በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ስምኦን ዘአምድ
(Click to Read in PDF)ቅድስት ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን ብብቅዓቶም ብሃይማኖት ጽንዓቶም ብሓዋርያዊ ተልእኻኦም ገባርነቶምን ናይ ቅድስና ደረጃ እናሃበቶም ብሽሞም ታቦት ቀሪጻ ገድሎም ጽሒፋ ተኽብሮም። ቅዱሳን ብመሪር ተጋድሎን መስዋእትነትን ብሓዋርያዊ ተልእኾ፡ ስብከት ወንጌል ብምስፋሕ ተግባር ዝዋፈሩ ናይ ዕለት መግቢ ክዳን ዓመት ስኢኖም ንገድሊ ከም ሓደ መተሓዳደሪ ኣማራጺ ወሲዶም፡ ካብ ነገስታት ተወሊዶም ኣብ ቤተመንግስት ዓብዮም ናይዛ ዓለም ምቾትን ሕንቃቀን ፍስሃን ሓጎስን ንዒቆም ብምግዳፍ ብትምህርቲ ወንጌል ክርስቶስ ተመሲጦም ከም ሓዋርያት ኣቦታቶም ጸድቃንን ሰማእታትን ንዘልኣለማዊ ህይወት ብምምራጽ ናብ ፍጹም ምናኔን ገድልን ዝኣተው እዮም። ካብዞም ቅዱሳን ሓደ ከኣ ስምኦን ዘአምድ ኢዩ።
ኣብ ሓሙሻይ ሚእቲ ዓመት ሓድሽ ዝዓይነቱ መንገዲ ቅድስና ኣዕኑድ ንዝተባህሉ ቅዱሳን በዚ ኣቦ ዝኾነ ስምኦን ተኸፊቱ። እዞም ቅዱሳን ንነዊሕ ዓመታት ንእግዚአብሔር ብምድላይ መዓልትን ለይትን ሓጋይን ክረምትን ጸሓይን ቁርን ኣስሓይታን ንዳድን ኣብልዕሌዖም እናወረዶም ኣብ ልዕሊ ከረን መኽደኒ ኣብዘይብሉ ገዛ ብጾምን ነስሓን ብገድሊ ሓሊፎም’ዮም። በዚ ተጋድሎኦም’ውን ነቲ ንክሓልፍዎ ጭንቂ ዝኾነ ጸቢብ መንገዲ ገነት ሓሊፎም።