በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡ 3ይክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ
ንጸሎት ምድላው።
1. ሓሳባትናን
ኅልናና ምጥርናፍ። (ኣብ ግዜ ጸሎት ንቁሓት ምዃን)
v ቅዱስ መቓርዮስ፡ “ንጸሎት ምስ
ተንሣእካ፡ ምንቅስቓስካ ሓሉ። ምኽንያቱ ካብቲ ብጸሎት ትረኽቦ በረኸት
ጸላእቲ ሠናያት ክምንጥሉኻ ተዳልዮም ስለዘለው። ኣብ ድልየታት ነፍስኻ ኣይትሕሰብ። ኣምላከ ሰማይ ወምድር ለይትን መዓልትን ከተገልግሎ
ስለዝደሊ፡ ብሓሳባትካ ኣብ ኰንቱነት ዓለም ኣይትጥሓል። ብልሳንካ ከተመስግኖን ክትቅድሶን ጥራይ ኣይኮነን ዝደልየካ፡ ምቛምካ ኣብ ቅድሚ
እግዚአብሔር ብኹልትናኻ ክኸውን ይግባእ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና ብኣንቃዕዶ ልቦና ሓሳባትካ ከይተራቐቅካ ክትጽሊ ዝደልየካ ።”