በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን
ታሪኽ ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት
ቅ ድስቲ ኣርሴማ ካብ ፈራህያነ እግዚኣብሔርን ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲኖም ብንጽህና ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ወገን ዝኾነ ኣቦኣ ቅዱስ ቴዎድሮስን ካብ ኣዲኣ ቅድስቲ ኣትናስያን ብመብጽዓ ኣብ ሃገረ ግብፂ ተወሊዳ። ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት ካብ ህጻንነታ ኣትሒዛ ብሉይን ሓድሽ ኪዳንን ተማሂራ ዝዓበየት ክትከዉን እንከላ ዝተማህረቶ ብግብሪ እናተርጎመት ከምኡ'ዉን እቲ ቃል እግዚኣብሔር ዝእዝዞ ነገራት እናፈጸመትን ኩሉ ግዜ ብጾምን፡ ጸሎትን ተወሲና ትጋደልን ንእግዚኣብሔር ተገልግልን ከምዝነበረት መጽሓፍ ገድላ ይገልጸልና።
በዚ ግዜ እዚ ድርጣድስ ዝበሃል ኣረማዊ ከሓዲ፡ ንጣዖት ዝስግድ፡ ኣብ ፀሓይ ዘምልኽን ንእግዚኣብሔር ዘይኣምንን ንክርስቲያናት ድማ ነቲ ኣነ ዘምልኾ ጣዖት ክትሰግዱ ኣለኩም እንዳበለ ዘሳቅዮም ዝነበረ ንጉሥ ኣብ ኣርመን (ኣርመንያ) ነጊሡ ነበረ።
ኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ <<ንኣታቶምን ንኣሕዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸዉን ብኣይ ምኽንያት ምእንታይ ናብ መኳንንትንን ናብ ነገስታትን ክትወስዱ ኢኹም።>> (ማቴ 10:18) ዝበሎ ቃል ብምዝካር ቅድስቲ ኣርሴማ ሰማዕት (ኣብ 20 ዓመት ዕድሜኣ) ኣብ ሃይማኖታ ጸኒዓ እዚ ዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎ ፍትወታት ኃላፊ ምዃኑ ኣሚናን ቃለ ወንገል ዘኪራን ናይዚ ከሓዲ ንጉሥ እከይ ግብሩ ብምስትውዓል ምእንቲ ስም ክርስቶስ ምስ ዝሳቀዩ ወገናት ከም መራሒት ብምዃን ስለ ክርስቶስ ኣምላኽ እናመስከረት ትነብር ነበረት።
እቶም ብዘይካ ንቅዱስን ምቅታልን ምስቃይን፡ ካልእ ሥራሕ ዘይብሎም ናይ ንጉሥ ደርጣድስ ወተሃደራት፡ ቅድስቲ ኣርሴማ ምእንተ ስመ ክርስቶስ ሰማዕት ክትከዉን ድልዉቲ ምህላዋ ምስ ፈለጡ ብመልክዕኣ፡ ግርማኣን ብትብዓት ዘለዎ ዘረባኣን ተገሪሞም እዚኣ ትመስል ጽብቕትን ግርምትን፡ ካብ ንስይፋ ናብ ንጉሥ ምዉሳድ ይሓሸና ኢሎም ምሳ ምስ ዝነብበራ ቅዱሳን ደናግል ናብቲ ንጉሥ ወሰዱዋ።
ንጉስ ድርጣድስ ድማ ነዛ ወተሃደራት ዘምጽኡሉ ቅድስትን ጻድቕን ሰማዕት ምስ ረኣያ፡ ብመልክዓን ግርማኣን ተማሪኹ ንዓለማዊ ሓጎሱን ሥጋዊ ድሌቱን ተመነያ፡ ኣብ ጣዖት ኣስጊዱ ንክምርዓዋ ድማ በሃገ። መርዓቱ ክትኾኖ ድማ ብዙሕ ለመና። ቅድስት ኣርሴማ ሰማዕት ግና ነቲ ንጉሥ ኣዚያ ነዓቀቶን ፈንፈነቶን።" ኣነ ናይቲ ሰማያዊ ንጉሥ ንዝኾነ ክርስቶስ መርዓት እየ። ናይ'ዚ ኃላፊ ዓለምን ጠፋኢ ናይ ዝኾነ ገንዘብን ሓጎስን ዝደሊን ዝምነይን ኣይኮንኩን" ብምባል መለሰትሉ።
ንጉስ ደርጣድስ ድማ ከምዚ ዝበለ መልሲ ካብ ቅድስቲ ኣርሴማ ብምስምዑ ብጣዕሚ ተቆጥዐ።ቅድስቲ ኣርሴማ ስለ ዝነዓቀቶ ድማ ኣዝዩ ተበሳጨወ፥ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣናብስ ክፍንዉላ ኣዘዞም።(ዳኒ.6፥16-22) እቶም ኣናብስ ንቅድስቲ ኣርሴማ ምስ ረኣዩዋ ኣብ እግራ ወዲቆም ሰገዱላን ለሓስዋን። ገጾም ናብቶም ወተሃደራት ብምቅናዕ ድማ ኣባረርዎም።(ዳን.6፥2-4)እቲ ከሓዲ ንጉሥ ነዚ ምስ ረኣየ ካብ መጠን ንላዕሊ ተበሳጨወ። ኣብ ዕጽዉ ገዛ ብጥሜት ንኽሞታ ደማ ኣዘዘ። ልዑለ ብሕሪ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ዕጹዉ ቤት ብርሃን ብምብራህ ዝበልዕኦ መግቢ ብመሶብ፡ ዝሰትይኦ ድማ ብጽዋዕ ጌሩ ካብ ሰማይ ኣዉሪዱ መገበን።









