በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ኣብጽሓና!
ሕዳር
6 (፮) በዓተ እግዚእነ ወማርያም ወላዲተ አምላክ ውስተ ደብረ ቁስቋም
(Click for PDF)ኅዳር ሽዱሽተ ኣብዚ ዕለት እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ
ስብሐት፣ ምስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ኣረጋዊ ዮሴፍን
ሰሎሜን ሓቢሩ ካብ ስደት ኣብ ዝመለስሉ እዋን ድኅሪ ነዊሕ ኣድካዊ ጉዕዞ ደብረ ቁስቋም ካብ ዝነብሮም ድኻም (እምጻማ ፍኖት ) ዘዕረፍሉ ዕለት እዩ።
ደብረ
ቁስቋም ኣብ ግብጺ ትርከብ ቦታ ኮይና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋዊ
ዮሴፍን ሰሎሜን ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡላ ቦታ እያ። ብድሕሪኦም እዛ ቦታ ተቀዲስን ከቢራን መኅደሪ ቅዱሳን ገዳም ኮይና ስጋብ ሕጂ
ብዙኅ ተኣምራት ዝግበረላ ማኅደር ቅዱሳን ኣበው መንነኮሳት እያ።















