በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ሰበካ ትንሣኤ ኣዋልዲኃ ለጽዮን
ቅዱሳን ኣንስቲ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ረኣይኦ መጺኤን ንደቂ መዛሙርቲ ነገርኦም። ንሶም ግና ንኣይሁድ ፈሪሖም ኣብ ዝተዓጽወ ገዛ ውሽጢ ተኣኪቦም ከለዉ በሪ መስኮት ናሕሲ ኮነ መንደቅ ከይተከፍተ ብኣምላኻዊ ሥልጣን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ
ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም
ደው በለ። <<ሰላም
ንዓኻትኩም ይኹን።>> ኢሉ ፣ዘመነ ፍዳ ዘመነ ኩነኔ ኣብቒዑ፣ ዘመነ
ሰላም ምዃኑ
ኣበሲርዎም። ደቀ መዛሙርቱ ግና
ብምትሐት ርኹስ መንፈስ ዝተራኣይዎም መሲልዎም ብልቦም ተጠራጠሩ።
ኣብቲ ግዜ
<< ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም ፈሪሆም
ሰምበዱ። ንሱ ከኣ
እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትስንብዱ
ከምዚ ዝበል ሓሳብከ
ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፣ ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን
ዝተወግአ ጎነይ ዳህሲስኩም ርኣዩ። ከምዚ ንዓይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም ምትሐት (ንርኹስ መንፈስ)
ሥጋን ዓጽምን
የብሉን እሞ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ በሎም። እዚ ኢሉ ኣእዳውን ኣኣጋሩን ኣርኣዮም ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም ብሓጐሶም
ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ ንሱ ገለ ዚብላዕዶ ኣብዚ ኣለኩም በሎም ። ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ ተቐቢሉ ኣብ
ቅድሚኦም በልዔ። >> ሉቃ.24፣36-43።
ኣብቲ እዋን'ውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝነሥኦ
ሥጋ ድሕሪ
ትንሣኤኡውን ፍጹም ከምተዋህደ ንርዳእ ።






