Saturday, March 3, 2012

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር (2)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ቁጽሪ 3  ምኩራብ የካቲት ፳፭ 2004/ 4 March 2012 
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
ናይዚ ሰሙን ጽሑፍ ናይ ልቦና ምድላው ትብል እያ። ሠናይ ንባብ


ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ክንኣቱ ከለና ክንገብሮም ዘለና ምድላዋት

. ናይ ልቦና ምድላዋት
     ናብ ቤተመቅደስ ንምኻድ ዝብገስ ሰብ ካብ ኩሉ ኣቀዲሙ ናይ ልቦና ምድላዋት ክገብር ይግብኦ። እዚ ከኣ ልቦናና ካብ ቂም በቀል፣ ክፍኣትን ተንኮልን፣ ካብ ዝሙት ካብ ካልእ ዝተፈላለየ ክፋእ ተግባራት ንጹህ ምግባርናን ዘይምግባርን ክንምምር ይግበኣና። ምኽንያቱ ንሕና ኣቀዲምና ንገዛእ ርእስና እንድሕር ዘይመርመርና ልብን ኩላሊትን ዝምርምር  እግዚአብሔር ክምርምረናን ክንዕቀናን እዩ።  << ንልብን ኩላሊትን እትምርምር ጻድቅ ኣምላኽ ኢኻ። >>   መዝ.79

     እግዚአብሔር  ብሊቀ ነብያት ሙሴ ጌሩ ንሕዝበ እስራኤል ካብ ዝኣዘዞም ትእዛዛት ሓደ ናይ ልቦና ግርዛት እዩ። ናብኡ ኪመጹ  ኣብ ቅድሚ ድንካኑ ክሰግዱ ምስ በደሎም ከይቀርቡ << ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ …….>>  ኢሉዎም እዩ።  << እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ። እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ጎይታ ጎይቶት እቲ ዓቢ እቲ ሓያል እቲ ዘፍርህ ኣምላኽ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ መማለዲ ኸኣ ዘይቕበል እዩ። >> ዘዳ.10-16 ዕልቦ ልብና  ምግዛር ማለት፣ ልብና ምስባር፣ ካብ ቂም በቀል ነጻ ኮይና ካብ ኣምልኾ ጣኦት ምርሓቅ ብሓፈሻ፣ እግዚአብሔር ካብ ዘይፈትዎ ነገር ኩሉ ምፍላይን ምርሓቅን ማለት እዩ።

     ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ << መሥዋዕቱሰ ለእግዚአብሔር መንፈሰ የዋህ። ልበ ትሑተ ወየዋህ ኢይሜንን እግዚአብሔር መሥዋእቲ እግዚአብሔር ስቡር መንፈስ እዩ። ኣምላኽ ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ። >> መዝ.50(51) 17።ይብለና።

     ክቡር ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ከምዝነገረና ብኣእዳውና እንሕዞ ጥዋፍን ሽምዓን፣ ናብ ቤተመቅደስ ካብ ነቅርቦ መባእን ስእለትን ኣቀዲሙ እግዚአብሔር ናትና ልቢ ከምዘድሊ ዘመልክት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ <<  ኢታፍቅርዎ ለዝ ዓለም፣ ወሐድሱ ልበክሙ፣ ወአመክሩ ዘይፈቅድ  እግዚአብሔር ዘሠናይ ወዘጽድቅ ወዘፍጹም እቲ ሠናይን ባህ ዜብልን ሙሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምኻኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። >>  ሮሜ.122 ኢሉና'ዩ።  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ <<  ብፁዓን ንጹሓነ ልበ እስመ እሙንቱ ይርእይዎ ለእግዚአብሔር ጽሩያት ልቢ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም >> ማቴ,58 ስለዚ ሰብ ልቦንኡ ነጺሁን ጸኒዑን ብፈሪሃ እግዚአብሔር ንዝቀረበ ኩሉ ኣምላኽና እግዚአብሔር መሓሪ ስለዝዀነ ብምሕረቱ ይርእየና።

     እግዚአብሔር ናይ ደቂ ሰባት ልቦና ናብኡ ዝምለሰሉ ዘመን ከምዝመጽእ ብነብዩ ኤርሚያስ ሓዲሩ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል። << እንሆ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣተወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን ይብል እግዚአብሔር። ከምቲ ካብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከለኹ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይትኦም ክነሰይሲ ንሳቶም ነቲ ኪዳን ኣፍረስዎ ይብል እግዚአብሔር። ድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤተ እስራኤል ዝተኣኽዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፣ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ክገብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፍ ኣነ ኣምላኾም ክኽውን እየ፣ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም። ይብል እግዚአብሔር ኣነ ኣበሰኦም ይቕረ ኽብለሎም ሓጥያቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ ካብ ንእሽቶኦም ክሳብ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፣ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ንእግዚአብሔር ፍለጦ ኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሀሩን እዮም። ይብል እግዚ
አብሔር >> ኤር.31-31-34።።

    ናይ ወዲ ሰብ ልቦና ናብ እግዚአብሔር እንድሕር ተመሊሱ ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ብዙሕ ክንገሮ'ውን ኣየድልን እዩ። ምኽንያቱ ዘይደንደነን ንንስሓ ዝተዳለወ ልቦና ስለዝሕዝ  እዩ። ልቦናኡ ከኣ ብቃለ እግዚአብሔር ስለዝመልእ፣ ዘቀድሶ ቅዳሴ፣ ዝጽለዩ ጸሎት ጣዕሚ ይምስጥ። እግዚአብሔር ዝፈትዎ ህይወት'ውን ክመርሕ ይጅምር። ነብየ እግዚአብሔር ኤርምያስ ዝተዛረበሉ እዚ ዘመን ወዲ ሰብ ብፍጹም ልቦና ዝምለሰሉ ልቡ ንፈጣሪ ዘግዘኣሉ ዘመን ናይ ሓዲሽ ኪዳን ዘመን እዩ። ሓዲሽ ኪዳን ሰብ ብናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋኣን ደምን ተሓቲሙ ናይ ፈጣሪ መሕደሪ ኮይኑ ከም ጥንቲ ከምእስራኤል ዘሥጋ ዝደንደነ ልቢ ዘይኮነ ብዝተሰብረ ልቢ ሒዙ ናብ እግዚአብሔርን ናብ ቤተምቅደሱን ዝቀርበሉ ዘመን እዩ።

     ኣብዚ ዓመተ ምሕረት ዝተኣወጀሉን ሰብ ምስ ፈጣሪኡ ብዝተዓረቐሉ ዘመን፣ ልቦናና ካብ ዓመጻ ዘይተመለሰ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ንእግዚአብሔር ንለምኖ። ልብና ናይ ሕግኻ መሕደሪ ንክኸውን ኣብቅዓና ንበሎ። ከምዚ እንተኢልና እሱ ዝኣተወልና ቃልኪዳን ይፍጽመልና'ዩ። ሓድሽ ልብን መንፈስን ከኣ ይህበና። << ጽሩይ ማይ ከነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኩሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኩሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም ናይ እምኒ ልቢ ካብ ሥጋኹም ከውጽእ ናይ ሥጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።።>> ኢሉና'ዩ። ሕዝ.3625

     ልብና ብንስሓ መርሚርና ካብ ሓጥያት ተፈሊና እንድሕር ቀሪብና እግዚአብሔር ጸሎትና ይቅበለልና'ዩ፣ ብእነቅርቦ መባእውን ይሕጐስ። እግዚአብሔር ካብ መባእናን ስእለትናን ኣቀዲሙ ናይ ውሽጢ ልብና ቅንዕና እዩ ዝርኢ። << እግዚአብሔር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መሥዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ። >>  ዘፍ.44 ዝተባህለ ናይ ኣቤል ቅኑዕ ልቡን ደግነት መሥዋእቱን እዩ። እግዚአብሔር ቅድሚ መሥዋእቲ ንኣቤል እዩ ዝረኣየ። ኣብ ህይወትና'ውን ክንርእዩ ዝግበኣና መባእና ናብ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ቅድሚ ምቅራብና፣ እግዚአብሔር ንዓና ከምዝርኢ ብዝግባእ ተረዲእና ንገዛእ ርእስና ብንስሓ ክነዳሎ ይግበኣና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲተ አምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

. ንጹህ ልብሲ (ክዳን ) ምልባስ

ይቕጽል…….  ብሰላም የጽንሓና።


(For those who do not have Geez try this PDF link) BETE MEKDES EGZIABHER (2)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

Sunday, February 26, 2012

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር (1)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ናይ ቤተ መቕደስ ትርጉም

ቤተ መቅደስ ዝብል ሓረግ ናይ ክልተ ቃላት ኮይኑ    ቤት፣-ማለት  መሕድሪ ፣መንበሪ፣ ስራሕ ዝስርሓሉ  ጉባኤ ማኅበር ( ቤተ እስራኤል ቤተ ክርስቲያን ከምዝበሃል) ማለት ኪኸወን ከሎ፣ መቅደስ - ማለት ድማ መቀደሲ ፣መመስገኒ፣ መሥዋእተ ጸሎት መቅረቢ ማለት እዩ።

ስለዚ ቤተመቅደስ ዝብል ሓረግ ሓደ ቤተ እግዚአብሔር ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ፣ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ መቅደስ ኦሪት መቅደሰ ወንጌል፣ ቤተ ክርስቲያም ማለት እዩ።
ካልኣይ ማኅበረ እግዚአብሔር ጉባኤ ምእመናን ዝብል ትርጋሜ ክህልዎ ከሎ ክርስቲያን ንገዛእ ርእሶም ማኅደረ እግዚአብሔር ወይ ከኣ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ምዃኖም ይገልጸልና

ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ናይ ቤተመቅደስ ትርጉሙ ግልጺ ንኽንገብሮ ብሠለስተ መገዲ ከፊልና ክንሪኦ ኢና።

.ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን) ቤተመቅደስ ይብሃል።- ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  << ክልተ ወይ ሠለስተ  ዀይኖም ብስመይ ኣብ  እተኣከቡሉ ኣነ ከኣ ኣብ ማእከሎም  እየ። >>  ማቴ.18-20 ብዝበሎ መሠረት ንሕና ምእመንና ክርስቲያን ክልተ ሠለስተ ኮይንና ስሙ እንዳጸዋዕና እንተተኣኪብና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ መንጎና ተረኺቡ ጉባኤና ብጸጋኡ ይባርኸና። ስለዚ ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ ዝኾነ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ( ጉባኤ ምእመናን ) ቤተ መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።


2 .ክርስቲያን  (ሓደ ምእመን) ቤተመቅደስ ይብሃል። ብርሃናት ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ  መልእኽቱ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ናይ እግዚአብሔር መሕደሪ (ቤተመቅደስ) ምዃና ክገልጽ ከሎ      1ይቆረ. 3-16 <<ቤተ  መቅደስ ኣምላኽ ምኻንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ እኳ ነታ ቤተመቅደስ ኣምላኽ እንተኣማሰነ ኣምላኽ ከማስኖ እዩ። ቤተመቅደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ። እዛ ቤተመቅደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም። >> ይብለና።
ከምእውን ኣብ    1ይቆረ.6-19<< ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ሥጋኹም ቤተመቅደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምኻኑ ናይ ርእስኹም̕ውን ከም ዘይኰንኩም̕ ኣይትፈልጡን ኢኹም ስለዚ ብሥጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብሩዎ። >>  ስለዚ ሓደ ምእመን ሰውነቱ ናይ እግዚአብሔር ብምዃኑ፣ ነፍሲ ወከፍ ምእመንና ናይ እግዚአብሔር ቤተመቅደስ ይበሃል።

3. ህንጻ ቤተመቅደስ ቤተመቅደስ ይብሃል። እግዚአብሔር ዝምለኸሉ ቅዱስ ስሙ ዝጸውዓሉ መሥዋእተ ወንጌል ዝሥወኣሉ
ክርስትያን ዝእከብሉ ቤተ መቅደስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ቤተመቅደስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ምስጋና ቦታ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ህንጻ ቤተመቅደስ ናይ ቅዱስ ስሙ መጸውዒ ምኻኑ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። << ሕጂ ከኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታ ኣእዛነይ̕ውን ጽን ክብላ እየን። ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘልዓለም ኣብኣ ኪኸውን ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብኣ ኪኾና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣለኹ። >>  2ይዜና.መዋ.715   ብምባል ህንጻ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ንምእመናኑ ዝባርኸላን ዝቅድሰላን ጸጋኡ ዝዕድለላ ምዃኑ ይነግረና።

ኣብዛ ቤተመቅደስ እግዚአብሔር ፣ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅዱሳን መልኣኽቲ ቅዱሳን ሓዋርያት፣ጻድቃን ሰማእታት ዝርከቡላ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን ጸጋኡን ንምእመናኑ ዝዕድለላ ቅድስቲ ቦታ እያ።

1. ናብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ክንኣቱ ከለና ዝገብሩ ምድላዋት

ጠቢቡ ሰለሙን << ናብ ቤት ኣምላኽ ክትከይድ ከሎኻ እግርኻ ሓሉ። >> መክ.5-1 ከምዝብለና ናብ ቤተ መቅደስ ክኸይድ ዝብገስ ምእመን ንእግሩ ምሕላው ማለት እግረ ሥጋኡ ካብ ዘይግባእ ቦታ እግረ ሕሊናኡ ካብ ሓጥያትን በድልን ምሕላው ይግባእ መዓስ፧ ብኸመይ ናብ ቤተመቅደስ (ቅድመ እግዚአብሔር) ምእታው ከምዘለዎ ፈሊጥና ክንዳሎ ይግባእ።

ናብ ቤተ መቅደስ ቅድሚ ምእታውና ኣቀዲሞና ክንገብሮም ዝግብኣና ምድላዋት ከም እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ካብ ዝቅጽል ጽሑፍና ክንርእዮም ኢና።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚ አብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይግለጸለና።

.ናይ ልቡና ምድላዋት።

ይቕጽል…….  ብሰላም የጽንሓና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።