በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።
ቲ'ዚጉዳእ መን እዩ።
(Click For PDF)ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ እምባ ስብከቱ ካብ ዘምኃሮም ትምህርቲ ሓደ << ንጸላእትኹም ፍተዉ ዝረግምኹም መርቑ …… ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ ስለቶም ዚጸፍርኹም ዚሰጉኹምን ጸልዩ።
>> ዝብል ይረከቦ። ማቴ.5፣43-44፣ ብዙኃት ነዚ ቃል ዋላ እንተፈለጥናዮ ጸላእትና ክንፈቱን፣ ክንምርቖምን ብዛዕብኦም ንጽልየሉ ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ብዘይምስትውዓልና ነዚ ነገር እዚ ክንገብሮ ንጽገም። <<
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክንገብር ስለዘምኃረና እዩ።
>> ብምባል ከም ትእዛዝን ግዴታን ጥራሕ ጌርና ንምልከቶምውን ኣይንጠፍእን ኢና።