Tuesday, May 14, 2013

ናይ ጸሎት ጥቅሚ ንቆልዑ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ከመይ ቀኒኹም ፍትዋት ቆልዑ፤ ሎሚ ሓንቲ ዛንታ ክነግረኩም’የ፡ ከይረበሽኩም ጽን ኢልኩም ስምዑ ሕራይ፤ እታ ዛንታ ምስተወድአት ከኣ ሕቶ ክሓተኩም እየ

እምበኣር ፍትዋት ደቀይ ሎሚ ዝነግረኩም ዛንታ ናይ ጸሎት ጥቅሚ ኢዩ።
 ኣንበሳ

ማንቲለ

ሓሸማ
 
ሓደ እዋን ሓደ ዝጠመየ  ኣንበሳ ናብ  ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ጠምየ ኣለኹ’ሞ ዝብላዕ በኒ ክብል ጸሎት ገበረ። ጸሎት ጌሩ ምስወድኣ ሓንቲ ማንቲለ ርሑቅ ክትመጽእ ረኣየ፣ ምስረኣያ’ውን ተሓጉሱ ንክሕዛ ከጐያ ጀመረ። እታ ማንቲለ’ውን ምስረኣየቶ ብስምባደ እናጎየየት፡ ኣምላኽ ብዚ ኣፍ ኣንበሳ ኣውጽኣኒ ክትብል ለመነት፡ እቲ ኣንበሳን እታ ማንቲለን እናተጓየዩ ከለው፡ ኣብ ሓንቲ ሩባ በጽሑ። እታ ማንቲለ እናጎየየት ነቲ ሩባ ሰጊራቶ ከደት። እቲ ኣንበሳ ግና ኣብቲ ሩባ ምስበጽሐ ደው በለ። እታ ማንቲለ ኣምሊጣቶ ከምዝኸደት ምስረኣየ ሓዚኑ ጥውይ ክብል ኣብቲ ጥቃ ሩባ ጸጊቡ ዝደቀሰ ሓሸማ ረኣየ። እንታይ ገዲሹኒ ደኣ ንማንቲለ ዘጓይያ ኢሉ ነቲ ዝደቀሰ ሓሰማ በልዖ። እቲ ጸጊቡ ደቂሱ ዝጸንሐ ሓሸማ ብኣንበሳ ተበሊዑ። እቲ ኣብልዓኒ ኢሉ ዝጸለየ ኣንበሳ በለዐ። እታ ኣውጸኣኒ ዝበለት ማንቲለ ድማ ወጸት። ስለዚ ፍትዋት ቆልዑ ካብ’ዚ እንታይ ንመሃር ጸሎት ጠቃሚ ከምዝኾነን ክንጽልይ ከምዝግበኣናን ኢዩ። እቲ ሓሸማ ስለዘይጸለየ፣ ተበሊዑ። ንሕና’ውን ፍትዋት ቆልዑ ክፉእ ዘበለ ንኽንድሕን ወትሩ ጸሎት ክንገብር ይግበኣና ሕራይ'ዶ፤ በሉ ክሳብ ብሰላም ንራኸብ ኣምላኽ ሰላም ምሳኹም ይኹን ፍትዋት ቆልዑ።

Monday, March 25, 2013

ቲ'ዚጉዳእ መን እዩ።



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

'ዚጉዳእ መን እዩ።

(Click For PDF)ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ካብ ዘምኃሮም ትምህርቲ ሓደ << ንጸላእትኹም ፍተዉ ዝረግምኹም መርቑ ……  ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ ስለቶም ዚጸፍርኹም ዚሰጉኹምን ጸልዩ። >> ዝብል ይረከቦ። ማቴ.543-44፣ ብዙኃት ነዚ ቃል ዋላ እንተፈለጥናዮ ጸላእትና ክንፈቱን፣ ክንምርቖምን ብዛዕብኦም ንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ብዘይምስትውዓልና ነዚ ነገር እዚ ክንገብሮ ንጽገም። << ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክንገብር ስለዘምኃረና እዩ። >> ብምባል ከም ትእዛዝን ግዴታን ጥራሕ ጌርና ንምልከቶምውን ኣይንጠፍእን ኢና።

Saturday, March 16, 2013

ብቃልኪዳነይ ጸኒዐ ክጽበ እየ።





በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ብቃልኪዳነይ ጸኒዐ ክጽበ እየ።
ዝኸበርኩም ኣኃዋትን አኃትን ኣብዚ ሰሙን ካብ ዘንበብኩዎ ከካፍለኩም ሠናይ ንባብ።
ሓደ ሰብኣይ ንንግዲ ካብ ዓዱ ናብ ካልእ ዓዲ ኪኸይድ ይሓስብ እሞ። ንበዓልቲ ቤቱ በዚ ነገር የማኽራ፣ ኮፍ ኢሎም ድማ ይመኽሩ ከምዚ ድማ ይብላ። ክብርቲ በዓልቲ ቤተይ ሓደ ሓሳብ ከማኽረኪ፣ ኣነ ንንግዲ ናብ ካልእ ዓዲ ንነዊሐ መገሻ ኪኸይድ እሞ ነጊደ ጺዒረ ላዕልን ታሕትን ኢለ መኽሰበይ ሒዘ ክምለሰኪ። ግና ንኽንደይ እዋን ማለት መዓስ ጊዜ  ከምዝምልስ ኣይፈልጥን እየ ክንደይ ዓመት ከምዝጸንሕ'ውን ሕጂ ክውስኖ ኣይክእልን እየ።  ስጋብ ዝምለስኪ ግና ዝኣክል ገንዘብ ኪገድፈልኪ እየ ። ንሳ ከኣ ብውሽጣ ምፍላዩ ዋላ ደስ እንተዘይበላ ግና ካብቲ ዝኸዶ መገሻ ከይትዕንቅፎ ብምስምማዕ ሕራይ በለቶ።
እቲ ሰብኣይ ብመንፈሳዊ ዝበርትዐ ስለዘይነበረ እንዳተወላወለ ቀጺሉ ከምዚ በላ << ዘሸግረኪ ፈተና እንተሎ ናይ ሓሳብ ሥጋ  እዩ። እሱ ከኣ ኣባኺ ገዲፈዮ ኣለኹ።>> ብምባል ዋላ ምኽሪ ከይለገሰላ ብንብዓት ተሰናቢታቶ ተፈላለዩ።

Saturday, March 9, 2013

ጾምናን ምጽዋትናን እንታይ ይምሰል?


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

ብቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ


ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊን ካልኦት ናይ ሶርያውያን ቅዱሳን ኣበው ብዛዕባ ጾም ፣ጸሎት፣ ምጽዋት ንነፍሲ ብርሃን እዮም እንዳበሉ ይገልጹልና። ዓይኒ ብድጋፍ ብርሃን ከምዝርኢ ነፍሲውን ብዘይ እዚኣቶም ድጋፍ መንፈሳዊ ዓለም ምርዳእ ኣይትኽእልን እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ናይ ሥጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ብዘሎ ሥጋኻ ብሩኅ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና ብዘሎ ሥጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እዚ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።>> ማቴ.6፣22። ብርሃን ዝበሎም  ነዚኣቶም እዩ። ነዚኣቶም ካብ ከንቱ ውዳሴን ሪሕቕና ብግቡእ ተጠቒምና ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮም መንፈሳዊ ምስትውዓልና ኣዝዩ ዝዓሞቐ ይኸውን። ኮይኑ ግና ነዚኣቶም ካብ ሰብ ክብርን ሞገስን ደሊና እንፍጽሞም እንተዀይና፣ ካብ ጥቅሙ ንላዕሊ ጉድኣቱ ኣባና ይዛይድ እሞ  መጻወቲ ጸላኢ ሠናያት ይገብረና ። ብግቡእ እንተዘይተግበርናዮም ኣብ ልዕሊ ሓጥያትና ሓጥያት ክንውስኽ ይገቡሩና እሞ መንገዲና ንስሕት። ስለዚ ኣባና ዘሎ ብርሃን (ጾም ጸሎትን ምጽዋትን ) ብኸንቱ ውዳሴን ብኻልኦት ሓጥያት ጸልማት እንተዀይኑ፣ ቀዲሙ ምስ ዝፈጸምናዮም ሓጢኣት ተደሚሮም ናብ ዝገደደ ጸልማት የውዱቑና። ስለዚ እዪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።>> ዝበለና። ድንቂ ዝኾነ ኣስተምኅሮ ከነስተውዕሎ፣ ቅዱስ ኤፍሬም ካብ ዝተርጎሞ መጽሓፉ ወንጌል ትርጓሜ ብዛዕባ ጾም እስከ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንርአ። አምላከ ቅዱሳን በረኸትን ረደኤቱን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም የካፍለና።

Thursday, February 28, 2013

ፍቅሪ እምበር ሓሚመ( ሄለን መለስ)



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!


ፍቅሪ እምበር ሓሚመ( ሄለን መለስ)
(Click For PDF)ዝተፈተኹም ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም አማላድነት፥ ናይ ቅዱሳን መላእክት ሓለዋ፡ ናይ ጻድቃን ሰማዕታት ተራዳእነት ኣመንቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ቀኒኹም፤ ኣሜን !! መልስኹም “ኣምላኽ ይመስገን” ዝብል ንፈጣሪ ዘቐደመ ብምዃኑ እናመስገንኩ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ንኣምላኽ ክንሰርዖ ከምዘለና ዘመስክር ሓቂ እዩ። ሎሚ ናይ መዛራረቢ ዛዕባና ስለፍቕርን መግለጺታቱን እዩ። ብዝኾነ ብዛዕባ ፍቕሪ ካብ ብዙሓት ደረስቲ፡ ተላሃይቲ፡ ገጠምቲ፡ ኣዝየምቲ ኮታስ ዳርጋ ካብ ኩሉ ብኩሉ ኩርንዓት ዓለም ሰሚዕኩም ትኾኑ ኢኹም። ንፍቕሪ ክገልጹ ዘይተጠቅምሉ ናይ ፍልስፍና ቃላት የለን እንተተባህለ’ውን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። በሉ ጉዕዞና ብሓንሳብ ይኹን እሞ፡ ስለፍቕርን መግለጺታት ፍቕርን እናዘተና ብሓንሳብ ክንጉዓዝ ዕድመይ የቕርበልኩም።
ሓደ እዋን እዩ ብኣጋጣሚ ኣብ ሓንቲ ኣውቶቡስ ተሳፊረ ኣመት ጉዕዞይ እናገበርኩ ምስ ሓንቲ መማህርተይ ዝኾነት ኤርትራዊት ይራኸበልኩም። ድሕሪ ሰላምታ ምልዉዋጥ ብዛዕባ ናይ ሃገርና እናዘክረና ዕላልና ንጅምር እሞ

Saturday, February 23, 2013

ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥኣን ተስፋነ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥኣን ቤዛነ ኪዳነኪ ኮነ



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኪዳነምሕረት ዓመታዊ በዓል አብጸሓና!

ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ዘውጻእናዮ ንኽትከታተሉ ብኽብሪ ንዕድም። 

(ኣብዚ ጠውቑ ሠናይ ንባብ።)

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!

Wednesday, February 6, 2013


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
<<ኣባኻ ተዋሐሰኒ፡ እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዚጠቕዓለይ>> (እዮብ 17፡3)
ሰላም እግዚኣብሔር ንዓኹም ይኹን ክርስቶሳውያን። ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሔር ይኽበር ይመስገን ከም ትብሉኒ እምንቶይ እዩ። በረኸቱን ጸግኡን ይብዝሓልኩም ብምባል ድማ ናብ ትሕዝቶይ ክሓልፍ። ካብ ንፍጠር ኣትሒዝና ትርጉም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምድላይ ወይ ነገርና ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ምምዕቛብ ዝጠፍኣና ይመስል። ንኣብነት እዞም ፈላጣት ኢና ንብል ብኣካዳማያዊ ዓቕሚ ክብ ዝበልና፡ ይቕረ ግበሩለይ ደኣ እምበር ሕልፍ ዝበለና ኢና። በዘን ዘይጠቕማ ትምህርቲ፡ ብልሒ ወይ ንዋታዊ ሓይሊ ፍሉይ ነገር ንገብር ወይ ብቕኑዕ ኣበሃህላ ንዓለም ከም ድልየትና ክንጠዋውያ ንኽእል እዩ ዝመስለና። እዚ ከኣ ነገርና ንእግዚኣብሔር ንምሃብ ይዕንቅጸና። ነገርና ንእግዚኣብሔር ምሃብ ክበሃል ከሎ ብዙሕ ሰማያዊ ጸጋታት ይሓቑፍ። ንኣብነት ካብ ብዙሕ ውሑድ፡ ትሕትና፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ረድኤት ኣምላኽ ምጽባይ. . . ወዘተ እዮም።
ንኣብነት ሓደ ሰብ፡ “ዓለም ሎሚ ቀላጽመይ ከርእየኪ እየ” ብዘስምዕ ሓሳባት፡ ብልሑ ተጠቂሙ፡ ከውርድ ከደይብ፡ መደባት ክሕንጽጽ፡ ኮታ ብዙሕ ሃልኪ ይሃልኽ። ዝኾነ በቲ ዝሓንጸጾ ምስ ዘይከይድ ድማ ይሓርቕ። እዚ ምንጽርጻር ኸኣ ዓለም ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ስለዘይከደት እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ እዩ ነቲ ጠዋይ ንምቕናዕ፡ ትውክልቱ ናብ እግዚኣብሔር ንምግባር ብፈተና ዝኸውን። ኣብዚ እዩ ኩሉ ሰብ በቃ! ኩሉ ነገረይ ኣብ ኢድካ ኣረኪበካ ኣለኹ፡ ድላይካ ግበረኒ ዝብል። ኣብ መወዳእታ፡ እታ ካብ ቀደም ክትበሃል ዝነበራ ቃል፡ ኦ እግዚኣብሔር ፍቓድካ ይኹን! ክብል ይጅምር። እዚ ከኣ ብመከራ ከመይ ገይርና ኩሉ ነገርና ትሕቲ ኢድ እግዚኣብሔር ነማዕቑብ ዝብል ኣምር ነሕድር።

ንስሓ 6ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 6ይ ክፋል
5.  ምንዛዝ 
+ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ ሓጢኣቱ ዘኪሩ ዝናዘዝ ብዙሕ ኣይሓጥእን፡ ሓጢኣቱ ክዝክር ዘይክእል ክናዘዝ ኣይክእልን። ጥፍኣቱ ድማ፡ ዓቢ እዩ።
ድኻሙ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተኣሚኑ ንነፍሱ ዘዋርድ፡ ነቲ ዝረኸሰ ክዳኑ ተገዲሱ ዝሓጽብ ዘሎ ሰብ ይመስል። 

+ ንሕማቕ ሓሳባቱ ዘጥፍእ ሰብ ካብ ውሽጢ ልቡ ዝነጽኅ እዩ። ሕማቕ ሓሳባቱ ዘይሓጽብ ግና ንጥፍኣቱ እዩ ዝሓስብ።

+ ቅዱስ ማር. ይስሓቕ፡ ሕማሙ ዝነግር ክሓዊ ቀሊል እዩ፡ ስቓዩ እንታይ ከም ዝኾነ ዝናዘዝ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ንጽህና ይርከብ። ተሪር ዝልቡ ስቓዩ ዓቢ እዩ፡ ካብ ሓኪም ዝሃድም ፈውሲ ቃንዛ ኣይረክብን።
+ ንስሓ ዘይብሉ ሓጢኣት እምበር ምሕረት ዘይርከቦ ሓጢኣት የለን። 

Monday, January 28, 2013

ንስሓ 5ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 5ይ ክፋል

2.  ናብ ንስሓ ምቅልጣፍ
+ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከምዚ ይብል፡ ኩሉ ግዜ ንስሓ እቶ፡ ውሱን ግዜ ንንስሓ ኣይትግበር።

+ ቅዱስ በኻምዮስ’ውን፡ “ከርክበሉ እየ ኢልካ ንንስሓ ኣይተጽንሓያ። ምኽንያቱ ከይተዳለኻ ከለኻ፡ ሃንደበት ንነፍስኻ ዝወስዱ  ከይመጹ፡ ኣብ ከቢድ ጸልማትን ዘንደልህጽ ሓውን ነፍስኻ ከይተደርበየት ከላ፡ ጸለምቲ ከይከበቡኻ ከለው፡ ናብ ዘሰንብድ ስፍራ ከይወሰዱኻ ከለው፡ ብዘለካ ኃይሊ ተበራበር። ናብ መንግስቲ ኣምላኽካ ብሰላም ምእንቲ ክትኣቱ፡ ኣብ ንብረት ጐይታኻ እሙን ኩን። 

+ ኣነ ካብቲ ሰናይ ገይሩ ዘታልል፡ ሓጢኡ ዝጠዓስ ይፈቱ።

+ ቅዱስ ባስልዮስ፡ “ዘይምሕጣእ ጽቡቕ እዩ፡ ምስ ሓጣእካ ግና፡ ናብ ንስሓ ጕየ። ምስ ተናሳሕካ ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ ድማ ዝበለጸ እዩ። ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ ግን ብኃይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ነዚ ኩሉ ምስ ፈለጥካ ንኣምላኽ ምምስጋን ይግባእ። ዘውትር ረድኤቱ ምልማን ድማ ሰላም ይህበካ።”    

+ ቅዱስ ኣባ ጢሞቴዎስ፡ “እንተሓጣእካ፡ ሸለል ኣይትበል ኣይትተሃከ ድማ፡ ተቐላጢፍካ ተንስእ። መንገድኻ እንተሰሓትካ ቀኑዕ መንገዲ ክሳብ ትረክብ ንድሕሪት ተመለስ። ምኽንያቱ እታ ቅንዕቲ መንገዲ ጥውይዋይ የብላን። ምንዋሕ ዓመታት’ውን ኣይርከባን። ብቕልጡፍ ናብ ከተማ ሰላም ተብጽሓካ።”