በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ጸሎት
ብመንጽር ብኂል አበው፡ 8ይክፋል
6.
ምንባዕ (ምብካይ)
(Click for PDF)ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ ብዝከኣለና ኣብ
ቅድሚ ኣምላኽ ተደፊእና ምሕረቱ ብንዓት ንለምን። ምኽንያቱ እቶም ዝበኽዩ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም ስለዝብል።
ቅዱስ መቓርዮስ፡ ዝናብ ምስ ሃረመ፡
ምድሪ ፍሪኣ ትህብ። ደቂ ሰባት ድማ በዚ ደስ እናበሎም ይሕጐሱ። ከምኡ’ውን ንብዓት ዓይኒ ንልቢ የረሕሶ፡ ፍሪኡ ሰናይ መንፈሳዊ
ፍረ ኮይኑ፡ ነፍስን ስጋን ደስታ ዝረኽቡሉ ድማ እዩ። ስለዚ ጽባሕ ብዘይጠቅም ኩሉ ኣካልና ከይነደደ ከሎ ሎሚ ንብዓት ዓይንና ኣይንብቀቕ።
ከምዚ ምስ በለ መሪር ብኽያት በኸየ እቲ ዝሰምዖ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ምስኡ በኸየ። ነቲ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ጸሎቱ ንኽዝክሮም ድማ ተማሕጸኑዎ።













