Tuesday, June 19, 2012
Wednesday, June 13, 2012
ትሕትና
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ትሕትና
ትሕትና ብመንጽር ብሂል አበው እንታይ ትመስል፤
ሓደ እዋን ሓደ ቅዱስ ኣቦ፡ “እታ ዝዓበየት ጸጋ እንታይ እያ፤” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “ትዕቢት፡ ንብዙሓት መላእክት ካብ ሰማይ ስለዘውደቐቶም ካብተን ዝዓበያ ሓጢኣት ትቑጸር። ብኣንጻራ ድማ ሓቀኛ ትሕትና ዓባይ ውህበት ጸጋታት እግዚአብሔር ምዃና ንሰብ ካብ መዓሙቕ ሕስረት ናብቲ ዝለዓለ ሰማያዊ ክብሪ ክብ ተብሎ። ኣብ ቅዱስ ቃሉ፡ <<ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹኣን እዮም>> (ማቴ 5፡3) ከምዝተባህለ ዘይሓልፍ ሰማያዊ ኣኽሊል ዝወርሱ እዞም ትሑታት እዮም።
Monday, June 11, 2012
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ (2)
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ብሂል አበው፡
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ
8. ምስ እግዚኣብሔር ምንባር ይሕሸኒ።
ኣቦና ማርቆስ ንቅዱስ ኣርሳንዮስ፡ “ኣቦና ንምንታይ ኢኹም ምሳና ክትኮኑ ዘይትደልዩ፤”
ቅዱስ ኣርሳንዮስ፡ “ኣምላኽ ይፈልጥ ከም ዘፍቕረኩም፡ ግና ኣብ ሓደ ግዜ ምስ ኣምላኽን ሰብን ክኸውን ስለዘይከኣል እዩ። እልፊ
ኣእላፍ ሰማያዊ ሰራዊትን ሰማያዊ ጽፍሕን ብሓደ ፍቓድ እዩ ዝነብር፡ ሰብ ግና ብዙሕ እዩ ድልየታቱ። በዚ እየ ኣምላኸ ገዲፈ ምስ
ሰባት ክኸውን ዘይደሊ።”
9. ድቃስ ከም ዘይጠቅም።
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ከምዚ ይብሉ ነበሩ “ሓደ ዝጋደል መነኰሰ ሓንቲ ሰዓት
ንድቃስ ትኣኽሎ እያ”።
Saturday, June 9, 2012
በቂዔ እየ ዝበሃል መዓስ እዩ፤
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ጾመ ሓዋርያት
በቂዔ እየ ዝበሃል መዓስ እዩ፤
ኣብ ሓደ ገዳም ዝነብሩ መንኰሰ ኣቦ እዮም። ምስቲ ናይቲ ገዳም አበምኔት ብዛዕባ መንፈሳዊ ህይወቶም እንዳዕለሉ ከለዉ ነቶም አበምኔት ከምዚ በልዎም << ኣቦና ኣነ ሎሚ ናይ ዓለም ሓጢኣትን ግፍዕን በደልን ርእየ። ስለዚ ዝበቃዕኹ ኮይነ እየ ማለት እዩ።>> እቶም አበምኔት'ውን << ዝወደይ እስከ በርቲዕካ ጸልይ ገና ኢኻ።>> ብምባል መለሱሉ።
Tuesday, June 5, 2012
ቅድስት ሰሎሜ
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ቅድስት ሰሎሜ
ስንክሳር ግንቦት 25
ኣብዛ ቅድስት ዕለት ናይ ኣዴና
ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጋል ሓትነ ዝኾነት ቅድስት ሰሎሜ ዝዓረፈትሉ ዕለት እዩ።
እሳ ከኣ ጓል ማጣት፣ ጓል ሌዊ፣
ጓል ሚልኪ ፣ ጓል ካህን ኣሮን እያ። ንማጣት ሰለስተ ኣዋልድ ነበራኦ።
ንሳተን ከኣ እታ ዝዓበየት ማርያም፡ ብድሕሪኣ ከኣ ሶፍያ እታ ሳልሰይቲ ከኣ
ሃና ይበሃላ። ማርያም ቦኽሪ ንሰሎሜ ወለደት፡ ሶፍያ ንኤልሳቤጥ፡ ሃና ከኣ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እመ ብርሃን ወለደት
።
Monday, June 4, 2012
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ብሂል አበው፡
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ
ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ፡
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ካብ ዓበይቲ
ፍላስፋታት ዓባይ ሮማ ዝነበረ እዩ። ወላዲ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ካብቶም ንጉስ ሮማ ኣብሊጹ ዝፈትዎም ሓለፍቲ እዩ ዝነበረ። ንጉስ
ታውደሰዮስ፡ ንደቁ ዝምህረሉ ቋንቋ ላቲንን ግሪኽን ዝመልኽ ብጥበቡ ዝተመስከረሉ፡ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ፍላስፋ ይደሊ ነበረ።
ኣብ መላእ ዓባይ ሮማ ድማ ከም ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ክርከብ ኣይከኣለን። ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ስለዝነበረ፡ ንጉስ ፈተዎ። ኣብ ምሉእ ንግስነት ንቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ብጀካ ዝኽብሮ ዝቃወሞ ኣይነበረን። ብዙሓት ዝእዘዙዎ ገላው’ውን ነበሩዎ። Saturday, June 2, 2012
ጾመ ሓዋርያት
በስመ አብ ወወልድ
ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ
አምላክ አሜን!
በዓለ ጰራቅሊጦስ
መንፈስ ቅዱስ ወረደ
ላዕለ ሓዋርያት
ተመሲሎ በነደ እሳት
ምስባክ
ዐርገ ውስተ ዓርያም
ፄዊወከ ፄዋ
ወወሀብከ ጸጋከ ለእጓለ
እምሕያው
እስመ ይክህዱ
ከመ ይኅድሩ
።
መዝ.67፣18 (68፣18)
ወንጌል ዮሓ.14፣1-22
ግ.ሓ.2፣1-14 ኤፌ.4፣1-17 1ይዮሓ.2፣1-18
ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ
ጾመ ሓዋርያት
ብሩኽ ምጅማር
ጾም ይግበረልና!
ካብ 27 ግንቦት ሰኑይ ጀሚሩ
ክሣብ 5ሓምለ ይፍጸም
Apostles Fast – Monday, JUNE-4 -JULY 12
ጾመ ሓዋርያት
ጾም መንፈሳዊ
በረከት ዘውህብ
ክርስቲያናዊ ተግባር
እዩ። መጽሓፍ
ቅዱስ ከም ዘረድኣና
ጾም ማለት ንዝተወሰነ
እዋን ወይ ግዜ
ካብ መግብን
መስተን ተፈሊኻ
መንፈሳዊ ተግባራት
ምፍጻም ማለት እዩ።
ኢሳ.4፣16። ጾም ማለት
ካብ ጥሉላት መግብን
ካብ ዘስክር
መስተን ምኽልካል
ከምዝኾነ የምህረና።
ዳኒ.10፣2-3።
Tuesday, May 29, 2012
“ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ” (ሩት 1፡16)
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን -- ብዓቢ ኃይል ወሥልጣን
አሰሮ ለሰይጣን -- አግኣዞ ለአዳም
ሰላም -- እምዘእሴ
ኰነ -- ፍስኃ ወሰላም።
ኣሜን!
ፍስሃ ኮይኑ፡ ሰላም’ውን ንኹሉ ህዝበ ክርስቲያን ኮነ።
ብሓቂ ነፍሱ ኣዋሪዱ ንዓና ኣኽቢሩና። ኣምላኽ ኣማልኽቲ ንጉሠ ነገሥታት ጐይታ ጐይቶት ኣልፋን ኦሜጋን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ይኹኖ።
Monday, May 28, 2012
Saturday, May 26, 2012
ኣባ ይስሓቅ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ግንቦት 19
በዚ መዓልቲ ካብ ገዳም ናይ ኣባ መቃርስ ቅዱስ ኣባ ይስሓቅ ዝዓረፈሉ ዕለት
እዩ። ቅዱስ ኣባ ይስሓቅ ካህንን ጽኑዕ ወተሃደር ደብረ-መቃርዮስን እዩ ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ወለዱ ካብ ግብጺ ኮይኖም ብመለክዒ እዛ
ዓለም ድኻታት ብሰማያዊ መለክዒ ግና ብጽቡቕ ግብሮም ሃብታማት ዝኾኑ እዮም ዝነብሩ። በዚ ከኣ ፍጻሜኦም ወረስቲ ሃገረ ህያዋን ድማ
ኮኑ።
Wednesday, May 23, 2012
Monday, May 21, 2012
Wednesday, May 9, 2012
ብሂል ኣበው፡ ቅዱስ ኣንጦንዮስ (1)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ቅዱስ ኣንጦንዮስ ናብራ ብሕትውና ኣብ ሳህራ ክጅመር ከሎ፡ ብዝሒ ሓሳባት ኣብ ኣእምርኦም የጨንቖም ነበረ። ንኣምላኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ ይልምን ነበረ፡ “ኦ ኣምላኸይ፡ ካብዚ ሓሳባት ክናገፍ ደልየ ግና ኣይከኣልኩን፡ እንታይ ክገብር፤ ከመይ ገይረ ከቋርጾ ይኽእል፤” ቅሩብ ካብቲ ናይ ጸሎት ቦትኦም ውጽእ ምስ በሉ ፡ ንዕኡ ዝመስል ሰብኣይ ረኣየ። ኮፍ ኢሉ ስርሑ ይሰርሕ ይትንስእ እሞ ናብ ጸሎቱ። ዳግማይ ናብ ስርሑ ይምለስ ተንሲኡ’ውን ይጽሊ። እዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንረድኤት ኣንጦንዮስ ዝተላእከ እዩ ነይሩ። ከምዚ ኢሉ’ውን ተዛረቦ “ከምዚ ግበር እሞ ካብ ሓሳባትካ ክትናገፍ ኢኻ”። ነዚ ምስ ሰመዐ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰ ከምኡ’ውን ገበረ። ካብቲ ዘጨንቖ ዝነበረ ሓሳባት ድማ ተናገፈ።
Tuesday, May 8, 2012
ኣብ ናይ ኣዳም ባህርይ ውሽጢ ተብርህ ጻዕዳ ዑንቒ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
ክልኤቱ አዕሩግ እመ በከዩ ብካየ ፣ ረከቡ ወለተ ዘታሥተሰሪ ጌጋየ፣ ለወንጌላውያን ኵልነ ዘኮነተነ ምጉያየ፣ ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ
ምሥራቀ ምሥራቃት ሙፃእ ፀሐይ እግዝእትየ ዘመና ሙዳይ
ተወልደት ዮም ዳግሚት ሰማይ።
መጽሓፈ ዚቅ ወመዝሙር
እንቋዕ ናብ ናይ አዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በዓለ ልደታ ኣብጽሓና !
<< ኣብ ናይ ኣዳም ባህርይ ውሽጢ ተብርህ ጻዕዳ ዑንቒ >> ቅዱስ ያሬድ
Friday, May 4, 2012
ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ግንቦት 25 ቅዱስ ኣባ ሄሮዳ ኣኽሊል ሰማእትነት ዝተቀበለሉ ዕለት እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ካብ ስብስጣ ትበሃል ከተማ ኮይኑ
ካብ ህጻንነቱ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዝነብሮ ቅዱስ ኣቦ እዩ።
Friday, April 27, 2012
Subscribe to:
Comments (Atom)







