በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!!!
ፍቅሪ እምበር ሓሚመ( ሄለን መለስ)
(Click For PDF)ዝተፈተኹም ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ
ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም አማላድነት፥ ናይ ቅዱሳን መላእክት ሓለዋ፡ ናይ ጻድቃን ሰማዕታት ተራዳእነት ኣመንቲ ኣሕዋትን ኣሓትን
ከመይ ቀኒኹም፤ ኣሜን !! መልስኹም “ኣምላኽ ይመስገን” ዝብል ንፈጣሪ ዘቐደመ ብምዃኑ እናመስገንኩ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ንኣምላኽ
ክንሰርዖ ከምዘለና ዘመስክር ሓቂ እዩ። ሎሚ ናይ መዛራረቢ ዛዕባና ስለፍቕርን መግለጺታቱን እዩ። ብዝኾነ ብዛዕባ ፍቕሪ ካብ ብዙሓት
ደረስቲ፡ ተላሃይቲ፡ ገጠምቲ፡ ኣዝየምቲ ኮታስ ዳርጋ ካብ ኩሉ ብኩሉ ኩርንዓት ዓለም ሰሚዕኩም ትኾኑ ኢኹም። ንፍቕሪ ክገልጹ ዘይተጠቅምሉ
ናይ ፍልስፍና ቃላት የለን እንተተባህለ’ውን፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። በሉ ጉዕዞና ብሓንሳብ ይኹን እሞ፡ ስለፍቕርን መግለጺታት
ፍቕርን እናዘተና ብሓንሳብ ክንጉዓዝ ዕድመይ የቕርበልኩም።
ሓደ እዋን እዩ ብኣጋጣሚ ኣብ ሓንቲ
ኣውቶቡስ ተሳፊረ ኣመት ጉዕዞይ እናገበርኩ ምስ ሓንቲ መማህርተይ ዝኾነት ኤርትራዊት ይራኸበልኩም። ድሕሪ ሰላምታ ምልዉዋጥ ብዛዕባ
ናይ ሃገርና እናዘክረና ዕላልና ንጅምር እሞ