Monday, July 4, 2011

ጾም


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ጾም ካብ ማይን መግብን ንዝተወሰነ ግዜ ምጽናሕ ወይ ምውዓል ወይ ምውዓልን ምሕዳር ማለት እዩ። ጽቡቕ! ኩልና ውሉድነት ረኺብና ማለት ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስን ምንጻህ ማይን ተጠሚቅና ንብል። ምስጢረ ጥምቀት ነዚ ምስጢር ጽቡቕ ገይራ ትገልጾ እያ። ሕጂ ግን ብዛዕባ ጾም እየ ክዛረብ ደልየ። ጾም ሎሚ ድዩ ተፈጢሩ፤ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰብ ማለት ንኣቦና አዳም ካብታ ፍረ ህይወት ከይትበልዕ ኢሉ ኣዚዙዎ። እታ መጀመርያ ጾም እዚኣ እያ። ስለዚ ዶግማ ኣይቅየርን እንተ ኾይኑ ደኣ ሎሚ ዚመጻእካ ወዲ ሰብ ጾም ኣይጾውምን እየ፡ ክሓምም እየ፡ ስጋ እንተዘይበሊዐ ክመውት እየ ኢለካ ንነፍስኻ ተጨንቃስ ንምንታይ። እዚ ነገር መሰረት ቅዱስ ቃል እግዚኣብሔር ምዃኑ ነስተውዕለሉ።

ህዝቢ እስራኤል ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ-በዳ ክጓዓዙ ከለው እንታይ ይበልዑ ነበሩ፤ እግዚኣብሔር ካብ ቁጥዓ ምሕረት ዝፈቱ ኣምላኽ ጠሚና ምስ በሉ ማና ሂቡዎም። ማና ካብ ሰማይ ይወርዶም ነበረ። ተመስገን ከይብሉ ስጋ ሃበና ኢሎም ኣምሪሮም ከኣ በኸዩ (ኦሪት ዘሁልቅ 10)። ስጋ ክንሃርፍ ከለና ስጋ እንታይ ስለዘለዎ እዩ ክንድዚ ንሃረፎ፤ እዞም ከም ስጋ ዘገልግሉና በጊዕን ተለበጊዕንሲ እንታይ እዮም ዝበልዑ። ሳዕሪ’ኮ እዮም ዝበልዑ። ጸባ ጸገብ ዝበሃል ሰብ ንምንታይ እዩ፤ ግርም’ኳ እዩ ዝብለካ። ጸባ ጸገብ ዘይኮነስ ስጋ ጸገብ ኮይኑ ሕጂ ሓቀይ። ንህዝቢ እስራኤል ካብ ስጋ ክበልዑ ምስ ኣፍቀደሎም ኩራ እግዚኣብሔር ከም ዝወረዶም እዩ ኣብ ዘሑ 10፡33 ዝነግረና “እቲ ስጋ ገና ኣብ ኩርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸኣ ኩራ እግዚኣብሔር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፡ እግዚኣብሔር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዔ መቕዘፍቲ ወቕዖም”። ሓንቲ ሓፍትና ኣብ ዘሰክፍ ግዝፊ ምስ በጸሐት ናብ ሓኪም ትኸይድ እሞ፡ እቲ ሓኪም ከኣ ካብ መግቢ ክትሕረም (ክትክልከል) ትእዘዝ። ወዮ ጓልያት ምግቢ ትበሃል ትገድፎ። ንምንታይ እንተ ኢልና፡ ቅርጻ ከይበላሾ። ብቀደሙስ ጹሚ ዶ ኣይተባህለትን። ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። ኣምላኽ ዝብለካ ገዲፍካስ ሓኪም ዝበለካ ትሰምዕ እዝንስ ከመይ ዓይነት እዚ ተዋሂባትና፤ ጥልላት ዘይምብላዕ ኣይቀትል ኣየሕምም። እቲ ዝገደደ ሕማም ባዕላትና ነምጽኦ እዩ። እቲ ዝዓበየ ከኣ መንፈሳዊ ሕማም እዩ። ነፍስካ ክትጸውም ከላ ነፍስኻ ንስጋኻ ትቆጻጸራ። ንጸሎት ንቁሕ ትኸውን። ትሕትና ይህልወካ ማለት ትዕቢት ናይ ጉብዝናኻ ይደክም። ካብቲ ዘገርም ግን መብዛሕትኡ ኣብ ምሕቃቅ መግቢ ዝነጥፉ ኣካላትና ዕረፍቲ ምርካቡ እዩ። ጾም ነፍስን ስጋን ሓቢሮም መንፈሳዊ ስራሕ ዝሰርሑሉ ግዜ እዩ። ኢድካ ኣልዒልካ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ክትጽሊ ከለኻ ንፍስን ስጋን ተሓባቢሮም ዝሰርሑሉ እዋን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ብምሉእ ስጋኻን ነፍስኻን ልብኻን ሓሳብካን ኢኻ ንዓለማዊ ድልየታት ትጾመሉ። ምኽንያቱ ዓለም ሓላፊት እያ።

ፍቕሩ ዝሃበካ እግዚኣብሔር ፍቕርኻ ሂብካ ናብ ሬድኤቱ ተማዕዱ። ስለዚ በረኸት ጾመ ሓዋርያት ኣይፈለየና ክርስቶሳውያን ኣእዳውና ኣልዒልና ናብ ልዑልን ልዑለ ባህሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንለምኖ። ካብ ሓንቲ ሰዓት ናብ ክልተ፡ ክልተ ኢልና ከኣ ሰለስተ፡ ከምኡ ኢልና ናብቲ መንፈስ ቅዱስ ኣዲልዩልና ዘሎ ጸጋ ንብጻሕ።

(ትርጉም ካብ መጽሓፍ H.H Pope Shenouda III, Spiritual Fasting)

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

እግዚኣብሔር ምሳና ኣሎ

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!! 

ዮሓ. 14፡18 “ኣነ ዘኽታማት ኬንኩም ክትተርፉ ኣይሓድገኩምን እየ” ይብለና ልዑል ፈጣሪ። ብሓቂ ክርስቶሳውያን እግዚኣብሔር ኣምላኽና በደልናን ኣበሳናን ከይተመልከተ በቲ ዘይውዳእ ምሕረቱ ጌሩ ናብ ‘ዛ ዕለት እዚኣን ናብ’ዛ ሰዓት ‘ዚኣን ኣብጺሑ ንንስሓ ትበቅዕ ዕድመ ወሲኹ ይንከባኸበና ኣሎ። ስሙ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። እዚ ሓይለ ቃል’ዚ ዓቢ ምዃኑ ሓይሊ ኣስኒቁ ኣብ ተስፋ ሰማያዊ ሃብቲ ክንጸንዕ ይመኽረና። ኣቦ ኣለና መን እዩ ዝጎድኣና! ሓደ ኮ የለን ብሓቂ። እዚ ግን ንሕና መእመናን ምፍላጥና ምስ እግዚኣብሔር ክንከይድ ይግባእ። መገዱን ቅንዕንኡን ኣርእዩና። እቲ ዝዓበየ ኸኣ ብቅዱሳን ኣእጋሩ ገይሩ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ክዞራን ክቅድሳን ከሎ ኣርኣያ ዝኾነና ኩሉ ገዲፉልና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ 1 ጴጥ 2፡21 “ንስኻትኩምውን ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም ክርስቶስ ድማ ኣሰር ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ ምእንታኹም መከራ ተቐበለ፡ ኣርኣያውን ሓደገልኩም” ይብል ቅዱስ ቃሉ።

 ነቢይ ዳዊት ምስ ጉልያጥ ክገጥም ከሎ ኣብ ወንጭፉ እግዚኣብሔር ሒዙ እዩ ከይዱዎ። ጉልያጥ ግና ምስቲ ጉብዝንኡ ኣረኣእዩ ነቲ ዘይርአ ዘይጭበጥ እግዚኣብሔር ስለዘይየስተውዓለ “በትሪ ሒዝካ ትመጻኒስ ኣነ ከልቢ ድየ፤” ጉልያጥ ብጣዕሚ ብትርኢቱ ዘርዕደካ ሰብ እዩ ነይሩ። ዳዊት ከኣ ሓደ ንእሽቶይ ጓሳ እዩ ነይሩ። እግዚኣብሔር ግና ንኽልቲኦም ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሔር ዝሓረዮ ከኣ ብሓንቲ ናይ ወንጭፍ እምኒ ገይሩ ነቲ ገዚፍ ፍጥረት ኣብ ኢድ እቲ ንእሽቶ ድኹም ግን ብሓይሊ እግዚኣብሔር ዝመላለስ ዳዊት ኣሕሊፉ ሃቦ። (1 ሳሙ 17)። ግሓ. 18፡10 “ኣነ ምሳኻ ስለዝኾንኩ ድማ ኪጎድኣካን ኪጻብኣካን ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን”። ምስ እግዚኣብሔር ንጎዓዝ። ቃሉ ንመገብ ህይወና ነዛ ሓላፊት ዓለም’ዚኣ ኣይንሽጣ። ምኽንያቱ ንሕና ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ኢና ዝተወለድና። ህያዋን ክንከውን ምስቲ ህያው ዝኾነ ሓደ ኣምላኽ ንኹን። ኢሳ 41፡10 “ምሳኹም እየ እሞ ኣይትፍርሁ ኣነ ኣምላኽኩም እየ እሞ ኣይትሸበሩ፡ ከበርትዓኩም፡ ክረድኣኩም በታ ሓያል የማነይቲ ኢደይውን ክድግፈኩም እየ” ብሓቂ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምሳና ኣሎ።

 ፍርሂ እታ ናይ መጀመርያ ምንቅጥቃጥ ልቢ ኢያ። ፍርሂ ኣብ መጀመርያ ዝመጸት ፍርሂ ሰሪ ኩሉ ዝለዝኾነት። ፍርሂ እንተዘይብለና ኮይኑ ኣይንሕሱን፡ ሓውና ኣሕሊፍና ኣይንህብን፡ ኣብ እንጽልዮ ኣይንጠራጠርን። ምስጢሩን ጥበቡን ዝገለጸሎም ቀዳሞት ኣቦታትና ንየማነይቲ ኢድ እግዚኣብሔር መን ይብልዎ፤ ወልድ እግዚኣብሔር እዩ። ዮሓ 1፡1 “ቃል ብመጀምርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።” ይብለና። እዚ ሓይለ ቃል እዚ ሓይለ ልዑል ኣምላኽ ኣጽለለና ካብ ሞት ውን ኣውጸኣና። ስለዚ ኣብ መዝሙሩ ዳዊት መዝ 124፡1 “እግዚኣብሔር ምሳና እንተዘይነብርሲ እንታይ ምኾንና ኔርና እስራኤል ምላሽ ይሃብ”። ካብዛ ገጽ ምድሪ ምጠፋእና ነይርና። ግን እግዚኣብሔር ምሳና ኣሎ። ብሓይሉ ንንቀሳቐስ ብሓይሉ ነስተንፍስ ብሓይሉ ደቂስና ንትንስእ። ኣስዕብ ኣቢሉ ነቢይ ዳዊት መዝ 27፡10 “ኣቦይን ኣደይን እኳ እንተ ጠንጠኑኒ ንስኻ ኦ እግዚኣብሔር ትእርንበኒ ኢኻ”። ኩሉ ኣንጻርይ ክለዓል እቶም ዝፈትዎም ኣቦይን አደይ ‘ኳ እንተ ሓደጉኒ ንስኻ ኩሉ ሰናየይ ኢኻ ብሓቂ። ኣቦኣን ኣዲኣን ኣብ ዓዶም ገሊላ ሕፉራት ዝነበሩ (ወንጌል ሉቃ 8፡43-48) ነታ ብዙሕ ደም ዝፈሳ ዝነበረ ጓሎም ገዲፎም ናብ ካልእ ከይዶም። ብሰንኪ ደም ምፍሳሳ ዘይበጸሑዎ ኣይነበረን። ዓለም ከም ንፈልጣ ከዳዕ እያ። እታ ትነብረላ ዝነበረት ገዛ ‘ኳ ኣሕዲጎም ግዳም ሓደር ኮይና ኩሉ ሰብ ፈንፊኑዋ። ጎይታናን መድሓኒናን ግን ከምኡ ኣይኮነን። ብፍቕሩ ደጊፉ ነታ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ ተንኪፋ ክሓዊ ኢላ ምእማና ይኹነልኪ “እምነትኪ ኣሕወየትኪ ኣላ” ሰላማ መለሰላ። ሕጂ ውን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ምሳና ኣሎ። ማቴ 28፡20 “. . . እንሆ ኣነ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ኩሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብቅዱስ ቃሉ የጸናንዓና። ብቅዱስ መንፈሱ ገይሩ ይደግፈና፡ ሓይሉ ኣይኽለኣና፡ ኩሉ ግዜ ነታ ሎሚ ኮይና ንርእያ ተስፋ ክሳዕ መወዳእታ ምሳና ጸኒዓ ትንበር። 

ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

Saturday, June 4, 2011

ብጌጋኻ ዘይምእማን

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ትሕትና ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፤

ኣብዚ ዓቢን ኣገዳስን ኣርእስቲ’ዚ ክንዛተ እንተ ኮና ትሑትነት’ውን ምግላጽ ከድልየና እዩ። “ኣነ መን እየ፤” ዝብል ናይ ትሑትነት ስምዒት (Inferiority) ሒዙካ ትሕትና ተተግብር መሲሉካ ናይ እግዚኣብሔር ክብርን ሓቅን ክድፈርን እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ከተጽቅጥ ግቡእ ኣይኮነን። ንትሕትና ዝምልከት ንኣብነት ሓደ ቅዱስ ኣቦ “ከልቢ!!!” ኢሎም ምስ ተጸርፉ “ኣውሒድካለይ ዝሓወይ ከልቢ ደኣ ንጎይትኡ ክሳብ መቃብር ይሕልዎ እዩ፡ ኣነ ግና ክሳብ’ዛ ዕለት’ዚኣ  ንጎይታይ ብግቡእ ኣይየገልገልኩዎን” በሎ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ንነፍሱ ተከላካኺሉላ’ዶ፤ ኣይፋሉን። ኣይተኸላኸለላን። መን ደኣ ይከላኸለሉ፤ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ ክከላኸለሉ። ትሕትና ነዚ ይመስል። እዚ ትሑት ኣብነታዊ ቅዱስ ኣቦ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትሑት ኮይኑ ይነብር፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ትሑት እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ገዛእ ርእሱ’ውን ትሑት እዩ።

እቲ ብጌግኡ ዘይኣምን ሰብ እሞ ኸኣ ኣነ ቅኑዕ እየ ኢሉ ዝካታዕ ዓቢ በደል ኣለዎ። እዚ ሰብ’ዚ ጣዕሳ ኣይፈልጣን’ዩ፡ ናብ ንስሓ ክኣቱ’ውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኣይተጋገኹን ኢሉ ስለዝሓስብ።
ኢዮብ 10፡2 ”ኦ ኣምላኽ ኣይትኾንነኒ ብምንታይ ትኸሰኒ ኸም ዘሎኻ ንገረኒ” 

ሺምዒ ንዳዊት ምስ ረገሞ ዳዊት እንታይ ኢሉ መለሰሉ፤
2 ሳሙ 16፡10 “ ንጉስ ግና ኣቱም ደቂ ጽሩያ ምሳኻትኩም ዚራኽብ እንታይ ኣሎኒ፤ እቲ ዚረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሔር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ ‘ስለምንታይ ከምዚ ትገብር ዝብሎ መን እዩ፤ በሎ።”
ቅኑዕ ከሎ ዝማጎት ኣሎ። በዲሉ ከሎ ከኣ ዝማጎት ኣሎ።

ጌጋ የብለይን ዝብል ሰብ ንጎይታ ምድሕን ህይወተይ ክብሎ ኣይበቅዕን እዩ። ዘይጋገ እንድዩ ካብ ምንታይ’ሞ ከድሕኖ። “ንሓኪም ሕሙማት እምበር ጥዑያት ኣየድልይዎን እዮም” ይብል እግዚኣብሔር ወልድ። ብሓቂ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ዝግብኦ ዓቢ ህያው ቃል እዩ። ስለዚ ኣብዚ ትዕቢት ንስሓ ካብዘይሃለወት መዓስ ደኣ ክንምለስ፤ ድርቅና ምስዝውሰኾ ከኣ ካብ ሓንቲ ጌጋ ናብ ብዙሕ ተለዊጣ ጠጠው መበሊ/መዕረፊ ትስእን። ብኣንጻሩ እቲ ንሰማያዊ ህይወት ዝናፍቅ ሰብ ኩሉ ግዜ ተጋጊየ እና በለ ይነብር። ብስቡር ልቢ ንኣምላኹ ስለዝምለስ ኩሉ ግዜ ኣምላኽ እሕልዎን ይረድኦን። ንኣብነት ኣብ ሉቃስ ወንጌል 18፡11-13 ዘሎ ቅዱስ ቃል እቲ ፋርሳውን ተቀባል ቀረጽን፡ ተቀባል ቀረጽ ሓጥያቱ ተኣሚኑ ኣፍልቡ እናወቀዐ ናብ ኣምላኽ ጸለየ ሓጥያቱ ከኣ ተሓድገሉ። እቲ ፋርሳዊ ግን “ከምቲ ተቀባል ቀረጽ ዘይኮንኩ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ይጸውም እናበለ ጽድቁ ይቆጽር ነበረ፡ በሰንኪ ትዕቢቱ ከኣ ጸሎቱ ክዕንቀፍ ይርአ። ንጎይታና ጎይታ ኹሉ ኣሚና ካብ ዝገበርናዮ ኩሉ በደል ይቅረ ክብለልና ብስቡር ልቢ ንለምን። ኣምላኽ ከኣ ምሕረቱ ኣብ ቀረባ እያ። ብካልእ ወገን ውን እታ ኣመንዝራ ንጎይታና ብንብዓታ ቅዱሳን ኣእሩ ዝሓጸበት ስርየት ሓጥያት ካበይ ምዃኑ ስለዝተረደአት ካብቲ ዝገበረቶ ኩሉ ነጺሃ ክትመላለስ እግዚኣብሔር ወልድ ብርህራሀ ሓደገላ።

በደለኛ ከሎኻ በደል ይብለይን ኢልካ ንሰባት ከተእምን ምፍታን ተወሳኺ ዕንቅፋት እዩ። ከምኡ’ውን ክብርኻ የነኪ። ሰማያዊ ሃብቲ ዘማዕዱ ግን ተበዲሉ ከሎ ተበዲለ ኣይብልን ብሕልንኡ’ውን ከይተረፈ ከምዘይተበደለ ይኣምን። ካብዚ ዝለዓለ እቲ ወሪዱዎ ዘሎ ናቱ ይቆጽሮ። ንኣብነት ንዝጸረፈካ ወይ ጌጋኻ ንዝነገረካ ካብ ትኹርየሉ ወይ ትምልሰሉ ዓርክኻ ትገብሮ። ምኽንያቱ ቅድሚ ምጽኣት ዓለም ጉድለትካ ኣብዛ ምድሪ ከሎኻ ስለዝነገረካ። ክትሕጎስ’ውን ይግበኣካ።    

ምሳሌ 20፡22 “እከይ ክፈዲ ኣይትበል ንእግዚኣብሔር ተጸበዮ እሞ ንሱ ኼድሕነካ እዩ” በዚ ምኽንያት ትሑታት ንገዛእ ርእሶም ኣይፈደዩን። ንኣብነት ሙሴ ጸሊም ብዛዕባ ዮሴፍ ክዛረብ ከሎ” ዮሴፍ ትሕትንኡ እምበር ኣሕዋቱ ኣይኮኑን ሸይጦሞ”። ዮሴፍ ብሰበይቲ ጳጢፋር (ኣዛዚ ቤት ፈርዖን) ምስ ተኸሰ ሓንቲ ኣይገበርኩን ኣይበለን። ተኣስረ። ኣምላኽ ብዝሓሰቦ ዓቢ ኽብሪ ከኣ ረኸበ።
ቅዱስ መቃርዮስ ተጋሲሱኒ ኢላ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ከሰሰቶ ኣፉ ኣይከፈተን። ተጻዒራ ክትሓርስ ከላ ከኣ ተናዘዘት። ይቅረታ ክሓትዎ ክመጽዎ ምስ ሓሰቡ ቅዱስ መቃርዮስ ነዚ ነገር’ዚ ፈሊጡ ናብ ካልእ ዓዲ ሃደመ። ምኽንያቱ ትዕቢት ከይሓድሮ።

ቅድስቲ ማሪና’ውን ናብ ብሕትውና ክትኣቱ ኸላ ሰብኣይ ኮይና ኣተወተ። ቅድስቲ ማሪና ሓንቲ ሰበይቲ ተጋሲስኪ ኢሎም ምስ ከሰሱዋ’ውን ኣነ ሰበይቲ እየ ኣይበለትን። ነቲ ገበን ለቢሳ ኪሳብ ሞት’ውን በጸሐት። ኪሓጽብዋ ምስ መጹ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ተፈልጠት።
ብርቱዕ ሰብ ዝበሃል ከመይ ዝበለ እዩ፤ ነገዛእ ርእሱ ዝሓሊ ወይ ጌጋ የብለይን ዝብል ድዩ፤ ኣይኮነን። ኣርኣያ ኩሉ ዓለም ጎይታናን ምድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ምእንታና በጃ ኮነ። ከምቲ ናብ መሕረዲ ዝኸይድ ገንሸል ኣፉ ኣይከፈተን። ተጸርፈ፡ ጡፍ ተባህለሉ፡ ተገርፈ፡ አረ ክሳብ መስቀል’ኳ ተሰቅለ። ስቅታኡ ካብ ዝኾነ ቃል ትዓቢ ነበረት።

ካብ ዘገርም ግን ብዙሓት ኣብ ጌጋ ከለዉ ጌገኛታት ኣይኮናን ይብሉ። ትሑታት ግን ተጋጊየ ንኽብሉ ግዜ ኣይወስደሎምን እዩ። ካብ ውሽጢ ዝፈልፈለ ሕልናኡ ዝደረኾ እዩ። ፈታዉ ነፍሱ ግን ክውንነት ዘይብሉ ሓበን ይብርትዖ። እዚ ከኣ ጌጋ እዩ። ክናሳሕ ዕድል የብሉን፡ ነቲ ጌጋኻ ካልእ ጌጋ ትውስኸሉ ትሽፍኖ’ውን። “ሓባእ ቅስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ‘ኳ ዝበሃል። ንኣብነት ሃናንያን ሰጲራ ሰበይቱን ንመንፈስ ቅዱስ ጌግኦም ክሽፍኑ ክብሉ ናብ ዘይተደልየ ካልእ ዝገደደ ሓሶት ኣተው ዓስቦም ከኣ ሞት ኮነ። ኣብ ዓይኒ ሰብ ንጹህ ምዃን ኣይንጸሃካን እዩ።
ብዛዕባ ነፍስኻ ጥራይ ትዛርብ እንተኸንካ እቲ ዝሰምዓካ ዘሎ ሰብ ናባኻ ክቀርብ ኣይትዕድሞን ኣለኻ። ካባኻ በዝተኻእለ መጠን ክርሕቅ ይደሊ። ያዕ 1፡19 “ኩራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ስለዚ ኣብ ንቁጠዓሉ ንስምዒትና ንቆጻጸር። ሕያዋይ ሰብ ክትቀርቦ ደስ ይብለካ። ምኽንያቱ ስለዝሰምዓካ ከይትኹርዮ ይከናኸነካ። ተሪር ሰብ ግን ፍጹም ስለዘይሰምዓካ ሸለል ትብሎ። ኩሉ ሰብ’ውን ኣነ በሃላይ ምዃንካ ምስ ፈለጠ ይገድፈካ።

ናትካ ጌጋ ናብ ካልእ ምልጋብ                                         
ንኣብነት ኣቦና ኣዳም ጌግኡ ናብ ሄዋን ሄዋን ከኣ ናብቲ ተመን ምልጋብ ማለት እዩ። ኣዳም ብዛዕባ ንፍሱ ክከላኽል ዝመሰሎ “እዛ ምሳይ ክተከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም በለስ ሂባትኒ በላዕኩ” ሓደ ሰብ ንምንታይ ዘይመጻእካ እንተኢልካዮ ዝሓበረኒ የለን ይብለካ። ወይ ናብ ቤተ ክርስትያን ንምንታይ ዘይከድካ እንተበልካዮ መዛሙር ወይ ቅዳሴ የብዝሑ ኮይኖም ይብለካ። ቅዳሴ ይብዛሕ መዛሙር ይደጋገም ግቡእካ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ’ዶ ኣይኮነን፤
ኣብ ገሊኡ’ውን ጌጋኻ ናብ እግዚኣብሔር ምድርባይ ኣሎ። ዝሓሰብካዮ ውጥንካ ምስ ዘይቀንዓካ “ኣንታ ኣምላኽ ንምንታይ ከምዚ ጌርካኒ፤” ፍቁር ሓው ጌጋ’ኮ ናትካ እዩ። ኣበርቲዕካ ሰለዘይጸዓርካ ወይ ሜላኻ ብጽቡቕ ኣይተጠቀምካሉን ማለት እዩ። ቃኤል እግዚኣብሔር ብዛዕባ ሓው ምስ ሓተቶ እንታይ ኢሉ መለሰሉ ንርአ፡ ዘፍ 4፡9 “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ፤….ኣይፈልጥን ኣነ’ዶ ሓላው ሓወይ እየ” እዚ ከኣ ድፍረት ዝተሓወሶ እዩ።

ፍልስፍና ምሕዋስ ከኣ ኣሎ። ንኣብነት ኣርዮስ ካብ ጌግኡ ክንዲ ዝምለስ ፍልስፍና ሓዊሱ ነታ ሕብረት መእመናን ብደም ክርስቶስ ዝተቀደሰት ቅድስት ቤተ ክርስትያና ክፈላሊ ባህ በሎ። እቲ ዝገደደ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ጌጋ ምሽፋን ካብ ቃላት እግዚኣብሔር ጥቅስታት ኣውጺእካ ናትካ ድልየታት ክትረክብ ሒዂ ምባል። እግዚኣብሔር ክህሉ ይብሉን ምባል ይሕሸካ። ብሓቂ ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ መወዳእታ ግና መገዲ ሞት እያ። ነዓጹም! እንተበልካዮ ካብ ኣፍ ብዝወጽእ እምበር ብኣፍ ዝኣቱ ኣይጎድእን ኢልካ ናትካ ፍልስፍና ካብ ቃል ኣምላኽ ቁንጭል ኣቢልካ ድላይካ ክትገብር ጌጋን ዓቢ በደልን እዩ። ስለዚ ህዝበ ክርስትያን ኩልና በደል ኣሎና፡ ፈሊጥናን ከይፈለጥናን ንጋገ ኢና። ስለዚ“ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ” (1 ጴጥ 1፡17) ዝብለና ቃል ህይወት ከም ማዕተብ ንልበሶ። “እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሔር እዩ” (1 ሳሙ 17፡47) ኢልና ንእግዚኣብሔር ብዝግባእ ነገልግሎ። በደልና ከይረኣየ ሓጥያትና ከይተመልከተ ብብዝሒ ምሕረቱ ይደግፈና።

ምንጪ፡ ስብከት ካብ ልሳን ዓረበኛ ብፖፕ ሽኖዳ 3ይ. 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!!


Monday, May 30, 2011

ትዕግስቲ


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ብዓለም ዝተጨነቀ ናብ ኣበ ነብሱ ዝኸደ መንእሰይ ተስፋ ክመዝቆረጸ ገለጸሉ። ኣበ ነብሱ ከኣ ሓንቲ ዓባይ ዛንታ አስተምሃሮ። ንሳ ኸኣ፡
ሓደ ኣቦ ንወዱ ዓቅሉ ኪፍትን ምስ ደለየ ናብ ሓንቲ ግራት እሾኽ ዝመለአት ወሰዶ። እዚ እሾኽ ኣብዛ ግራት ዘሎ ኩሉ ኣጽርዮ ኢሉዎ ከደ። እቲ ዉሉድ ከኣ ሓራይ ኢሉ ክጅምር ምስ ደለየ ስፍሓት እቲ ግራት ምስ ዝርኢ ትሰፋ ቆሪጹ ድቃስ ከኣ ወሰዶ። ኣቡኡ ምስ መጸ ደቂሱ ረኸቦ። “እንታይ ደኣ ዘይጀመርካ፤” ምስ በሎ፡ “ኣቦ ስፍሓት እቲ ግራት ምስዝርኢ ተሰፋ ይቆርጽ ኣለኹ” በሎ። እቶም ኣቦ ከኣ “በቲ ኣብ መርገጽ እግርኻ ዘሎ ጀመር በብቅሩብ ከኣ ክትውድኦ ኢኻ” በሎ። ብርግጽ ከኣ እቲ ዝተሓስበ ትምህርቲ ተረዲኡዎ ከደ።

ኣሕዋተይ ደቂ ቅድስተ ቅድሳን ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ዝተወለድኩም ክርስቶሳውያን እዚ ትምህርቲ ንዓና’ውን ዝምልከት እዩ። ዓለም ኩሉ ግዜ እሾኽ እያ። ከምቲ ኣርኣያናን መምህርናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበሎ “ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኮነኩ ንሳቶም ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ ዓለም ጸለኣቶም።” (ዮሓ 1614)  ። ስለዚ ዓለምና እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ትኹን። ናፍቆት ሰማያዊ ህይወት ይሃሉወና።    

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

 ኣሜን!!!

22- اليوم الثانى والعشرين - شهر بشنس


نياحة أندرونكوس أحد السبعين
في مثل هذا اليوم تنيح القديس أندرونكوس . هذا القديس انتخبه الرب من جملة السبعين تلميذا ، الذين أرسلهم أمام وجهه يكرزون بملكوت الله . وقد حلت عليه نعمة الروح المعزي في العلية . فبشر مع التلاميذ . وقد ذكره بولس الرسول بقوله : " سلموا علي أندرونكوس ويونياس نسيبي المأسورين معي ، اللذين هما مشهوران بين الرسل وقد كانا في المسيح قبلي " (رو 16 : 7)
وقد بشر في مدن كثيرة صحبة يونياس فأرجعا كثيرين إلى الأيمان وأجريا الآيات وشفيا المرضى وحولا هياكل الأصنام إلى كنائس ولما أكملا سعيهما وشاء الرب أن ينقلهما من هذا العالم مرض الرسول أندرونكوس قليلا ، وتنيح بسلام في مثل هذا اليوم . ولما كفنه يونياس ودفنه في مغارة صلي إلى الرب فتنيح هو أيضا في اليوم الثاني .
صلاتهما تكون معنا . ولربنا المجد دائما . آمين

Thursday, May 26, 2011

ምስላ ብእንስሳ

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ጎይታናን መድሓኒናን ንሃዋርያት ክልእኾም እንከሎ ማቴ 10፡16-*እንሆ ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ እሰኩም ኣኹ፡ለዋሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ በሎም*። ጎይታናን መድሓኒናን ኣብዘን ሓጸርቲ ቃላት ብዙሕ ትምህርቲ ምሂሩና’ዩ፡ ንሎሚ ኽኣ እግዚኣብሔር ብዝፈቐዶ ቁሩብ መብርሂ ክንጽሕፍ፡ እግዚኣብሄር ይሓግዘና!!
 
ከም ኣባጊዕ ኣብ ማእከል ተዃሉ ፡- በጊዕ ለዋህ እዩ፡ ቶኽላ ኽኣ ጨካን፡ ንሃዋርያት ናብ ዓለም ክልእኮም እንከሎ ኸኣ ዓለም ከም ቶኽላ መሲልዋ። ቶኽላ ኣብ መንጎ ኣባጊዕ ክሃድን እንተ ደልዩ በጊዕ መሲሉ፡ ሳዕሪ ዝበልዕ እናመሰለ ይቐርበን፡ ሳዕሪ ዝበልዕ መሲሉወን ከይፈርሃ ሃዲአን ከለዋ ይሕወሰን፡ ምስደለዎ ኽኣ ሓንቲ ይወስድ’ሞ እተን ካሌኦት ፋሕ ይብላ፡ ዓለም ክኣ ግብራ ነዚ ስለትመስል ጎይታና ብቶኽላ መሲሉዋ (ክሳብ ተውድቐካ ንዓኻ መሲላ ትጽግዒካ’ሞ ብሕማቕ ኣዋድቓ ተውድቐካ)
መብዚሕትኡ ግዜ ኣብ ክሕደት ኣምላኽካ ፣ ኣብ ትዕቢት፣ ኣብ ሃብቲ ፣ ኣብ ስልጣን። በዚ ዝወድቑ ኽኣ ማእለያ የብልምን!!

ቶኽላ ንሃድን ክወጹ እንከለዉ ነታ ግዳይ እናተባራረዩ ኣድኪሞም ከምዘውድቕዋ ዓለምና ኽኣ ዜተፈላለየ ሽግራት እናምጽአት እቲ ወዲአ ኽትብል እቲ ሓደ አና’ስዓበት ፈጣሪኻ ክሳብ እትኽሕድ'ያ ትፈታትነካ ብኹለ እንተሰነፍካያ ኽኣ ንዓኻ ንምውዳቕ ዕረፍቲ የብላን! ክንፈሌጦ ዘለና ግን ዓለም ትብሃል ዘላ እቶም መሳርሒ ሰይጣን ዝኾኑ ደቂ ሰባት ምዃኖም’ዩ!!   

ጎይታና ኽኣ ክፋእ ቶኽላ ክገልጽ እንከሎ ማቴ 7፡15 ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ኽንሶምሲ ክዳን በኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዝመጽኹም ይብለና!! ቶኽላ ሕጺር ብዝበለ ዘይጸዓረሉ ዝበልዕ፡ ክሳብ ዜጥዕሞ ንኣኻ መሲሉ ዜጓዓዝ፡ኢልካ ኽትጠቕሶ ትኽእል። በጊዕ ኽኣ ጓስኣ ብዝመርሓ ትጓዓዝ፡ ንጓስኣ ዘይተሸግር፡ ካብ ድልየት ጓስኣ ወጺኣ በትሪ ጓስኣ እንተ ወረዳውን ዘይተማርር (ተመሊሳ ቦትኣ ትሕዝ’ምበር ክፍ ክጠፍእ ዘይትብል)። ብዓቕሚ ደቂ ሰብ ክትግምቶ እንከለኻ ከቢድን ዘይውጻእን’ዩ!! ኣባጊዕ ኣብ ማእኸል ተዃሉ፧ ዘገርምዩ! ጎይታ ግን እታ መገዲ ኽኣ ሓቢርዎም ለውሃት ከም ርግቢ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ! ርግቢ ለዋህ’ያ፡ ኣብ ደቅሰብ እተውርዶ ጉድኣት ክኣ የን፡ ርግቢ ዝወረደ እንተ ወረዳ ገዝኣ ሓዲጋ ኣይትኸይድን’ያ፡ ገዜኣ እናጸገነትያ ትነብር! ናትና ቤት ከኣ ቤተክርስትያና’ያ ጎይታና ኽኣ ብዜኾነ ኣጋጣሚታት ክንገድፋ ከም ዘይብልና ንኽሕብረናዩ ርግቢ ብምሳል ኣቕሪብዋ፡ ርግቢ ውሊዳ ካብ ኣፋ ብትህቦም ፍረ ከም’ተዕብይ ፣ መጀመርያ ንሃዋርያት መቐጸልታ ኽኣ ንኹሉ ክርስትያን ካብ ኣፉ ሂወት ዜህብ ቃላት ንኸነውጽእ’ዩ! ብምሳለ ኣቕሪቡሌና!! 

ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ፡ እዚ ኣበሃህላ ክትሰምዖ ከለኻ ተመን ከብሃል ከሎ ነብስኻ ከምገ ይገብረካ፡ ክፉእ ምዃኑ ስለ ንፈልጦ፡ ካብ ክፉእውን ነቲ ጽቡቕ ጎኑ መርሚርካ ክትጥቀመሉ ጽቡቕ ሰለ ዝኾነ ጎይታ ጎርሓት ከም ተመን ኩኑ ኢሉና!! ተመን ማይ ኽሰቲ እንከሎ መርዙ ኣውጺኡ እዩ ዜሰቲ ንዒና ኽኣ ቃል ኣምላኽ ክትሰምዑ እንከለኹም ስጋሁ ወ ደምሁ ክትቅበሉ እንከለኹም ኣብ ሽጥኹም ዘሎ ቂምታ ከፋእ ኣንጺህኩም ተቐበሉ!

እንተ ዘይኮነ ከምቲ እቲ ተመን ምስቲ ዘዳለዎ መርዙ ማይ እንተ ሰተየ ንሞት ዜኾኖ ንዓኹምውን ንሂወት ኣይኮነኩምንዩ ማቱ’ዩ!! ተመን ብጽሓይ (ብ ብርሃን) ይንቀሳቐስ፡ ንሕና ኽኣ ከምቲ ጎይታና ኣነ ብርሃን ዓለም’የ ከምዝበ ብጎይታና ጸኒዕና ክንመላለስ፡ ማት ከምቲ እቶም ከፉኣት ግብሮም ከፉእ ሰለዝኾነ ግብሮም ንኸይፍለጥ ብሕቡእ ብጸላም ክገብርዎ እፈትዉ! እቶም ቂ ብርሃን ግን ግብሮም ቅኑዕ ስ ዝኾነ ብብርሃን’ዮም ዜገብርዎ ዝበለና ብብርሃን፡ ብቕንዕና፡ብፍቕሪ፡ ብሓድሕዳዊ ሓሌዮት ኮታ ኩሉ ጽቡቕ መገድና ጌርና ክንጕጓዝ ከምዝግብኣና ንኽምህረና ’ዩ። ተመን ጸላኢ (ሰብ) ምስዝረኽቦ ቀዲሙ መጸግዒ ሒዙ'ዩ ዝጽበ ጎይታና ኽኣ ጸላኢኹም ንኽትስዕርዎ መጸግዒ ይሃልኹም ይብና፡ እግዙኣብሄር ክኣ ብዙሕ ጸላኢና ክንስዕረሉ እንኽእል መጸግዒ ሂቡናዩ! እታ ቐንዲ ኽኣ አዴና ድንግል ማርያም እያ! ሕጽር ብዝበለ ጽዮን ማለት መጸግዒ ማለት እዩ፡ ካብ ሰብ ክኣ እታ ኣምላኽና ዜሓረያ መዕረፊቱን መጸግዒቱን ኣዴና ድንግሌ ማርያም’ያ!! ጸግዒን ጽላልን የብዝሓልና ኣሜን!!

ተመን መጸግዒ ኣብዘይብሉ ምስ’ትረኽቦ ግን ርእሱ ይሓብእ’ሞ ጸላኢ ወቒዑ ርእሱ ከይረኸቦ ምስዝገድፎ ርእሱ ስለ ዘይተረኽበ ይትንስእ፡ ጎይታና ካብዚ ክምህረና እንከሎ ዝወረደ አንተ ወረደኩም ክርስትናኹም ኣሕሉፍኩም ኣይትሃቡ ማለቱ’ዩ! ሃዋርያ ጳውልስ ኣብ መልእኽቱ ርእሲ ሰበይቲ ሰብኣይ፡ርእሲ ሰብኣይ ክርስቶስ፡ ርእሲ ኽርስቶስ ኣምላኽ ይብና፡ ስለዚ ርእስኹም ኣይትሃቡ ማቱ ክርስትናኹም ኣይትሃቡ ማለቱ እዩ!!

ኩሉ ኣብ ቅድሜና ዜግበር ዘሎ ክርስትና ነምጥፋእ’ዩ፡ በቲ ዘጋጥም ፈተነታት ወዲቖም ዘለዉ ብዘሓትዮም፡ ድሕነት ይፍጠረሎም!  እዚ ጽሑፍ እዚ ኽኣ እቶም ዘይወደቕና ንኸይንወድቕ እቶም ዚወቑ ኽኣ ናብ ድሕነት ንኽምለሱ ይጽሓፍ አሎ’ሞ ነስተውዕል ካብዚ ንላዕሊ ትምህርቲ ምስ’ንደሊ ኽኣ ኣብ ቀረባና ዘለዉ ኣቦታት ንወከስ!  

ክቡራን ህዝበ ክርስትያን እግዚኣብሄር ንሰብ ብመሌክዑ ክፈጥሮ እንከሎ ካብ ግብሪ ኣምላኽ ተማሂሩ እቲ ዝተመበሉ ሃብቲ መንግስተሰማያት ክወርስ’ዩ ነይሩ፡ ሰብ ግን ናይርእሱ መንገዲ ስሰዘመረጸ ብእንስሳ ክሳብ ዝምሃር ደንቆሮ ኾነ። 
ዘለናዮ ግዜ ምሉእ ኣገልግሎት ክትረኽበሉ’ትኽእል ስለዝኾነ ኣብ ኢንተርነት ወይ ካሌእ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ዘሕልፋ ማዕከናት እና ሰማዕና ኣቦታት እናሓተትና ንጠቐመሉ፡ መኽንያቱ ኩሉ ብዛዕባ ሃይማኖት ዝዛረብ ሃይማኖታዊ ማት ኣይኮነን ኩሉ ብፍሪኡ’ዩ ዝልለ!! ኣቦታትና ብዘዳልዉልና ትርጓሜ መጻሕፍቲ እናተጠቐምና ሚስጥር መንግስቲ ኣምላኽ ፈሊጥና በታ ጸባብ በገዲ እናተጓዓዝና ኣብቲ ጎይታና ዘዳለወልና መንግስተ ሰማያት ዘብጽሓና ፍረ ንግበር። 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል 
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!! 

መቃርስ ወ መቃርዮስ ( 13 መጋቢት )

+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!  

እግዚኣብሄር ይመስገን ፈጣሪናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ንኽንድሕን ክንደይ ምልክትን ተኣምራትን ዘይገበረፈጣሪ ንምንታይ ከምዝፈጠረና ስለ ዝፈልጥ  ክንጠፍእ ኣይሓድገናን’ዩ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ግን ከነስተውዕል ኣይክኣልናን፡ እቶም ድሕነት ረኺብና ንብል ክርስትያን ክኣ ካብቶም ዘይኣመንቲ ከፊእና! ምኽንያቱ እቶም ዘይኣምኑ ክፈልጡውን ስለዘይደልዩ ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ዝበሎ ድሮ ተፈሪድዎም ኣሎ! ንሕናግን እቶም ተቐቢልናዮ ከነብቅዕ በቲ መገዱ ዘይንጓዓዝ ካብቲ ናቶም ዝኸፍእ ፍርዲ ይጽበየና ኣሎ። ኣይተነገረናን ከይንብል ተነጊሩናዩ፡ ኣይሰማዕኹን ከይንብል ንኸይንሰምዕ አእዛና ስለ ዝዓጸና፡ ማለት ቤተክርስትያን ክንመላለስ ኣይንፈቱን፡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከነንብብ ኣይንፈቱን፡ ድምጺ መምህራን ክንሰምዕ ዓቕሊ የብልናን፡ ክንሓትት ኣይንፈቱን፡ ካልእን ነየናይ ጠቒስካ ክውዳእ። ጎይታናን መድሓኒናን አብዚ መዓልቲ እዚ (13 መጋቢት) ካብ ዝገበሮ ትምህርትን ተኣምርን ከምዚ ስዒብና ነንብቦ ይመስል፡ ንምሉእ ትሕዝቶ መጽሓፈ ስንክሳር 13 መጋቢት ንመልከት፡ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስለቲ ምእንታና ዘፍሰሶ ደሙን ከም ብዝሒ ምሕረቱን ምስትውዓል ይሃበና ኣሜን!!
    መጋቢት 13 ክልተ ኣቦታት (መቃርስ መቃርዮስ) ካብ ገዳሞም ዝተሰደድሉን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ንቦትኦም ዝተመለስሉን ዕልትዩ፡ ኣብ መንግስቲ ሮም ድሕሪ ንጉስ ዋልጥስ ሓዉ ዓሊጢኖስ ምስነገሰ ተኸታሊ ኣርዮስን ርኹስ ማኒን ስለ ዝኾነ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ስደትን መከራን ኣስዓበ። ኣብ እስክንድርያ ንሉክዮስ ዓቢ ኣቦ ኣባ መቃሪን እስክንድሪያዊ ኣባ መቃርዮስን ደልዩ ብትእዛዝ ንጉስ ካብ ገዳሞም ናብኡ ኣምጽኦም። ብልስሉስን መዓሸውን ኣዘራርባ ኣብ ዝረኸሰ ናይ ኣርዮስ ሃይማኖት ክኣምኑ ሓተቶም፡ ንሶም ግን ከይፈርሁ ብቕንዕናን ትዕግስትን መኸርዎን ገሰጽዎን፡ ናይ ኣርዮስ ሃይማኖት ኮንትነትን ናይ ባህሉ ክፍኣትን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረድእዎ። በዚ ተቖጢዑ ኸኣ ካብ ቆስጠንጥንያ ርሕቀት ዘለዎ ደሴት ኣግኣዞም። ብሓጺን ኣሲሮም ኸኣ ኣብታ ደሴት ኣብጽሕዎም። ኣብታ ደሴት ምስበጽሑ ኣበ ቅድሚ ንጉስ ኣቕረብዎም፡ እቲ ንጉስ ኸኣ ኣብ ሰይጣን ዘምልኽ ኣዝዩ ክፉእ ነበረ። አቶም ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ ኢሎም ክሳብ ዝሰግድሉ ብስራዩ የስሕቶም ነበረ። እዞም ቅዱሳት ኣቦታት ካብ ጌግኡ ክምለስ መሃርዎን ለመንዎን፡ ንሱ ግን ብስቓይን ማእሰርትን ኣጋፍዖም። ጎይታናን መድሓኒናን ኸኣ ብግልጺ ዘጸናንዖምን ዘዐግስምን ኮነ፡ ናይ ክብሪ ጎይታ ክብሮም ክገልጽ ምስደለየ ኸኣ ንጓል ንጉስ ሰይጣን ሓዛ፡ ኣቦኣን ኣዲኣን ክሳብ ብርቱዕ ሓዘን ዝሓዝኑ ኣሳቐያ፡ ኣብ ከተማ ሰይጣውንቲ ተገሊጾም መቃርስን ብጻይካን ንሕና ምሳኹም ንስኹም ምሳና እንታይ ኣለኩም፧ ካብ ሃገርኩም ዝሰጎግኩምና እናበሉ ከዕገርግሩ ጀመሩ፡ እቲ ኣብ ጓል ንጉስ ዝሓደረ ሰይጣን ኸኣ ንንጉስ መቃርስን ብጻዩን እንተዘይመጺኦም ካብ ጓልካ ኣይወጽእን በሎ።ንጉስን ምስኡ ዝነበሩን ብምግራም ነቶም ቅዱሳን ናብንጉስ ኣምጽእዎም። ቅዱሳን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስበጽሑ ኣብታ ጓል ንጉስ ዝሓደረ ሰይጣን ከይሳቕይዎ ለመኖም። ንጉስን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ኸኣ ንቕዱሳን ብዛዕባ ስርሖም መርመርዎም ቅዱሳን ክኣ እቲ ዝኾነ ኩሉ ነገርዎም። ነታ ጓል ንጉስ ከሕውይዋ ምስለመንዎም ኸኣ እቶም ቅዱሳን ነቲ ንጉስ ንስኻ ሰብ እንከለኻ ንምንታይ ርእስኻ ኣምላኽ ትገብር፧ ዓለም ዝፈጠርካ ኣምላኽ እንተ ትኸውን ርእስኻን ጓልካን ምድሓን ይግብኣካ ነይሩ ክብሉ ገሰጽዎ። ኣብ ክቡር ጎይታናን መድሓኒናን ብምጽላይ ኻአ ነቲ ኣብ ጓል ንጉስ ዝሓደረ ጋኒን ኣውጽእዎ። እቲ ጋኒን ምስወጸ ነቲንጉስን ነቶም ናይታ ደሴት ነበርትን ዘለፎም። ንጉስን እቶም ኣብኡ ዝተኣከቡን ርእዮም ብናይዚኦም ኣምላኽ ንኣምን ካብናይዞም ቅዱሳን ኣምላኽ በጀካ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ካልእ ኣምላኽ ከምዘየለ ተረዲእና እናበሉ ጨደሩ። ክቡራት ኣቦታት ብኽቡር ጎይታ ምእማን ምሃርዎም፡ ንኹሎም ሕሙማት ኣኪቦም ኣቦታት ኣብ ዘይቲ ጸሊዮም ብመስቀል  እና ኣማዕተቡ እናቐብኡ ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ንኹሎም ኣድሓንዎም፡ ከምዚ እናገበሩ እናምሃርዎም ኸኣ ንብዙሕ መዓልታት ነበሩ። እቶም ህዝቢ ተኣምራት ርእዮም ተማሂሮም ብጎይታ ምስኣመኑ ዝነበረ ቤት መቕደሶም ኣፍሪሶም ቤተ ክርስትያን ሃነጹ። እቲ ንጉስ ኸኣ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ናይ ሃሪ ኣልባስን ንቤት እግዚኣብሄር ዘድልዮን ኩሉ ኣምጽአ። ህንጻ ቤተ ክርስትያን ሰሪሖም ምስወድኡዝተረፈ ገንዘብ ንድኻታትን ሽጉራትን ሃብዎም።

   11 ጥሪ ጎይታናን መድሓኒናን ዝተጠምቀላ መዓልቲ ምስ ኮነ ኸኣ ቅዱሳን ኣቦታት ነቶም ህዝቢ ናብቲ ባሕሪ ክእከቡ ኣዘዝዎም፡ ቅዱሳን ካብ እስክንድርያ ክስደዱ እንከለዉ እግረመገዶም ዝተማልእዎ ቅዱስ ሜሮን ካብ ግዜ ኣቦና አትናቴዎስዝ ተሓለወን፡ ሉክዮስ ዘይረኸቦን ኩሉ ዘመናት ብጎይታ ተሓልዩ ጥፍኣት ዘይረኸቦን ተማኦም ስለዝነበሩ ኣባ መቃሪ ነቲ ባሕሪ በቲ ክቡር ሜሮን ባረኾ፡ እቲ ባሕሪ ኸኣ ብብርቱዕ ሓዊ ኣብ ድስቲ ከምዝፈልሕ ኮነ። እቲ ዘይትን ሜሮንን ኣብቲ ማይ ሰፈፍ አናበለ ከምዘብርሁ ከዋኽብቲ ኮይኖም ካብኡ ኽኣ ዓቢ ብርሃን ከም ጽሓይ ተራእየ። እቲ ንጉስን ዝተኣከቡ ህዝብን ፈርሁ፡ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶሰ ኸኣ ተገልጸ። ዮሃንስ መጥመቕን ቅዱሳን መላእኽትን ኸኣ እቲ ማይ ኣብ ዝኽብረሉን ዝቕየረሉን ተገልጹ፡ ክሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ተጠምቁ። ሽዑ ኸኣ ካብ ኩሉ መኣዛ (ጨና) ዝጥዓመ ጨና ኾነ። እዚ ምስኮነ ክቡራት ኣቦታት ኣብ መሬት ተደፊኦም ሰገዱ፡ ደንጐዩ ኸኣ፡ ኣባ መቃርስ ኸኣ ናይዚ ታቦትን ንዋየ ቅዱሳትን ባርኾት ብኣምላኻዊት ኢድካ ክትከውን ብምሕረትካ እልምነካ ኣለኹ ኢሉ ለመነ። ጎይታ ኸኣ ነቲ ሜሮን ካብ ኢድ ኣባ መቃሪተቐቢሉ ታቦትን ንዋየ ቅዱሳትንባረኸ። ንኣባ መቃርስ ኸኣ ነዘን ሰለስተ ደርቢ ክትባርኸን እእዝዘካ ኣለኹ ኣነ ከኣ ምሳኻ’የ ኣብዚ ንጹህን ክቡርን ዝኾነ ኣገልግሎት ብጻይካ ኣባ መቃርዮስ ምሳኻ የገልግል።  መጀመያ እቲ ማእኸላይ ብስጋ ንዝወለደትኒ ብድንግል ማርያም ፈሊኻ ኣኽብሮ(ባርኮ)፡ እቲ ብየማን ወገን ዘሎ ብኽቡር መስቀለይ ኣኽብሮ(ብርኮ)፡ብጸጋም ዘሎ ብስምካ ኣኽብሮ(ባርኮ) ኣብ ቅድሚ ክሓዲ ሉክዮስ ስለ ስመይ ኣብዚ ደሴት ደምካ ኣፍሲስካ ኢኻ። ከምቲ ጎይታ ዝኣዘዞም ክገብሩ ምስጀመሩ ንጉስ ዳዊት ብመዝምሩ ከመስግን ጀመረ መልኣኽቲ ኽኣ ብቛንቁኦም ከመስግኑ ጀመሩ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ብምግራም ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ። እንደገና ንኣባ መቃርስ መስዋእቲ ተሰኪሙ ኣብቲ መሰውኢ ክቕድስ ኣዘዞ ኣባ መቃርስ ኸኣ ናይ ሃዋርያት ሓለቓ ጴጥሮስ ክቕድስ ኣዝዝ፡ እዛ ዕለት እዚኣ እዚኣ ብኽቡር ስምካ ኣብዛ ደሴት እዚኣ ንመጀመርያ ግዜ መስዋእቲዝተሰውኣላ’ያ በሎ። ጎይታ ኽኣ ኣብ ወዲ መዝሙረይ ጳውሎስ ሓዲረ ዝተዛረብክዎ ኣየስተውዓልካንዲኻ፧ድዘርአን ዝደኸመን ኣቐዲሙ ፍሪኡ ይበልዕ ዝበልክዎ! ንስኻ ኣብዛ ደሴት ዘሪእኻ ኢኻ ኣነ ኸኣ ኣዕቤካ። ኣባ መቃርስ ብ ጎይታ ተባሪኾም ቅዳሴ ምስጀመሩ ምስ እስክንድርያዊ መቃርዮስ ክትሓጋገዝዎ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብየማኑ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ ብጸጋሙ፡ ኩሎም ሃዋርያት ኸኣ ከበብዎም፡ ጳውሎስን ዮሃንስን ነናይ ገዛእ ርእሶም መልእኽቲ ኣንበቡ፡ ሉቃስ ኸኣ ካብ ግብረ ሃዋርያት ኣንበበ፡ ዳዊትውን መዝምሩ ዘመረ፡ ክቡር ጎይታ ኽኣ ወንጌሉ ኣንበበ። መንፈስ ቅዱስ ኽኣ ብኣመሳለ ጻዕዳ ርግቢ ኣብ ልዕሊ ሕብስቱን ወይኑን ወሪዱ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋን ደምን ለወጦ። ኣባ መቃርስ ኢዱ ኣብቲ ጽዋእ መሰእተወ ኢዱ ደም ጠልቅየ። ኩሎም ሰራዊተ መላእኽት ክኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ይሕግዝዎ ነበሩ። ቅዱሳን ምክኤልን ገብርኤልን ኩሎም ማሕበረ መላእኽትን ብ ኣምሳል ኣባ መቃርስ ኮይኖም ንህዝቢ ስግኡን ደሙን የቐብሉ ነበሩ። ድሕሪ ቁርባን ጎይታናን ፈጣሪናን ብኣምሳል ኣባ መቃርስ ኣብ ልዕሊ ወንጌል ዝንበበሉ ኣትሮስ ኮነ ገጹ ኽኣ ከም ጽሓይ ይበርህ ነበረ፡ ንህዝቢ ባሪኹ ኽኣ ናብቲ መሰውኢ ምስ ሃዋርያቱ ተመለሰ። እንደገና ድሕሪ 7 መዓልቲ ኣባ መቃርስ ምእንተ ናይ ቤተ ክርስትያን መዓርግ ሽመት ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ክቡር ጎይታ ኢየሱስ ኽኣ ተገሊጹ ነዚ ክብሪ እዚ ንዓይ ትበቅዕ ንስኻ ኢኻ በሎ። ኣባ መቃርስ ሰሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናበኸየ ከምዚ እናበለ ለመነ፡ ግዜ ምስ ኣኸለ ኣብ ሲሐት ዘለዉ ደቅኻ ካብ ስጋኻ ከይተፈለኻ ክመልሰካ’የ ዝበልካኒ ዘክር፡እንተዘይኮነ መቃርስ ስራሕ ምንኩስና ሓዲጉ ፓትርያርክ ኮይኑ ክብሉኒ’ዮም። ጎይታ ኽኣ ሕሩየይ መቃርስ ኩሉ ናይ ልብኻ ድሌት ክፍጽመልካ’የ፡ ግን ፓትርያርክ ክትሸይም ካብ ደቅኻ ዝመረጽካዮ ኣቕርብ በሎ፡ ኣባ መቃርስ ኻኣ ንስኻ ልቢ ዝሓሰቦ ኩሎ ትፈልጥ ኢኻ፡ ኣነ ግን ኣብቲ ጥበበኛ(ቀጥቃጢ) ሽማግለ ርኣኹ፡ ንሱ ኣብታ ቅንዕቲ ሃይማኖት(ኦርቶዶክስ) ዝጸንዐን ምስደቂ ኣንስትዮ ርክብ ዘይፈልጥን’ዩ በሎ፡ጎይታ ኽኣ ንስኻ ከምዝበልካዮ ግርም’ዩ በሎ።ቅዱስ መቃርስ ነቲ ጥበበኛ ጸዊዑ ኣብቲ ታቦት ሕጊ ኣቕረቦ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ መጺኡ ኢዱ ብምንባር ዲቁና ሸሞ፡ እንደገና ቅስና፡ እንደገና ሊቀ ጵጵስና፡ክሳብ ዝፍጽም ኽኣ በቢመዓርጉ ሸሞ፡ ስሙ ኽኣ ዮሃንስ ሰመዮ። ኩሎም ናይ ሰማይ መላእኽቲ ኽኣ ንዮሃንስ ሓድሽ ተኽሊ ናይ ማርቆስ ወዲ መቃርስ ሊቀ ጵጵስና ይግብኦ እናበሉ ሰለስተ ግዜ በሉ ኣብኡ ዝነበሩ ህዝቢውን ነቲ ቃላት ይሰምዕዎ ነበሩ። ጎይታ ኽኣ ዓይነ ልቦና ዮሃንስ ከፈተሉ፡ ብዝክኣሎ ኽኣ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ርኣዮ፡ ብዙሕ ቃላት ክኣ ተዛረቦ፡ ቤተ መቕደስ ኽኣ ብሰራዊት ሰማይ ተመሊኡ ርኣየ። ክቡራት ሃዋርያትን ነቢያትን ኽኣ ኣብኡ ነበሩ። 

ድሕሪ’ዚ ክቡር ጎይታ ንኽቡር ኣባ መቃርስን እስክንድርያዊ ኣባ መቃርዮስን ጸዊዑ፡ ከምዚ ኸኣ በሎም ኣብ መሬት እንከለዉ ዝኽርኹም ዝገብሩ ብጹኣን እዮም፡ ናይ ዘልኣለም ሂውት ከምዝወርሱ ብርእሰይ እምሕል። ስለ ስመይ ዝተቐበልክሞ መከራ ብትግሃት ዝሓሰቦ፡ ዝጽሓፎ፡ ዝሰምዖ ኩሉ ንኸመስግን ኣብ ቤተክርስትያን ዘንብቦ ኣነ፡ ኩሉ ሰናይ ክህቦ’የ።ካብሰናይ ነገር ዝኾነ ኣይከልኦን’የ፡ ካብ ኩሉ መከርኡ ከድሕኖ’የ፡ ኩሉ ሓጥያቱ እቕረ ክብለሉ’የ። ካብ
ዓለም ኣብዝፍለየሉ ግዜ ነፍሱ ናብናይ ዘልኣለም ደስታን ሓጎስን ክወስድዋ ናብቲ ንስኻትኩም ትሓስብዎ መንግስተይ
ከእትውዎም ናይ ምሕረት መላእክት ክልእኽ’የ፡ ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገር እዚ ዜናኹም ኣብ ዝንበበሉ ክሓድር’የ፡ በረኸተይን ሰላመይንክሳብ መወዳእታ (ህልቀት)ዓለም ኣብ ውሽጣ ክገብር’የ፡ ነዚ ስደትኩም ዝጻረሮ ኽኣ እንተ ዘይውለድ ምስሓሾ። ብሓቂ እብለኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከምዝተ ኣመንክሙኒ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦይን ክቡራት መላእኽይን ክእመነኩም’የ። ሕጂ ግን ናብ ሃገርኩም ትምለስሉ ግዜ ኣኺሉዩ፡ እዚ ኢሉ ሰላምታ ሂብዎም ናብ ሰማይ ብኽብሪ ዓረገ።  

ድሕሪ’ዚ ህዝብን ንጉስን ኣኪቦም ንሃገሮም ከምዝምለሱ ሓቢሮም ኩሉ ሕጊ ክርስቶስ ክሕልዉን ንሊቀ ጳጳስ ክእዘዝዎን ካብ ቅንዕቲ ሃይማኖት ንየማን ወይ ንጸጋም ከይብሉ ብብዙሕ ምሕጽንታ ኣጠንቀቕዎም። ምስቲ ህዝቢ ኽኣ ብብኽያት ተሰናበቱ። ካብ ኩሩቤል ወገን ዝኾነ መልኣኽ መጺኡ ኽኣ በኽናፉ ተሰኪሙ ናብ እስክንድርያ ኣብጺሑ ሰንበት ወጋሕታ ኣብ ኣፍደገ ሊቀ ጳጳሳት ኣውረዶም፡ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ጢሞቴዎስ ሰሚዑ ተሓጎሰ፡ ካልኣይ ምስርኣዮም ኽኣ በኸየ ሰገደሎም ኽኣ ንሶም ኽኣ ሰገድሉ፡ ኩሉ ዝተገብረ ነጊረሞም ንእግዚኣብሄር እናኣመስገኑን እና’ድነቑን ን8 መዓልቲ ጸንሑ። ድሕሪኡ እቲ መልኣኽ ተገሊጹ በኽናፉ ተሰኪሙ ንገዳም ሰሒት ኣብጽሖም፡ ሓደ ኪሩበ ኽኣ ኣብ ኣየር ኮይኑ ደቂ ኣባ መቃርስ ኣቦኹም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ተሰኪሙ ካብ ስደት ተመሊሱ ወጺእኹም ተቐበልዎ በለ። እዚ ምስሰምዑ ዓበይቶም ንኣሽቶም ኩሎም ወጹ፡ ቁጽሮም ክኣ ሓመሳ ሽሕ ኮነ። ካብኣቶም ኣባ ዮሃንስ ሓጺርን ኣባ ብሶይን ኣለዉ፡ ዝወረዶም ስቓይ ምስነገርዎም ኽኣ ኣእዳዉን ኣእጋሩን እናስዓሙ ኣምሪሮም በኸዩ። ገጹ ስለ ዝርኣዩ ኽኣ ተሓጐሱ ንሱ ኽኣ ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባረኾም።

       ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ናይ ክርስቶስ ወገን ዝኾንኩም ምእመናን በብዓመት ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ባዓል እናገበርኩም ክትሕጎሱ ይግባእ፡ እዚ ኽኣ ከም ጴጥሮስን ጳውሎስን ስለ ክርስቶስ ደሞም ዘፍሰሱ ነዞም ተጋደልቲ ኣቦታት ናይ መከርኦም መዘከሪ እዩ። እዞም ኣቦታት ብ 13 መጋቢት ሉክዮስ ካብ እስክንድርያ ናብ ኣውሳናት ደሴት ኣግዓዞም። ብ 13 መጋቢት ኽኣ ናብ እስክንድርያ ተመልሱ። ብጸሎቶም ዝርከብ በረኸት ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!!

ኩላትና ዝፍለጥናዮ ከነፍልጥ እግዚኣብሄር ይሓግዘና ኣሜን!!

Saturday, May 21, 2011

The Deuterocanon books

The Deuterocanon books are a part of the Holy Bible.. The Protestants removed them from their Bible saying they were not the word of God, Although there are many evidences and historical proofs to verify them! The Orthodox and Catholic Churches believe in them.. Here you can find the full text of them in both English and Arabic languages, along with an intro for every one of the Deuterocanonical Books.

It was not until 1519 that there arose a huge uncalled-for controversy about how many books the Bible contains. Is it 73, as Orthodox and Catholics claim, or 66, as Protestants hold? In other words, do the books of Tobit, Judith, 1+2 Maccabees, Wisdom, Sirach, and Baruch, indeed belong to the Bible, or are they not inspired and should not be contained therefore in the Sacred Scriptures? These disputed books are referred to as the "deutero-canonical books" by Orthodox & Catholics, and as the "apocryphal books" by Protestants.
The question is a relevant one, one that divides Orthodox & Catholics and Protestants still to a great extent. Since Protestantism is based on Sola Scriptura, "Scripture alone," the issue about the deuterocanon is extremely significant since it puts into question the very essence of Scripture.
In a brief way, now, let me present the Protestant position by summarizing their main points:
1. The Jews themselves only have 39 books in their Old Testament, that is without the deuterocanonicals.
2. The Council of Trent added the 7 deuterocanonical books to the Bible in 1546.
3. Jesus never quoted from the deuterocanonical books, so they aren't inspired.
Before I go off into answering their assertions, let me point out that one of the best books to consult in defense of the Orthodox & Catholic position here is Mark. P. Shea, By What Authority? An Evangelical Discovers Catholic Tradition (Huntington, IL: Our Sunday Visitor, 1996). Former Protestant Mark Shea deals with all the issues involving biblical authority, and he explains how he could not remain a Protestant after he had researched the origins and essence of the Bible, and especially the epistemological problems revolving around it, that is, the "How do I know?" questions.
To answer the Protestant assertions:

In response to #1.
It is true that ever since 90 AD., the majority of Jews has not accepted the deuterocanonical books as inspired. Ergo, concludes the Protestant, they are not inspired and thus not Scripture, since "the Jews are entrusted with the oracles of God" (Romans 3:2).
We must, however, note that the Jews did not define a canon of their Scriptures until 90 AD., that is after the coming of the Messiah. In 90 AD., the Jews were no longer the true religion, since they had rejected the Messiah. Ever since Pentecost, the Church of Jesus, the Catholic Church, was the institution endowed with all authority (cf. Matthew 16:18-19; 18:18; Ephesians 3:10; Acts 15). Therefore, what the Jews may or may not have decided in a council after Christ, in 90 AD., is irrelevant. They had lost their status as the true religion when they rejected Jesus Christ. It has been the Orthodox Church, from Pentecost on, which is the true and real "Jewish Church," that is the fulfillment and flower of Judaism, that which Judaism was meant to be.
Why is it that the Jews decided on considering only 39 books inspired? Because they knew that the Christians, their arch-enemies, were using the Greek version of the Scriptures (which included the deuterocanonical books!!), and they wanted to be sure to distinguish themselves clearly from the Christians. They wanted their own identity back. Besides, the deuterocanon contains many Christian prophecies and allusions to the New Testament, something the Jews could not stand at all! A perfect example would be Wisdom 2:10-24, which is the clearest prophecy about Jesus' passion in the entire Scriptures. The Jews, however, were anti-Christian! Indeed, the first Christians did use the deuterocanonical books. Proof of this can be found in art versions of the Scriptures (Vulgate, Syriac, and Coptic) as well as by looking at early Church liturgy.
Why, then, would or should we trust an institution that put curses on Christians and repudiated the Messiah and his liberating teachings, in order to know what belongs in the Bible? It makes no sense. Furthermore, if we trust the Jews concerning the Scriptural canon, we must be consistent, and thus we should also throw out all the books of the New Testament, since the Jews believe the New Testament has not been written yet (contains zero books therefore). Yet no Protestant does that. Indeed, Protestants want it both ways. They want to have only 39 books in the Old Testament (relying on the Jews for that decision), but yet also wish to have their 27 New Testament books (NOT relying on the Jews this time). Why this inconsistency?

In response to the second objection of Protestants.
This is my favorite, because it makes so little sense.
What really happened was that ever since the Councils of Rome, Hippo, and Carthage in the late 4th century AD, the Christian faithful were taught that the deuterocanonical books are Scripture, and they were used as such. It was not, however, till 1546 that these books were solemnly and dogmatically defined as belonging to the canon, because it was not until then that the inspiration of those books was called into question. And no doctrine is defined till called into question.
Why, though, did Martin Luther deny the inspiration of the deuterocanon? Because the 7 disputed books contain lots of scriptural proof for Orthodox & Catholic doctrine.. This Luther did not like. So he decided it be better to side with the Jews concerning the canon, so as to justify his breaking with Church teaching concerning certain doctrines. What Luther did, then, was simply cowardly. When given biblical proof for a doctrine he disagreed with, he asserted that, "Well, these books shouldn't be in the Bible." But that's easy. Someone could argue that the Virgin Birth of Jesus is not in the Bible. When confronted with passages from Matthew and Luke, the person could just say, "Yeah, well, those books don't belong in the Bible, though." This gets us nowhere.

Finally, a response to the third objection of Evangelicals. Their position is basically that if Jesus didn't quote directly from the deuterocanonical books, they aren't inspired. That charge, though, is insane. First of all, Jesus did not even quote from all of the 39 Old Testament books Protestants considered inspired, either! It is true he quoted from most of them, but that is not enough. "Most" won't do. What about those he did not quote, such as Ruth, Song of Songs, etc.? Are they not inspired? Secondly, we do not know whether Jesus might indeed have quoted from the Deuterocanon, since not all revelation is written down in the Bible (John 21:25). Thirdly, quotation from a book does not imply its inspiration. In Hebrews 11:36, for example, the author alludes to the Ascension of Isaiah 5:1-14. In Jude 9, we are told that Archangel Michael had a dispute with Satan over the body of Moses. This dispute is not found in the Old Testament, but in the Assumption of Moses, which is not inspired. The mere alluding to a book or quotation thereof simply does not make a book more or less God-breathed. An even more important aspect is that it is simply not true to say that the deuterocanonicals are never quoted or alluded to in the New Testament. Sirach 5:13-14 matches with James 1:19, Wisdom 2:12-20 with Matthew 27:41-43, and 1 Maccabees 4:36-59 and 2 Maccabees 10:1-8 with John 10:22-36.
There is really no reason to reject the 7 disputed books. Protestants accept the 27 books of the New Testament which were defined by the Councils of Rome, Hippo, Carthage, Florence, and Trent, and yet not the 46 books of the Old Testament defined by the same councils. Why not? Why this inconsistency?
What I have presented in this brief essay is history, it is fact. It is not merely my opinion. There is no reason to reject the deuterocanonical books as un-inspired. It was simply a turn Martin Luther had to take to justify his break-off from a 1500-year-old Church tradition.
Deuteronomy 4:2: "You shall not add to the word which I command you, nor take from it; that you may keep the commandments of the Lord your God which I command you."