በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ብርሃን መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና!
መስቀል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ
«ወንሰግድ ውስተ መካን ኀበ ቆመ እግዚእነ» መዝ ፻፴፩፥፯/132፡7
መስቀል
Click for PDF ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ካብ ተኽብሮም ትሽዓተ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኡሳን በዓላት ሓደ ኣብ መስከረም 17 ዝኽበር በዓል መስቀል እዩ። መስቀል ናይ ሰላምናን ድኅነትናን ቅድስናን ምልክት፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ከድኅን፣ ናይ
ዘለዓለም ሕይወት ንኽህበና መሥዋእት ዝኸፈለሉ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝፈሰሰሉ መንበር ክኸውን ከሎ፣ ንኣምላኽና ንርእየሉ መስትያት እዩ።