<<ንኣይ ኣባኻ ምጥማቕ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧>> ማቴ 3፡14
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ
በዓል ጥምቀት ብሰላም ኣብጻሓና!
ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር እቲ ንኣዳም ዘተስፈዎ ዘመን ምስ ኣኸለ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ
ብምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ። ንህላዌኡ ዘመን ዘይቝጸረሉ ወልደ እግዚአብሔር ብተዋሕዶ ዘመን ስለዝተቖጽረሉ ፴ ዓመት ምስ መልአ ብዘመነ ሉቃስ ዕለተ ሠሉስ ጥሪ ፲፩ ልክዕ ሰዓት ፲ ናይ ለይቲ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። አፈ እግዚአብሔር ተባሂሎም ብዝፍለጡ ነቢያት ኣቐዲሙ ብትንቢት፡ ብኢድ መሬታዊ ዮሓንስ ከም ዝጥመቕ፡ “እንሆ ኣነ ልኡኸይ
እልእኽ ኣለኹ፡ ንሱ ቀቅድመይ መገዲ
ክጸርግ እዩ ብኡኡ ከኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ክመጽእ እዩ ይብል
ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር” ሚል ፫፥፩ ከምኡውን ነቢይ ኢሳይያስ “እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ድምፁ ዓው ኣቢሉ መገዲ
እግዚአብሔር ኣብ ምድረ በዳ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምዕ ከኣ ንኣምላኽና ጽርጊያ ኣቕንዑ፡ ሽንጥሮ ዘበለ ልዕል
ይበል፡ ኵሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን፡ እግዚአብሔር
ተዛሪቡ እዩ እሞ ክብሪ እግዚአብሔር ክግለጽ ኵሉ ሰብ ከኣ ኃቢሩ ኺርእዮ እዩ” ብምባል ቃል ትንቢት ኣስሚዑ ነበረ። ኢሳ ፵፡፫።



