Saturday, April 7, 2012

ሆሳእና


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ቁጽሪ 8 ሆሳእና መጋቢት ፴/8 (2004/2012) ዓ.ም
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና!
ትሕዝቶ፡ ሆሳእና ሰናይ ንባብ



ሆሳእና ኣብ ኣርያም
<< ነብዩ ግና ብዘይ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ወጻኢ ኣይመውትን እዮሞ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ንኢዮርሣሌም ክድይብ ይግበኣኒ እዩ። ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ።>> ሉቃ.13-31-35

ሆሳእናሻሙናይ ሰንበት ሆሳእና ይበሃል። እዚ ስም ዝረኸበሉ ምኽንያት ኣብ ዕለት ሰንበትን ዋዜማኡን ዝዝመር ጾመ ዱጓ <<ሆሳእና በአርያም>> ናይ ሆሣእና ቃል ብተደጋጋሚ እንዳተጠቕሰ ስለዝዝመር እዩ። እዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንዳተመስገነን እንዳተዘመረሉን ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ጻዕብ ኣድጊን ተወጢሒ ካብ ከባቢ ደብረዘይቲ ናብ ኢዮርሳሌም ከተማ ብኽብሪ ዝኣተወሉ ኩነታት እንዳተረኸ ስለዝዝመር ብምዃኑን፡ ከምኡ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጐይትነቱ ክብሪ ብውዳሴን ቅዳሴን ሆሳእና ኣብ ኣርያም እንዳተባህለሉ ብኣፈ ዓበይቲን ህጻናትን ዋላውን ኣእማን ከይተረፉ ልሳን ኣውጺኦም እንዳመስገንዎ ኣብ ልዕሊ ኣድጊን ገልገላ ኣድግን ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታው ስለዝገልጽ እዩ። ማቴ 21፡1-17። ማር. 1-10። ሉቃ. 19፡29-38። ዮሓ. 12፡12-15። ዘካ. 9፡13። 2ይነገ. 9፡13። መዝ. 117(118)፡25-26። ኢሳ.56፡7። ኤር. 7፡12። መዝ.8፡2። እዚኣቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍልታት ብዛዕባ ሆሳእና ዝተነግረ ትንቢትን ተፈጻምነቱን ይነግሩና።


ሆሳእና ኣብ ኣርያም


ሆሳእና

ዮሓ.1215 ,<< ከምቲ ኣንቲ ጓል ጽዮን ኣይትፍርሂ እንሆ ንጉሥኪ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ>> ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ኣምላኽናን ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ መጸ። ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምምጽኡ 1400 ዓመታት ኣቀዲሙ እግዚአብሔር ብእምነት ኣብርሃም ናይ ቃልኪዳን ሕዝቡ ዝገብሮም እስራኤላውያን ካብቲ ጽኑዕ ባርነት ኣውጺኡ መዓልቲ ብደመና ለይቲ ብዓምደ ብርሃን እንዳመርሐ ኣብታ ናይ መራኸቢት ድንኳን ሓዲሩ እሱ ንጉሦም ኮይኑ ንሶም ድማ ህዝቡ ኮይኖም ኣብቲ ምድረበዳ እንዳመርሐ ናብ ናይ ተስፋ ምድሪ (ምድረ ርስቲ) ከንኣን ኣእቲዎም። እስራኤላውያን ግና ምድራዊ ንጉሥ ብምድላይ ንንጉሦም እግዚአብሔር ብምግዳፍ ንእግዚአብሔር በደሉ። ኣብ ምድሪ ብዘላ ናይ መንግሥቱ መርኣያን ኣብነትን ንክኾኑ ዝመረጾም ህዝቢ ምድራዊ ንጉሥ ደልዮም። እቲ ምልኩዕ ዝኾነ ሳኦል'ውን እስራኤል ዝመረጽዎ ምድራዊ ንጉሥ ግዳማዊ ክብሪ ዘለዉ ንጉሥ ምዃኑ ጥራሕ ኮይኑ ተረፈ። እግዚአብሔር ግና ካብዛ ዓለም ዘይኮነት ብሰብ ዝሰርሖ መመልክዒ ዘይመልክዐት፣ ናይ ትሕትናን ፍቕርን ምስጋናን ዝኾነት መንግሥቲ ከርእዮም ምእንቲ ካብ ኣሕዋቱ ዝነኣሰ በዓል በገና ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ወዲ እሰይ መሪጹ። ናይ ዳዊት መንግሥቲ ዋላ እንተሓለፈት << እግዚአብሔር ንዳዊት ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ።>>መዝ.13211 ዝበሎ ቃልኪዳን ግን ኣይሓለፈን ስለዚ ብኣምኽነቱ ናይ ዘልዓለም ናይ ነገሥታት ንጉሥ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ሰብ ምስ ኮነ ተስፋ ኣበው ተስፋ ዳዊት ተፈጺሙ። ብመለኮታዊ ሥልጣኑ ኣብ ናይ እግዚአብሔር እሪና ዘሎ ወልደ እግዚአብሔር ወዲ ዳዊት ኮይኑ ትንቢት ተፈጺሙ። ስለዚ እዩ ከኣ መልኣኩ ቅዱስ ገብርኤል ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከበሥራ ከሎ << ካባኺ ዝውለድ ወዲ ልዑል እግዚአብሔር ክበሃል እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ  ድማ  ዝፋን ኣቡኡ ዳዊት ዙፋን ክህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያዕቆብ ንዘለዓለም ክነግሥ እዩ። መንግሥቱ ከኣ መወዳእታ የብሉን።>> ብምባል ናይ ትንቢት ፍጻሜ ኣበሲሩ። ሉቃ.126-38
  
ንጉሥነ ክርስቶስ

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክውለድ ከሎ ሰብአ ሰገል << እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ።>> ማቴ.22 ብምባል ንጉሥነቱ ገሊጾም እዮም። ኮይኑ ግና ብምድራዊ ክብሪ ዘጊጸ ዘይኮነ ኣብ ናይ መብሎዒ ማል ዝደቀሰ፣ ብጓሶትን ግዑዛን እንስሳ ዘቤት ዝተኸበበ ትሑት ንጉሥ እዩ። መንግሥቱ ምድራዊት ዘይኮነት ዘልዓለማዊት ካብ ሰማያት  ስለዝኾነት መላእኽቲ ብዝማሬ ኣመስገንዎ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘልዓለማዊ ንጉሥ፣ንጉሠ ነገሥት እዩ። እዚኣ መንግሥቱ ምድራዊ ክብሪ ዘይኮነት ብትሕትናን ፍቅርን  ዝማዕረገት ሰማያዊት ስለዝኾነት ብሓሳቦም ምድራውያን ዝኾኑ ሰባት ክፈልጥዋ ኣይከኣሉን። ስለዚ እታ ናይ ቆጸራ መዓልቲ ምሰ በጽሐት ሰማያዊትን መንፈሳዊትን መንግሥቱ ኣብ ልዕሊ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ገሊጽዋ። << ሆሳእና ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ንጉሥ እስራኤል ብሩኽ እዩ።>> ዮሓ.1213። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ኣልኣዛር ኣብ ቢታንያ ናይ መጨረሻ ድራር ድሕሪ ምብልዑ ንሓዋርያት ሊኢኹ ጻዕብ ኣድጊ ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊኣ ተቀሚጡ ናብ ኢዮርሳሌም ኣተወ። ኣብቲ እዋን'ውን እዞም ዝስዕቡ ተገሊጾም፣-

1.መንግሥቱ ናይ ትሕትናን ናይ ፍቓድን ምዃ

ኣድጊ ካብ ኩሉ እንስሳ ዘይተፍርሕ እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን ከም ናይ ነገሥታት ሥርዓት ብዝኸበረ ሠረገላን ፈረስን ዘይኮነ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ መንግሥቱ ናይ ትሕትና ምዃ ኩሉ ሰብ ተገዲዱን ፈሪሑን ዘይኮነ ብፍቓዱ ዝኣትዎ ምዃ ንኸረድእን ንኸርእይን እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣድጊ ተወጢሕካ ንሰብ ጎይኻ ንምሓዝ እንኳ ኣይከኣልን እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ወዝቢ ዝመጸ ዘይኮነ ነብያት ብትንቢት ዝተዛረብሉን ኣብ ጉዕዞ ነገረ ድኅነት ብእግዚአብሔር ዝተሓስበ እዩ። ነብዩ ዘካርያስ <<ኣንቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጎሲ ኣንቲ ጓል ኢዮርሣሌም እልል በሊ። እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ።>> ዘካ.99 ብምባል ገሊጽዎ እዩ።

  
2.  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸሉ ዕላማ ንድኅነት እምበር ንኽብሪ ዘይምዃ
  
እስራኤላውያን በዓለ ፋሲካ ቅድሚ ምኽባሮም ኣቀዲሞም ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብዚ ዕለት ንበዓል ፋሲካ ዝኸውን ገንሸል ሒዞም ናብ ኢዮርሳሌም ይኣትዉ ኔሮም። ዘጻ.121-36 ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ዕለት ናብ ኢዮርሳሌም ምምጽኡ ናይ መንግሥቱ ምሥጢር ብመስቀልን ብፍቕሪ መሥዋእትነት፣ ዝገልጽ ናይ እግዚአብሔር በጊዕ ንኸረድእ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ናይ ዘካርያስ ትንቢት <<እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቅ መድኃንን ትሑትን እዩ፣>>ዝብል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉሥ ኮይኑ ናብ ኢዮርሳሌም ምእታዉ ንኽምስገን ሓሲቡ ዘይኮነ ክቕበልዎ ምእንቲ ንዓለም ከድኅን ዝመጸ ንጉሥ እሱ ኣብ ኣደባባይ ንኽእውጅ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ምስጋና ካብ ኣፈ ህጻናት ዝተቀበለ፣ ህጻናት ንኹሉ ስለዝቅበሉ። ነዚ እዩ ከኣ << ንመንግሥቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኮይኑ ዘይተቀበላ ከቶ ከም ዘይኣትዋ ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ። >>ዝበለ።ሉቃ.1817። ናይ ድኅነት ተስፋ ዝተነግረሎም እስራኤል ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን፣ ዝመጻላ ዕላማ እዚ ስለዝነበረ ብዛዕብኦም ከኣ ከምዚ ኢሉ በኸየ። << ምስ ቀረበን ነታ ከተማ ምስ ረኣያን ከምዚ ኢሉ በኸየላ። ኣየ ንስኺ በዛ መዓልትኺ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ ሕጂ ግና ዓይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ።>>ሉቃ.1941 ዝመጻሉ ዕላማ ንዓለም ሰላም ዝህብ ምስ ( ንእግዚአብሔርን ሰብን  ዘተዓርቅ) መድኅን ንጉሠ ሰላም፣ በጊዕ ፋሲካና ምዃ ንኽእውጅ እዩ ኔሩ ኣብ ዘይተቀበልዎ እዋን ግና በኸየሎም። << ሆሳእና ማለት ሕጂ ኣድኅን >>
ማለት እዩ። መድኅን ክቅበልዎ ይግባእ ኔሩ ግና ኣይተቀበልዎን። ንጉሥን መድኃኒን ምግላጹ፣ መንግሥቱ ናይ  ፍቕሪ ዙፋኑውን መስቀል ምዃ ንምግላጽ እዩ። እቲ በጊዕ << ናይ ነገሥታት ንጉሥ ናይ ጐይቶት ጐይታ ስለዝኾነ >> ራእ.1913-16

 ናይ ሆሳእና ኣከባብራ ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያና

ቅድስቲ ቤተክርስቲያና በዓለ ሆሳእና ብዓቢ ድምቀትን ክብርን እያ ተኽብሮ። ኣከባብራና ከኣ ከም ኣይሁድ፣ ሰንበት ሆሳእና ብእግዚአብሔር ስም ዝመጸት ናይ  ኣቦና ዳዊት መንግሥቲ ዝተባረኸት እያ። ሆሳእና ኣብ ኣርያም ድሕሪ ምባሎም ኣብ ዕለት ዓርቢ << ስቀልዎ ይሰቀል >> ብምባል ዘይኮነ ስጋብ መጨረሻ ምስ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብም እዩ። እዚ ከኣ ብተግባር ዝርኣዩ መንፈሳዊ ሥርዓት ቤተክርስቲያና ምስክር ኮይኖም ዝግለጹ እዮም እሶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፣-

ዑደት

ብናይ ቤተክርስቲያና ሥርዓት መሠረት ንግሆ ዕለተ ሆሳእና ቅዳሴ ቅድሚ ምእታዉ ዑደት ይግበር። እቲ ዑደትውን ካብ ቤተመቅደስ ተጀሚሩ፣ ብኣርባዕተ ኆኃተ (ማዕጾ) ቤተክርስቲያን  ምስባክ እንዳተሰበከ ወንጌል እንዳተነበበ ድሕሪ ምዛር ኣብ መጨረሻ ካህናትን ዲያቆናትን ናብ ቤተ መቅደሱ ምስ ተመልሱ ይውዳእ። እቲ ዑደት ዲያቆናት መስቀልን ስእለ ማርያም ሒዞም ካህን ማእጠንት እንዳዓጠነ ይመርሕዎ።

እዚ ዑደት ናይ ቤተክርስቲያን ዘልዓለማዊ ጉዕዞኣ እዩ። ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ ካብ እግዚአብሔር ይጅምር። ክርስትና ናይ እግዚአብሔር ጅማሪ እምበር ናይ ሰብ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዚ ዑደት ካብ መሰውኢ ይጅምር፣ መሰውኢ ሰማያዊ ስለዝኾነ። ናይዚ ናይ ቤተክርስቲያን ጉዕዞ መራሒ ንህዝቡ ናብ እግዚአብሔር መሪሑ ዘብጽሐ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ ካህን ዕጣን እንዳዓጠነ ይመርሕ። እዚ ጉዕዞ መከራ ዘለዎ እቲ መገዱ ዋላ ጸቢብ እንተኾነ ብደስታ (ብሓጎስ) ዝተመልአ እዩ። ሰለዚ ዲያቆን መስቀል ክሕዝ ህዝቢ ድማ ይዝምሩ። ደስታን መስቀልን ብሓንሳብ ንምግላጽ እዩ። ናይዚ ጉዕዞ ፍጹም ኣብነት ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እያ። ክልቲኡ ስለ ተርእይ። ብሓደ ወገን << ኃዘን ብልባ  ዝሓለፈ >> ስለዝኾነ ብኻልእ ወገን ድማ  << ተአብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ወትተሐሰይ መንፈስየ >> ኢላ ዘሚራ እያ። ዑደት ብወገን ምዕራብ ኆኃተ (ማዕጾ)  (በቲ ቀንዲ ማዕጾ) ምጅማሩን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኆኃተ (ማዕጾ) ደው ምባሎምን ናይ  ዘልዓለም ኆኃተ (ማዕጾ) ምኽፋቶምን ሰማያውያን ናይ ጉዕዞና ( ናይ  ማኅበርና ) ተኻፈልቲ ኖም ንምሕባር እዩ።

ኣብ መጨረሻ ዑደት ካህናት ናብ ቤተመቅደስ ምስ ኣተዉ ይፍጸም። ናይ ክርስትና ጉዕዞና ምስ እግዚአብሔር ሓቢርና ንዘልዓለም ብምንባር ምፍጻሙ የርእየና። በዚ ጉዕዝኣ ቤተክርክስቲያን ስጋብ መጨረሻ ምስ ክርስቶስ ዝጸንዕ ዘልዓለማዊ ጉዕዝኣ ትነግር።

ቅዳሴ

ድሕሪ ዑደት ቅዳሴ ይቅጽል። ኣብ ቅዳሴውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንቅበል በዚ ከኣ ምስ ክርስቶስ ዘለና ዘየቋርጽ ሓድነትና ንገልጽ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢዮርሳሌም ክኣቱ ከሎ << ናብ ኢዮርሳሌም ንድይብ ኣለና፣ እቲ ብዛዕባ ወዲሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ኩሉ ከኣ ኪፍጸም እዩ። ንኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ ኬላግጹሉ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፣ ገሪፎም ድማ ክቐትልዎ እዮም፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ'ውን ክትንሥእ እዩ።  በሎም >>  ሉቃ.1831 ከምዚበለና ናይ ኢዮርሳሌም ጉዕዞኡ ናብ ሞት ዝተገብረ ጉዕዞ እዩ ኔሩ። ስለዚ ብሥጋ ወደሙ ምስ ክርስቶስ ሓደ ዝኾና ምእመናን ምስኡ ናብ ሞት ንኸይድ።

ፍትሓት
  
ድሕሪ ቅዳሴ ፍትሓት ይግበር። እዚ ከኣ ንኽሉ ህዝቢ እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት እዚ ፍትሓት ምናልባት ኣብዚ ሰሙን ዝሞቱ እንድሕር ሃልዮም ንዕዖም እዩ ዝግበር ተባሂሉ ይዛረብ እዩ። ኮይኑ ግና እዚ ፍትሓት ንኹሎም ክርስቲያንውን እዩ። ኣብዚ ሰሙን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሣኤን ምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ሓቢርና ሞቱን ትንሣኤኡን ንካፈል ኢና። ሰብነትና ብጸሎትን ብስግደትን ንዓለማዊ ፍቃድና ኩሉ ቀቲልና ብናቱ ትንሣኤ፣ ትንሣኤ ልቦና ንትንሥእ። እዚ ከኣ ከምቲ ንመነኮሳት ዝግበረሎም ፍትሓት ዓይነት ማለት እዩ። መነኮሳት ክምንኩሱ ከለዉ ነዚኣ ዓለም ዝመቱ ኖም ናይ ክርስቶስ መስቀል ምስካሞም ንምርኣይ ናይ ሙታን ጸሎት ከም ዝግበረሎም፣ ምእመናንውን ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ብምስካም መከራ ብምቅባል ንዓለም ክሞቱ ብምውሳን ቤተክርስቲያን ናይ ሙታን ጸሎት ትገብር። በዚ'ውን ሓቢርና ናብ  ሞቱ ንስዕቦ።


(For those who do not have Geez, please check on this link) HOSAENA

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።



No comments:

Post a Comment