በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡ 2ይ ክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቀጸለ
1. መቕድም
ጸሎት
ቅዱስ ኣባ እንጦንዮስ ከምዚ በለ፡
“ቅድሚ ዝኾነ ነገር ብዘይምስልካይ ክትጽሊ ይግባእ። ብዝወረደካ ኩሉ ድማ ንኣምላኽ ኣመስግን” ።
2.
ቅድሚ ናይ ሓባር ጸሎት ንበይንኻ ጸሊ።
ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ካብ ዓበይቲ
ፍላስፋታት ዓባይ ሮማ ዝነበረ እዩ። ወላዲ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ካብቶም ንጉስ ሮማ ኣብሊጹ ዝፈትዎም ሓለፍቲ እዩ ዝነበረ። ንጉስ
ታውደሰዮስ፡ ንደቁ ዝምህረሉ ቋንቋ ላቲንን ግሪኽን ዝመልኽ ብጥበቡ ዝተመስከረሉ፡ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ፍላስፋ ይደሊ ነበረ።
ኣብ መላእ ዓባይ ሮማ ድማ ከም ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ክርከብ ኣይከኣለን። ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ስለዝነበረ፡ ንጉስ ፈተዎ። ኣብ ምሉእ ንግስነት ንቅዱስ ኣባ ኣርሳንዮስ ብጀካ ዝኽብሮ ዝቃወሞ ኣይነበረን። ብዙሓት ዝእዘዙዎ ገላው’ውን ነበሩዎ።