በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 5ይ ክፋል
2.
ናብ ንስሓ ምቅልጣፍ
+ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከምዚ ይብል፡
ኩሉ ግዜ ንስሓ እቶ፡ ውሱን ግዜ ንንስሓ ኣይትግበር።
+ ቅዱስ በኻምዮስ’ውን፡ “ከርክበሉ
እየ ኢልካ ንንስሓ ኣይተጽንሓያ። ምኽንያቱ ከይተዳለኻ ከለኻ፡ ሃንደበት ንነፍስኻ ዝወስዱ ከይመጹ፡ ኣብ ከቢድ ጸልማትን ዘንደልህጽ ሓውን ነፍስኻ ከይተደርበየት ከላ፡
ጸለምቲ ከይከበቡኻ ከለው፡ ናብ ዘሰንብድ ስፍራ ከይወሰዱኻ ከለው፡ ብዘለካ ኃይሊ ተበራበር። ናብ መንግስቲ ኣምላኽካ ብሰላም ምእንቲ
ክትኣቱ፡ ኣብ ንብረት ጐይታኻ እሙን ኩን።
+ ኣነ ካብቲ ሰናይ ገይሩ ዘታልል፡
ሓጢኡ ዝጠዓስ ይፈቱ።
+ ቅዱስ ባስልዮስ፡ “ዘይምሕጣእ
ጽቡቕ እዩ፡ ምስ ሓጣእካ ግና፡ ናብ ንስሓ ጕየ። ምስ ተናሳሕካ ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ ድማ ዝበለጸ እዩ። ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ
ግን ብኃይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ነዚ ኩሉ ምስ ፈለጥካ ንኣምላኽ ምምስጋን ይግባእ። ዘውትር ረድኤቱ ምልማን ድማ
ሰላም ይህበካ።”
+ ቅዱስ ኣባ ጢሞቴዎስ፡ “እንተሓጣእካ፡
ሸለል ኣይትበል ኣይትተሃከ ድማ፡ ተቐላጢፍካ ተንስእ። መንገድኻ እንተሰሓትካ ቀኑዕ መንገዲ ክሳብ ትረክብ ንድሕሪት ተመለስ። ምኽንያቱ
እታ ቅንዕቲ መንገዲ ጥውይዋይ የብላን። ምንዋሕ ዓመታት’ውን ኣይርከባን። ብቕልጡፍ ናብ ከተማ ሰላም ተብጽሓካ።”