Saturday, June 13, 2020

መንክር እግዚኣብሔር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
መንክር እግዚኣብሔር
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ ንርሑቕ ዓዲ መገሻ ስለዝሓሰበ ኣንጊሁ ጉዕዞ እግሪ ጀመረ። ነቂሕ ምስ ተጓዕዘ ኸኣ ኣዝዩ ደኸመ። ብርቱዕ ፀሓይ ስለዝነበረ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዓብይ ገረብ ናይ ዳዕሮ ኣትዩ ነጸላኡ ኣንጺፉ ክድቅስ ወሰነ። ኣብ ትሕቲ እቲ ዳዕሮ ኸኣ ዱባ ዓበይቲ ፍረ ፈርዩ ኣስፊሑ ኣብ መሬት በጥ ኢሉ ነበረ።

ብኃያል ጉዕዞን ብፀሓይን ዝደኸመ ሰብኣይ ነጸላኡ ኣንጺፉ በጥ ኢሉ ደቀሰ። ኣብ መንጎ ድቃሱ ካብ ላዕሊ ካብቲ ገረብ ዳዕሮ ሓንቲ ፍረ ወዲቓ ኣብ ግንባሩ ሃረመቶ። ወዮ ሰብኣይ ብስንባደ ብድድ ኢሉ ተበራበረ። ፍረ ዳዕሮ ንእሽቶ ስለዝኾነ እታ ካብ ላዕሊ ዝወደቐት ፍረ ካብ ድቃሱ ኣበራቢራቶ ደኣ እምበር ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ኣይውረደትሉን።

ሽዑ እቲ ሰብኣይ ካብቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ቦታ ሓፍ ኢሊ ኮፍ በለ። ኣብቲ ከባቢ ደቂሱሉ ዝነበረ ቦታ እንተኣስተብሃለ ኸኣ እቲ ዱባ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኃሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ኪሎ ዝምዘን ፍረታት ፈርዩ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሊ ረኣየ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ብግብሪ እግዚኣብሔር ኣዝዩ እናተደነቐ “መንክር እግዚኣብሔር” በለ።

ዝኸበርኩም ሕጻናት ስለምንታይ እዩ እዚ ሰብኣይ ክሳብ ክንድኡ ተደኒቑ፤
ሽዑ እቲ ሰብኣይ “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ ኣዝዩ ዓበይቲ ፍረ ዘለዎ ዱባ ብምድሪ ምድሪ ከምዝኸይድ ገይሩ ነቲ ንእሽቶ ፍረ ዘለዎ ዳዕሮ ከኣ ዓብይ ፍረ እንተዝገብረሉ፡ እዛ ካብ ላዕሊ ወዲቓ ዘበራበረትኒ ፍረ ምቐተለትኒ ማለት እዩ። ብኣንጻሩ ዱባ ክንድቲ ናይቲ ዳዕሮ ገረብ እንተዝህልዎ እዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኃሙሽተ ክሳብ ዓሠርተ ኪሎ ዝምዘን ፍረ ዱባ ደቂሰ ከለኹ እንተዝወድቀኒ ብሕይወት ኣይምጸናሕኩን። ከምኡ እንተዝኸውን ሰብ ይኹን እንስሳ ኣብ ትሕቲ ዓበይቲ ኣግራብ ኣትዩ ከጽልል ኣይምኸኣለን። ኣቤት ጥበብ እግዚኣብሔር!” እናበለ በቲ ዕፁብ ድንቲ ዝኾነ ግብሪ እግዚኣብሔር እናተገረመ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገነ ጉዕዞኡ ቀጸለ።

ካብዚ ታሪኽ እዚ እንታይ ንመሃር፤

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንምድርን ንሰማይን ኣብኣቶም ንዘለው ፍጥረታትን፡ ንባሕሪ ንውቅያኖሳትን ንቀላያትን ኣብኣቶም ንዘለዉ ፍጥረታትን ንኹሎም ብዘደንቕ ጥበብ ከምዝፈጠሮም ንመሃር።
ብተወሳኺ ኣብ ኩሉ ጉዕዞ ሕይወትና መስተውዓልቲ ክንከውን እሞ ነቲ ዘደንቕ ግብሪ እግዚኣብሔር እናስተብሃልና ኩሉ ጊዜ መመስገንቲ ክንከውን ከምዘሎና ንመሃር።

ኣብ መወዳእታ እቲ ብዓቢዩ ካብዚ ታሪኽ እቲ እንመሃሮ ቁምነገር ከኣ ከምቲ ንክቡር ጋሻ ኣብ ገዛኻ ክትዕድሞ ከሎኻ ኩሉ ንዕኡ ዝበቅዕን ዝፈትዎን ነገራት ቀሪብካ እትጽውዖ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንወዲ ሰብ ክፈጥሮ ከሎ ኩሉ ዘድልዮን ዝሰማምዖን ኩነታት ኣዳልዩ ከም ዝፈጠሮ እሞ ሓደ ካብኡ ድማ ካብ ኣግራብ እንረኽቦ ፍረታትን መጽለሊን እዩ። ክብርን ምስጋናን፡ ኣምልኾን ውዳሴን፡ ሎምን ንኹሉ ሰዓትን ንዘልዓለም ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን! ኣሜን!

ምንጪ፡ ቤ/ት/ሰ/ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ባረንቱ (ማየ ኰኲሕ)
ስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን። PDF

No comments:

Post a Comment