Friday, November 30, 2012

ኣልብኪ ነውር ወኢምንቲ ላዕለኪ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅደስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም
በዓለ ጽዮን (ሕዳር ጽዮን) ኣብጸሓና!


ምስባክ
እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ጽዮን
ወአብደራ ከም ትኩኖ ማኅደሮ
ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለ መዝ.131-13 (134-14)
2 ቆረ.6-12, 1ይጴጥ.25-11 .ሓዋ.744-45 ወንጌሌ ማቴ.2142
ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)


<<ኣልብኪ ነውር ወኢምንቲ ላዕለኪ። ኣቲ ፍትውተየ ኲለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።>> መኃ. 4፡7

ነገረ ማርያም

(Click for PDF)ናይ ትንቢተ ነብያት መዕረፊ። መበገሲት ስብከት ሓዋርያት፣ ናይ ሉቃውንቲ ቤተክርስቲያን ምሥጢር ነገረ ማርያም እዩ። ብዘይ ነገረ ማርያም ነገረ ክርስቶስ ምዝራብ ኣይከኣልን። ኣብ ክርስትና ሃይማኖት ዝተላዕሉ መናፍቃን ናይ መጀመርያ ጸገሞም ናይ ነገረ ማርያም ኣማናዊ ትምህርቲ ዘይምቅባል እዩ። እዚ ጸገሞም ከኣ ንጐይታና መዴኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትኽክል ከይኣምኑ ጌሩዎም እዩ። ኣብ ነገር ማርያም ቅኑዕ ትምህርትን እምነትን እንተዝነብሮም ግና ኣብ ኑፋቄ ኣይምወደቁን ኔሮም። ንስጥሮስ << አምላክ ወልደ  አምላክ >> ኢሉ ንክርስቶስ ከይኣምን ዝተጸገመ << ወላዲተ ኣምላክ፡ ወላዲተ ቃል፡ እመ እግዚአብሔር >> ኢሉ ብኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምእማን ስለዝተሸገረ እዩ።



ነገር ማርያም ካብ ነገረ ክርስቶስ ምፍላይ ኣይከኣልን እዩ። ዝተዋህደ  እዩ። ብዛዕባ ኣዳና ቅዴስተ ቅደሳን ድንግል ማርያም ዝንገር ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ንክርስቶስ ይትንክፎ እዩ።  ናይ እግዚአብሔር ናይ ኅነት ስራሕ ኣብ ንዛረበሉ እዋን ንኣዴና ቅድስተ ቅደሳን ድንግል ማርያም'ውን ፈሊና ክንገድፎ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ወሊዳ  ዘዕበየት፣ ሓዚላ ዝተሰደት፣ ኣብ ዘመነ ኣስተምህሮ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ እግሩ ከይተፈልየት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ ዝዞረት ስጋብ ቀራንዩ እግረ መስቀል ዘይተፈልየት ኣደ እያ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ምኽንያተ ኂን ጌርዋ እዩ።


ብዛዕባ ነገረ ዴኅነት ክንዛረብ ከለና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ንድሕነትና ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ በጃነት ዝጅምር ካብ ዕለተ ጽንሲ ካብ ማህጸን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም እዩ።  ሥጉኡ ቆሪስልና ኣፍሲስልና ፣ነፍሱ ኣሕሉፉ ሂቡና ንብል ካብ ኣዳና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም ብዝወሰዶ ሥጋ እዩ። ካብኣ ብዝወሰዶ ኣብ ዕሊ መስቀል ዝፈተቶ ሥጋኡን ዘፍሰሶ ሙን ናይ ህይወት ማኣዲ ጌሩ ሂቡና። መለኮታዊ ፍሕሚ ኣብ ማህጸና ካብ ምሽካም ጀሚራ እዚ ዓቢ ምሥጢር ዝተፈጸመላ ብምዃና መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ኮይና ትምስገን። ኣብ መዝሙርና ኮነ ኣብ ቅዳሴና ድሕሪ ስም ሥላሴ ንዝምሮ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም ምስጋና እዩ።  ቅዱስ ዲዊት  መዝ/861-3 <<መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳን  ኣኽራን እያ። እግዚአብሔር ካብ ኩሉ ማሕደራት ያዕቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ከተማ ኣምላኽ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ >> መዝ.871-3


ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም'ውን እሳተ መለኮት ኣብ ማህጸና ተሸኪማ << ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ በቲ መድኃኒየይ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ። ( ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ ርእየ ኣምላክ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ትወልድ እመቤት  ዘመን እንተዘብጽሓኒ ኣገልጋሊት ኮይነ ምስ ኣገልገልክዋ ዝብል ናይ ልበ ሓሳብ ርእዩለይ።)  እንሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም። >> ለቃ.1-46


ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም ዝተገብረላ ዓብዪ ነገር፡
ካብ ጥንተ ኣብሶ ነጻ ኮይና ምፍጣራ
ካብ ሃልዮ ካብ ነቢብ ካብ ገቢር ሓጥያት ነጻ ምዃና።
ካብ ልማድ ኣንስት ነጻ ምዃና።
ሰማይን ምድርን ዘይክእልዎ ኪሩቤል እሳታዊ መለኮት ዝሽከሙሉ ሱራፌሌ መንበሩ ዝዓጥንሉን  መላእክት ዝንቀጠቀጥሉ ኣብ ማህጸና ሰለዝተሰከመት እያ።  እዚ ብምዃኑ ከም ቅዱስ ዳዊት << ሃገረ እግዚአብሔር ድንግል ማርያም ንዓኺ ዝተገብረልኪ ነገር ዕጹብ ንቂ እዩ።>> እንዳበልና ነመስግና።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም ንጽህት እምንጹሃን ቅድስቲ እምቅዱሳን እያ። ካብ ዝተፈልዩ ዝተፈልየት ካብ ዝኸበሩ ዝኸበረት ካብ ዝተመርጹ ዝተመርጸት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ከም ካልኦት መርገም ሥጋ መርገመ ነፍሲ ስለዘይበጽሓ እዩ። ነዚ ክገልጾ ከሎ  ጠቢበ ሰለሙን <<ስእርተ ርእስኪ.አፉኪለአስናንኪለክሣደኪአጥባትኪ.. >> እንዲበለ መልክአ ማርያም ማለት  ኩለንተናኣ  ብምድናቅ << ኣቲ ፍትውተየ ኵለንተናኺ  ጽብቅቲ ኢኺ ሕፍቲ የብልክን። >> መኃ. 47 ሕፍቲ ዝተባህለ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍሲ ዘምጽአ ጥንተ ኣብሶ ዝበሃል ናይ ኣዳም ሓጥያት እዩ።

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም ቅድመ ጸኒስ ቅድመ ወሉድ ጊዜ ጸኒስ ጊዜ ወሊድ፣ ኅረ ጸኒስን ድኅረ ወሊድ ንግል እያ። ነብዩ ኢሳይያስ << ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፣ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ፣ ስሙ'ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።>> ኢሳ7.13-14   ነብዩ ሕዝቅኤል.<<ወርኢኩ ኅኃተ በምስራቅ፣ ኅቱም በዐቢይ መንክር ማኅተም አልቦ ዘቦአ ዘእንበለ እግዚእ ኃያላን ቦአ ውስቴታ ወወጽአ….. ናብ ምብራቕ እትርኢ ወጻኢት መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ ከኣ እያ። እግዚአብሔር ድማ በለኒ እዛ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን ኣይተከፈት ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚአብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር። ሕዝ.44-1-4
እዚ ከኣ ንጽሓ ነፍስን ንጽሓ ልቦና ኣተሓባቢራ ሓደ ጌራ ምሓዛ የረጋግጸልና።   ጠቢበ ሰሎሞን << ዋላ  ሓንቲ ሕፍቲ የብሌክን..>> ዝበለ  ሓለቃ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል << ኣቲ ምልእተ ጸጋ  እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ ባህ ይበልኪ። ካብ ኩለን  ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ በላ ……>> ኢሉ ቅድሚ ብስራት ምንጋሩ ፣ብስራት ኣብ ዝነገረሉ እዋን፣ ሕሪ ምብሳሩ'ውን ምዃኑ ንርዳእ። ለቃ.1-26 ምኽንያቱ መልኣኩ ቅድስ ገብርኤል ናብ ሓንቲ ንግል ካብ ኣምልኽ ተላእከ ይብለና።  እዚ ከኣ ንጋሌ  ሥጋ ጥራሕ ዘይኮነ ድንጋሌ  ነፍሲ'ውን ከምዘለዋ ዘምልክት   እዩ። ንጋሌ  ነፍሲ ናታ ብምግባራ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም ብጥንተ ኣብሶ ዝተታሕዘትሉ እዋን ፈጺሙ ከምዘይነበረ የረድኣና። ነዚ እዩ ከኣ ጠቢቡ ሰልሞን << ኣቲ ፍትውተየ ኵለንተናኺ ጽብቅቲ ኢኺ ሕፍቲ የብልክን። >> ዝበላ።

ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ከኣ ናይ ኣድዴ ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም ስማ ትጽውዕ በዓላ ትዝክር ንዓዓ ተኽብር ነዚ ብምርዳእ እያ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከት ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ንግል ማርያም የብዝሓልና።
ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ንጽህተ ንጹሃን ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና።


ወስብሓት እግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

1 comment:

  1. amen kuburta ahwatna enkae ahbiru biselam abtsehana,khy ab stolotkum zekruna.

    ReplyDelete