Friday, February 3, 2012

ማዕተብ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!


ማዕተብዐተበካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ኣመልከተ፡ ባረኸ፡ ካብ ሸበድበድ ሃድአ፡ ዝብል ትርጉም ዝሐዘ እዩ። ማዕተብ ከኣ ምልክት እምነት ወይ ዕላመት ማለት እዩ። ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣነስ ዕላመት ኢየሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣለኹ በለ፡ (ገላ617) መከራ ክርስቶስ ንኽቕበል ድልው ስለ ዝነበረ እዩ።

ማዕተብ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት እምነት እዩ። ማዕተብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ደቂ እስራኤል ኣብ ክሳዶም ይኣስሩ ከም ዝነበሩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገለጽ። ታሪኽ ይሁዳን ታማርን ምስ እንርኢ፡ ድልየቱ ንምፍጻም ትሕጃ ክህባ ኣብ ዝለመነትሉ፡ ምስ ሰኣነ፡ ቀለቤትካን ማዕተብካን እታ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን ሃበኒ በለቶ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ብማዕተቡን በትሩን ተረትዐ። (ዘፍ 3812-23) ታማር ንማዕተብ ከም ትሕጃ ምቕባላ፡ ኣብዚ ክብሪ ማዕተብ ንግንዘብ። 

ማዕተብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንምጀመርያ ግዜ ዘእተወ ኣቦ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ዘኣልበረድእ እዩ። ብዘመነ ሰማእታት ክርስቲያን ከቢድ ግፍዒ ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ እዋን፡ ከተማ ኣንጾኪያ፡ እታ ዝሓሸት ሰላም ዝለመልአ ከተማ ነበረት እሞ፡ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝን ዝመጹ ክርስቲያን ኣብኡ ይእከቡ፡ ዝጥመቑ ሕጻናት ድማ ኣዚዮም ብዙሓት ነበሩ። ኣብዚ እዋን ነቶም ዝተጠምቁን ዘይተጠምቁን ምትሕውዋስ ንኸይከውን፡ ነቶም ዝተጠምቑ ጻዕዳ ፈትሊ ኣብ ክሳዶም ኣሰረሎም፡ በዚ ኸኣ መላለዪ ምልክት ኮነ። ካብ እዋን ጀሚሩ ከኣ ኣቦታት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ካብ ኣህዛብ ፈልዩ መላለዪን፡ ከምኡውን ብጥምቀት ዉሉድነት ስላሴ ዝረኽቡ ምዃኖም ዝምስክር ምልክት ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቡ ንኹሉ ውሉድ ጥመቀት ክኣስረሉ ጀመሩ። ኣብ ሃገርና ኤርትራማዕተብምእሳር ምስ ምእታው ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ዝኣተወ እዩ።
 
ትርጉም ማዕተብ ካብ ኣህዛብ ፈልዩ፡ ደቂ መዛሙርቲ ክርስቶስ ምዃና ይምስክር። ክርስቲያን ምኻንካ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብማዕተብካ የለልየካ። ብዙሓት ናይ ዘመና እምነት ኣሎና በሃልቲ፡ እምነት ኣብ ልብኻ እምበር ኣብ ክሳድካ ማዕተብ ስለዝገብርካ ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ግና እምነት ዘለዎ ልብስ ንማዕተብ ኣይትጸልእን እያ። እምነት እንተ ዝህልዋ ኔሩስ፡ ዕላመት ክርስቶስ ክትጸውር ኣይምጸልአትን ነይራ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢኹም ድሕሪ ምባል ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ። በለ (1 ቆሮ 620) ስጋና ናይ ክርስቶስ ምልክት ዝኾነ ማዕተብ መስቀል ክትጸውር ኣይግባእን ማለት፡ መሰረት ምልኣት እምነት ኣይኮነን። እምነት ምልኣት ክህልዋ፡ ብውሽጢን ብደገን ምስ ትትግበር እያ። ሓደ ሰብ ብውሽጡ እምነት ኣሎኒ እንተበለ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ብማዕተብ ክርስቲናኡ ክገልጽ ሓፋርን ፈራህን እንተኾነ፡ ከምቲ ጐይታ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ እዩ፡ ዝኽሕድ ዘሎ። (ማቴ 1032) ስለዚ ብማዕተብ ስቅለት ጐይታና ኣብ ስጋና እዩ ዝገልጽ። (ገላ 617)።

ማዕተብ ንዶግማ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ክሳድና እንኣስሮ ሓደ ፈትሊ በይኑ ወይ 3 ብሓደ ዝፍተል ማለት (ብሰስተ ሕብሪ) ዝቀውም እዩ። እዚ ጻዕዳ ምስ ዝኸውን፡ ብደም ክርስቶስ ከም ዝነጻህና የመልክት። ክምኡውን ኣዕጽምቱ ክሳዕ ዝርአ ስለና ክብል ከም ዝተገርፈ የመልክት። ቀይሕ ብደሙ ከም ዝደሓነና ከመልክት ከሎ፡ ጸሊም ድማ ስጋ ለቢሱ ኣብዛ ዓለም ከም ዝተገልጸን ስለና ክብል ስጋኡ ክሳዕ ዝርግፉ ከም ዝተሳቀየን ይገልጽ። 3 ፈትሊ ኣብ ሓደ ጠምጢምና ኣብ ክሳድና ምእሳርና፡ ናይ ሓድነትን ሰለስትነትን ስላሴ የመልክት። በዚ ኸኣ በቲ ሓደ ንልዑል ብዝኾነን ብጐይታናን መድሓኒናን፡ ብምፍሳስ ደሙን ብምቁራስ ስጋኡን ድሕነት ከም ዝረኸብና ንኣምን። ንእምነትና ኸኣ፡ ኣርማ ክርስቲያን ብዝኾነ፡ ብማዕተብን መስቀልን ንገልጾ። ወዘልፊ፡ ንጸውር ሞቶ ለክርስቶስ በስጋነ፡ ከመ ይትዓወቅ ሕይወቱ ለክርስቶስ በላዕለ ዝንቱ ነፍሳትነ፡ መዋቲ። ትርጉም ህይወት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሀድውን፡ ኩሉ ሳዕ ሞት ኢየሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና (2 ቆሮ 410) ከምቲ ቃልና ምስክር ክርስቶስ ክኸውን ዝግብኦ፡ ኩሉ ኣካላትና ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ ዝተፈጥረ፡ ክሳድናውን ክሳዕ ሞት እሙን ብምዃን ክምስክር ይግባእ እዩ።

ማዕተብ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢና ንኣስሮ።
ክርሰቲያን ብቓሉ ብግበሩ፡ በካይድኡ፡ ንኽብሪ ክርስቶስን ምስክሩን ክኸውን ከም ዘለዎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ዘበለ ኹሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን ኣለኹ።” (ፊል 19-11) ቅዱሳን ኣበው፡ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስርዓት ኣምልኾ እንታይ ምዃኑ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ገሊጾምልና እዮም። ማዕተብ ከኣ ሓደ ካብ ናይ እምነት ምስክርን ምልክትን ምዃኑ ፈሊጥና ንመጋየጺ ዘይኮነ፡ ንሓቀኛ ውሽጣዊ እምነትና ዝገልጽ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክንኣስሮ ይግባእ። በታ ቅዱሳን ዘርኣዩና መገዲ ድማ ንመላለስ። ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብኹሉ ንኣት ክጽሕፈልኩም ምስደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ክመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ኾነኒ። (ይህ 3)

ምንጪ፡ መሰረት እምነት ብመም. ዘርአ ገብረእግዚኣብሔር
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!! (Click to read in PDF)

Wednesday, February 1, 2012

እቲ ጥፉእ ወዲ (ሉቃ 15፡11-31)


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!!!


ደጊም’ሲ ኣብ ቤት ኣቦይ ይኣኽለኒ
ምስ ካልኦት ኣብ ደገ ምንባር ይሕሸኒ
በልኩ ብድፍረት ከይፈለጥኩ ኣየን ከም ዝጠቕመኒ
                  ሓወይ ሓፍተይ ተጋግየ ድየወይስ ሓቀይ
                  ካብ ቤት ኣቦኻ ወጺኻ ዝርከብ ስቓይ
                  ዘንብዕ እዩ ዘጣዕስ ዳሕራይ
ድሕሪ ነዊሕ ከርተት
ምስ ብዙሕ ናፍቖት
ቤት ኣቦይ በሃግኩ ክምለስ ብትብዓት
                   ኦ ኣቦይ ይቕረ በለኒ
                   ከም ወድኻ ዘይኮነ ከም ግዙእካ ሕሰበኒ
                   መጺኤ ኣለኹ ምሕረትካ ሃበኒ
መርሓባ ዝወደይ ኢሉ ቚፈኒ
ንብዓተይ ደሪዙ መኒ
ክገልጾ ይክእል ሓጎስ ተሰመዓኒ
                     ኣብ ቤት ኣቦይ ምሉእ ፍቕሪ ‘ሎ
                     ስብሕቲ ላም ሓሪዱ ዝዳሎ
                     ብታማል ዘይኮነስ ሎሚ ከመይ ኣሎ
ስለሲ እወ ስለዚ ናብ ደገ ዘጠምት ኣየድልየንን
ትእዛዛካ ክፍጽም ፍቓድካ ክመልእ ኣየጉድልን
ተረቲዐ’የ ሎምስ ንድሕሪት ኣይምለስን  

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
እቲ ጥፉእ ወዲ (ሉቃ 15፡11-መፈ)
ኣቦ፡ - ፍቕሪ፡ ርህሩህ፡ ለዋህ፡ መሓሪ፡ ብሕሉፍ ኣበሳ ዘይጸባጸብ።
እቲ ጥፉእ ወዲ፡ ናብ ኣምላኽ ተመሊሰስ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ (ንስሓ)

ዓቢ ወዲ፡ ዓቢ ወዲ ኣስጋኢ ዝኾነ ጠባይ ዝሓዘ እዩ። ምኽንያቱ ብምምላስ ሓው ባህ ዘይበሎ፡ ብምሕረት ወላዲኡ ዝጎሃየ እዩ። ኩሉ ጸጋታት ዝሰኣነ፡ ኣብ ውሽቲ ቤት እግዚኣብሔር፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ለዋህ ኣምላኽ ዘሎ ግን፡ ብህይወት ክነብር ዘይክእል እዩ። ምሕረት ኣብ ልቡ ዘየለ፡ ኣብ ሰማይ 99ተን ነገደ መላእክት እንዳ ተሓጎሱ ክሕጎስ ዘይክእል። እዚ ድሕሪ ኩሉ ከትርፍ ዝኽእል ጠባይ እዩ።

ኣብቲ ታሪኽ ክንምለስ ከሎና፡ ንብዙሕ ዓመታት፡ እቲ ንኣቦኡ ዘይሓደገ፡ ብምኽሪ ወላዲኡ ዝኸደ፡ ሃብቲ ወላዲኡ ዘይዘረወ፡ ብጌጋ መንገዲ ዘይከደ፡ እቲ ዓቢ ወዲ እዩ። መፈጸምትኡ ግን ሕማቕ ዝኾነ፡ ብምሕረት ወላዲኡ ዘይዓገበ፡ ብምምላስ ሓው’ውን ሕጉስ ዘይኮነ። ጨካን ልቢ ሒዝካ፡ ናብ ንስሓ ክትኣቱ ጊዜ የብልካን፡ ብሓጎስ ኣቦኻ ድማ ኣይትሕጎስን።

<<እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ኪዀኑ እዮም>> ማቴ 20፡16 ከም ዝበለ። ክንማሃረሉ ዝግበኣና ንሕና ስለዝኾና፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እንከሎና ደገ ቤተ ክርስቲያን ንነብር። ከመይ! ሎሚ መንገዶም ቅኑዕ ዝመስሉ መፈጸምትኦም ግና ክፉእ ዝኾኑ ኣለና። ቀዳሞት ዝነበሩ፡ ዳሕሮት ክኾኑ እዮም ከም ዝበለ። ቤተ ክርስቲያን ዘይመላለሱ ዝነበሩ ንኹልና ክቅድሙና ይኽእሉ እዮም። መፈጸምትኦም ጽቡቕ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዚ ብኣቦና እንተዘይዓጊብና፡ ብሓውና’ውን እንተ ዘይተሓጎስና ዕድልና ክፉእ ክኸውን እዩ።

እቲ ዓቢ ወዲ፡ ዝሓስቦ ኩሉ፡ ኣነ ንኣቦይ ዝሓገዝኩ፡ ኣነ እየ ገንዘቡ ዝዓቀብኩ፡ ካብ ኣቦይ ዘይረሓቅኩ፡ . . . . ። እዚ ስምዒት እዚ እዩ፡ ናብ ቁጥዐ ዘድሃብሉ። ምኽንያቱ ኣቦ ብወዱ ተሓጒሱ ጥራይ ኣይተረፈን፡ ምስ ዓቢ ሓው ውን ኣመዓራርይዎ እዩ። ክንድዚ ዝኣከል ዓመታት ምስ ኣቦ ክጸንሕ ከሎ፡ ዋጋ ከም ዘይብሉ ገይሩ ተቆጺሩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ እዩ እቲ ዓቢ ወዲ። ቅንኢ ኣብ ህይወትና ስፍራ እንተሃሊይዋ ብሕማም ቅንኢ ኢና ንወድቕ። እቲ ጥፉእ ንእሽቶ ወዲ፡ ኣንነት ኣይነበሮን፡ ቅዱስ ቅንኢ ግና ነይሩዎ፡ ናብ ሑቕፊ ወላዲኡ ከም ብሓድሽ ምእታው ዘይኮነ ተመኒዩ፡ ሓደ ካብ ኣገልገልቲ ክኸውን። ትሕት እዩ ዝበለ። ስለዚ ትሕትና እምበር ኣንነት ኣይኮነን ሒዙ ተመሊሱ። ኣነ ይሓይሽ ዝብል ዝንበረ ዓቢ ወዲ ግና፡ ኣቦ ብምምላስ ዝሞተ ወዱ ስለዝተሓጎሰ፡ ተቆጢዑ፡ ሓሪቑ፡ ባህ ኣይበሎን።

<<ተገውትን ኣመናዘርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚአትው፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።>> (ማቴ 21፡31) ይብል እቲ ቅዱስ ቃል እግዚኣብሔር።

ኣብ መንግስተ ሰማያት መወዳእታ ካብ ምዃን፡ ኣብ ምድሪስ መወዳእታ ምዃን ይበልጽ። ሓውና ጽቡቕ ክረክብ፡ ክንሕጎስ ኣሎና። ሑቕፊ ኣቦና ክብሪ ክንህቦ ይግባእ።

ብናይ ደቂ ሰባት ኣተሓሳስባ፡ ኣቦ፡

1.    ኣበይ ገይርካዮ እቲ ዝሃብኩኻ ገንዘብ፤
ሃብታም ኣቦ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ገንዘብ ሂብዎ እዩ፡ ሰለዚ ንብዙሕ ዓመታት ናብ ቤት ኣቦኡ ንከይከይድ ዝደረኾ፤ እዚ ሕቶ’ዚ እዩ።
2.   ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት እንታይ ገይርካ፤
ጊዚኡ ኣብ ሕማቕ እምበር ኣብ ጽቡቕ ከም ዘይሕለፎ ተገሊጹ እዩ።
3.   ኣይቅበለንን’ዩ ዝብል ጥርጣረ፤
ምኽንያቱ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንተ ሪእና፡ ዳዊት ወዱ ኣቢሰሎም ንኣምኖን ምስ ቀተለ፡ ዳዊት ንወዱ ከይረኸበ 3 ዓመት ገይሩ። 2 ሳሙ 13
4.   ናብ ዝነበርካዮ ተመለስ፤
ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሕና ንሓስቦ፡ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ሓሳብ ወጻኢ ምስ ዝኸውን፡ ካብ ንስሓ ንሃድም። ኣኺሉና ንጠፍእ፡ ምኽንያቱ ንእግዚኣብሔር ሕኒኡ ዝፈዲ ኮይኑ እዩ ዝስመዓና። ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕቶታት፡ ሓንቲ ክምልስ ኣይክእልን እዩ ነይሩ እቲ ጥፉእ ወዲ፡ <<ሓደ ካብ አገልገልትኻ ቁጸረኒ>> ጥራይ።
ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ ዕድመና እግዚኣብሔር ኣይቅበለናን እዩ ንብል ብውሽጥና፡ ስለዚ ናብ ንስሓ ቀልጢፍና ኣይንምለስን። ወይ እግዚኣብሔር ከም ደቂ ሰባት ኮይኑ ምስ ዝረኣየና፡ እዚ እዩ ኢደይ፡ እዚ ኹሉ ዝሃብኩ ነዚ ንኽትገብር እዩ፡ ንምንታይ ከምዚ ገርካኒ፡ እዚ ኩሉ ካብዝን ካብትን ኣራርየ ዝኣከብኩልካ ገንዘብ ከምዚ ገይርካ ከተጥፍኦ፡ እዚ ኩሉ ገንዘብ ዝጠፈአ ዝረብሕ ነገራት ምገበርናሉ ነይርና። ኣብ እግዚኣብሔር እዚ ኩሉ የለን፡ <<ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ። . . . ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ።>> ካብቲ ዝሓስቦ ዝነበረ፡ ባርያ ምዃን፡ ብዛዕባ እቲ ዝጠፍአ ገንዘብ፡ ኣብ ከመይ ዓይነት ህይወት ይነብር ከም ዝነበረ፡ እንታይ ገይሩ ምስ መን ዓንዲሩሉ ኣይተሓተን። ካብ’ቲ ዝሓስቦ ዝነበረ፡ ካብ ግምቱ ንላዕሊ እኳ ደኣ ዝበለጸ።




ብዛዕባ ኣብ ዝፈልጥ ሓደ ወልድ ጥራይ እዩ፡ <<ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ኸኣ ኪገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን።>> (ሉቃ 10፡22) ሑቕፊ ኣቦኡ ዝፈልጥ ወዲ ጥራይ እዩ፡ ነዚ ሑቕፊ ዘስተማቐረ ድማ ኣየልግስን እዩ።
ሕማቕ ነገራት ዝግምት ዝነበረ ጽቡቕ ኣጓኒፉዎ።
ዓቢ ወዲ፡ ኣቦኡ ንሓው ከም ዘይቅበሎ እዩ ገሚቱ ነይሩ። ወይ ኣብ ትሕቲ ኣቦኡ ባርያ ኮይኑ ክሰርሕ ገሚቱ ነይሩ ይኸውን። ኣቦኡ ኣርኣያ ክገብሮ፡ መለበሚ ኣይኽላካ ከም ዝበሃል፡ ሓውኻ ጠንጢኑኒ ስለዘይከደ ገንዘቡ ኣይዘረወን፡ ወይ ኣቦ ንዓቢ ወዱ፡ ሓውኻ እንታይ ክንገብሮ ኢሉ ዘማኽሮ መሲሉዎ ነይሩ ይኸውን። እዚ ግን፡ ኩሉ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይኑ። ናይ ክልቲኦም ውሉድ ትጽቢት ኮንቱ ኮይኑ፡ እቲ ዓቢ ወዲ፡ ብስስዕቲ ካብ ወላዲኡ ምሕረት ክመሃር ኣይከኣለን፡ ነቲ ሓደ ሓው ውን ከፍቅር ኣይከኣለን። እቲ ጥፉእ ወዲ ድማ፡ ቀልጢፉ ንኸይምለስ ዝኣገሞ ሓሳባት ናይ ፍርሒ፡ ናይ ኣቦ ርህራሀ፡ ናይ ኣቦ ሓሳብ ክርዳእ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ፡ እቲ ናይ ሓጎስ ዳንኬራ ንሱ ከይመጸ ተገይሩ፡ ሕጉስ ስለዘይነበረ ድማ፡ ስብሕቲ ላም ዝተሓርደትሉ ሓው ርእዩ፡ ማሕስእ እኳ ኣይሓረድካለይን ብምባል ተቃጺጹ። ካብ ዘገርም ግን፡ ኣቦ ንዓቢ ወዱ ንኽረክብ እዩ ወጺኡ እምበር እቲ ዓቢ ወዲ ክሳዱ ስለዘትረረ ክኣቱ ኣይከኣለን፡ <<ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ>> ይብል እቲ ቃል።

<<ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዐየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዐመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፡ ዚብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ፡ ኽንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፡ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ።>> (ማቴ 20፡12-15) ።
<<ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ።>> ናይ እግዚኣብሔር ሕያውነት ንደቂ ሰባት የቕንእ ኣይገርምን?!!! ብምውድዳር ኢና ንዓዪ ዘሎና፡ ኣነ ክንድዚ ሰራሕኩ ኢና ንብል፡ ሓውካ ኰ ስራሕ ኣይነበሮን፡ ደሓር ኰ እዚ ገንዘበይ እዩ፡ ኣብ ገንዘበይ ድማ ድላየይ ክገብር እየ። ምሉእ ዕድሜኡ ዝሰረሐ ኣሖጒሱኒ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ዘርከበ ድማ ሕጉስ እየ። ጌጋ ስእሊ ናይ እግዚኣብሔር ኣሎና፡ ሓደ ሰብ ዕድሜኡ ምሉእ ኣብ ሓጢኣት ዝነበረ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ልቡ ተመሊሱ ናብ እግዚኣብሔር ኣቅኒዑ፡ ተናሲሑ ኣገልጋሊ እንተ ኾነ፡ ብቅንኢ ጣዕ ክንብል ንደሊ ንምንታይ፤ እግዚኣብሔር ክርሕርሃሉ ኣይክእልን፤ ንእኩያን ክምሕር ከሎ፡ ንምንታይ ነዕዘምዝም፤ ሕያውነቱ ንምንታይ ዘይሐጉሰና፤ እዞም ሰባት እዚኦም ኣይግብኦምን እዩ ንምንታይ ንብል፤ <<ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪ ክስፈረልኩም እዩ>> (ማቴ 7፡1) ከም ዝተባህለ፡ ሓጢኣትና ጥራይ ክንርኢ ዘይንፍትን፤

ኣተሓሳስባና ቅኑዕ ክኸውን ይግባእ፡ ቅዱስ ፍርሒ፡ ፈሪሀ እግዚኣብሔር ናብ ሓጎስ የብጽሕ። ትዕቢት፡ ዘይብልካ ኣለኒ ምባል፡ ናብ ጥፍኣት የምርሕ።

ኣነ ክንድዚ ዓመት ኣገልጊለ፡ ካልእ ዋኒነይ ሓዲገ ከምዚ ገበርኩ ከምዚ ውን ደገምኩ፡ ዘይወሰድኩዎ ውርሻ ምሳኻ ኣሎኒ። ካብቶም ካልኦት ኣነ ይበልጽ፡ ክንብል ከሎና፡ ንወድቕ። ምውዳቕና ድማ ዘስካሕክሕ ክኸውን እዩ። ምኽንያቱ ትሕት ክንብል ኣይከኣልናን፡ ኩሉ እቲ ዝሓሰብናዮ ናትና ኮይኑ ዝስመዓና ናይ እግዚኣብሔር እምበር ናትና ኣይኮነን። ብቅጽበት ዓይኒ ክጠፍእ ድማ እዩ። እግዚኣብሔር እኮ ኣብ ትሕቴና ኣይኮነን ዝሰርሕ፡ ንሕና ኢና ዝግብኦ ክብሪ ክንህቦ ዘሎና፡ ከነመስግኖ፡ ኣመስጊና ‘ኳ እንተኸኣልና።   

·       ሓጢኣት ምውድዳር፡
ሓጢኣት ደረጃታት ነውጸኣሉ፡ እዚኣ ካብታ ካልአይቲ ትዓቢ ወይ ትንእስ ኢና ንብል ዘሎና፡ ንሓጢኣት ንፈላልዮ ኣሎና።

እቲ ጥፉእ ወዲ፡ ሓደ ንኣቦኡ ክብሪ ኣይሃበን ክወጽእ ከሎ፡ ሃብቲ ኣቦኡ በቲኑ፡ ምስ ካልእ ዘይፈልጦ ወዲ እታ ሃገር ተዓሲቡ (ምሳሌ ዲያብሎስ እዩ) ምስ ዲያብሎስ ምትሕብባር ማለት እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መጓሰ ናይ ሓሰማታት ሰሪሑ፡ ማለት እቲ ዝኸፍአ ናይ ርኽሰት ደረጃ ምብጻሕ እዩ። እዚ ጥፉእ ወዲ፡ ካብ ቤት ኣቦኡ ስለዝተፈልየ፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ጠቕላላ ጠፊኡ እዩ። እዚ ዕልወት ናይ መዓልታት ጥራይ ዘይኮነስ ንብዙሕ ዓመታት እዩ ነይሩ።

እቲ ዓቢ ወዲ ግና ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ሓንቲ ኳ ኣይገበረን። ካብ ኣቦኡ ኣይተፈልየን፡ ንኣቦኡ ኣኽቢሩ፡ ዕብየት ኣቦኡ ተረዲኡ፡ ካብ ትእዛዙ ኣይወጸን። እታ ሓንቲ ዝገበራ፡ ፍቅሪ ተሳኢናቶ። ንሓው ከፍቅር ኣይከኣለን። ክናሰሓላ ኣይከኣለን። እዛ ሓንቲ ሓጢኣት ምስተን ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ናይ ጥፉእ ወዲ ክወዳደራ ከለዋ፡ ፍቕሪ ዘይብሉ ኩሉ ኮንቱ እዩ ዝኸውን። ስለዚ እቲ ዝበኣሰ ሓጢኣት ፍቕሪ ምጉዳል’ዩ።

ሓደ ሓደ እዋን፡ ሕልናና የታልለና፡ ኣይሰርቅን’የ፡ ኣይሓምን’የ፡ ኣይሕሱን’የ፡ ኣይዝሙን’የ፡ ስለዚ ጽቡቕ ኣለኹ ንብል ንኸውን። ሰባት ኣብ ጌጋ መንገዲ፡ ኣነ ግን ቅኑዕ ኣለኹ ንብል ንኸውን። እዚ ኩሉ ናተይ፡ ምስ ሓወይ ክወዳደር ከለኹ ጽቡቕ ኣለኹ ንብል። ንነፍሰይ የታልል። ንሓወይ ከፍቅር ስለዘይክእል ስለዝኾንኩ ድማ፡ ድሕሪ ሓወይ ተሰሪዐ ይተርፍ። ንስሓ ክኣቱ ከመይ ገይረ፤ ጽቡቕ እንድየ ዘለኹ። ሓወይ ግና፡ ንስሓ ምስ ኣተወ፡ ፍጹም ነጸሀ። ልቡ ቀዲዱ፡ ነቢዑ፡ ፍጹም ተመሊሱ።

ቁጥቁጥ ልቢ ዘለዎ ሰብ፡ ከፍቅር ይኽእል።

እቲ ጥፉእ ወዲ፡ ኣህዛብ፡ ዓቢ ወዲ ድማ፡ ህዝቢ እስራኤል ይምሰሉ።

ንሕና ንእግዚኣብሔር ዘይንፈልጦ ዝነበርና፡ ሕጂ ከቢርና፡ ንዘልኣለማዊ ህይወት ጽውዓት ኰና፡ ብጸጋ ጥምቀት፡ ውሉድነት ሥላሴ ተቀቢልና፡ ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ተቀቢልና ሕብረት ምስ ክርስቶስ ረኺብና።

ህዝበይ ኢሉ ካብ ኩሉ ሓርዩ ንእግዚኣብሔር ቅድሚ ኩሉ ዝተዓደሙ ሕጂ ድሕሪት ተሪፎም፡ ከምዚ ስለዝረኸቡ ግና፡ ነቲ ዓበይቲ ጸጋታት ዝረኸብናዮ ክረኽቡ ዓይነ ልቦንኦም ክኸፍተሎም፡ ክንጽልየሎም ይግባእ እምበር፡ ንሕና እናበልና ክንዕበ የብልናን። ምኽንያቱ ብምሕረቱ እምበር ብግብርና ኣይኮናን ነዚ ጸጋ ውህበት እግዚኣብሔር ረኺብናዮ ዘሎና። ፍቕሪ ዘይናታ ኣይትደልን፡ ናታ ውን ኣይትኸልእን።

መን እዩ ንኣቦ ዝመስል ዘሎ፡ ኣብዚ ዛንታ፡ እቲ ጥፉእ ወዲ እዩ። ምስሊ ኣቦኡ ዘለዎ፡ ርህሩህ፡ መሓሪ፡ ፍቕሪ ዘለዎ እቲ ጥፉእ ወዲ እዩ። ልቡ ተሪር ዝኾነ ግና እቲ ዓቢ ወዲ እዩ። ምሕረት ኣብ ልቡ ዘየለ። ኣቦ እዩ ነቲ ዓቢ ወዲ ወጺኡ ዝለመኖ። ስለዚ ምስሊ ኣቦ ዝኾነ ንእሽቶ ወዲ፡ ንኣቦኡ ስለዝመስል፡ ንኣቦኡ ኣርኪቡ፡ ንሓው ምለመኖ፡ ምኽንያቱ እቲ ሓጎስ ምሉእ ሓጎስ ክኸውን፡ ነቲ ዓቢ ወዲ ምስኦም ኣብ’ቲ ሓጎስ ምስ ዝሳተፍ እዩ።
ክርስቶስ ስቃይ እዛ ዓለም ስለዝፈተነ፡ ብዲያብሎስ’ውን ስለዝተፈተነ፡ ቅድሜና ኩሉ መከራ ስለዝጸገበ፡ ኩሉ ዘድልየና ይፈልጥ እዩ።

መልክዕ ኣቦ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ድንቂ ዝኾነ መልክዕ እዩ።
ሓደ ዝተናሰሐ ሓጥእ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝምለስ፡ ከመይ ገይርካ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ከም እትነብር ስለዘይፈልጥ፡ ብዙሓት ምስሊ እቲ ዓቢ ብጸርፍን፡ ዘለፋን ይቅበልዎ። ንእግዚኣብሔር ድማ ነጒሂ። ንምንታይ እዮም፡ መላእክት ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ገይሮም ከለው፡ ንሕና እቶም ሕሩያን ኢልና ዝተሰመና፡ ንሓጎስ እግዚኣብሔር ንቃልል፤ ንምንታይ በታ ሕማቅ እትርኢ ዓይንና ንርኢ። ምስ እግዚኣብሔር ክንሕጎስ ዘይንፍትን። ብሓጎስ ኣቦኻ ዘይትሕጎስ እንተኾይንካ፡ ከመይ ገይርካ ምስሊ ኣቦኻ ክትለብስ፤ ሰማይ ኩሉ ተሓጒሱ፡ ንስኻ ግና ክትሕጎስ ዘይትኽእል።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን!!!