በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡
ድሕሪ ጸሎት
መወዳእታ ክፋል
1.
መልሲ ናይ ጸሎት
(Click for PDF)ቅዱስ
ኣባ ዘኑን፡ “ኣምላኽ ብቕልጡፍ ጸሎቱ ክሰምዖ ንዝደሊ ምእመን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንጸሎት ምስ ቆመ፡ ኣእዳው ምስ ዘርጊሑ፡
ቅድም ንጸላእቱ ምሕረት ክልምን ኣለዎ። በዚ ድማ ኣምላኽ ዝለመኖ ይኅቦ።”
ማር
ይስሓቕ፡ “ሓዊ ንላዕሊ እንተሊሑሙ ክትኅዞ ከም ዘይክእል፡ ከምኡ ድማ ጸሎት ጻድቃን ንሰማይ ክዓርግ ክትኃዝ ኣይትከኣልን። ከምቲ
ሓረስታይ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዝዘርአ ምህርቱ ከንቱ ዝኸውን ከምኡ ድማ ብቒም በቐልን ዝጽለ ጸሎት ከኣ ከንቱ እዩ። ንጸሎት ንጽህና
ልቢ የድልዮ።”
2.
ሓሳብካ ናብ ሰማይ (ኣንቃዕዶ ኅሊና)







