Monday, April 2, 2012

ምኽሪ ለባማት


+ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!

ክልተ ኣሕዋት ሃብታማት ዝነበሩ እዋን ኣርኪቡዎም ሃብቶም ኣብቂዑ ድኽነት ኣርኪባቶም ካብቲ ዝነበሩዎ ከተማ ክስደዱ ተገደዱ። እቲ ሓደ ኣብ ለባም ሰብ ተዓስበ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ደሓን ዝኾነ ሃብታም ተዓስበ።
ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናብ ዓዶም ክምለሱ ምስ ሓሰቡ፡ እቲ ምስ ለባም ዝነበረ “ክንድዚ ዚኣክል ዓመታት ምሳኻ ሰሪሐ ሕጂ ግና ናብ ቤተ ሰበይን ዓደይን ክኸይድ እንታይ ትመኽረኒ፤” በሎ። እቲ ለባም ሰብኣይ ከኣ ምስትውዓሉ ርእዩ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ። “ነቲ ዝህበካ ምኽሪ ካብቲ ሒዝካዮ ትኸይድ ገንዘብ ክውሕደካ እዩ” ይብሎ። እቲ መንእሰይ ከኣ “ኣይፋልካን ደኣ ምኽርኻ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ እዩ” ኢሉዎ። እቲ ለባም ሰብኣይ ከኣ “በል ሓንቲ ምኽሪ ብ500 ዲናር እየ ክህበካ” በሎ። እቲ መንእሰይ ከኣ 2000 ዲናር ጥራይ ነበሮ። ሕራይ ኢሉ ከኣ በቲ ዝበሎ ተሰማሚዑ።

  1. ብትፈልጦ መንገዲ እምበር ብዘይትፈልጦ መንገዲ ኣይትኺድ። ወስኸኒ ደኣ ይብሎ እቲ መንእሰይ።
  2. ዘምጽኣካ ደኣ እምበር ዘይምጽኣካ ኣይትግበር። “ኣይዓገብኩን ምኽርኻ መግበኒ ደኣ። ምኽንያቱ ገንዘብ ኣብ ቅድሚ ምኽርኻ ዋጋ የብሉን” ይብሎ።
  3. ንእትወስዶ ውሳኔ 3 ጊዜ ሓሲብካ ፈጽሞ። ይብሎ።

እቲ መንእሰይ ወላ’ታ ተሪፋቶ ዝነበረት 500 ዲናር ኣይበቀቃን። ኣብ መንገዲ እንታይ ይጸንሓኒ ኢሉ  ኣይሓሰበን። ነዛ ተሪፋ ዘላ ክህበካ መዋእለይ ዘይጣዓሰሉ ምኽሪ ሃበኒ አሉ ለመኖ

 4. ነዛ መወዳእታ ምኸረይ ኣብ ወረቀት ጽሒፈ ክህበካ እየ። ዓድኻ ምስ በጻሕካ ክፈታ ይብሎ።

እዚ ለባም መንእሰይ ምስ ለባም ሰብ ስለ ዝነበረ ምኽሪ ሒዙ ናብ ዓዱ ይብገስ። እቲ ምስ ሃብታም ዝነበረ ከኣ ገንዘብ ጥራይ ሒዙ ይብገስ። ነቲ ዓርኩ ዝገበሮ ምስ ፈለጠ ከኣ ኣባጨወሉ።

መንገዶም ከይተበገሱ ከለው፡ ሕጽር ዝበለ በቅልጡፍ ናብ ዓድና እንበጽሓሉ መንገዲ ዘይነናዲ ይበሃሃሉ። ኣብዚ ህሞት እዚ ምኽሪ ለባም ዝሰነቀ “ኖኖእ ኣነ በታ ዝፈልጣ መንገዲ እየ ዝኸየድ” ይብሎ። በዚ መሰረት ከኣ ተፈላሉዩ። እቲ ብኣቋራጭ መንገዲ ዝኸደ መንእሰይ ኣራዊት ረኺቦም ይበልዕዎ። እቲ ምኽሪ ለባም ዝሰምዐ እሞ ዘተግበረ ገለ ከይተጐድአ ጎዕዝኡ ቀጸለ። ኣብ ሓንቲ ከተማ ምስ በጽሐ መሬት መስዩ ከሕድሮ ዝኽእል ሰብ አናድዩ፡ ከሕድረካ እየ አሉ ሓደ ሰብ ናብ ቤቱ ምስ ወሰዶ፡ ኣብዚ ጽንሓኒ መግብን መደቀስን ከምጽኣልካ እየ ኢሉዎ ይኸይድ። ኣብቲ ዝንበሮ ቦታ ሬሳታት ምስ ጸንሖ ሰንቢዱ ሕማቕ ሓሰበ። እዚ ሰብኣይ ደኣ ቀታሊ ሰብ እዩ ኢሉ ሓሰበ። ንዓይ ከኣ ከይቀተለኒ ከሎ ክቀትሎ ኢሉ ካራ ኣዋደደ። ሕስብ እንተበለ ግና ምኽሪ ለባም አስራሒኡ ዘኪሩ “ዘምጽኣካ እምበር ዘይምጽኣካ ኣይትግር” ዝብል ምኽሪ ኣብ ሓሳቡ መጾ። እዚ ሰብኣይ ንዓይ ጽቡቕ ክገብረለይ ኢሉ ኣብዚ ኣምጺኡኒ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፍ መጽየ እምበር እንታይ እዩ ዝገብር ኣይፈልጥን እየ። ስለዚ ሱቕ ምባል ይሕሸኒ ኩሉ ንኣምላኽ ሓዲገዮ ኣለኹ ኢሉ ብዓቕሊ ተጸቢዩዎ። እቲ ሰብኣይ መጽዩ ነቲ ዝግባእ ናይ እንግዶት መግቡ ሂቡ መደቀሲ ኣዳለወሉ። ከይተዛረበ መሬት ምስ ወገሐት ናብ ዓዱ ተበገሰ። ይቀንየለይ ዝገበርኩምለይ ከኣ ኣምላኽ ዓስብኹም ይኽፈልኩም ኢሉዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በል ዝሓወይ ንስኻ ጥዑይ ሰብ ኢኻ እዞም ዝራእኻዮም ሬሳታት ዘምጽኦም ገዲፎም ዘይምጽኦም ስለዝተዛረቡኒ ማለት “ሰብይትኻ ደኣ ኣበይ ኣላ፤ ወይ እንታይ ትገብር ኣብዚ ስፍራ እዚ እና በሉ ስለዘጽበቡለይ እየ ሓሪደዮም። ንስኻ ግና ዘምጽኣካ ጥራይ ስለዝገበርካ ኣምላኽ መንገድኻ የቅንዓልካ” ኢሉ መሪቁ ኣፋነዎ። በቲ ዝገበሮ ከኣ ደስ እና በሎ ጉዕዝኡ ቀጸለ።

ዓዱ በጺሑ ቅድሚ ናብ ቤት ኣብኡ ምእታዉ፡ ስድርኡ ምርካቡ፡ ነዚ ኹሉ ዝገበረለይ፡ ብጥዕና፡ ብሰላም ዝመለሰኒ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ከመስግኖ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኸይድ። ኣብ መንገዲ ፍቑራት እናተሰዓዓሙ ናብ ቤተ ክርሰቲያን ዝኸዱ ይርኢ እሞ ይናደድ። ጽቡቕ ስለዘይገብሩ ዘለዉ ናብኦም ከይደ ክሃርሞም ኢሉ ይሓስብ፡ ግና ምኽሪ ለባም’ውን ይገትኦ። እቲ እትወስዶ ስጉምቲ 3 ግዜ ሓሲብካ ፈጽሞ ዝብል ኣብ ኣእምሮኡ ይመጾ እሞ ይሃድእ። ናብኦም ቅርብ ኢሉ እንተራኣየ፡ እቶም ፍቑራት ኮይኖም ዝተራእዩዎ፡ ኣዲኡ ሓሚማ ሓዉ ደጊፉዋ ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝኸዱ ዝነበሩ ኮይኖም ጸንሑዎ። ነቲ ዝሓሰቦ ገሪሙዎ ንስድራቤቱ ስዑሙ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ድርብን ዕጽፍን ገይሩ ንኣምላኹ ከመስግኖ ተተሓሒዞም ኣተው። ኣመስጊኑ ምስ እና ተመልሰ ከሎ ነታ ደብዳቤ ናይ’ቲ ለባም ኣስራሒኡ ክፍት ምስ ኣበላ ከምዚ ዝስዕብ ጸንሖ። “እተን ዝነገርኩኻ ምኽሪ ብጥንቃቀ ፈጽመን” ዝብል ቃል ጸነሖ። ምስታ ጽሕፍቲ ከኣ እተን 2000 ዲናር ናቱ ተጠቕሊለን ጸንሐኦ። ደስ እና በሎ ምስ ስድርኡ ብሓጐስ ንቤቱ ተመሊሱ።

እዛ ሓጻር ግና ቁምነገር ሓዘል ዝኾነት ዛንታ ንመሃሮ ብዙሕ እዩ። ገለ ካብኡ፡-

መጀመርያ ከምቲ ቅዱስ ቃሉ “ኣብ ቀራና ጐደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጐደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብእኡ ተመላለሱ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ከትረኽቡ ኢኹም” (ትንቢት ኤርምያስ 6፡16) ዝበሎ እታ እንኮ ጥንታዊት ጐደናና በቶም ሕሩያን እግዚኣብሔር ዝኾኑ ቅዱሳን ኣቦታት ሓዋርያት ዝተሰጋገረትልና ኣማናዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ እምነትና ጸኒዕና ክነብር እዩ። “ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ” (ሉቃ 10፡13) ከምዝበለ ወይልኹም ደቂ ተዋህዶ። ሎሚ ብመንፈስ ምጥርጣር ተመሊእና፡ ካብቶም ኣቦታትና ንሕና ንፈልጥ፡ ኣቋራጭ መንገዲ ናብ እግዚኣብሔር ረኺብና ኢና እሞ፡ ዘማልደልና ኢየሱስ (ሎቱ ስብሐት) እዩ፡ እናበልካ መፈጸምታና እቲ ቃል “ርኽሰቱ ዘይተሓጽበ ኣነ ንጹህ እየ ዝብል ወለዶ ኣሎ” (ምሳሌ 30፡12) ከይንኸውን ኣመና ምጥንቃቕ የድልየና። እታ ዝተዋህበትና መንገዲ ብትዕቢት ተዋጢርካ ምኻድ ዘይኮነ “ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና” (ሉቃ 17፡10) ንበል። ህይወትና ክኸውን ኣለዎ እዚ ቃል እዚ። ብሓቂ ከምቲ ዘማራይ ዳዊት “ቃልካ ንእግረይ መንራህቲ ንመንገደይ ብርሃን እዩ” (መዝ 119፡105) ዝበሎ ቃሉ ተመጊብና ፍቓዱ መሊእና ክነብር ናይ ኣምላኽና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ምኽንያት ናይ ምፍጣርና እንተተረዲእና ኮይና ከኣ ኣብዛ ምድሪ ዓስቢ ሰማይት ክንረክብ ደኣ ተድላ ሥጋና ክንመልእ ስለዘይኮነ ተጊህና ክብሪ ዉሉድነት ዘውርሥ ስራሕ ክንሰርሕ እዩ ግቡእና። ኣብ መወዳእታ ከኣ ከምቲ ቀዳሞት ኣዳምን ሔዋንን ጸላኢ ሰናያት ኩሉ ግዜ ኣብ መንጐናን መንጐ እግዚኣብሔርን ኣሎ። ምስ እግዚኣብሔር ጽቡቕ ርክብ ክህልወና ስለዘይፈቱ ክንፍተን ኢና፡ ክንወድቕ ኢና፡ ግና ክንትንስእ ኣሎና። ምኽንያቱ እቲ ንቡር ምውዳቕና እንተኾይኑ ዘይንቡር ግና ዘይምትንሳእና እዩ። ድኻም ክስመዓና የብሉን። ምኽንያቱ ተስፋ ሰማያት ስለዘለና። እዚ ኸኣ “ንምስትውዓል እምንቲ ፈታዊተይ ኢኺ በላ” (ምሳ 7፡4) ከም ዝበለ ኣስተውዒልና ሓሲብና ተጠንቂቕና ምጉዓዝ የድልየና።

ኣብ መደምደምታ ግና ኣብ ክሳድና ንኣስሮ ማዕተብ ከም ሕላገት ካብ ኩሉ ክፉእ ዝሕልወና እዩ። ስለዚ “ወደየ፡ ንቓላተይ ዘክሮ፡ ንትእዛዛተይ’ውን ከቶ ኣይትረስዓዮ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ። ኩሉ ሳዕ ምሳኻ ሓዞ፡ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሓፎ” (ምሳ 7፡1-3) ። ይብል እቲ ቅዱስ ቃል እሞ ኣብ ልብና ሰፊሩ ቅዱስ ቓሉ ኣብ ክንዲ ሓደ 30፡ 60፡ 100 ኻዕበት ንኽንፈሪ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና። ጀመርቲ ጥራይ ዘይኮናስ ካብቶም ፈጸምቲ ይግበረና። ፍቕሪ ኣምላኽን ጸጋ ጐይታናን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን። 

(For those who do not have Geez, please check on this link) MIKRI LEBAMAT

ወስብሐት ለ እግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!        

No comments:

Post a Comment