Friday, November 23, 2012

ጸሎት 8ይክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ጸሎት
ብመንጽር ብኂል አበው፡ 8ክፋል

6.   ምንባዕ (ምብካይ)

(Click for PDF)ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ ብዝከኣለና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተደፊእና ምሕረቱ ብንዓት ንለምን። ምኽንያቱ እቶም ዝበኽዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም ስለዝብል።

ቅዱስ መቓርዮስ፡ ዝናብ ምስ ሃረመ፡ ምድሪ ፍሪኣ ትህብ። ደቂ ሰባት ድማ በዚ ደስ እናበሎም ይሕጐሱ። ከምኡ’ውን ንብዓት ዓይኒ ንልቢ የረሕሶ፡ ፍሪኡ ሰናይ መንፈሳዊ ፍረ ኮይኑ፡ ነፍስን ስጋን ደስታ ዝረኽቡሉ ድማ እዩ። ስለዚ ጽባሕ ብዘይጠቅም ኩሉ ኣካልና ከይነደደ ከሎ ሎሚ ንብዓት ዓይንና ኣይንብቀቕ። ከምዚ ምስ በለ መሪር ብኽያት በኸየ እቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ምስኡ በኸየ። ነቲ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ጸሎቱ ንኽዝክሮም ድማ ተማሕጸኑዎ። 

Wednesday, November 21, 2012

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!


ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

እንቋዕ ናብ ናይ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ብሰላም ኣብጻሓና!

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል

(Click for PDF)ሚካኢል ዝብል ስም ናይ እብራይስጥ ቃል ኮይኑ ትርግሙ ከኣ << መን ከም እግዚአብሔር>> ማለት እዩ ። ከም እግዚአብሔር ዝበለ ቅዱስ ንጹህ ርህሩህ ሓያል ረቂቅ መን ኣሎ ማንም የለን እዩ መልሱ። ቅዱስ ሚካኤል ናይ መላእኽቲ ሓለቃ እዩ። ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ኣብ ቅዳሴኣን ዝማሬኣን ብጸሎትን መዝሙርን ኣማላድነት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ትሓትት።

ናይ ቅዱስ ሚካኤል ክብሪ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንቅዱስ ሚካኤል ንማንም ዘይተዋህቦ ዓቢ ክብሪ ከምዝተዋህቦ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ'ውን ኣብ ዕለተ ምጽኣት ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን መል ኣኽቲ ኣስዒቡ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ኣብ ዝመጻሉ እዋን ካብ እግዚ አብሔር ኣብ ልዕሊ ሙታን ሥልጣን ዝተዋህቦ ነዚ ሓያል መላኣኽ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ነዚውን ቅዱስ ጳውሎስ ኪገልጾ ከሎ << እነሆ ምሥጢር እነግረኩም ኣለኹ፣ ኩላትና ኽንልወጥ እምበር ኩላትና ኣይንክንድቅስን ኢና፣ ብሓንሳብ ብቅጽበት ዓይኒ በቲ ናይ ድሕሪ ኩሉ መለኸት እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ እቶም ምውታት ድማ ብዘይሓልፍ ኪትንሥኡ እዮም፣ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና።  >> 1ይ ቆረ.15፣51-52።

Thursday, November 15, 2012

ሀገርኪ ናሁ ገሊላ እትዊ





በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ኣብጽሓና!

 
 

ሕዳር 6 () በዓ እግዚእነ ወማርያም ወላዲተ አምላክ ውስተ ደብረ ቁስቋም

 

(Click for PDF)ኅዳር ሽዱሽተ ኣብዚ ዕለት እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎቱ ስብሐት፣ ምስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ሓቢሩ ካብ ስደት ኣብ ዝመለስሉ እዋን ድኅሪ ነዊሕ ኣድካዊ ጉዕዞ ደብረ ቁስቋም ካብ ዝነብሮም ድኻም (እምጻማ ፍኖት ) ዘዕረፍሉ ዕለት እዩ። 

ደብረ ቁስቋም ኣብ ግብጺ ትርከብ ቦታ ኮይና ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣረጋዊ ዮሴፍን ሰሎሜን ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጡላ ቦታ እያ። ብድሕሪኦም እዛ ቦታ ተቀዲስን ከቢራን መኅደሪ ቅዱሳን ገዳም ኮይና ስጋብ ሕጂ ብዙኅ ተኣምራት ዝግበረላ ማኅደር ቅዱሳን ኣበው መንነኮሳት እያ። 

Wednesday, November 7, 2012

ጸሎት 7ይ ክፋል



በስመ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ሃዱ ምላክ ሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡

ኣብ ጸሎት ክንገብሮም ዝግባእ
1.     ምምስጋን  
(Click for PDF)ማርቆስ ይስሓቕ፡
ዕብየት ጸጋ ብዘይምስጋና ኣይርከብን። 

ብውሑድ ዘይምስግን ኣብ ብዙሕ እየ ዘመስግን እንተበለ ይሕሱ ኣሎ። ውሑድ እዩ ጻማይ ዝብል ዓሻ እዩ።

እቲ ዝቕበል እንተ ኣመስገነ፡ ነቲ ዝህብ ኣዕዚዙ ንኽልግስ የነቓቕሖ።

ነቶም ኣብ ጸበባን ሕማቕ ጸገምን ዘለው ኣሕዋትካ ዘኪርካ፡ ግዝያዊ ሽግራትካ ብሓጐስ ክትሰግሮም ምስ ጀመርካ ምሉእ ምስጋና ከተመስግን ኢኻ።

ንደቂ ሰባት ናብ ውኅበት ኣምላኽ ዝመርሖም፡ ዘውትር ካብ ልቢ ዝነቅል ምስጋና እዩ። ናብ ጥፍኣት ነፍሲ ዝመርሕ ምምራር (ምጒርምራም) እዩ። ቅዱስ ኣምላኽና ንኹሉ ጾር ደቂ ሰባት ዝተሰከመ እዩ። ስለዚ ከኣ ዘማርር ሰብ ኣይፈቱን እዩ።

እቲ ቀጻሊ ዝቕበል ንቅዱስ ኣምላኽና እግዚአብሔር ቀጻሊ ዘመስግን እዩ።

Tuesday, November 6, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን (3) መወዳእታ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣
  ናይ መወዳእታ ክፋል 


ምሥጢር

 (Click for PDF)ኣብዚ ኣርእስቲ ንርእዮ ኣብ ብሉይን ሓዲሽ ኪዳንን ዝተነግረ እንዳማሳሣጠረ፣ ብብዙሕ ምሳሌን ትንቢትን ዝንገር ዝነበረ ናይ ኣምላኽ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላድ ትንቢት ምስ ፍጻሜኡ እንዳዛመደ ዝነግር እዩ።

1 ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አሕዛብ
ትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዑ ለአብርሃም አብ
ጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ውሁብ
ማርያም ዕፀ ሳቤቅ ወምሥራቅ ዘያዕቆብ
ወላዲቱ ለሥርግው (ለሥግው) ኮከብ።
<< ኣህዛብ ብኣኺ ዝዝተባረኹ ናይ ኣብርሃም ናይ ግዝረቱን ዘርኡን ምልክት ንስኺ ኢኺ። ናይ ድንግልናኺ ጽጌ በግዕ (በጊዕ) ንቤዛ ይስሓቅ ተዋህበ። ኦ ማርያም ዕጼ ሳቤቅ ወላዲቱ ለሥርግው( ኮኾብ ዝወልድኪ) ወምስራቅ ዘያዕቆብ ንስኺ ኢኺ።>>

Wednesday, October 24, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣ (ካልኣይ ክፋል)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣ (ካልኣይ ክፋል)
  ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ.
2.   ታሪኽ
     እስከ መነነቶ ሜልኮል ቅድመ ታቦተ ሕግ ከመ ዘፈነ፣
ንጉሠ እስራኤል ኪያኪ ዘጸገየ ስነ፣ 
     ቅድመ ገጸ ሥዕልኪ ድንግል እዘፍን አነ፣
  ዘይሜንን ተአምረኪ ወስብሐተኪ ቁርባነ፣
  በአፈ መላእክት ወሰብእ ለይኩን ምኑነ፡፡ 

Thursday, October 18, 2012

ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን (ቀዳማይ ክፋል)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!



ማኅሌተ ጽጌ ምንጩን ትርጉሙን መልእኽቱን፣

(Click for PDF)እዚ ድርሰት ኣብ ዝኾነ ግዜ ዝጽለ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ኩነታት ኣብ ቤተክርስቲያና  ኣገልግሎት ዝውዕል ካብ መስከረም 26 ስጋብ ሕዳር 5 ዘሎ ናይ  ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝክረሉ ናይ ስደት ዘመን እዩ።  ኣብዚ እዋን በብሰሙኑ ሰንበት ለይቲ ብሙሉእ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ምስዳዶም እንዳተዝክረ ዝግበር ጸሎት እዩ።

Friday, October 5, 2012

ዮሴፍ ወማርያም ህጻኑ ወሴሎሜ፣በዛቲ ዕለት ሖሩ ብኄረ ግብፅ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ዮሴፍ ወማርያም ህጻኑ ወሴሎሜ፣በዛቲ ዕለት ሖሩ ብኄረ ግብፅ።


      (Click For PDF) ኣብ ሃገርና መስከረም 25 ዘመነ ክረምቲ ሓሊፉ መስከረም 26 ዘመነ ጽጌ ይጅምር። ጽጌ ማለት ዕምበባ ማለት ክኸውን ከሎ ዘመኔ ጽጌ  ማለት ናይ ዕንበባ ዘመን ማለት እዩ። ዘመኑ ዕንበባ ዝዕንብበሉ መሬት ብዕንበባ ትምዕርገሉ እዩ።

       እዚ እዋን ብቅድስቲ ቤተክርስቲያና ናይ ፍቓድ ጾም ተባሂሉ ይጽዋዕ ። ካብቶም 7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ወጻኢ ኮይኑ፣ ምእመናን ንበረከት ብፍቓዶም ዝጾምዎ ጾም ማለት እዩ።  ብዙሓት ምእመናን'ውን በረከት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርካብ ብጾምን ጸሎትን እዮም ዘሕልፍዎ ። 

Thursday, September 27, 2012

«ወንሰግድ ውስተ መካን ኀበ ቆመ እግዚእነ» መዝ ፻፴፩፥፯/132፡7


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና!

መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ
«ወንሰግድ ውስተ መካን ኀበ ቆመ እግዚእነ» መዝ ፻፴፩፥፯/132፡7


መስቀል


Click for PDF ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም 17 ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል ናይ ሰላምናን ድኅነትናን ቅድስናን ምልክት፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከድኅን፣ ናይ   ዘለዓለም ሕይወት ንኽህበና መሥዋእት ዝኸፈለሉ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝፈሰሰሉ መንበር ክኸውን ከሎ፣ ንኣምላኽና ንርእየሉ መስትያት እዩ።

Wednesday, September 19, 2012

ጸሎት 6ይክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ጸሎት
ብመንጽር ብኂል አበው፡ 6ክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸል

3.   ስም ክርስቶስ ምጽዋዕ።(Click for PDF)

v ኣባ ድያርክስ፡ “ካብ ኩሉ ርስሓት ልቡ ክሓጽብ ዝደሊ ንጹኅ ዝኾነ ስም ቅዱስ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክጽውዕ ይግባእ። ከይሰልከየ ካብ ውሽጢ መዓሙቕ ልቡ ብፍቕሩ እናተቓጸለ ኣብ ዕረፍቲ ይኹን ስራሕ፡ ብቃል ይኹን ኣብ ሓሳብ ጸዊዑ፡ ካብ እከይ ሓሳብ ነጺኁ፡ ኩሉ ግዜ ንትእዛዛቱ ዝፍጽም ክኸውን ኣለዎ።”

Monday, September 10, 2012

ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ ። ሕዝ. 18-31።





ዘመነ ማቴዎስ ወንጌላዊ 2005 . ግእዝ (2012 .)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!

ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ ሕዝ. 18-31

(Click for pdf)ወዲ ሰብ ንሥጋውን መንፈሳዊን ምንቅስቃሳቱ ብዝጥዕሞ መገዲ እግዚአብሔር ንዝሃቦን ንዝለወጠሉን ዘመን ቀመር እንዳውጸአ ይጥቐም። ንጊዚያት ካብ ሽራፍ ደቂቅ ስጋብ ሺሕ ዘመናት ኸፋፊሉ ይጥቀመሎም። ኣብዚ ዘመን ቀመር ንትማሊ የእርግ ንሎሚ ድማ ሓድሽ ይገብር። ዘመናት ምልውዋጦም ሰብ ናይ ሥራሕ እግዚአብሔር  ከድንቅን መግቦቱ ከይርስዕን ይገብሮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃልኪዳኑን ፍጥረቱን ከምዘይርስዕ መግቦቱ ኩሉ ግዜ ንፍጥረታቱ ከምዘይፍለይ ንርኢ።

Monday, September 3, 2012

ጸሎት 5ይክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡ 5ይክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ
1.  ናይ ለይቲ ጸሎት

v ሓደ ቅዱስ አበውነእምሮ ስለዘብርህ፡ ናይ ለይቲ ጸሎት እፈቱ።ይብሉ።

v ቅዱስ ለንጊኖስ፡ናይ ለይቲ ጸሎት ነእምሮ የንጽሆ።