በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ
አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 2ይ ክፋል
2.
ንስሓ ንነፍሲ ትሓጽብ
ቅዱሳን ኣበው፡
(Click For PDF)+ ሓጢኣተኛ ብንስሓ ተሓጺቡ ክነጽኅ
ኣይክእልን እዩ ዝብል ሰብ፡ ግጕይ መረዳእታ ኣለዎ። ሥጋዊ ምውላድና እንተተዓዚብና፡ ዘርኢ ኣብ ጸቢብ ማህጸን ኣትዩ፡ ካብ ጸልማት
ናብ ብርሃን ይወጽእ። መንፈሳዊ ውሉድነት’ውን፡ ብጥምቀት ውሉድነት ቅድስተ ሥላሴ ዝተዓደለት ነፍሲ፡ ንጽህንኣ ሸይጣ ብሓጢኣትን
ግዝያዊ ነጸብራቕ ዓለምን ውዲት ድያብሎስን ተታሊላ፡ ካብ ከቢድ ጸልማት፡ ጻዕሪ ምውዳቕን ምትንሳእን ዝመልኦ፡ ናይ ንስሓ ጣዕሳ
ኣቢላ ናብ ብርሃን ዝመልኦ ህይወት ትወጽእ።
+ ኣብ ገፊሕ ብርሃን ምድሪ ዝተኻዕወ
ዘርኢ፡ ናብ ጸቢብ ጸላም ዝመልኦ ማህጸን እንተዘይኣትዩ፡ ነቲ ዝወለዶ ኣይምመስልን። ንሓዋሩ’’ውን ከንቱ ይጠፍእ። ብሓጢኣት ዝረኸሰ
ሰብ ድማ፡ ብጸላም ዝመልኦ ጸቢብ ማሕህጸን (ናይ ንስሓ) እንተዘይኣተወ፡ ብዘይጥርጥር ንከንቱ ክጠፍእ እዩ። ነቲ ዝወለዶ’ውን ኣይመስልን።
ብጥምቀት ዝተወሀቦ ውሉድነት ከይተረፈ ይንፈጐ።