

እቲ ዝቕበል እንተ ኣመስገነ፡ ነቲ ዝህብ ኣዕዚዙ ንኽልግስ የነቓቕሖ።

ነቶም ኣብ ጸበባን ሕማቕ ጸገምን ዘለው ኣሕዋትካ ዘኪርካ፡ ግዝያዊ ሽግራትካ ብሓጐስ ክትሰግሮም ምስ ጀመርካ ምሉእ ምስጋና ከተመስግን ኢኻ።

ንደቂ ሰባት ናብ ውኅበት ኣምላኽ ዝመርሖም፡ ዘውትር ካብ ልቢ ዝነቅል ምስጋና እዩ። ናብ ጥፍኣት ነፍሲ ዝመርሕ ምምራር (ምጒርምራም) እዩ። ቅዱስ ኣምላኽና ንኹሉ ጾር ደቂ ሰባት ዝተሰከመ እዩ። ስለዚ ከኣ ዘማርር ሰብ ኣይፈቱን እዩ።

እቲ ቀጻሊ ዝቕበል ንቅዱስ ኣምላኽና እግዚአብሔር ቀጻሊ ዘመስግን እዩ።


ቅዱስ ኣበው፡ ዘኽታማት ዝዕቖቡሉ ቦታ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ሓደ ካብኣቶም ኣብቲ ብርቱዕ ቁሪ ብጄካ ቁራጽ ዓለባ ዝንጸፈላ ካልእ ኣይነበሮን። ክጽሊ ከሎ ድማ ከምዚ ክብል ሰማዕኩዎ፡ “ካብ ኩሉ ጸጋታትካ ዝሃብካኒ ኣምላኽ የመስግነካ። ብዙሓት ሃብታማት ኣብ ፍቖዶ ቤትማእሰርቲ ዝነበሩ፡ ገለውን ብጽኑዕ ኃለዋ ተሓልዮም ኣእጋሮም ብገመድ ዝተኣስሩ፡ ነዛ ማይ ንምስታይ ዘይክእሉ፡ ንዓይ ግና ካብ ንጉሥ ንላዕሊ ጌርካኒ። ኣእጋረይ ናብ ዝወሰዳኒ ድማ ይኸይድ። ምስጋና ንዓኻ ይኹን” ። እዚ ኹሉ ትምህርቲ ርእየን ተዓዚበን ናብ ኣሕዋት ከይደ ድማ ነገርኩዎም። ኩሎም ኣሕዋት ነዚ ሰሚዖም ብዙሕ ተገረሙ ንኣምላኽውን ኣመስገኑ።
2.    ስብሓታት
ብልሳንካ ስብሓት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣይተቋርጽ። ከምኡ እንተገበርካ ካብ እከይ ሐሳባት ክትናገፍ ኢኻ። ጸላኢ ሰናያት ድኹም ጐድኒ ኣባኻ ከይረኸበ ይርሕቕ።

3.    ምንፋቕ ሰማያዊ ሕይወት
ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ “ንነፍስና ናፍቖት ሰማያዊ ኣምላኽና ነላምዳ። ብናፍቖቱ ገይርና ካብ ክፉእ ንርሕቕ።”

4.   ብስቡር ልቢ ምጽላይ
ቅዱስ ኣበው፡ “ሓላፍ መንገዲ በዓል ቤት እንተዘይዓደሞ ናብ ቤት ክኣቱ ኣይክእልን፡ ከምኡውን ጸላኢ ሰናያት እንተዘይተቐበልናዮ ናብ ቤትና ክኣቱ ኣይክእልን። ስለዚ ክንጽሊ ከሎና ከምዚ ኢልና ንጸሊ፡ ኦ ኣምላኸይ! ንስኻ ኩሉ ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣነ ግና በሃም ክሳዕ ሕጂ ዝፈለጥኩዎ ነገር የለን። ከመይ ገይረ ከም ዝጅምር ምሃረኒ። ንዓይ ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ’ሞ ዋሕሰይ ኮነኒ።”
ቅዱስ ኣበው፡ “ዝኾነ መነኮሴ መዝሙር ዳዊት ዘጽንዕ፡ ንንጉሥ ብሃንቀውታ ጎዩ ክልምኖ ዝደሊ ዘሎ ይመስል። ዘውትር ዝጽሊ ድማ፡ ንንጉሥ ዝዛረቦ ዘሎ ይመስል። ብሥቡር ልቢ ዝበኪ ግና፡ ኣብ እግሪ ንጉሥ ሒዙ ምሕረት ዝልምን ዘሎ ይመስል።”


ኣባ ሺሻይ ንተማሃራዩ፡ “30 ዓመት ገይረ ኣለኹ ንኣምላኽ ሓጢኣተይ ሕደገለይ ካብ ዘይብሎ። ኣብ ዝልምኖን ዝጽልዮን ከምዚ ይብል፡ ኦ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ንጉሥ ነገሥታት ኢየሱስ ክርስቶስ ስተረኒ፡ ምኽንያቱ ክሳብ ሕጂ ብልሳነይ ይሓጥእ ስለዘለኹ።”
ካባይ ዝኸፍእ ሰብ ሪእኻ ትፈልጥ’ዶ፤ ብኸመይ ከምኡ ኢልካ፤ ምኽንያቱ ክጽሊ ኣእዳወይ ምስ ዘርጋሕኩ ንላዕሊ ጠሚተ፡ ብስቡር ልቢ እናበኸኹ እልምን። ክሓጥእ ከለኹ ድማ ኣይተራኣኹን ይብል። ከምዚ እናበልኩ እየ ንነፍሰይ ሓሶት ዘላመድኩዋ።”

5.   መዛሙር ምጽናዕ (መዝሙር ዳዊት)
ንሓደ ኣቦ ዝበጽሐ ሓደ ሓውና ከምዚ ክብል ይሓቶ፡ “ከመይ ኣለኹም ኣቦና”፡ መልሲ፡ “ካብቲ ዝነበርኩዎ ይብእስ ጽቡቕ የለኹን” ። ሕቶ፡ “እሂ፤” መልሲ፡ “30 ዓመት ኣሎኒ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቖምኩ፡ ካብ ኣፈይ ክወጽእ ዘይደልዮ ቃል ከምዚ ክብል ንነፍሰይ የዋርዳ፡ <<ነቶም ካብ ትእዛዛትካ ዜግልሱ ርጉማት ገናሕካ>> (መዝ 119፡21) ካብ ትእዛዛቱ ዜግልስ ኣነ እኸውን። ሽዑ <<ንስጉምተይ ኣብ ቃልካ ኣጽንዓዮ>> (መዝ 119፡133) እብል። መዓልታዊ ንኣመላኸይ ብሓሶት እናገሮ፡ <<ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም>> (መዝ 5፡6) እብል። ሕማቕ እና ሓሰብኩ <<ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና።>> (ማቴ 6፡12) ኢለ፡ ብድፍረት ከምዚ ድማ ይብል፡ <<ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ዐምበቡ፡ ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ>> (መዝ 92፡7) ። ነውሪ እናገበርኩ፡ <<ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን>> (መዝ 101፡3) እብል፡ ነገረይ ኣብ ከብደይ ከሎ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር፡ <<ምብላዕ እንጄራይ ረሲዔዮ>> (102፡4)። ምሉእ ለይቲ ደቂሰ ከሎኹ፡ <<ስለቲ ጻድቕ ፍርድኻ ኸመስግነካ፡ ፍርቂ ለይቲ ኽትንስእ እየ>> (መዝ 119፡62) ። ከይነባዕኩ ነፍሰይ ከየትሓትኩ፡ <<ነፍሰይ ብሓዘን ትነብዕ ኣላ>> (መዝ 119፡28) <<ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፡ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ>> (መዝ 6፡6) ። ሓሳባተይ ክፉእ እንከሎ፡ <<ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፡ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ>> (መዝ 27፡8)። ጾም ዘይብለይ ከሎ፡ <<ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ>> (መዝ 109፡24) ። ኣብ ትዕቢትን ደስታ ስጋይን ከሎኹ ንኣምላኸይ ከምዚ እብሎ፡ <<ንመከራይን ጭንቀይን ርኣዮ እሞ፡ ንኹሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ>> (መዝ 25፡18) ። ዘይተዳለኹ ከሎኹ፡ <<ልበይ ኣንቂዱ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ልበይ ኣንቂዱ>> (መዝ 57፡7) ። 

ብድሕር’ዚ እቲ ሓውና፡ “መምህረይ፡ ከም ዝርደኣኒ ነቢይ ዳዊት ብዛዕባ ነፍሱ እዩ ዝተዛረበ።” እቶም ኣቦ ድማ እናሰተንፈሱ፡ “ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ንጽልዮ እንተዘይገበርና፡ እቲ ንጽልዮ ጸሎት ኣንጻርና እምበር ምሳና ኣይከውንን እዩ።” ኢሉ መለሰሉ።
6.   ምንባዕ (ምብካይ)
ይቅጽል……… ብሰላም የጽንሓና።

                                                      ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
                                               ወለወላዲቱ ድንግል፣
                                              ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment