በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ጾመ ነብያት ኣብጽሓና! ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾመ ሥርየት፣ ጾመ ድኅነት፣ ጾመ መድኃኒት ይግበረልና።
ዕለት ቀዳም ኅዳር 16-2005 ዓ.ም ( 25/11/12) ጀሚሩ ስጋብ
ታኅሣስ 29-2005 ዓ.ም (07-01-2013) በዓለ ልደት
ኣዳምን ሄዋንን ፅጸ በለስ በሊዖም ካብ ገነት ከምዝተባረሩ
ጾመ ነብያት
(Click for PDF)ነብያት ብዛዕባ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ፣ ናብ ግብጺ ስደቱ፣ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ምጥማቁ፣ ብትምህርተ ወንጌል ስብከቱ ንጸልማት ዓለም ምብርኁ፣ ናብ ደቒ ሰባት ጸዋእት መከራ ተቀቢሉ ኣብ መልዕለት መስቀል ምስቓሉ ፣ ብዛዕባ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ልደቱን ዳግመ ምጽኣቱን ትንቢት ተዛሪቦም። ብምቅጻልውን ንኣዳም ዝተዋህቦ ተስፋ ተገሊጽሎም ዝተዛረብዎ ትንቢት ፍጻሜ ክበጽሓሎም ንፈጣሪኦም ተማኅፂኖም ። በበዘመኖም <<
አንሥእ ኃይልከ ፈኑ እዴከ፣ ሓይልኻ ኣልዕል ምሕረት ኣእዳውካ ለኣኸልና።>> እንዳበሉ ተማኅጺኖም ።
ብጾምን ብጸሎትን ተወሲኖም ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ጊዜ መዓልታት፣ ብሳምንቲ ብኣዋርሕ ዓመታትን ቆጾሩ።
ንኣብነት ነብዩ ኤርሚያስ፡
ብዛዕባ ሥጋዌ ትንቢቱ ኣብ ዝተዛረበሉ ኣብ መበል 446 ዓመት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ኮይኑ።