Saturday, February 18, 2012

ጾም ከም ጸሎት


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን!

 ጸሎት ምስ ጾም ምስ ምጽዋትን ስግደትን እንተኾይኑ ዝሰምር እዩ። ብፍላይ ጾምን ስግደትን ኣብ ዘለዎ ጸሎት ናይ ግድን እዩ። ጾም ቁስለ ነፍሲ ትፍውስ ኃይለ ፍትወት ተድክም፣ ናይ ኩሉ ጽቡቅ ምግባራት መጀመሪት፣ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸጋ ተውህብ፣ መጀመሪ ስራሕ ወንጌል፣ ናይ ጽሙዳን ክብሮም፣ ናይ ንጽህና መግለጺት ሰውነትና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሕት ኣቢልና ብምውራድ ንትሕትና ገንዘብና ንኽንገብራ ትሕግዘና መድኃኒተ ነፍሲ ናይ ጽድቂ በሪ እያ።
 ኣብ እዋን ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጸሉ፣ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝበዝሓሉ ሰብ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ቤተሰባዊ ምቅርራብ ዘዛይደሉ፣ ስለ ገዛእ ርእሱን ስለወገናቱን ሓጥያት ዝሓዝነሉን ናብ እግዚአብሔር ዝምልሰሉ ፍሉይ እዋን እዩ።
 ሓደ ሓደ ሰባት ንሥጋኦም ብምፍታው ስለዘይጾሙን ዘይሰግዱን ዘይጽልዩን ነፍሶም ይጎድኡ። ኮይኑ ግን ነፍሲ እንዳደኸመት ሥጋ ብምቾት እንዳጠዓማ ክትከይድ የብላን። ንነፍስና ንምድሓን ፈቃደ ሥጋ መሥዋእቲ ብምግባር ንፈቃደ ነፍሲ ከነግዝአ ናይ ጾም ዓቢ ዕላማ እዩ። ጾም ንፈቃደ ሥጋ ገቲእካ ምሓዝን ምቁጽጽርን ዝተሠርዐ ሥርዓትን ትእዛዝን ጥራሕ ዘይኮነ ንጸሎት ኣማናዊት መሥዋእቲ እዩ። ጾም ንሥጋ ምጥማይ ዘይኮነ ንነፍሲ ምምጋብ እዩ ወይ ድማ ሓደ ሓደ ሰባት ከምዝሓስብዎ ንሥጋ ንቀጽዓሉ ሰማእትነት ወይ መከራ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ጾም ሥጋ ምስ ነፍሲ ብሓባር ሓደ ኮይና ትሰርሓሉ መገዲ እዩ።
 ምኽንያቱ ብጾመ ሥጋ እንተተቀጺዓ ነፍሲ ትሕትና ናታ ትገብር ንጽቡቅ ትሩፋታዊ ሥርሓትን ዘተባብዕ ሓጋዚ ከምዘድልያ ትርዳእ። እዚ ብምዃኑ ከኣ ልመንኣ ትሕትና ብዝተመልአ <<  ኣምላኸይ ብሓይልኻ ነቲ ድኻመይ ደግፎ ሓግዘኒ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ዓቅምን ክእለትን ዋላ ሓንቲ ነገር ክሰርሕ ኣይክእልን ኣይትግደፈኒ። >> ብምባል ናብ እግዚአብሔር ትልምን። ሰብ ካብ ጾም ዝተላዕለ ጥሜት ተሰሚዕዎ ዝጽልዮ ጸሎት ሥሙር እዩ ዝኸውን። ስለዚ ጸሎት ምስ ጾም ከም ሥጋን ነፍስን ዝተዋህደ እዩ። ጾም ናይ ጸሎት ኣካል እዩ። ሰብ ጾም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን በጾመ ሕልና ብጸሎት ምስ  እግዚአብሔር ምዝርራብ ይጅምር። ሰብ ኣብዚሑ ብዝጾመ ቁጽሪ ኣንደበቱ ብጾም ካብ መግቢ ከምዝተኸልከለ መጠን ብትሕትና እንዳልቀሰ ይጽልይ። ብሓጥያቱ ይሓዝን። ክፋእ ሕልና ይርሕቀሉ።


  ሰባት ብትሕትና ኮይኖም ክጽልዩ እንተደልዮም ኣብዚሖም ይጾሙ። ኣብ ግዜ ጾምና ሥጋዊ ስሚዒትና ኩሎም ይደኽሙ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ዳዊት ክዛረብ ከሎ መዝ.109-24 <<  ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ ሥጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ።>>  ኣብ ኣዋን ጾምና ናይ ሥጋ ቀንዲ ተግባርን ዓላማን ነባቢት ነፍሲ ብትሩፋታዊ ግብሪ ለሚሊማን ዓንቢባን ክትሰርሕን ነቲ ጽቡቅ ተግባራት ክትዳሎን ናይ ሥጋ ድሌት ምግላጽ እዩ።
መድኃኒዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከተ ወንጌል ቅድሚ ምጅማሩ ኣቀዲሙ ኣብ ከባቢ ኢያሪኮ ዝርከብ እምባ ከይዱ ጾይሙ እዩ። ኣብዚ'ውን ብሰለስተ መገዲ ንገዛእ ርእሱ ዝተወፈየ መሥዋእቲ ጌሩ ሂቡና እዩ።
 ሀ. ብጾም መሥዋእትነት፣-
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእደ ዮሓንስ ድሕሪ ምጥማቁ ናይ ነቢያት ማለት ናይ በዓል ሙሴን ኤልያስን ጾም ኣብነት ፍጹም ንምግባር ወይ ንምፍጻም ናብ ገዳመ ቆሮንጦስ ብምኻድ 40 መዓልትን ለይትን ጾይሙ እዩ። ዘጻ.34-28 1ይነገ.19-8 ማቴ.4-2 ሉቃ.4-2  ንዝኣምንዎ ኩሉ ኣብነት ኮይኑ እዩ። ምእንታና ተፈቲኑ ንዲያብሎስ ሲዒርዎ እዩ። ስለዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጻሙ ሰውነቱ ዝተወፈየ መሥዋእቲ ጌሩ ኣቅሪቡ እዩ። 

 ለ. ብሕይወት መሥዋእትነት፣-
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጸሎት ሓሙስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ኣብ መኣዲ ተቀሚጡ ህብስትን ወይንን ጸልዩ፣ ባሪኹ፣ ቀዲሱ፣ ኣኽቢሩን ለዊጡን ጽባሕ ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝስዋእ ሥጋይ እዚ እዩ። ንብዙሓት ሕድገት ሓጥያት ንድኃነት ዝፈስስ ደመይ እዩ። ኩሉኻትኩም ካብዚ ተቀበሉ ብምባል ኣብ ዕለት ዓርቢ ዝፍተት ቅዱስ ሥጋኡን ዝፈስስ ቅዱስ ደሙን ሂብዎም። እሶም'ውን  መዝሙር ዳዊት 113 ድሕሪ ምዝማሮም ኣቡነ ዘበስማያት ደጊሞም ሥጋወደሙ ተቀቢሎም። ማቴ.2626

 ሐ. ብደም መሥዋእትነት፣-
ናይ ባህርይ ኣምላኽ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅንዋት ተሽንኪሩ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ዘፍስሶ ደሙ ንነፍስና ንምድሓን እዩ። ነፍስና ንቤዛ ዓለም ዝተሰቀለ ኣምላኽና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘፍሰሶ ደም ዝተገዝአት እያ።
 እዚ ኩሉ ንዑኡ ሓጐስ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ እብ.12-2 << ሕፍረት ንዒቁ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን እተቐመጠ >> ኢሉ ከምዝተዛረቦ።
ብሓቒ ጾም ናይ ፍቕሪ መሥዋእትነት መዓልታዊ ዘየቋርጽ ናይ ዘወትር መሥዋእተ ጸሎት እዩ። ምኽንያቱ ኣብደበት ካብ ሓሜት ጽርፈት ዓይኒ ርእዩ ካብ ምምናይ ኢድ ካብ ምስራቅ ምቅታል፣ እግሪ ናብ ዝሙት ስኽራን ዕብዳን ደርፊ ዘለዎ ቦታታት ካብ ምኻድ፣ ሕሊና ካብ ቅንኣት ተንኮል ምቀኝነት ወዘተዘወትር ስለዝጾሙ። ስለዚ ጾም ሓቀኛ ጸሎት እዩ ክበሃል ይከኣል። ህዋሳትና ብሙሉእ ካብ ኩሉ ኩፋእ ተግባራት ምቅጣብ እንተዘይኪኢሎም ግና እቲ እንጽልዮ ጸሎት በረከት ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ካብ ማይን እኽልን ምኽልካል ንጾም ፍጹም ኣይገብርዎን እዮም።
 
 ብሓፈሹኡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተቀባልነት ዘልዎ ኣምልኾ ንምቅራብ ሥጋ ምስ ነፍሲ ምትሕብባር ይግብኦ። ምኽንያቱ ናይ ሥጋ ጥዕናን ድሌትን ምስ ነፍሲ እንተዘይተመጣጢኑ ናብ  መንፈሳዊ ዝሕለትን ወድቀት ከበጽሓና ይኽእል እዩ። ኣእምሮና ብመንፈስ ክጽሊ ሥጋና ብጾም ቀጺዕና ንጸሎት ክንዳሎ ይግባኣና። ጾም ሥጋ ብነፍሲ ከምትግዛእ ምግባር እዩ። ቅዱስ ዳዊት መዝ.84-2 <<  ነፍሰይ ንአጸድ እግዚአብሔር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ ነፍሰይን ሥጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።.>> ናይ ነፍሲ ቁስሊ ሓጥያት ምስራሕ እዩ። ናይ ነፍሲ ጥዕና ንሥጋና ይተርፎ እዩ። ነፍሲ ሓያል ኮይና እንተበርቲዓ ንሰብ ብንጽህና ክትሕልዎ ትኽእል እያ። ነፍሲ ግና ሕምምቲ እንተ ዀይና ሥጋ'ውን ሕምምቲ ምዃና ኣይተርፍን እዩ። ነዚ ከኣ አበው <<  ክርስቲያን ካብ ሥጋኡ ንላዕሊ ንነፍሱ ጥዕና ክጭነቅ መንፈሳዊ ሂወቱ ክሕሉ ይግባእ።>>  ዝበሉ።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!


ናይ ቁርስና በረኸት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ ኣምላክ አሜን!

 ዘመነ ዮሓንስ ዓቢይ ጾም ዝጅምር ካብ የካቲት 12 – 2004 ዓ.ም (20-02-12) ኮይኑ በዓል ትንሣኤ ኣብ ዕለት ሚያዝያ 7- 2004 ዓ.ም (14-04-12) ይኸውን። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
 ዐቢይ ጾም (ዘጾም ክርስቶስ) ካብ ለካቲት 21 ስጋብ ሚያዚያ 16። እዚ ጾም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጥማቁ 40 መዓልትን ለይትን ዝጾሞ ጾም ብምዃኑ ዓቢይ ጾም ተባሂሉ። ንሕና'ውን   ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ብምዝካር ፣በረከት ንምርካብ ፣ ከምእ'ውን ብግብሪ ንዕዑ ብምምሳል ናይ ሥጋ ፈቃድና ንምግዛእ ንጾሞ።
ዐቢይ ጾም 55 መዓልታት ንጾሞ ጾም እዩ። ሸሞንተ ሳምንታት ከኣ ኣለዎ። ንሳቶም ከኣ፣-
1ይ  ሰሙነ ፣ ዘወረደ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ምውራዱ
2ይ  ሰሙነ ፣ ቅድስት፣ ናይ ሰንበት ቅድስና
3ይ  ሰሙነ ፣ምኩራብ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኩራብ ምምሃሩ
4ይ ሰሙነ ፣ መፃጉ ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕሙማን ምፍዋሱ
5ይ ሰሙነ ፣ደብረዘይቲ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ እምባ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ምምሃሩ
6ይ ሰሙነ ፣ ገብርሔር፣ ቅኑዕ ኣገልጋሊ ዋጋኡ ዘለዎ ምዃኑ
7ይ  ሰሙነ፣ ኒቆዲሞስ ፣  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኒቆዲሞስ ምዝርራቡ
8ይ ሰሙነ ፣ ሆሳእና ፣  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነ ናብ ቤተ መቅድስ ምእታዉን ስለና ሕማማት ምቅባሉ ይዝከር።
 ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾሞ ብሰላም ብፍቅሪ ብትሕትና ጾምና ናብ በዓለ ትንሣኤኡ ብሰላም ክንበጽሕ ብለውሃቱን ምሕረቱ ይሓልወና። ኣሜን።

Friday, February 17, 2012

ቃና ዘገሊላ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!


 ቃና ዘገሊላ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብጋህዲ እቲ ቀዳማይ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ እያ። ጐይታ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ቀዳማይ ተኣምሩ ዝፈጸመሉ ኣብ ቤት መርዓ ናይ ዶኪማስ ነበረ። (ዮሓ 2፡1-11)
ቃና ዘገሊላ ዝሓዘለቶ ምስጢር ብዙሕ ‘ኳ እንተኾነ ካብቲ ብዙሕ ሓደ ግና ናይ ወላዲን ውሉድን ምእዙዝነት እዩ። ብጽሑፍ ንዝሃበና ትእዛዝ ብግብሪ ንኸርእየና፡ ቅደስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ “ወይኒ እምበር የብሎምን” እንክትብሎ መድሐኔ ኣለም ከኣ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ” ኢሉ ክእዘዛ ንርኢ። እዚ ከኣ ምእዙዝነት ደቂ ተዋህዶን ቤተ ክርስቲያንን ይምሰል። 
 ነዚ ቅዱስ ኣጋጣሚ ተጠቂማ ቃና ዘገሊላ ንኹሎም መእመን ናይ ዕድመ ወረቀት ብምስዳድ ነቲ ብከሃሊነት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ ተኣምር ንኽምስክሩ ትዕድም። ብርሃ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ንኹሉ ምእንቲ ከርብሕ ንኹሉ ኩሉ ኾንኩ” ከም ዝበለ ቃና ዘገሊላ ንኹሉ ክትከውን ብርትዓ ሃይማኖት ተደሪኽና ክንሳተፍን ማዕዳን ሃናጺ መንፈሳዊ ርኢቶታትን ናይ ምልጋስ ባህሪ ከነጥሪ ብቅዱስ መንፈሱ ይደግፈና። ኣቀዲማ ሽግር ናይ ቤት ዶኪማስ ዝተረደአት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብቲ ዝጎደለና ብጀካ ሓጥያት ክምልኣልና ንፍቁር ወዳ ከተማልደልና ንልምና። ከምቲ ማይ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ልብናን ኣእምሮናን ምስትውዓልናን ናብ’ቲ ቅዱስ ቃሉን ምምላእ ፍቓዱን ዝወስድ ጎደና ነኸተቅንዓና ንምሕጸና። 


ቃና ዘገሊላ

ሰዓታት (ያሬዳዊ ዜማ)












Friday, February 10, 2012

ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ገድሊ ኣቡነ ኣቢብ ምስ ዲያብሎስ ካብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ።
እዞም ቅዱስ ኣቦ ብብሕትውና ካብ ኣቡነ ኣንጦኒ 3ይ ዝኾኑ፡ ቅዱሳት ቦታታት ክበጽሑ ንኢዮርሳሌም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰይጣን ኪድ ንገሮ ኢሉ ብዝኣዘዞ መሰረት፡ ሰይጣን ድማ ሓንቲ ከይሓብአ ከመይ ገይሩ ንደቂ ሰባት ከም ዘስሕቶም ሓደ ብሓደ ንኣቡነ ኣቢብ ገለጸሉ። ሰይጣን ንኣባ ቡላ ወይ ድማ ኣቡነ ኣቢብ ድላይካ ሕተተኒ ፈትየ ዘይኮንኩስ እግዚኣብሔር ኩሉ እቲ ግብርኻ ንዓለም ከመይ ጌርካ ከም ተስሕታ ንፍቑረይ ኣቢብ ንገሮ ተባሂለ ስለዝተኣዘዝኩከይሓባእኩ ክነግረካ እነኹ ተኣሲረ መጻአ ኣለኹ። ዝደለኻ ሕተተኒ። ኣብኡ ንኣቢብ ድማ ከምዚ ኪብሉ ሕቶኦም ጀሚሩ። 

ሕቶ፡ ንሰብ ብዘይፍቃድ እግዚኣብሔርከመይ ጌርኩም ተስሕትዎም ዘለኹም። 
መልሲ፡ ንሕና ብፍቃድ እግዚኣብሔርእንተተምላሊሱ ከነስሕቶ ይትረፍ'ሲ ጥቅኡ ምቕራብ ንፈርህ ኢና።
        ንሕና ነስሕቶ ግና ካብ መንገዲ እግዚኣብሔር ክእለ ከሎ ኢና። ኣብዚ ግዜ ግና ምቹእ ናይ
        መእተዊ ዕድል ንረክብ እሞ ከም ቃሕ ዝበለና እናገበርና ንሕልንኡ ንቆጻጸሮ። ንኣብነት ህጻን
        እንተኾይኑ ኣዲኡ ስም እግዚኣብሔርዘይትጽውዕ እንተኾይና ኣብኡ ሓዲርና ሕማቅ ጠባይ ከም  
        ዝህልዎ ጌርና ነዕብዮ። ንኣብነት ቀብጠርጠር፡ስዲ፡ ተጻራፊ ንገብሮ።

ሕቶ፡ከመይ ኢልኩም ንመንእሰያት ተስሕቱዎም፤
መልሲ፡ብፍትወት ዓለም፡ ትዕቢት፡ ትምክሕቲ፡ ብፍቕሪ፡ መልክዕን መስተን፡ ስጋዊ ፍቕሪ፡ ፍቕሪ ደቂ
        ኣንስትዮ፡ ንኣዋልድ ድማ ፍቕሪ ደቂ ተባዕቲዮ ከም ዝሓድረንፍቕሪ ክዳን ፍቕሪ ድቃስ በረኸት
        ናይ እግዚኣብሔር ምእንቲ ከይካፈሉ ናብ ቤተክርስትያን ምኻድነጽልኦም። ልቢ መንእሰይ ቁጥዓ
        ከም ዝቃጸል ንገብር። ፍቕሪ ገንዘብ ነሕድረሎም። ብሓሶት ከምዝምሕሉንገብሮም፡ ብሓሶት
        ከምዝምስክሩ ንገብሮም፡ ኣብ ልቦም ቅንኢ ነእትወሎም። ከምዚ ጌሮምስለዝነብሩ ድማ እቶም
        መላእኽቲ ካብኣቶም ይርሕቁ።

 ሕቶ፡ ንስኻ መዓስ እትእመን ኮይንካ ንሓሶት ኣቦኣ’ዶ ኣይኮንካን። ከመይጌረ ክኣምነካ ይኽእል፤
መልሲ፡ፈተየ ዘይኮነኩስ እንሆ ኣብ ልዕለይ ጠጠዉ ኢሉ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ስይፉ መሊሑ ገለ
         ነገር ከይሕሱ ይሕልወኒ ኣሎ። የግዳስ ኩሉ ዘድልየካ ገለ ከይየጉደልካሕተተኒ እምበር ፍቃደይ
         ነይሩ እንተዝኾውን ቅድሚ ኹሉ ነዓኻ መስሓትኩኻ ደኣ እምበር ገለ’ኳ ካብዚምስጢር ሓሶት
         ኣይመካፈልኩኻን ምኽንያቱ ነዚ ሜላ መስሓቲና ተረዲኦም ብዙሓት ሰባት ካብፍቃድና ምፍጻም
         ሃዲሞም ፈጸምቲ ፍቃድ እግዚኣብሔር ከም ዝኾኑ ስለዝፈልጥ እዩ።  

ሕቶ፡ኣብ ገዳም ቆሮነጦስ ደኣ ንኣምላኽና ክትፍታትነዎ ክንደይ ደፈርኩም፤
መልሲ፡ኣምላኽ ምዃኑ ኣይፈለጥናን። ሓደ ካብ ነብያት መሲሉና።

ሕቶ፡ንሰማያት ደይብኩም ናይ መላእኽቲ ምስጋና ተስምዑ’ዶ፤
መልሲ፡ካብ መዓርግና ምስ ወደቅና ፈጺምና ናብ ሰማይ ኣይንምለስን ኢና። ክሳብ ኣየር ግና ንበጽሕ
         ኢና። ሓለቃና ሳጥናኤል እንተ ዘይኮይኑ ንሳ’ውን ሓንቲ ግዜ ንጻድቅእዮብ ክፍትኖ ከሎ እዩ።

ሕቶ፡ንደቂ ኣዳም ምስ ኣስሓትኩም እንታይ ረብሓ ኣለኩም፤
መልሲ፡ሓቢሮም ምሳና ኮይኖም ኣብቲ ባሕሪ ጸልማት ባሕሪ ሓውን ይሓዝኑን ይነዱን ንዘልኣለም ድማ
         ኣብኡ ይኸውን ስፍርኦም።

ሕቶ፡ኣብ ኣረጋውያን ‘ከ እቲ ትፍትንዎ ፈተነታት ከመይ ዝበለ እዩ፤
መልሲ፡ካብ ኣጓብዝ መንእሰያት ብዝበለጸ ኣብ ሽማግለታት ወይ ኣቦታት ሰብ-ሓዳር ብትህኪት
         ብሸለልትነት ኣብ ልቦም እናኣስሓትና እናኣሕሰብና ጸሎት ከይገብሩ ትህኪትጾም ከይጾሙ
         ኣንጊሆም ከም ዝበልዑ ቁርባን ወይ ስጉኡን ደሙን ንኸይቅበሉ የብቅዓናነብሎም። ብጠቅላላ
         ካብ ኩሉ ሰናይ ነገር ከም ዘቋርጹ ንገብሮም። ተራገምቲ ንክኾኑ ኣነ’ኳወዲ እገለ እየ እና በሉ
         ብትምክሕቲ ትዕቢትን ከምዝሕዞም ንሕብር። ናይ ሰብ በደል ወይ ጌጋነርእዮም። ንሳቶም ግን
         በደል ከምዘይብሎም ሓቐኛታት ኢና ከምዝብሉ ንገብሮም።

ሕቶ፡ብኽንደይ ዓይነት ተመሲልኩም ንወዲ ኣዳም ተስሕትዎም፤
መልሲ፡ ንሕና ብዘይንመስሎ ነገር የለን። ዕላማና ካብቲ ብርህቲ ሃገር መንግስተ ሰማያት ንሕና ንፈልጣ
          ሓንሳእ ንሓዋሩን ዝሰኣናያ ንወዲ ኣዳም ምስ ተዋህበት ንሱ ንኸይኣትዋድልየትናን ሃረርታናን
          ስለዝኾነ ብዝተፈላለየ መልክዕ እንዳ ኣደናገርና ስራሕናንቅጽል። ምኽንያቱ ባህርያት ወዲ ሰብ
          በብዓይነቱ ስለዝኾነ ንሕና መልክዕና እናለዋወጥና ንማርኾ።ንኣብነት መላእኽቲ ተመሲልና፡
          ጻድቃን ተመሲልና፡ ባሕታውያን ተመሲልና፡ ቅኑዓት ሰባትተመሲልና፡ ብደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ
          ዝመልክዐን መሳርሒና ጌርና፡ ፈታዊ ተመሲልና፡ ብለባማትኣረጋውያን ተመሲልና፡ ብነገስታት፡
          ብወተሃደራት መሲልና ነስሕቶም። ከምኡ’ውን ኩሎም ኣራዊትብኣንበሳ፡ ብነብሪ፡ ብዝብኢ፡
          ብህበይ፡ ብውኻርያ፡ ብተመን፡ ብእንቅርዕቢት፡ ብከልቢ፡ ብኣዕዋፍወዘተ……. ተመሲልና ንዓለም
          ነስሕታ።

ሕቶ፡ስለምንታይ በዚ ኹሉ ተመሲልኩም ንፍጡር ወዲ ኣዳም ተስሕቱ።
መልሲ፡ሰባት ምእንቲ ከይፈልጡና። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ እግዚኣብሔር ኣናኣመስገኑ እንተደኣ
         ተቀሚጦም ምስ ሞቱ ናይ ዘልኣለም መንግስተ ሰማያት ስለዝወርሱ።ብዘይምቁራጽ ለይቲ ምስ
         መዓልቲ ብዝተፈላለየ ተምሳላት ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ከነስሕቶም ንነብር።

ሕቶ፡ንወዲ ሰብ ከመዚ ተመሲልኩም ከምተስሕቱ ዝፈልጥ ፍጡር ኣሎ’ዶ፤
መልሲ፡ዝፈልጡና ኣለው ዘይፈልጡና’ውን ኣለው። እቶም ዝፈልጡና ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎም፡
         ብቅንዕና ዝመላለሱ ናብ ኣበ ነብሶም ካህን ከይዶም ኩሉ ሓጥያቶምንበደሎምን ነጊሮም ብንጽህና
         ናብ ቤተክርስትያን ቆሪቦም ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስስግኡን ደሙን ዝቅበሉ
         ይፈልጡና እዮም። ኮሎ ጌና ናብኣቶም ከይቀረብና ብጨናና ይፈልጡና እዮም።ምኽንያቱ ንሕና
         ረሳሓት ኢና። ኣብ ሓጥያት ዝረሰሐት ሰብነት ድማ ንሓድር። እቶም ዘይፈልጡናግን ነዚ ክንገልጾ
         ዝጸናሕና ዘይማልኡ ካብ ፍቃድ እግዚኣብሔር ወጻኦም ብፍልጠቶምን ሃብቶምንክነብሩ ዝደልዩ
         ብስስዕቲ ዓለም ተዋሒጦም ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘይብሎም ብሓሳብ ዓለም ትዋጢሮምዝነብሩ
         ሰባት መን ሙዃና ፈጾሞም ከለሉዩና ኣይከኣሎምን እዩ።

ሕቶ፡ንመናኩስቲ ፈለስቲ ከመይ ጌርኩም ትፍትንዎም፤
መልሲ፡ካብቲ ኩሉ ፍጥረት ደቂ ኣዳም እቲ ዝበርተዐን ዝኸበደን ውግእን ባእስን ምስ ባሕታውያን
         መነኮሳት እዩ። ኤፌ 6፡10-20 ። ምኽንያቱ እታ ናትና ዝነበረት ክብሪስለዘሕደጉና ነዚኣቶም
         ከነውድቆም ከሎና መጀመርያ ብንብዓት ክጽልዩ ከምዝፍጽሙ ንገብር። እሞጽንሕ ኢልና ድሕሪ
         ቁሩብ ግዜ ትህኪት ኣምጺእና ነቲ ውዑይ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝዝሕልንገብሮ። ናይ ዓለም ሓሳብ
         ንዘርኣሎም። ካብ ኣብ ገዳም ምቅማጥ ኣብ ከተማታት ንኽነብሩ ነፍትዎም።ከም እኒ ኣብርሃም
         ብቃል ኪዳን ዝጸደቁ ነዘኻኽሮም። ከምኡ’ውን ኣብ ልቦም ጽልኢ፡ ቂም፡ፍቕሪ ሽመት፡ ፍቕሪ
         ገንዘብን ወርቕን ሕሜትን ንኽፍጽሙ ነተጋግሆም። ኣብ ልዕሊ መምህራን ወይሓለፍቶም
         ብዝተፈላለየ ተንኮል ከም ዝለዓሉ ማለት ብኽስን ነገርን ምስ ደቂ ማሕበሮምተጻሊኦም ፍቆዶ
         ከተማታትን ዓድታትን ከም ዝዘሩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ሕልንኦም ፍቕሪ ደቂኣንስትዮ
         ንተክል። ፍቕሪ ውላድ፡ ብፍቕሪ ቤተሰቦም ከም ዝቃጸሉ ናብታ ዝሓደጉዋዓለም ከም ዝምለሱ
         ንገብሮም። ፍቕሪ ጥዑማት መብልዕን መስተን ክዳውንትን ስልማት ነሕድረሎም።ነቶም ብመርዓ
         ዝጸደቁ ንብያት ሃዋርያት ሰማእታት ነዘኻኽሮም። ብድመጺ ኣራዊት ብግርማለይቲ ብቁሪ ጸሓይ
         ከመይ ኢሎም ዕድሚኦም ምሉእ ከምዝሕልፍዎ ነሕስቦም። ተስፋ ቆሪጾምከምዝጨነቁ ንገብር።
         ብሕልምን ብምትሃትን ነፈራርሆም። ኣብ ቅድሚኦም ኣራዊት መሮር ተራኽቦክገበሩ ከለዉ
         ንርእዮም። ፍትወትን ክሳብ ዝወድቁ ንገብሮም። ከይንስሑ ከኣ ጽንዓትንትዕቢትን ትምክሕትን
         ሕማቕ ፍርሃትን ኣሕዲርና ዓይነ ልቦንኦም ነዕውሮም። ጸሎት እንተጸለዩ ነቲጸሎት ብታህዋኽ
         ብዘይምስትምቃር ከይተረድኦም ከም ዝጽልዩ ኣብ መንጎ ጸሎት እቱው ውጽእከም ዝብሉ
         እንተጸለዩ ብዘይፍርሃት ኣብ ቤት ክርስትያን ደው ምባል ገዲፎምኮፍ ከም ዝብሉ ኣብ ግዜ ጸሎት
         የእጋሮም ከም ዝሓልኩ ንገብሮም። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ንየማን ንጸጋምነመላልሶም። ኣብ
         ልቦም ኣቲና ውጻእ ውጻእ ነብሎም። ከምዚ ስለዝገበሩ ከኣ መላእኽቲይጸልእዎምን
         ይፍንፍንዎምን። ሽዑ ንሕና ኣብ ቁጽጽርና ነኸነእትዎም ጥጡሕባይታ ንረክብ። ከምኡ’ውን
         ካህናትን ድያቆናትን ብድፍረትን ብትዕቢትን ናብ ቤተመቕደስ ኣትዮም ምስቂምን በቀልን ጽልእን
         ባእስን ክርክርነ ህልኽን ኣብ ልቦም ኣሕዲሮም ከምዝኣትዉ ንገብር።ከምኡ’ውን እቲ ድያቶን ይኹን
         ካህን ነቲ ንባብ ወይ’ውን ነቲ ዜማ እንተ ጸይቁዎ ከም ዝላግጹን ከምዝንዕቅዎም ንገብር። ክጽልዩ
         ከለዉ ንምዕራብ ናባይ ገጾም ክመዝጽልዩ ይገብር። መስተ ኣብዚሖምኣብ ቅድሚ ሰባት ሕማቕ
         ኣርኣያ ከም ዝኾኑ ንገብሮም። እቶም ንዕኦም ዝረኣዩ ድማ ንሃይማኖቶምንነቶም መራሕቶምን ከም
         ዝንዕቁ ንገብሮም። መጻሕፍትን ጸሓፍቶምን ክም ዝጸረፍዎም ኣነ ኸኣበቲ ዝኣምንዎ መጽሓፍ
         ክጸርፍዎም ምስ ዝስምዕ ኣዝዩ ደስ ይብለኒ። ኣቡነ ኣቢብ ነዚ ምስ ሰምዑመሪር ብኽያት በኸዩ። 
         ስለዚኸኣ ስለምንታይ ትበክን ትሓዝንን ኣሎኻ፤ እዞም ኩሎም ድያቆናትን ከሃናትን መኖኮሳትን
         ጳጳሳትን ከማኻ ኣይኮኑን እምበኣርከስ ክትሓዝነ ክትበክንእንተደሊኻ ምእንቲ እቶም ዳሕራይ ዘመን
     ዝወልዱ ደቂ ኣዳምብኸ፡ ሰለ ነገስታት ብኸ፡ ምእንቲ ጳጳሳት ብኸ፡ ምእንቲ መነኮሳት ብኸ፡ ምእንቲ
     ካህናት ብኸ፡ምእንቲ ድያቆናት ብኸ፡ ምእንቲ ኣቦታትን ኣዴታት ብኸ፡ ምእንቲ መንእሰያትነ
     ኣዋልድን ብዘይሕጊ ድንግልንኦም ንዝሙት ዝሸጡ ብኸ፡ ነዚኣቶም ኣብ ዝመጽእዘመናት ኣብ ትሕቲ
     መርገጽ እግረይ ናብ ሓጥያት ከስግዶም እየ። ፍቃደይ ክፍጽሙብዝመራሕኩዎምን ክኸዱ። ረሃጾም
     ነዓይ ከም ዝገብሩ ብኽያቶምን ኣውያቶምን ስለርእሶም ዘይኮነ ስለእቶምብሞት ዝሓለፉ ኣሕዋቶምን
     ኣዝማዶምን ጥቅሚ ዘይብሉ ብንብዓትን ሓዘንን ልቦም ከምዝሓርር ክገብርእየ። ኩሉ ኣምላኽ
     ዝገበረሎም ካብ ዓይኖም ሰዊረ ብልመዲ ከምዝነብሩ ኮይኑ ከርእዮም እየ።የዕሩኽተይን ፈተውተይን
     ክገብሮም እየ።ስለዚኣቶም ተማህለል። ኢሉ እቲ ፈታኒ ዘረብኡ ምስ ወድአ ኣቡነ ኣቢብ ብኽያቶምን
     ንብዓቶምን ካብቀዳማዩ ዳሕራዩ ገደደ።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!

Daily Prayer


+ I cross my face and all of myself by the sign of the cross.
In the name of the Father, the Son and the Holy Spirit; One God. In HolyTrinity believing and entrusting myself, I deny you satan in front of my motherthe Holy Church, who is my witness, St. Mary Tsion forever. Amen
We thank you O Lord, and we glorify you, we praise you OLord, and we rely on you, we beg you and we beseech you. We worship you and weserve to your Holy name. We bow and kneel down to you; O you to whom all kneesshould bow and who all tongues serve. You are the God of gods and the Lord oflords and the King of kings. You are God to all flesh and to all souls, and wecall you as your Holy Son taught saying...
Our Father, who art in heaven, hollowed be thy name. ThyKingdom come, Thy will be done on earth as it is in heaven. Give us this dayour daily bread and forgive us our trespasses as we forgive those who trespassagainst us, and lead us not into temptation but deliver us from all evil. Forthine is the kingdom, the power and the Glory forever and ever.
By the Peace of the Saint Angel Gabriel, O my Lady Mary Isalute you, thou are Virgin in thought, and Virgin in body the Mother of GodTsabaot (The Lord of Hosts) salutation to you. Blessed art thou, among womenand blessed is the fruit of your womb. Rejoice thou who is hailed, O GracefulGod is with you. Beseech and pray for our mercy to your beloved Son JESUSCHRIST that He may forgive us our sins. AMEN.
We believe in one God, the Father Almighty, maker of heavenand earth, and all things visible and invisible.
And we believe in one Lord JESUS CHRIST the only begotten son of the Father whowas with him before the creation of the world. Light from light, true God from trueGod, begotten not made of one essence with the Father. By whom all things weremade, and without him was not anything in heaven or earth made:
Who for us men and for our salvation came down from heaven was made man and wasincarnate from the Holy Spirit and from the Holy Virgin Mary. Become man wascrucified for our sakes in the days of Pontius Pilate suffered, died, wasburied and rose from the dead on the third day as was written in the HolyScriptures; Ascended in glory into heaven, sat at the right hand of his Father,and will come again in glory to judge the living and the dead; there is no endto his reign.
And we believe in the Holy Spirit, the life-giving God, who proceeded from theFather, and the Son; who spoke by the prophets.
And we believe in one baptism from the remissions of sins, and wait for theresurrection from the dead and the life to come, world without end.
Holy, Holy, Holy GodTsabaot perfect Lord of Host, heaven and earth are full of the holiness of yourGlory.
We bow to you Christ,with you good heavenly Father and with your Holy Spirits the life Giver fromthou didst come and save us.
Let us bow down tothe Father, and the Son, and the Holy Spirit.
Three in one and onein three. Three in person and united in Godhead.
I bow down to ourLady St. Mary Virgin Mother of God. I bow down to the cross of our Lord JesusChrist which was sanctified by his precious Blood.
Praise to the Father, Praise to the Son, Praise to the HolySpirit (repeat 3x)
Praise to our Lady St. Mary, the Virgin Mother of God.
Praise to the Cross of our Lord Jesus Christ, may His mercy remember us.
May He not put us to shame in His second coming.
May He awaken us to the glorification of His name; in His worship may Hemaintain us. Our Lady St. Mary, lift up our prayer before the throne of ourLord, who gave us to eat this bread, who gave us to drink this cup and whoprepared our food and our clothing for us and who overlooked our sings and whogave us His Holy Body and His Precious Blood, which brought us to this hour.
Let us give glory and thanks to God, the most High, and to His Virgin Motherand to His precious Cross.
May the name of the Lord be thanked and glorified always at all times and atevery hour.
We say to you, prostrating ourselves, Peace be unto you Maryour Mother.
We beseech you; we cling unto you against the hunting serpent.
Virgin for the sake of your Mother Hanna and your Father Joachim, bless ourcongregation today.
Prayer of theHoly St. Mary

ጸሎተ ዘውትር

+ አአትብ ገጽየ ወኲለንታየ በትእምርተመስቀል።
በስመ አብ ወወልድወመንፈስ ቅዱስአሐዱ አምላክበቅድስት ሥላሴእንዘ ኣአምንወእትመኃጸን እክህደከሰይጣን በቅድመዛቲ እምየቅድስት ቤተክርስቲያን እንተይእቲ ስምእየማርያም ጽዮንለዓለመ ዓለም።
ነአኩተከ እግዚኦወንሴብሓከ ንባርከከ እግዚኦ ወንትአመነከ ንስእለከ እግዚኦ ወናስተብቁዓከ ንገኒ ለከ እግዚኦ ወንትቀነይ ለስምከ ቅዱስ። ንሰግድ ለከ ኦ ዘለከ ይሰግድ ኩሉ ብርክ ወለከ ይትቀነይ ኩሉ ልሳን። አንተ ውእቱ ኣምላክ ኣማልክት ውእግዚኣ ኣጋእዝት ወንጉሰ ነገስት ኣምላክ አንተ ለኩሉ ዘሥጋ ወለኩላ ዘነፍስ ወንጼውኣከ ንሕነ በከመ መሃረነ ቅዱስ ወልድከ እንዘ ይብል አንትሙሰ ሶበ ትጸልዩ ከመዝ በሉ።

አቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስስምከ ትምጻእመንግሥትከ ወይኩንፈቃድከ በከመበሰማይ ከማሁበምድር ሲሳየነዘለለ ዕለትነሃበነ ዮም።ኅድግ ለነአበሳነ ወጌጋየነከመ ንሕነኒንኅድግ ለዘአበሰለነ። ኢትአብአነእግዚኦ ውናስተመንሱት ኣላአድኅነነ ወባልሐነእምኩሉ እኩይእስመ ዚኣከይእቲ መንግሥትኃይል ወስብሐትለዓለመ ዓለም።
በሰላመ ቅዱስገብርኤል መልአክ ኦ እግዝእትየ ማርያም ሰላም ለኪ ድንግል ብኅሊናኪ ወድንግል በሥጋኪ። እመ እግዚአብሔር ጸባዖት ሰላም ለኪ። ቡርክት አንቲ እማአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ። ተፈሥሒ ፍሥሕት ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምስሌኪ። ሰአሊ ውጸልዪ ምሕረት በእንቲኣነ ኅበ ፍቁር ወልድኪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከመ ይሥረይ ለነ ኃጣዊኢነ።

ነአምን በአሐዱአምላክ እግዚአብሔር አብ አኃዜ ኩሉ ገባሬ ሰማያት ወምድር ዘያስተርኢ ወዘኢያስተርኢ።
ወነአምን
በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህልው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም። ብርሃን ዘእምብርሃን አምላክ ዘእምአምላክ ዘበአማን ዘተወልደ ወአኮ ዘተገብረ ዘዕሩይ ምስለ አብ በመለኮቱ። ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘእንበሌሁሰ አልቦ ዘኮነ ወኢምንትኒ ዘበሰማይኒ ወዘበምድርኒ።
ዘበእንቲአነ ለሰብእ ወበእንተ መድኃኒትነ ወረደ እምሰማያት ተሰብአ ወተሰገወ እምመንፈስ ቅዱስ ወእም ማርያም እምቅድስት ድንግል ኮነ ብእሴ ወተሰቅለ በእንቲአነ በመዋዕለ ጲላጦስ ጰንጤናዊ። ሐመ ወሞተ ወተቀበረ ወተንሥአ እምሙታን አመ ሣልስት ዕለት በከመ ጽሑፍ ውስተ ቅዱሳት መጻህፍት ዓርገ በስብሓት ውስተ ሰማያት ወነበረ በየማነ አቡሁ ዳግመ ይመጽእ በስብሐት ይኮንን ሕያዋነ ወሙታነ ወአልቦ ማኅለቅት ለመንግሥቱ። ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እም አብ ንስግድ ሎቱ ወንሰብሖ ምስለ አብ ወወልድ ዘነበበ በነብያት። ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እንተ ላእለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋሪያት። ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየት ሓጢኣት ወንሴፎ ትንሣኤ ሙታን ወሕይወተ ዘይመጽእ ለዓለመ ዓለም።

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉዕ ሰማያት ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ።
ንሰግድ ለከ ክርስቶስ ምስለ ኣቡከ ኄር ሰማያዊ ወመንፈስከ ቅዱስ ማኅየዊ እስመ መጻእከወአድኃንከነ። 

እሰግድ ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐተ ሰግደተ። (ሰልስተ ጊዜ በል) እንዘ አሐዱ ሠለስቱወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በአካላት ወይትዋሐዱ በመለኮት። እሰግድ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ። እሰግድ ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስክርስቶስ ዘተቀደሰ በደሙ ክቡር። መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ አይሁድ ክሕዱንሕነሰ ኣመነ ወእለ አመነ በኃይለ መስቀሉ ድኅነ። 

ስብሐት ለአብ ስብሐት ለወልድ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ (ሰለስተ ግዜ በል።)
ስብሐት
ለእግዘትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ፡ ስብሐት ለመስቀለ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሕረቱ ይዘከረነ። አመ ዳግም ምጽአቱ ኢያስተኅፍረነ። ለሰብሖተ ስሙ ያንቅሀነ ወበአምልኮቱ ያጽንአነ እግዝእትነ ወአስተሥርዪኃጢአተነ ቅድመ መንበሩ ለእግዚእነ ለዘአብልዐነዘንተ ኅብስተ ወለዘአስተየነዘንተ ጽዋዓ ወለዘሠርዐ ለነ ሲሳየነ ወአራዘነ ወለዘተዐገሠኵሉ ኃጢአተነ ወለዘወሀበነሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡር ወለዘአብጽሐነእስከ ዛቲ ሰዓት።ነሀብ ሎቱ ስብሐተ ወአኰቴተ ለእግዚአብሔርልዑል ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር ይትአኰት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚአብሔርወትረ ብኵሉ ጊዜ ወበኵሉ ሰዓት። ሰላምለኪ እንዘ ዝሰግድ ዝብለኪ ማርያም እምነ ናስተዘቊዐኪ። እምአርዌ ነዓዊ ተማህፀነ ብኪ። በእንተሐና እምኪ ወኢያቄም አቡኪ ማኅበረነ ዮም ድንግል ባርኒ።
 ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም(ሉቃ 1፡46-55)

Tuesday, February 7, 2012

ኣጽዋማትን በዓላትን



2012 ዓ.ም (2004 ዓ.ም ግእዝ)
በዓል------ዕለት ብግእዝ-----------Fast or Feast-----------------Date    
ልደት-------------ታሕሳስ--28--------->The-Holy-Nativity-Feast----------January-7
ግዝረት-----------ጥሪ--6---------------->The-Circumcision-Feast---------January-15
ጥምቀት----------ጥሪ--11---------------->The-Holy-Epiphany--------------January-20
ጾመ-ነነዌ----------ጥሪ--28-30--------->Jonah's(Nineveh)-Fast------------February-6-8
ዓብዪ-ጾም-------የካቲት-12------------>Holy-Great-Fast-------------------February-20
ሆሣዕና-----------መጋቢት-30----------->Hosanna-Sunday---------------April-8
ስቅለት-----------ሚያዝያ-5---------->Good-Friday------------------------April-13
ትንሣኤ-----------ሚያዝያ-7--------->Feast-of-the-Resurrection----------April-15
ዕርገት-----------ግንቦት-16------------>Feast-of-Ascension----------------May-24
በዓለ-መንፈስ-ቅዱስ--ግንቦት-26------------>Feast-of-Pentecost-----------June-3
ጾመ-ኃዋርያት------ግንቦት-27-ሓምለ-4-------->The-Apostles-Fast--------June-4-July-11
ጾመ-ፍልሰታ--------ነሓሰ-1-15-------->St.Mary's-Fast---------------------August-7–21
ደብረ-ታቦር---------ነሓሰ-13---------->Transfiguration-Feast------------August-19
ርእሰ-ዓውደ-ዓመት--መስከረም-1------>St-John-Feast-(Church-New-Year)—September-11
መስቀል-------------መስከረም-17----->Feast-of-the-Cross-----------September-27
ጾመ ነቢያት-------ሕዳር 17 - ታሕሳስ 28----> Nativity Fast ---------November25–January 6

Sunday, February 5, 2012

ጾመ ነነዌ

በስመ አብ ወወልዴ ወመንፈስ ቅደስ አሃደ አምላክ አሜን!

እግዚአብሔር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱ̕ውን ንዮናስ ናብ ንቁጽ ምድሪ ተፍኦ። ት.ዮና.2፣11።
ጾመ ነነዌ

ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ጥሪ 30 (Monday, February 6- February 8) ናይ ሠለስተ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ።

ኣምላክ ቅደሳን እግዚአብሔር ቡሩኽ ጾም ይግበረልና!

ጾመ ነነዌ
ነነዌ ኣብ መጽሓፍ ቅደስ ካብ ዝተገልጹ ታሪኻ ብሰፊሕ ካብ ዝተጻሕፈላ ሓንቲ ናይ ሜሶፓትያ ከተማ እያ። ብዙሓት ናይ ሥነ መሎኮት ሙሁራት ናይ ሎሚ ሙሱል ከተማ ብኣንጻረ ከተማ ባቅዳድ ብወገን ሰሜን 350 ኪ.ሜ ሪሒቓ  ትርከብ ከተማ ምዃና ይሰማምዑላ። ዋላ እኳ ኣብ 4000 ቅ.ል.ክ ብናምሩዴ ዝተዶኮነት ትኹን፡ (ዘፍ. 10፣11-12) ናይ ኣሶራውያን ዋና ከተማ ዝኾነት ግና ብ1400 ቅ.ል.ክ እዩ። (2ይነገ,19፣36) ኣብታ ከተማ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ጣኦት ቤተ ኣምልኾ ኣስታሮት ይብሃል።

ኣብዛ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብዝሰርሕዎ ክፋትን ሓጥያትን ካብ ምብዛሑ ዝተላዕለ ጽዋእ መሊኡ ንጥፍኣቶም ስለዝበጽሐ፣ ንፍጥረቱ ርህራሄ ዘለዎ ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ንስሓ ክኣትዉ ምእንቲ ነብዩ ዮናስ ሊኢኽሎም። እዚ ነብይ ናብ ናይ ኣህዛብ መንዯር ዝተላእከ እንኮ ነብዩ እዩ። ዝተላእኸሉ ምኽንያት ዴማ ከምቲ ነብያት ናብ ዯቂ እስራኤል ተላኢኾም ዝገብርዎ ንምግሳጽ ዘይኮነ ናብ ንስሓ ክጽውዕዎም ምእንቲ እዩ። ኮይኑ ግና ነብዩ ዮናስ ናብዛ ከተማ ክኸይዴ ብእግዚአብሔር ይተኣዘዝ እምበር ንሱ ግና ናብ ተርሴስ ክኸይዴ ንርእዮ።
ቅደስ ጄሮም ነብዩ ዮናስ ንምንታይ ከምዚ ከምዝገብረ  ክገልጽዎ ከለዉ ፣ ዮናስ ንኣህዛብ ካብ ምጽላእ ዝተላዕለ ዘይኮነ ዴሕነት ካብ ህዝበ እስራኤል እንዳረሓቐ ምዃኑ ብትንቢት መነጽር ስለዝረኣየ ናብ ነነዌ ኣይከይድን ኢሉ። እዚ ከኣ ሙሴ ነዚ ህዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሂወት ደምስሰኒ ። ከምዝበሎ ዓይነት ማለት እዩ። ዘጻ.32፣31-32።

ቅዱስ ጳውሎስውን ብዛዕባ እቶም ብሥጋ ኣሕዋቱን  ኣዝማዱን  ክርገም  ዝመረጸ ። ሮሜ፣9-3። ብርግጽ̕ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኣህዛብ ብክርስቶስ ኣሚኖም ክጥመቁ ከለዉ ፣ እስራኤል ግና መጽሓፍቲ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም። እስራኤል ነብያት ጥራሕ ሒዞም ክተርፉ ከለዉ ፣ ኣህዛብ ግና ናይ ነብያት ትንቢት ፍጻሜ ሒዞም። ማቴ.12፣42።

ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ግና ዮናስ ብዘይ ምእዛዙ ኮነ ኢሉ ከምዘይገብሮ ስለዝፈለጠ ብፍሉይ ጥበቡ ክወስዶ ንርኢ። ኣቀዱሙ ዓቢ ንፋስ ኣብታ ልዕሊ መርከብ ኣምጺኡ፣ ንዮናስ ዝውሕጥ ዓቢ ዓሳ ኣዲልዩ፣ ቀጺሉዉን እቲ ነባሪ ዓሳ ንዮናስ ናብ ምድሪ ክተፍኦ ንርኢ። ናይ ኣምላኽና ፍቕሪ ክንደይ ዓብይን ዘደንቅን ምዃኑ ኣብዚ ንርኢ።

ነብዩ ዮናስ  ከምቲ ቃለ እግዚአብሔር ናብ ነነዌ'ውን ከድ ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ ። ዮናስ ናብታ ከተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ ነነዌ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሓ ክትግምጠል እያ፣ ኢሉ ኣወጀ።
ሰብ ነነዌ ከኣ ንኣምላኽ ኣሚኑ፣ ጾም ድማ ኣወጀ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳኦ ናእሽቱኦምውን ኽሻ ተኽድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፣ ካብ ዝፋኑ ተንሥአ ባርኖሱ ቐንጠጠ ኽሻ ተኽድነ ኣብ ሓሙኹሽቲ ድማ ተቀመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉሥን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ። ሰብ ወይ እንስሳ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ ኣይውፈራ ማይ̕ውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳስ ክሻ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገደን ካብቲ ኣብ ኢድ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ንሕና ከይንጠፍእ ከኣ ካብቲ ጒሁር ቊጥዓኡ እንተ ተመልሰ መን ይፈልጥ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከምእተመልሱ ግብሮም ረኣየ እግዚአብሔርውን ነቲ ኬውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፣ ኣይገበሮን ከኣ። ዮና. 3፣3-10።

ብሓቒ ንእግዚአብሔር ዝፈርሕ ልቡና ዘለዎ ሰብ ብዙሕ ትምህርቲ ኮነ ብዙሕ እዋን ኣየዴልዮን እዩ። ንኽምለስ ናብ እግዚአብሔር ቀረባ እዩ። ንሕና ክርስቲያን'ውን ነዚ ብምዝካር <<ንስሓ ኣቲና ናብ እግዚአብሔር ብጸሎትን ልመናን ብፍጹም ልቡና እንድሕር ተመሊስና ፣ ከምቲ ሰብአ ነነዌ ካብቲ ዝተሓስበሎም መቅዘፍቲ ዝደሓኑ፣ ካብ ናይ ዓለም ፈተናን መቅዘፍትን ንድሕን ። ኢልና  በብዓመቱ ቅድሚ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብትእዝዘና መሠረት ዓብይ ጾም ምእታዉ ክልተ ሰሙን ኣቀዲማ ዘላ ሰኑይ ጀሚሩ ስጋብ ረቡዕ << ጾመ ነነዌ >> ብምባል ንጾሞ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዓብይ ጾም ለካቲት 12 ስለ ዝኣቱ ካብ ሰኑይ ጥሪ 28 ስጋብ ረቡዕ 30 ጥሪ ንጸውም።

ኣምላከ ቅደሳን እግዚአብሔር ዝመረጽናዮ ዓይነት ጾም ክንጸውም ካብቲ ዝተሓሰበ ዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንድሕን ኣምላከ ቅደሳን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ይሓግዘና። በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዱቱ ዴንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::