በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ
ቅደስ አሃዱ አምላክ አሜን!
እንቋዕ ናብ ናይ ኣዴና ቅድስተ
ቅዱሳን ድንግል ማርያም
በዓለ ጽዮን (ሕዳር ጽዮን) ኣብጸሓና!
ምስባክ
እስመ ኃረያ እግዚአብሔር ለጽዮን
ወአብደራ ከም ትኩኖ ማኅደሮ
ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም መዝ.131-13 (134-14)
2ይ ቆረ.6-12, 1ይጴጥ.2፣5-11፣ ግ.ሓዋ.7፣44-45። ወንጌሌ ማቴ.21፣42
ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)
<<ኣልብኪ ነውር ወኢምንቲ ላዕለኪ።
ኣቲ ፍትውተየ ኲለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።>> መኃ. 4፡7
ነገረ ማርያም
(Click for PDF)ናይ ትንቢተ ነብያት መዕረፊ። መበገሲት ስብከት ሓዋርያት፣ ናይ ሉቃውንቲ ቤተክርስቲያን ምሥጢር ነገረ ማርያም እዩ። ብዘይ ነገረ ማርያም ነገረ ክርስቶስ ምዝራብ ኣይከኣልን። ኣብ ክርስትና ሃይማኖት ዝተላዕሉ መናፍቃን ናይ መጀመርያ ጸገሞም ናይ ነገረ ማርያም ኣማናዊ ትምህርቲ ዘይምቅባል እዩ። እዚ ጸገሞም ከኣ ንጐይታና መዴኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብትኽክል ከይኣምኑ ጌሩዎም እዩ። ኣብ ነገር ማርያም ቅኑዕ ትምህርትን እምነትን እንተዝነብሮም ግና ኣብ ኑፋቄ ኣይምወደቁን ኔሮም። ንስጥሮስ <<
አምላክ ወልደ አምላክ >> ኢሉ ንክርስቶስ ከይኣምን ዝተጸገመ << ወላዲተ ኣምላክ፡
ወላዲተ ቃል፡ እመ እግዚአብሔር
>> ኢሉ ብኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምእማን ስለዝተሸገረ እዩ።
ነገር ማርያም ካብ ነገረ ክርስቶስ ምፍላይ ኣይከኣልን እዩ። ዝተዋህደ እዩ። ብዛዕባ ኣዳና ቅዴስተ ቅደሳን ድንግል ማርያም ዝንገር ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ንክርስቶስ ይትንክፎ እዩ።
ናይ እግዚአብሔር ናይ ድኅነት ስራሕ ኣብ ንዛረበሉ እዋን ንኣዴና ቅድስተ ቅደሳን ድንግል ማርያም'ውን ፈሊና ክንገድፎ ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ወሊዳ
ዘዕበየት፣ ሓዚላ ዝተሰደት፣ ኣብ ዘመነ ኣስተምህሮ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ እግሩ ከይተፈልየት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስኡ ዝዞረት ስጋብ ቀራንዩ እግረ መስቀል ዘይተፈልየት ኣደ እያ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ምኽንያተ ድኂን ጌርዋ እዩ።
ብዛዕባ ነገረ ዴኅነት ክንዛረብ ከለና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ንድሕነትና ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ በጃነት ዝጅምር ካብ ዕለተ ጽንሲ ካብ ማህጸን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። ሥጉኡ ቆሪስልና ደሙ ኣፍሲስልና ፣ነፍሱ ኣሕሉፉ ሂቡና ንብል ካብ ኣዳና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ሥጋ እዩ። ካብኣ ብዝወሰዶ ኣብ ልዕሊ መስቀል ዝፈተቶ ሥጋኡን ዘፍሰሶ ደሙን ናይ ህይወት ማኣዲ ጌሩ ሂቡና። መለኮታዊ ፍሕሚ ኣብ ማህጸና ካብ ምሽካም ጀሚራ እዚ ዓቢ ምሥጢር ዝተፈጸመላ ብምዃና መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ ኮይና ትምስገን። ኣብ መዝሙርና ኮነ ኣብ ቅዳሴና ድሕሪ ስም ሥላሴ ንዝምሮ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስጋና እዩ።
ቅዱስ ዲዊት መዝ/86፣1-3። <<መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳን ኣኽራን እያ። እግዚአብሔር ካብ ኩሉ ማሕደራት ያዕቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ። ኣቲ ከተማ ኣምላኽ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ
>> መዝ.87፣1-3
ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም'ውን እሳተ መለኮት ኣብ ማህጸና ተሸኪማ << ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፣ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ በቲ መድኃኒየይ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ ስሙ ቅዱስ እዩ። ( ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ ርእየ ኣምላክ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ትወልድ እመቤት ዘመን እንተዘብጽሓኒ ኣገልጋሊት ኮይነ ምስ ኣገልገልክዋ ዝብል ናይ ልበይ ሓሳብ ርእዩለይ።) እንሆ ካብ ሕጂ ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ኺብሉኒ እዮም።
>> ለቃ.1-46።
ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተገብረላ ዓብዪ ነገር፡
ካብ ጥንተ ኣብሶ ነጻ ኮይና ምፍጣራ
ካብ ሃልዮ ካብ ነቢብ ካብ ገቢር ሓጥያት ነጻ ምዃና።
ካብ ልማድ ኣንስት ነጻ ምዃና።
ሰማይን ምድርን ዘይክእልዎ ኪሩቤል እሳታዊ መለኮት ዝሽከሙሉ ሱራፌሌ መንበሩ ዝዓጥንሉን መላእክት ዝንቀጠቀጥሉ ኣብ ማህጸና ሰለዝተሰከመት እያ።
እዚ ብምዃኑ ከም ቅዱስ ዳዊት << ሃገረ እግዚአብሔር ድንግል ማርያም ንዓኺ ዝተገብረልኪ ነገር ዕጹብ ድንቂ እዩ።>> እንዳበልና ነመስግና።
ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንጽህት እምንጹሃን ቅድስቲ እምቅዱሳን እያ። ካብ ዝተፈልዩ ዝተፈልየት ካብ ዝኸበሩ ዝኸበረት ፣ ካብ ዝተመርጹ ዝተመርጸት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ከም ካልኦት መርገም ሥጋ መርገመ ነፍሲ ስለዘይበጽሓ እዩ። ነዚ ክገልጾ ከሎ ጠቢበ ሰለሙን <<ለስእርተ ርእስኪ.ለአፉኪ… ለአስናንኪ… ለክሣደኪ… ለአጥባትኪ.. ።>> እንዲበለ መልክአ ማርያም ማለት
ኩለንተናኣ ብምድናቅ <<
ኣቲ ፍትውተየ ኵለንተናኺ ጽብቅቲ ኢኺ ሕፍቲ የብልክን።
>> መኃ. 4፣7። ሕፍቲ ዝተባህለ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍሲ ዘምጽአ ጥንተ ኣብሶ ዝበሃል ናይ ኣዳም ሓጥያት እዩ።
ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ቅድመ ጸኒስ ቅድመ ወሉድ ፣ ጊዜ ጸኒስ ጊዜ ወሊድ፣ ድኅረ ጸኒስን ድኅረ ወሊድ ድንግል እያ። ነብዩ ኢሳይያስ <<
ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፣ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ፣ ስሙ'ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።>>
ኢሳ7።.13-14። ነብዩ ሕዝቅኤል.<<ወርኢኩ ኅኃተ በምስራቅ፣
ኅቱም በዐቢይ መንክር ማኅተም አልቦ ዘቦአ ዘእንበለ እግዚእ ኃያላን ቦአ ውስቴታ ወወጽአ…..፣ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ ከኣ እያ። እግዚአብሔር ድማ በለኒ ፣ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን ኣይተከፈት ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚአብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር። ሕዝ.44፣-1-4።
እዚ ከኣ ንጽሓ ነፍስን ንጽሓ ልቦና ኣተሓባቢራ ሓደ ጌራ ምሓዛ የረጋግጸልና። ጠቢበ ሰሎሞን << ዋላ ሓንቲ ሕፍቲ የብሌክን..>> ዝበለ
ሓለቃ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል << ኣቲ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ ባህ ይበልኪ። ካብ ኩለን ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ በላ
……>> ኢሉ ቅድሚ ብስራት ምንጋሩ ፣ብስራት ኣብ ዝነገረሉ እዋን፣ ድሕሪ ምብሳሩ'ውን ምዃኑ ንርዳእ። ለቃ.1-26። ምኽንያቱ መልኣኩ ቅድስ ገብርኤል ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምልኽ ተላእከ ይብለና። እዚ ከኣ ድንጋሌ
ሥጋ ጥራሕ ዘይኮነ ድንጋሌ
ነፍሲ'ውን ከምዘለዋ ዘምልክት
እዩ። ድንጋሌ ነፍሲ ናታ ብምግባራ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብጥንተ ኣብሶ ዝተታሕዘትሉ እዋን ፈጺሙ ከምዘይነበረ የረድኣና። ነዚ እዩ ከኣ ጠቢቡ ሰልሞን << ኣቲ ፍትውተየ ኵለንተናኺ ጽብቅቲ ኢኺ ሕፍቲ የብልክን።
>> ዝበላ።
ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ከኣ ናይ ኣድዴ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስማ ትጽውዕ በዓላ ትዝክር ንዓዓ ተኽብር ነዚ ብምርዳእ እያ።
ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከት ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም የብዝሓልና።
ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ንጽህተ ንጹሃን ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!
amen kuburta ahwatna enkae ahbiru biselam abtsehana,khy ab stolotkum zekruna.
ReplyDelete