Friday, February 3, 2012

ማዕተብ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!


ማዕተብዐተበካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብል ትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩ። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣለኹ በለ፡ (ገላ617) መከራ ክርስቶስ ንኽቕበል ድልው ስለ ዝነበረ እዩ።

ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 3812-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ። 

ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታ ዝሓሸት ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮም ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡውን ብጥምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቡ ንኹሉ ውሉድ ጥመቀት ክኣስረሉ ጀመሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራማዕተብምእሳር ምስ ምእታው ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝኣተወ እዩ።
 
ትርጉም ማዕተብ ካብ ኣህዛብ ፈልዩ፡ ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃና ይምስክር። ክርስቲያን ምኻንካ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብማዕተብካ የለልየካ። ብዙሓት ናይ ዘመና እምነት ኣሎና በሃልቲ፡ እምነት ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ ክሳድካ ማዕተብ ስለዝገብርካ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ግና እምነት ዘለዎ ልብስ ንማዕተብ ኣይትጸልእን እያ። እምነት እንተ ዝህልዋ ኔሩስ፡ ዕላመት ክርስቶስ ክትጸውር ኣይምጸልአትን ነይራ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢኹም ድሕሪ ምባል ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ። በለ (1 ቆሮ 620) ስጋና ናይ ክርስቶስ ምልክት ዝኾነ ማዕተብ መስቀል ክትጸውር ኣይግባእን ማለት፡ መሰረት ምልኣት እምነት ኣይኮነን። እምነት ምልኣት ክህልዋ፡ ብውሽጢን ብደገን ምስ ትትግበር እያ። ሓደ ሰብ ብውሽጡ እምነት ኣሎኒ እንተበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብማዕተብ ክርስቲናኡ ክገልጽ ሓፋርን ፈራህን እንተኾነ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዩ፡ ዝኽሕድ ዘሎ። (ማቴ 1032) ስለዚ ብማዕተብ ስቅለት ጐይታና ኣብ ስጋና እዩ ዝገልጽ። (ገላ 617)።

ማዕተብ ንዶግማ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ሓደ ፈትሊ በይኑ ወይ 3 ብሓደ ዝፍተል ማለት (ብሰስተ ሕብሪ) ዝቀውም እዩ። እዚ ጻዕዳ ምስ ዝኸውን፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጻህና የመልክት። ክምኡውን ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርአ ስለና ክብል ከም ዝተገርፈ የመልክት። ቀይሕ ብደሙ ከም ዝደሓነና ከመልክት ከሎ፡ ጸሊም ድማ ስጋ ለቢሱ ኣብዛ ዓለም ከም ዝተገልጸን ስለና ክብል ስጋኡ ክሳዕ ዝርግፉ ከም ዝተሳቀየን ይገልጽ። 3 ፈትሊ ኣብ ሓደ ጠምጢምና ኣብ ክሳድና ምእሳርና፡ ናይ ሓድነትን ሰለስትነትን ስላሴ የመልክት። በዚ ኸኣ በቲ ሓደ ንልዑል ብዝኾነን ብጐይታናን መድሓኒናን፡ ብምፍሳስ ደሙን ብምቁራስ ስጋኡን ድሕነት ከም ዝረኸብና ንኣምን። ንእምነትና ኸኣ፡ ኣርማ ክርስቲያን ብዝኾነ፡ ብማዕተብን መስቀልን ንገልጾ። ወዘልፊ፡ ንጸውር ሞቶ ለክርስቶስ በስጋነ፡ ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱ ለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ፡ መዋቲ። ትርጉም ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኩሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና (2 ቆሮ 410) ከምቲ ቃልና ምስክር ክርስቶስ ክኸውን ዝግብኦ፡ ኩሉ ኣካላትና ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ዝተፈጥረ፡ ክሳድናውን ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ክምስክር ይግባእ እዩ።

ማዕተብ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ንኣስሮ።
ክርሰቲያን ብቓሉ ብግበሩ፡ በካይድኡ፡ ንኽብሪ ክርስቶስን ምስክሩን ክኸውን ከም ዘለዎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ኹሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣለኹ።” (ፊል 19-11) ቅዱሳን ኣበው፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ገሊጾምልና እዮም። ማዕተብ ከኣ ሓደ ካብ ናይ እምነት ምስክርን ምልክትን ምዃኑ ፈሊጥና ንመጋየጺ ዘይኮነ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትና ዝገልጽ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክንኣስሮ ይግባእ። በታ ቅዱሳን ዘርኣዩና መገዲ ድማ ንመላለስ። ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹሉ ንኣት ክጽሕፈልኩም ምስደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ኾነኒ። (ይህ 3)

ምንጪ፡ መሰረት እምነት ብመም. ዘርአ ገብረእግዚኣብሔር
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!! (Click to read in PDF)

Wednesday, February 1, 2012

እቲ ጥፉእ ወዲ (ሉቃ 15፡11-31)


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!


ደጊም’ሲ ኣብ ቤት ኣቦይ ይኣኽለኒ
ምስ ካልኦት ኣብ ደገ ምንባር ይሕሸኒ
በልኩ ብድፍረት ከይፈለጥኩ ኣየን ከም ዝጠቕመኒ
                  ሓወይ ሓፍተይ ተጋግየ ድየወይስ ሓቀይ
                  ካብ ቤት ኣቦኻ ወጺኻ ዝርከብ ስቓይ
                  ዘንብዕ እዩ ዘጣዕስ ዳሕራይ
ድሕሪ ነዊሕ ከርተት
ምስ ብዙሕ ናፍቖት
ቤት ኣቦይ በሃግኩ ክምለስ ብትብዓት
                   ኦ ኣቦይ ይቕረ በለኒ
                   ከም ወድኻ ዘይኮነ ከም ግዙእካ ሕሰበኒ
                   መጺኤ ኣለኹ ምሕረትካ ሃበኒ
መርሓባ ዝወደይ ኢሉ ቚፈኒ
ንብዓተይ ደሪዙ መኒ
ክገልጾ ይክእል ሓጎስ ተሰመዓኒ
                     ኣብ ቤት ኣቦይ ምሉእ ፍቕሪ ‘ሎ
                     ስብሕቲ ላም ሓሪዱ ዝዳሎ
                     ብታማል ዘይኮነስ ሎሚ ከመይ ኣሎ
ስለሲ እወ ስለዚ ናብ ደገ ዘጠምት ኣየድልየንን
ትእዛዛካ ክፍጽም ፍቓድካ ክመልእ ኣየጉድልን
ተረቲዐ’የ ሎምስ ንድሕሪት ኣይምለስን  

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
እቲ ጥፉእ ወዲ (ሉቃ 15፡11-መፈ)
ኣቦ፡ - ፍቕሪ፡ ርህሩህ፡ ለዋህ፡ መሓሪ፡ ብሕሉፍ ኣበሳ ዘይጸባጸብ።
እቲ ጥፉእ ወዲ፡ ናብ ኣምላኽ ተመሊሰስ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ (ንስሓ)

ዓቢ ወዲ፡ ዓቢ ወዲ ኣስጋኢ ዝኾነ ጠባይ ዝሓዘ እዩ። ምኽንያቱ ብምምላስ ሓው ባህ ዘይበሎ፡ ብምሕረት ወላዲኡ ዝጎሃየ እዩ። ኩሉ ጸጋታት ዝሰኣነ፡ ኣብ ውሽቲ ቤት እግዚኣብሔር፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ለዋህ ኣምላኽ ዘሎ ግን፡ ብህይወት ክነብር ዘይክእል እዩ። ምሕረት ኣብ ልቡ ዘየለ፡ ኣብ ሰማይ 99ተን ነገደ መላእክት እንዳ ተሓጎሱ ክሕጎስ ዘይክእል። እዚ ድሕሪ ኩሉ ከትርፍ ዝኽእል ጠባይ እዩ።

ኣብቲ ታሪኽ ክንምለስ ከሎና፡ ንብዙሕ ዓመታት፡ እቲ ንኣቦኡ ዘይሓደገ፡ ብምኽሪ ወላዲኡ ዝኸደ፡ ሃብቲ ወላዲኡ ዘይዘረወ፡ ብጌጋ መንገዲ ዘይከደ፡ እቲ ዓቢ ወዲ እዩ። መፈጸምትኡ ግን ሕማቕ ዝኾነ፡ ብምሕረት ወላዲኡ ዘይዓገበ፡ ብምምላስ ሓው’ውን ሕጉስ ዘይኮነ። ጨካን ልቢ ሒዝካ፡ ናብ ንስሓ ክትኣቱ ጊዜ የብልካን፡ ብሓጎስ ኣቦኻ ድማ ኣይትሕጎስን።

<<እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም>> ማቴ 20፡16 ከም ዝበለ። ክንማሃረሉ ዝግበኣና ንሕና ስለዝኾና፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እንከሎና ደገ ቤተ ክርስቲያን ንነብር። ከመይ! ሎሚ መንገዶም ቅኑዕ ዝመስሉ መፈጸምትኦም ግና ክፉእ ዝኾኑ ኣለና። ቀዳሞት ዝነበሩ፡ ዳሕሮት ክኾኑ እዮም ከም ዝበለ። ቤተ ክርስቲያን ዘይመላለሱ ዝነበሩ ንኹልና ክቅድሙና ይኽእሉ እዮም። መፈጸምትኦም ጽቡቕ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ብኣቦና እንተዘይዓጊብና፡ ብሓውና’ውን እንተ ዘይተሓጎስና ዕድልና ክፉእ ክኸውን እዩ።

እቲ ዓቢ ወዲ፡ ዝሓስቦ ኩሉ፡ ኣነ ንኣቦይ ዝሓገዝኩ፡ ኣነ እየ ገንዘቡ ዝዓቀብኩ፡ ካብ ኣቦይ ዘይረሓቅኩ፡ . . . . ። እዚ ስምዒት እዚ እዩ፡ ናብ ቁጥዐ ዘድሃብሉ። ምኽንያቱ ኣቦ ብወዱ ተሓጒሱ ጥራይ ኣይተረፈን፡ ምስ ዓቢ ሓው ውን ኣመዓራርይዎ እዩ። ክንድዚ ዝኣከል ዓመታት ምስ ኣቦ ክጸንሕ ከሎ፡ ዋጋ ከም ዘይብሉ ገይሩ ተቆጺሩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ እዩ እቲ ዓቢ ወዲ። ቅንኢ ኣብ ህይወትና ስፍራ እንተሃሊይዋ ብሕማም ቅንኢ ኢና ንወድቕ። እቲ ጥፉእ ንእሽቶ ወዲ፡ ኣንነት ኣይነበሮን፡ ቅዱስ ቅንኢ ግና ነይሩዎ፡ ናብ ሑቕፊ ወላዲኡ ከም ብሓድሽ ምእታው ዘይኮነ ተመኒዩ፡ ሓደ ካብ ኣገልገልቲ ክኸውን። ትሕት እዩ ዝበለ። ስለዚ ትሕትና እምበር ኣንነት ኣይኮነን ሒዙ ተመሊሱ። ኣነ ይሓይሽ ዝብል ዝንበረ ዓቢ ወዲ ግና፡ ኣቦ ብምምላስ ዝሞተ ወዱ ስለዝተሓጎሰ፡ ተቆጢዑ፡ ሓሪቑ፡ ባህ ኣይበሎን።

<<ተገውትን ኣመናዘርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚአትው፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።>> (ማቴ 21፡31) ይብል እቲ ቅዱስ ቃል እግዚኣብሔር።

ኣብ መንግስተ ሰማያት መወዳእታ ካብ ምዃን፡ ኣብ ምድሪስ መወዳእታ ምዃን ይበልጽ። ሓውና ጽቡቕ ክረክብ፡ ክንሕጎስ ኣሎና። ሑቕፊ ኣቦና ክብሪ ክንህቦ ይግባእ።

ብናይ ደቂ ሰባት ኣተሓሳስባ፡ ኣቦ፡

1.    ኣበይ ገይርካዮ እቲ ዝሃብኩኻ ገንዘብ፤
ሃብታም ኣቦ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ገንዘብ ሂብዎ እዩ፡ ሰለዚ ንብዙሕ ዓመታት ናብ ቤት ኣቦኡ ንከይከይድ ዝደረኾ፤ እዚ ሕቶ’ዚ እዩ።
2.   ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት እንታይ ገይርካ፤
ጊዚኡ ኣብ ሕማቕ እምበር ኣብ ጽቡቕ ከም ዘይሕለፎ ተገሊጹ እዩ።
3.   ኣይቅበለንን’ዩ ዝብል ጥርጣረ፤
ምኽንያቱ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንተ ሪእና፡ ዳዊት ወዱ ኣቢሰሎም ንኣምኖን ምስ ቀተለ፡ ዳዊት ንወዱ ከይረኸበ 3 ዓመት ገይሩ። 2 ሳሙ 13
4.   ናብ ዝነበርካዮ ተመለስ፤
ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሕና ንሓስቦ፡ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ሓሳብ ወጻኢ ምስ ዝኸውን፡ ካብ ንስሓ ንሃድም። ኣኺሉና ንጠፍእ፡ ምኽንያቱ ንእግዚኣብሔር ሕኒኡ ዝፈዲ ኮይኑ እዩ ዝስመዓና። ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት፡ ሓንቲ ክምልስ ኣይክእልን እዩ ነይሩ እቲ ጥፉእ ወዲ፡ <<ሓደ ካብ አገልገልትኻ ቁጸረኒ>> ጥራይ።
ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ ዕድመና እግዚኣብሔር ኣይቅበለናን እዩ ንብል ብውሽጥና፡ ስለዚ ናብ ንስሓ ቀልጢፍና ኣይንምለስን። ወይ እግዚኣብሔር ከም ደቂ ሰባት ኮይኑ ምስ ዝረኣየና፡ እዚ እዩ ኢደይ፡ እዚ ኹሉ ዝሃብኩ ነዚ ንኽትገብር እዩ፡ ንምንታይ ከምዚ ገርካኒ፡ እዚ ኩሉ ካብዝን ካብትን ኣራርየ ዝኣከብኩልካ ገንዘብ ከምዚ ገይርካ ከተጥፍኦ፡ እዚ ኩሉ ገንዘብ ዝጠፈአ ዝረብሕ ነገራት ምገበርናሉ ነይርና። ኣብ እግዚኣብሔር እዚ ኩሉ የለን፡ <<ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ። . . . ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ።>> ካብቲ ዝሓስቦ ዝነበረ፡ ባርያ ምዃን፡ ብዛዕባ እቲ ዝጠፍአ ገንዘብ፡ ኣብ ከመይ ዓይነት ህይወት ይነብር ከም ዝነበረ፡ እንታይ ገይሩ ምስ መን ዓንዲሩሉ ኣይተሓተን። ካብ’ቲ ዝሓስቦ ዝነበረ፡ ካብ ግምቱ ንላዕሊ እኳ ደኣ ዝበለጸ።




ብዛዕባ ኣብ ዝፈልጥ ሓደ ወልድ ጥራይ እዩ፡ <<ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።>> (ሉቃ 10፡22) ሑቕፊ ኣቦኡ ዝፈልጥ ወዲ ጥራይ እዩ፡ ነዚ ሑቕፊ ዘስተማቐረ ድማ ኣየልግስን እዩ።
ሕማቕ ነገራት ዝግምት ዝነበረ ጽቡቕ ኣጓኒፉዎ።
ዓቢ ወዲ፡ ኣቦኡ ንሓው ከም ዘይቅበሎ እዩ ገሚቱ ነይሩ። ወይ ኣብ ትሕቲ ኣቦኡ ባርያ ኮይኑ ክሰርሕ ገሚቱ ነይሩ ይኸውን። ኣቦኡ ኣርኣያ ክገብሮ፡ መለበሚ ኣይኽላካ ከም ዝበሃል፡ ሓውኻ ጠንጢኑኒ ስለዘይከደ ገንዘቡ ኣይዘረወን፡ ወይ ኣቦ ንዓቢ ወዱ፡ ሓውኻ እንታይ ክንገብሮ ኢሉ ዘማኽሮ መሲሉዎ ነይሩ ይኸውን። እዚ ግን፡ ኩሉ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይኑ። ናይ ክልቲኦም ውሉድ ትጽቢት ኮንቱ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢ ወዲ፡ ብስስዕቲ ካብ ወላዲኡ ምሕረት ክመሃር ኣይከኣለን፡ ነቲ ሓደ ሓው ውን ከፍቅር ኣይከኣለን። እቲ ጥፉእ ወዲ ድማ፡ ቀልጢፉ ንኸይምለስ ዝኣገሞ ሓሳባት ናይ ፍርሒ፡ ናይ ኣቦ ርህራሀ፡ ናይ ኣቦ ሓሳብ ክርዳእ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ፡ እቲ ናይ ሓጎስ ዳንኬራ ንሱ ከይመጸ ተገይሩ፡ ሕጉስ ስለዘይነበረ ድማ፡ ስብሕቲ ላም ዝተሓርደትሉ ሓው ርእዩ፡ ማሕስእ እኳ ኣይሓረድካለይን ብምባል ተቃጺጹ። ካብ ዘገርም ግን፡ ኣቦ ንዓቢ ወዱ ንኽረክብ እዩ ወጺኡ እምበር እቲ ዓቢ ወዲ ክሳዱ ስለዘትረረ ክኣቱ ኣይከኣለን፡ <<ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ>> ይብል እቲ ቃል።

<<ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፡ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ፡ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፡ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ።>> (ማቴ 20፡12-15) ።
<<ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ።>> ናይ እግዚኣብሔር ሕያውነት ንደቂ ሰባት የቕንእ ኣይገርምን?!!! ብምውድዳር ኢና ንዓዪ ዘሎና፡ ኣነ ክንድዚ ሰራሕኩ ኢና ንብል፡ ሓውካ ኰ ስራሕ ኣይነበሮን፡ ደሓር ኰ እዚ ገንዘበይ እዩ፡ ኣብ ገንዘበይ ድማ ድላየይ ክገብር እየ። ምሉእ ዕድሜኡ ዝሰረሐ ኣሖጒሱኒ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዘርከበ ድማ ሕጉስ እየ። ጌጋ ስእሊ ናይ እግዚኣብሔር ኣሎና፡ ሓደ ሰብ ዕድሜኡ ምሉእ ኣብ ሓጢኣት ዝነበረ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናብ እግዚኣብሔር ኣቅኒዑ፡ ተናሲሑ ኣገልጋሊ እንተ ኾነ፡ ብቅንኢ ጣዕ ክንብል ንደሊ ንምንታይ፤ እግዚኣብሔር ክርሕርሃሉ ኣይክእልን፤ ንእኩያን ክምሕር ከሎ፡ ንምንታይ ነዕዘምዝም፤ ሕያውነቱ ንምንታይ ዘይሐጉሰና፤ እዞም ሰባት እዚኦም ኣይግብኦምን እዩ ንምንታይ ንብል፤ <<ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪ ክስፈረልኩም እዩ>> (ማቴ 7፡1) ከም ዝተባህለ፡ ሓጢኣትና ጥራይ ክንርኢ ዘይንፍትን፤

ኣተሓሳስባና ቅኑዕ ክኸውን ይግባእ፡ ቅዱስ ፍርሒ፡ ፈሪሀ እግዚኣብሔር ናብ ሓጎስ የብጽሕ። ትዕቢት፡ ዘይብልካ ኣለኒ ምባል፡ ናብ ጥፍኣት የምርሕ።

ኣነ ክንድዚ ዓመት ኣገልጊለ፡ ካልእ ዋኒነይ ሓዲገ ከምዚ ገበርኩ ከምዚ ውን ደገምኩ፡ ዘይወሰድኩዎ ውርሻ ምሳኻ ኣሎኒ። ካብቶም ካልኦት ኣነ ይበልጽ፡ ክንብል ከሎና፡ ንወድቕ። ምውዳቕና ድማ ዘስካሕክሕ ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ ትሕት ክንብል ኣይከኣልናን፡ ኩሉ እቲ ዝሓሰብናዮ ናትና ኮይኑ ዝስመዓና ናይ እግዚኣብሔር እምበር ናትና ኣይኮነን። ብቅጽበት ዓይኒ ክጠፍእ ድማ እዩ። እግዚኣብሔር እኮ ኣብ ትሕቴና ኣይኮነን ዝሰርሕ፡ ንሕና ኢና ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ዘሎና፡ ከነመስግኖ፡ ኣመስጊና ‘ኳ እንተኸኣልና።   

·       ሓጢኣት ምውድዳር፡
ሓጢኣት ደረጃታት ነውጸኣሉ፡ እዚኣ ካብታ ካልአይቲ ትዓቢ ወይ ትንእስ ኢና ንብል ዘሎና፡ ንሓጢኣት ንፈላልዮ ኣሎና።

እቲ ጥፉእ ወዲ፡ ሓደ ንኣቦኡ ክብሪ ኣይሃበን ክወጽእ ከሎ፡ ሃብቲ ኣቦኡ በቲኑ፡ ምስ ካልእ ዘይፈልጦ ወዲ እታ ሃገር ተዓሲቡ (ምሳሌ ዲያብሎስ እዩ) ምስ ዲያብሎስ ምትሕብባር ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መጓሰ ናይ ሓሰማታት ሰሪሑ፡ ማለት እቲ ዝኸፍአ ናይ ርኽሰት ደረጃ ምብጻሕ እዩ። እዚ ጥፉእ ወዲ፡ ካብ ቤት ኣቦኡ ስለዝተፈልየ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ጠቕላላ ጠፊኡ እዩ። እዚ ዕልወት ናይ መዓልታት ጥራይ ዘይኮነስ ንብዙሕ ዓመታት እዩ ነይሩ።

እቲ ዓቢ ወዲ ግና ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ሓንቲ ኳ ኣይገበረን። ካብ ኣቦኡ ኣይተፈልየን፡ ንኣቦኡ ኣኽቢሩ፡ ዕብየት ኣቦኡ ተረዲኡ፡ ካብ ትእዛዙ ኣይወጸን። እታ ሓንቲ ዝገበራ፡ ፍቅሪ ተሳኢናቶ። ንሓው ከፍቅር ኣይከኣለን። ክናሰሓላ ኣይከኣለን። እዛ ሓንቲ ሓጢኣት ምስተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ናይ ጥፉእ ወዲ ክወዳደራ ከለዋ፡ ፍቕሪ ዘይብሉ ኩሉ ኮንቱ እዩ ዝኸውን። ስለዚ እቲ ዝበኣሰ ሓጢኣት ፍቕሪ ምጉዳል’ዩ።

ሓደ ሓደ እዋን፡ ሕልናና የታልለና፡ ኣይሰርቅን’የ፡ ኣይሓምን’የ፡ ኣይሕሱን’የ፡ ኣይዝሙን’የ፡ ስለዚ ጽቡቕ ኣለኹ ንብል ንኸውን። ሰባት ኣብ ጌጋ መንገዲ፡ ኣነ ግን ቅኑዕ ኣለኹ ንብል ንኸውን። እዚ ኩሉ ናተይ፡ ምስ ሓወይ ክወዳደር ከለኹ ጽቡቕ ኣለኹ ንብል። ንነፍሰይ የታልል። ንሓወይ ከፍቅር ስለዘይክእል ስለዝኾንኩ ድማ፡ ድሕሪ ሓወይ ተሰሪዐ ይተርፍ። ንስሓ ክኣቱ ከመይ ገይረ፤ ጽቡቕ እንድየ ዘለኹ። ሓወይ ግና፡ ንስሓ ምስ ኣተወ፡ ፍጹም ነጸሀ። ልቡ ቀዲዱ፡ ነቢዑ፡ ፍጹም ተመሊሱ።

ቁጥቁጥ ልቢ ዘለዎ ሰብ፡ ከፍቅር ይኽእል።

እቲ ጥፉእ ወዲ፡ ኣህዛብ፡ ዓቢ ወዲ ድማ፡ ህዝቢ እስራኤል ይምሰሉ።

ንሕና ንእግዚኣብሔር ዘይንፈልጦ ዝነበርና፡ ሕጂ ከቢርና፡ ንዘልኣለማዊ ህይወት ጽውዓት ኰና፡ ብጸጋ ጥምቀት፡ ውሉድነት ሥላሴ ተቀቢልና፡ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ተቀቢልና ሕብረት ምስ ክርስቶስ ረኺብና።

ህዝበይ ኢሉ ካብ ኩሉ ሓርዩ ንእግዚኣብሔር ቅድሚ ኩሉ ዝተዓደሙ ሕጂ ድሕሪት ተሪፎም፡ ከምዚ ስለዝረኸቡ ግና፡ ነቲ ዓበይቲ ጸጋታት ዝረኸብናዮ ክረኽቡ ዓይነ ልቦንኦም ክኸፍተሎም፡ ክንጽልየሎም ይግባእ እምበር፡ ንሕና እናበልና ክንዕበ የብልናን። ምኽንያቱ ብምሕረቱ እምበር ብግብርና ኣይኮናን ነዚ ጸጋ ውህበት እግዚኣብሔር ረኺብናዮ ዘሎና። ፍቕሪ ዘይናታ ኣይትደልን፡ ናታ ውን ኣይትኸልእን።

መን እዩ ንኣቦ ዝመስል ዘሎ፡ ኣብዚ ዛንታ፡ እቲ ጥፉእ ወዲ እዩ። ምስሊ ኣቦኡ ዘለዎ፡ ርህሩህ፡ መሓሪ፡ ፍቕሪ ዘለዎ እቲ ጥፉእ ወዲ እዩ። ልቡ ተሪር ዝኾነ ግና እቲ ዓቢ ወዲ እዩ። ምሕረት ኣብ ልቡ ዘየለ። ኣቦ እዩ ነቲ ዓቢ ወዲ ወጺኡ ዝለመኖ። ስለዚ ምስሊ ኣቦ ዝኾነ ንእሽቶ ወዲ፡ ንኣቦኡ ስለዝመስል፡ ንኣቦኡ ኣርኪቡ፡ ንሓው ምለመኖ፡ ምኽንያቱ እቲ ሓጎስ ምሉእ ሓጎስ ክኸውን፡ ነቲ ዓቢ ወዲ ምስኦም ኣብ’ቲ ሓጎስ ምስ ዝሳተፍ እዩ።
ክርስቶስ ስቃይ እዛ ዓለም ስለዝፈተነ፡ ብዲያብሎስ’ውን ስለዝተፈተነ፡ ቅድሜና ኩሉ መከራ ስለዝጸገበ፡ ኩሉ ዘድልየና ይፈልጥ እዩ።

መልክዕ ኣቦ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ድንቂ ዝኾነ መልክዕ እዩ።
ሓደ ዝተናሰሐ ሓጥእ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝምለስ፡ ከመይ ገይርካ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ከም እትነብር ስለዘይፈልጥ፡ ብዙሓት ምስሊ እቲ ዓቢ ብጸርፍን፡ ዘለፋን ይቅበልዎ። ንእግዚኣብሔር ድማ ነጒሂ። ንምንታይ እዮም፡ መላእክት ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ገይሮም ከለው፡ ንሕና እቶም ሕሩያን ኢልና ዝተሰመና፡ ንሓጎስ እግዚኣብሔር ንቃልል፤ ንምንታይ በታ ሕማቅ እትርኢ ዓይንና ንርኢ። ምስ እግዚኣብሔር ክንሕጎስ ዘይንፍትን። ብሓጎስ ኣቦኻ ዘይትሕጎስ እንተኾይንካ፡ ከመይ ገይርካ ምስሊ ኣቦኻ ክትለብስ፤ ሰማይ ኩሉ ተሓጒሱ፡ ንስኻ ግና ክትሕጎስ ዘይትኽእል።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን!!!

Wednesday, December 14, 2011

“እምብዛ ጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን” መክ 7፡16


በሰመ ኣብ ወወልድወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ!!!

ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድዉልዳን ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ዝተሰመኹም፡ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ፈጸምረቲ ዝኾንኩም፡ ኣፍቀርቲ ቅድስት ቅዱሳን ኣዴና ድንግልማርያም ናይ ሓደራ ደቃ ብሰናይ ፍቃድ እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ወርቃዊ ቃል ክንመሃር ክንፍትን ኢና። ከመይ! እምብዛጻድቕ ወይ እምብዛ ለባም ኣይትኹን ብነጸላ ትርጉም ክንወስዶ እንተ ፈቲና ብርግጽ ናብ ጌጋ ርድኢት ክንኣቱ ኢና። እቲ ምንታይ’ሲቅዱስ ሓዋርያ ጻውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ናብ ሰብዐ ቆሮንጦስ 2 ቆሮ 3፡6 “ፊደል ይቀትል መንፈስ ህይወትይህብ” ኢሉ ይግስጸና። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ነቲ ህያው ዝኾነ ትርጉም ክንበልዕ ይግባእ። ንጉስ ሰሎሞን ነዚ ቅዱስቃል ክጽሕፍ እንከሎ ንጽድቕን ጥበብን ተቃዊሙ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፤ ካብ ዘይበጻሕካዮን ዘይኾንካዮን ንላዕሊ ኢየ ኢልካኣይትመካሕ ክብለና ደልዩ፡ ጽድቕን ጥበብን ደረጃ እንዳ ሓለኻ እየን ዝብጸሓ እውን ይውሰኾ።


ንኣብነት፦ ኣርኣያ ኩሉ ዓለምጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰማይ ዝዝፋኑ ገዲፉ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ብቅዱሳን ኣእጋሩ ንምድሪ ክቕድሳን ክዞራን፡ ብቅዱስደሙ ከንጽሃ ከሎ ሓደ ዓቢ ትምህርቲ ብግብሪ ኣርእዩና እዩ ንሱ ኸኣ ትሕትና እዩ። ኣብ ፊሊጲ 2፡6-11 “ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽከነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን” ቀጺሉ’ውን “መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ ሰብ’ውን መሰለ፡ ብንብረቱኸም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ። ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ”። ስሙ ንዘለኣለም ይኽበር ይመስገን።ከምዚ ዝበለ ትሕትና ብሓቂ የለን። ኣብዚ ቅዱስ ቃል ብዙሕ ምስጢራት ንረክብ። ሓደ ካብኡ ምስጢረ ስላሴ ኮይኑ እግዚኣብሔር ኣብእግዚኣብሔር ወልድ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ሓደ ስልጣን ሓደ ህላወ ሓደ መለኮት አለዎም ኢልና ኣሚንና ሓድነትን ሰለስትነትንይገልጸልና። ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን ይብለና። ብሓቂ ነቲ ቅዱስ ፍቕሩ ይገልጸልና። ስለዘፍቐረና ካብሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ማእስር ሞት፡ ካብቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ደብዳቤና ክድምስስ መጺኡ ኣብ መንጎና ተረኺቡ ህይወት ሂቡና።ኣቦና ኣዳም ዝሰኣና ወሉድነት ብጥምቀት መስረተልና። ትሕትና ከኣ እታ ዓባይ ትምህርቲ ኮይና ኩልና ውልድነት እግዚኣብሔር ዝረኸብናብትሕትና ክንቅነት ከምዘለና ይምዕደና። 

ሓደ ሓደ ሰባት ስርሖም ከይመስከረሎምብኣፎም ወይ ብትምኒቶም ጥራይ ጻድቃን ወይ ጠቢባን ንክኾኑ ይሓስቡ።


ወላዲት ኣምላክ ቅድሚ ንጎይታምውላዳ ገረድ ጎይታ ክትከውን እያ ትምነ ነይራ። እዚ ኸኣ ገረዱ ዘይኮነት ወላዲት ኣምላኽ ክትከውን ኣብቀዓ። እዚ ከኣ ትሕቲ፡ንጽህቲ ብሕሊና ንጽህቲ ብስጋ፡ ንጽህቲ ብነፍስ ስለዝኾነት። 

ኣብያተ ክርስቲያናትና ወይገዳማትና ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ዝስርሓሉ ምኽንያት ካብ ብዙሕ ውሑድ ብዘይ ጻዕሪ ጻማ የለን፡ ካልእ ከኣ ካብ ታሕቲ እንተዘይጀሚርካንላዕሊ ከምዘይብጻሕ ምርዳእ። ኣብ ምሳሌ 30፡12 “ርኽሰቱ ዘይተሓጽበ ኣነ ንጹህ እየ ዚብል ወለዶ ኣሎ” ኢሉ ተመሲሉ። እዚ ኸኣዝገበርካዮ ዘይብልካ ንጽህና ምህቃን ማለት እዩ። ስለዚ ከይተሃወኽካ ኩሉ ቀስ ብቀስ ይብጻሕ እዩ። ብርሃናት ዓለም ሓዋርያ ጳውሎስከምዝበሎ “ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ጌሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግባእኣዕዚዙ ከይሓስብሲ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ በቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እምዕድ ኣለኹ” ሮሜ 12፡3። እምብዛ ጻድቕ ምዃን ማለትካብ ዝሰራሕካዮ ናይ ጽድቒ ስራሕ ንላዕሊ ከምዝሰራሕካ ምሕሳብን ካብ ዓቕምኻን ንላዕሊ ንዝኾኑ ነገራት ምምናይ ማለት እዩ። ብናይቤተ ክርስትያንና ትምህርቲ መሰረት ዓሰርተ ናይ ቅድስና ደረጃታት ኣለው። እዚኣቶም ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ጸማዌ፡ ልባዌ፡ ኣንብእ፡ጣእሙ ዝማሬ፡ ኩነኔ፡ ፍቅር፡ ሁሰት፡ ንጻሬ፡ ተመስጦን ከዊነ እሳትን እዮም። ጌና ኣብዞም መዓርጋት እዚኣቶም ከይበጻሐ ኣብ ላዕሊንዘሎ ናይ ፍጹማን መዓርግ እንተተመንዩ ንገዛእ ርእሱ እምብዛ ጻድቕ ጌሩ ማለት እዩ። እዚ ድማ ዘይብሉ ስለዝተመነየ ኣይጠቕሞንእዩ። ምኽንያቱ እምብዛ ጠቢብ ምዃን ማለት ካብቲ እትፈልጦ ንላዕሊ ከምእትፈልጥ ኳንካ ምሕሳብ ማለት እዩ። ሓደ ሰብ ክኾኖ ካብዝግባእ ንላዕሊ ክኸውን ዝብል እንተኾይኑ ሽግር ይገጥሞ እዩ፡ ማለት “እንቁርዖብ ክንዲ ሓርማዝ ክኸውን እየ ኢላ ብዙሕ ማይ ሰትያተተኪሳ” ክምዝብሃል፡ ዘይተማሃርሮ ከምዝተማህሮ ዘይፈለጦ ከምዝፈልጦ ኾይኑ እንተተሰሚዕዎ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሕ ጥበብኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ብዙሕ ጓሂ ኣሎ፡ እቲ ፍልጠት ዘብዝሕ ስቓይ የብዝሕ” ተባሂሉ ከምዝተነግረ ሓሳብ ብምውራድን ብምድያብን እዩዝደክም። መክ 1፡18።

ስለዚ ሓዋርያ ከምዝተዛረቦንገዛእ ርእስኻ ብምግታእ ከም ዓቕምኻ ምንባር ይግባእ። ሓደ እኳ ርእሱ ኣይጠብር። ገለ ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ምእንቲክኸውን ዓሻ ይኹን። 1ይ ቆሮ 3፡18 ብምባል እምብዛ ጥበበኛ እየ ካብ ምባል ርእስኻ ኣትሒትካ ኣይፈልጥን እየ ምባል ዝሓሸ ምዃኑኣስተምሂሩና እዩ።


ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እነንብቦእግዚኣብሔር ጸጋኡ ዘብዝሓሎም ብዙሓት ቅዱሳን በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ተመኪሖም “ንሕና ሓያላት ኢና” ኣይበሉን። ንገዛእ ርእሶም ደኣኣዋረዱ እምበር በቲ ዘለዎም ነገርስ ኣይተዓበዩን። እቲ ዓቢ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ዝኾነ ኣብርሃም ንኣጋእዝተ ዓለም ስላሴ ኣብገዝኡ ንምእንጋድ በቕዐ ጻድቕ ከነሱ “ኣነ ሐመድን ሓምኹሽትን እየ” ኢሉ። ዘፍ 18፡27። እቲ ነብይን ንጉስን ዝኾነ ቅዱስ ዳዊትውን ሳኦል የሳጉጎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንንጉስ ሳኦል ከምዚ ኡሉ ተዛሪብዎ። “ናይ እስራኤል ንጉስ (ሳኦል)ደድሕሪ መን እዩ መጺኡ ዘሎ፤ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ፤ ንምዉት ከልቢ ንሓደ ቁንጪ፤ 1 ሳሙ 24፡15። እዚ ጻድቕ ሰብ’ዚገዛእ ርእሱ ብትሕትና ከመይ ጌሩ ከምዘዋረደ እዩ ዘርእየና። ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ምዕራፍ “ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኮንኩን”ክብል ተዛሪቡ’ዩ። መዝ 22፡6 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ንዓይ ቁላዕ ንዘመስል” ተራእየኒ 1 ቆሮ 15፡8 “ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮምሓጥኣን ክብል እዩ ንገዛእ ርእሱ ዘትሓተ 1 ጢሞ 1፡16። 

ኣብርሃም’ውን “ዓሌታት ኩላምድሪ ድማ ብኣኻ ክባረኹ እዮም” ተባሂሉ ብእግዚኣብሔር ተጸዊዑ ከሎ ንነፍሱ ከም ሐመድን ሓሙኹሽቲ ደኣ ቆጸራ’እምበር ንገዛእ ርእሱስኣየጽደቐን። ዘፍ 12፡3። ቅዱስ ዳዊት’ውን ዋላ’ኳ እግዚኣብሔር “ከም ልበይ ዝኾነ ወዲ እሴይ ረከብኩ” ኢሉ ከም ዝመረጾ እንተፈለጠንነብሱ ከም ጻድቕ ኣይቖረራን 1 ሳሙ13፡14። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ብኢየሱስ ክጽዋዕ ከሎ “ምሩጽ ኣቕሓ” ከምዝተባህለ ይፍለጥ  እዩ። ግ.ሓ 9፡15 ኮይኑ ግና ሓጢኣተኛ ምዃኑ ተዛረበ’ምበር ንነብሱስ ከምጻድቕ ኣይቆጸራን። 

ስለዚ እምበኣር ካብዚ እንርድኦገዛእ ርእስኻ ምትሓት ደኣ እምበር ምልዓል ከምዘይግባእ እዩ ዘረድኣና። ሰለዝኾነውን ጠቢቡ “እምበዛ ጻድቕ እምብዛ’ውን በዓል ጸጋአይትኹን” ክብል ተዛሪቡ እዩ። ጎይታናውን ኣይኮነንዶ ብዘይገበርናዮስ ብዝገበርናዮውን እንተኾነ ክይንምካሕ “ዝተኣዘዝክምዎ ኩሉምስ ገበርኩም ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና እቲ ክንገብሮ ዝግባኣና ኢና ዝገበርና በሉ” ኢሉና’ዩ። ሉቃ 17፡10። ጠቢቡ ነዚ ዝተዛረበ፡ሰብ ብዘይ ልክዕ ገዛእ ርእሱ ንኽየጽድቕ እዩ። ነዚ’ዩ ኸኣ “ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ ኣሎ ረሲእ ድማ ብግበሪ እከዩ መዓልትታቱ ዘንዉሕኣሎ ነዚ ኹሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ረኣኹዎ” ዝበሎ። መክ 7፡15 “ጻድቕ ብጽድቁ ዝጠፍእ ኣሎ” ማለቱ ብዝገበሮ ሒደት ናይ ጽድቂስራሕ ምስ ተመክሐ ክምዝጠፍእ ከረድኣና ከሎ እዩ፡ “ረሲእ’ውን ብኽፍኣቱ ነዊሕ ዘመን ክነብር ከሎ” ማለት ነቲ ሓጥእ ዋላ’ኳ ነዊሕዘመን እንተሃቦ ኣብ ክንዲ በደሉ ተመልኪቱ ንስሓ ዝኣቱ ምስ ክፍኣቱ ክነብር መሪጹ ማለት እዩ። ስለዚ ህዝበ ክርስቲያን ጽድቅናብሕቡእ እምበር ብኣፍና ኣይኹን፡ ጥበብ እንተደለና ከኣ ናብቲ ጥበበኛ ተሞርኪስና ኣብ ትሕቲ ምሕረቱ ክነብር ትሕትና ክንዕጠቕ ይግበኣናእዩ እሞ ኩሉ ምስጋና ንእግዚኣብሔር ሂብና ብሰላም ክነብር ፍቓዱ ክንመልእ ብቅዱስ መንፈሱ ይሓግዘና። ወላዲት ኣመላክ ብቅድሚትንድሕሪትን ኮበኪባ ንዓስቢ ሰማያት ተብቕዓና።

ወሰብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድነግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

Saturday, October 8, 2011

መንፈሳዊ ምልምማድ



 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ቃል ኣምላኽ ካብ ንሰምዕውሑድ ኣይገበርናን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክንመላለስ ምኽርን ተግሳጽን ካብ ዝወሃበና ሎሚ ዘይኮነስ ትማሊ ኮይኑ። ከምቲ ሓደ ህጻንተወሊዱ ክሳብ እኹል ዝኾውን ዕብየት ዘርኢ ንሕና’ውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዕብየት ከነርኢ ኣሎና። ትእዛዛት እግዚኣብሔር ኣብምሕላው ዝወሰድናዮ ስጉምቲ እንታይ ኣሎ፤

ቅድሚ ዝኾነ ነገር ክንገብሮዝግበኣና ድኽመታትና ምልላይ እዩ። ከመይ እንተ ኢልና፡ ጌጋ የብለይን ዝብል ሰብ ንጎይታ ምድሕን ህይወተይ ክብሎ ኣይበቅዕን እዩ። “ንሓኪምሲሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን” (ማቴ 9፡12) ስለዝብለና። ብሓቂ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ዝግብኦዓቢ ህያው ቃል እዩ። ደጊሙ’ውን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ “ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን” ዕብ 12፡4 ። ስለዚ ድኽመታትና ኣለሊና ናብ ምውጋዱ ክንጽዕር እንተኾይናመንፈሳዊ ምልምማድ የድልየና። ኣድላይነት መንፈሳዊ ምልምማድ ዓቢ ኣተኩሮ ዘድልዮ ምዃኑ፡ ቅዱሳን እግዚኣብሔር በዚ ልምምድ’ዚ ምሕላፎምእዩ። ንኣብነት “እቲ ሰብኣይ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ” ዘሑ 12፡3።ነዚ ህያብ ክረክብ ዝኸኣለ ሙሴ ድሕሪ ብዙሕ ምልምማድ እዩ። መረጋገጺ ዝኾነና ሙሴ ቅድሚ ናብ በረኻ ምውጽኡ ብሕርቃን ዝኣክል ንሓደግብጻዊ ቀቲሉ ከምዝቀበሮ ዝዝከር እዩ (ዘሑ 2፡12)። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ንወዱ ጢሞቴዎስኣብ ዝጸሓፎ“እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅሞ ኣምልኾ ግና ንኹሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን”1 ጢሞ 4፡8  ክብል መኺሩናን ምዒዱናን እዩ። እዚ ከኣ“ብምሉእልብኻ ብእግዚኣብሔር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ምሳ 3፡5 ። ማለት ኣብ እግዚኣብሔር ምጽጋዕ እንኮ ኣማራጺሒዝና ክንቀርብ ኣሎና።

መንፈሳዊ ምልምማድ ኣብቋሕ ሰም ዝልመድ ኣይኮነን። ንኣብነት ትሕትና ክንማሃር መጀመርያ ብነፍስና ንጅምር። ነፍስና ባዕልና ዘይምንኣድ። ሓደ ምልምማድወዲእካ ናብቲ ካልእ ክትሰግር ጥበብን ዘይምህዋኽን የድሊ። ባዕልኻ ነፍስኻ ከም ዘይትንእዳ ምስ ኮንካ ኣጽኒዕካ’ውን ምስ ኣረጋገጽካናትካ ባህሪ ይኸውን። ናብ ካልእ ልምምድ ድማ ትኣቱ፡ ንሱ ኸኣ ውዳሴ ሰባት። ውዳሴ ሰባት ንትዕቢት ስለዘኸትል ነዚ’ውን ብሜላክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ቀጺሉ ዝመጽእ ሰባት ክውድሱኒ ከለው ሓጥኣተይ ዘኪረ ይጥንቀቕ እናበልካ ንሓደ መንፈሳዊ ልምምድ ብዓወት ትዛዝሞ።14 ቀጸላታት ናይ ፍቕሪ ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብዓ ቆሮንጦስ ኣብ ዝገለጾ ኩሉ ብሓንሳብ ክላመዶ እየ ክትብልወላሓንቲ ከይተላመድካ ግዜኻ ትባኽን (1 ቆሮ 13 )። ስለዚ ኩሉ ብዓቕሊን ዘይምህዋኽን ንግበሮ። 
ንኣብነት ጾም እንተወሲድና፡ ጥልላት ዘይምብላዕ ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ምውዓል ወይ ምውዓልን ምሕዳርን እዩ። ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ዝኾነጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ“ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ ድሕርዚ ጠመየ” ማቴ 4፡2ይብለና። ጾም ንጸውም ኣለና ክንብል እንተኾይና መጀመርያ ጥምየት ክስመዓና ኣለዎ። እዚ ከኣ ሎሚ ሓንቲ ሰዓት እንተ ጠሚና ጽባሕከኣ ክልተ ከምኡ ኢና በልና ጾም ሓደ ካብ ባህርያትና ይኸውን።

ምኽሪ መንፈሳዊ ልምምድ፡
  • ፍሉይንንጹርን ዝኾነ ምልምማድ
  • ዓቕምኻዝኾነ ከተተግብሮ እትኽእል ልምምድ
  • ቀጻልነትልምምድ፡ ንኣብነት ህዱእ ክኸውን እየ ኢልካ እንተወሲንካ እሞ ኸኣ ኣብ ጫውጫው ዝመለኣ ዓለም እናነበርካ ነቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ዕላማዕንቅፋት ክኾነካ የብሉን። ዘረባይ ከሕጽሮ እየ ኢልካ ትጅምር። ንሓንቲ ቃል ዘድልያ ምሉእ ሓሳብ ክህበላ ኣየድልን፡ ንሓደ ምሉእሓሳብ ዘድልዮ ኣስተምህሮ ክህበሉ የብለይን ምባል። ብዙሕ ቃላት ናይ ዝተጠቀምካ ብዙሕ ይሰምዓካ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ምስወዳእካ፡ኣብ ኣድላይ ክዛረብ ኢልካ ምውሳን፡ ዓው ኢልካ ዘይምዝራብ፡ ትሑት ድምጺ ምጥቃም ከምኡ እናበልካ ልሳንካ ትእድባ፡ ነታ እሳት ዝኾነትልሳንካ ንኹሉ ኣካልካ እትምርዝ ልሳን ጌጋታታ ተሕጽሮ።  
  • ምሳሌ 24፡16 “እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ጻድቕ ከምዚ ካብ ኮነ ኣብ ምውዳቕካ ኣይትተሓለል። ምኽንያቱምውዳቕ ንቡር እዩ እቲ ዘይንቡር ግና ዘይምትንሳእ እዩ። ምውዳቕካ መንፈሳዊ ብስለት እናኣጥረኻ ጸላኢኻ ከመይ ጌሩ ከምዝዋገኣካተለልየሉ ሜላ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ንኻልኦት መወከሲ ትኸውን። ብተወሳኺ ኣብ ምውዳቕ ዝምልከት ቀጻሊ ዕውት ምዃን ናብ ትዕቢትስለዝመርሓካ ትሕት ንኽትብል ይሕግዘካ። ካብቲ ምሕረቱ ዘይውዳእ ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላክ ሓይሊን ጽንዓትን መለመኒ ይኾነካ።


ምንጪ፡ (The Spiritual Means:Spiritual Training)
ብብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ
መበል 117 ፖፕ መንበረ ማርቆስን
ፓትርያርክ እስክንድርያን

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!!!